ንኢትዮጵያ ተባሂሉ ካብ ዩክረይን ዝተጻዕነ ስርናይ ጅቡቲ በጺሑ

ኲናት ዩክረይን ካብ ዝጅመር ንመጀመርታ ግዜ ናብ ኣፍሪቃ ዝተላእከ 23 ሽሕ ቶን ስርናይ ኣብ ወደብ ጅቡቲ በጺሑ።
እዛ ባንዴራ ሊባኖስ ዘንልበለት፡ 'ብሬቭ ኮማንደር' ብዝተባህለት መርከብ ዝለኣኽ ዘሎ እኽሊ፡ ናብታ ኣብ ከቢድ ጠለብ ሓገዝ መግቢ ዘላ ኢትዮጵያ ዝኣቱ ምዃኑ ተሓቢሩ።
እታ መርከብ ካብ ደቡባዊ ዩክረይን ናብ ጅቡቲ ንኽትበጽሕ ክልተ ሰሙን ወሲዱላ።
እቲ ስርናይ ንሓደ ወርሒ ን1.5 ሚሊዮን ኢትዮጵያውያን ዝቕልብ’ኳ እንተዀነ፡ ኣብታ ሃገር ንዘሎ ብርክት ዝበለ ሰብኣዊ ቅልውላው ግን እዅል ኣይኰነን።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ክልል ሶማል ብሰንኪ ተኸታታሊ ሕጽረት ዝናብን ደርቂን ንዝተጠቕዑ 2.4 ሚሊዮን ሰባት ንምሕጋዝ ክውዕል ትጽቢት ይግበር።
ኢትዮጵያ ሓዊሱ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተናውሐ ሓያል ደርቂ ኣጋጢሙወን ኣሎ። እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ድማ ኣስታት 20 ሚልዮን ሰባት ንህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣቃሊዑ ይርከብ።
ከም ጸብጻብ ትካል ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ እቲ እኽሊ ብመኪና ናብ ኢትዮጵያ ክሳብ ዝበጽሕ ክልተ ሰሙናት ክወስድ እዩ።
እቲ ትካል፡ ብሰንኪ ጐንጽን ደርቅን ዝተመዛበሉን ተጸበይቲ ሓገዝን ስደተኛታትን ንምሕጋዝ ዘኽእሎ ክዙን ቀረብ መግቢ ንምሓዝ፡ ወጻኢታት እቲ ጽዕነት ከፊለ’የ ይብል።
ቅድሚ ኲናት ዩክረይን፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሰለስተ ሲሶ ዝኸውን ረድኤት መግቢ ካብ ዩክረይንን ሩስያን ይዕድግ ነይሩ።
ወሃቢ ቃል እቲ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ክሌር ነቪል፡ ቅድሚ ሕጂ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል እቲ ስርናይ ቅድሚ 22 ኣዋርሕ ብዝተወልዐ ኲናት ኣብ ጸገም ንዘለው 3.4 ሚልዮን ነበርቲ ትግራይን ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ንዘለው ህዝብታትን ንምሕጋዝ ከም ዝውዕል ሓቢሩ ነይሩ።
ይዅን’ምበር፡ ተራጸምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ዳግም ናብ ኲናት ምእታዎም ንንጥፈታት ምቕራብ ረድኤት ከተዓናቕፎ’ዩ ዝብል ስግኣት ፈጢሩ ምህላው ዳይረክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ምብራቕ ኣፍሪቃ ሚካኤል ዳንፎርድ ገሊጹ።
ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ መግቢ፡ መድሃኒትን ነዳድን ናብ ትግራይ ምብጻሕ ክኢሉ ነይሩ። ሕጂ ግን ብሰንኪ እቲ ኲናት ደው ከብሎ ተገዲዱ ኣሎ።
“ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኵነታት ጸጥታን ናብቲ ህዝቢ ክንበጽሐሉ እንኽእል ኵነታትን ንግምግም ስለ ዘለና፡ ኣብ ትግራይ ዝነበረና ምንቅስቓስ ደው ኢሉ ኣሎ፤ ኣብ ሰለስቲኡ ክልላት በቲ ኲናት ዝተጐድኡን ሰብኣዊ ረድኤት ዘድልዮምን ልዕሊ 13 ሚልዮን ሰባት ምህላዎም ኣዝዩ ዝኸፍአ ቅልውላው ይገብሮ፡” ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ዩክረይንን ሩስያን መግቢ ንምጕዕዓዝ ዝሕግዝ መስመር ንምኽፋት ምስ ቱርኪ ተሰማሚዐን ነይረን።
እዚ መተሓላለፊ መገዲ ካብ ዝኽፈት ንነጀው ድማ 560 ሽሕ ቶን እኽልን ካልኦት ዓይነታት መግብን ካብ ወደባት ዩክረይን ተላኢዀም ኣለው። 70 ሚእታዊት ካብዚ ኸኣ ናብ ቱርኪ፡ ኢራንን ደቡብ ኮርያን ተላኢኹ'ሎ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክሳብ ሕጂ 60 ሽሕ ቶን ስርናይ ካብ ዩክረይን ብምግዛእ ኣብ ጸገም ንዘለዋ ሃገራት ከም ዝለኣኸ ይገልጽ።
ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ካብ ዩክረይን ዝመጽእ እኽሊ ጠጠው ምባሉ፡ ሕጽረት መግቢ 30 ሚሊዮን ቶን ከምኡ’ውን 40 ሚእታዊት ዝቕባበ ዋጋ ንኽፍጠር ምኽንያት ከም ዝዀነ ይገልጽ።
ኣብ ናይጀሪያ፡ ከም ፓስታን ሕብስትን ዝኣመሰሉ መግቢታት ዋጋኦም ብ50 ሚእታዊት ክብ ኢሉ’ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







