ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ 'ናብ ዝጠመዩ ስድራቤተይ ገንዘብ ክሰድድ ኣይከኣልኩን'

ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብታ ብኲናት ዝተሃስየት ክልል ትግራይ ንዝርከቡ "ብጥሜት ዝተጠቕዑ" ኣዝማዱን ኣባላት ስድርኡን ገንዘብ ክሰድድ ከምዘይክኣለ ኣፍሊጡ።

"ኣብኡ ብዙሓት ኣዝማድ ኣለዉኒ። ገንዘብ ክሰደሎም እየ ዝደሊ። ገንዘብ ክሰደሎም ግን ኣይክእልን" ኢሉ ኣብ'ቲ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ።

ኣስዒቡ፡ "መን ሞይቱ'ውን ብህይወት ከምዘሎ'ኳ ኣይፈልጥን እየ" ኢሉ።

እቲ ኲናት ኣብ 2020 ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ፡ ትግራይ ካብ ዓለም ተኸዊላ እትርከብ ኰይና፡ መብራህቲ ይኹን ቴለፎን ተቛሪጹ ይርከብ። ኣገልግሎት ኢንተርነትን ባንክን እውን ኣይርከብን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ’ቲ ክልል ናይ ረድኤት እገዳ ብምግባሩ ዕንቅፋት ገይሩ ተባሂሉ ክኽሰስ ጸኒሑ'ዩ። መንግስቲ ብወገኑ እቲ ኲናት ጠንቂ ናይቲ ዕጽዋ ምዃኑ ይምጉት።

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሲቪላት ሞይቶም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ድማ ህጹጽ ሓገዝ መግቢ የድልዮም ከምዘሎ ይግለጽ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዳርጋ ፍርቂ ካብ መላእ ህዝቢ ትግራይ ህጹጽ ረድኤት ከም ዘድልዮ ይሕብር።

ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተወስደ ምቁራጽ ተጻብኦታት ስዒቡ፡ ንኣዋርሕ ህድኣት ድሕሪ ምጽንሑ፡ ኣብዚ ሰሙን እቲ ውግእ ዳግም ጀሚሩ ኣሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ነበር ዶክተር ቴድሮስ፡ ብዛዕባ እቲ ኲናት ክዛረብ ንፈለማ እዋን ኣይኮነን።

ትማሊ ረቡዕ፡ እቲ ኩነታት ካብቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ዝሓሰመ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ምኽንያት ዝሕቱል ዓለማዊ ምላሽ ድማ ‘ዓሌታዊነት’ እዩ ክብል ከሲሱ።

"ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ልዕሊ'ቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ምዃኑ ክነግረካ እኽእል እየ፡ ብዘይ ዝኾነ ምግናን። ቅድሚ ብዙሕ ኣዋርሕ ድማ ኢለዮ ነይረ፡ ምናልባት እቲ ምኽንያት፡ ሕብሪ ቆርበት ህዝቢ ትግራይ ክኸውን ይኽእል'ዩ።"

ንሱ፡ ኣብ 2020 ሓደ ኢትዮጵያዊ ጀነራል ንሓይልታት ትግራይ ኣጽዋር ኣብ ምዕዳግ ሓጊዙ ዝብል ክሲ ነጺግዎ ነይሩ።

"ኣብዚ ኩነታት፡ ጸግዒ ይሕዝ ከምዘለኹ ዝሕብሩ ጸብጻባት ክቐርቡ ጸኒሖም'ዮም። እዚ ግን ሓቂ ኣይኮነን" ክብል ኣብቲ እዋን ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ነይሩ።

ኣብ ካልእ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝነብሩ ተጋሩ'ውን፡ ብተመሳሳሊ፡ ምስ ኣዝማዶም ንምርኻብ ልክዕ ከም'ቲ ዶክተር ቴድሮስ ዘጋጠሞ፡ ብዙሕ ፀገማት ኣጋጢምዎም ኣሎ።

ኣብ ወጻኢ ዝነብር፡ ምሁር ስነ-ቑጠባን ተመራማርን-ክብሮም ኣባይ፡ ናብ ትግራይ ገንዘብ ምልኣኽ ኣዝዩ ኣፀጋሚን ብዙሕ ወፃኢ ዝሓትት ምዃኑን፡ እዚ ድማ ኣብቲ ክልል ፋይናንሳዊ ግልጋሎት ምቁራፅ ዘስዓቦ ምዃኑን ይወቅስ።

ክብሮም፡ "ነቶም ህይወቶም በቲ ካባይ ዝስደድ ገንዘብ ዝምርኮሱ ዝነበሩ፡ ብጥሜት ዝሳቐዩ ዘለዉ ወለደይ፡ ክሕግዞም ዘይምኽኣለይ፡ ኣዝዩ ዘሕምምን ውሽጠይ ዝትንክፈንን ነገር" እዩ ኢሉ።

ሓደ ኣብ ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝነብር ተወላዲ ናይቲ ክልል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ 20% ኮሚሽን ከፊሉ፡ ናብ ትግራይ ገንዘብ ዘብጽሕ ሰብ ከምዝረኸበ ሓቢሩ።

"እቲ መደብ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ክበጽሖም ዝብል እዩ ነይሩ። ሕዚ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ኮይኑ'ሎ፡ ስድራይ ክቕበልዎ ኣይከኣሉን። ብዛዕባ ህሉው ኩነታቶም'ውን ኣይፈልጥን'የ። ምስኦም ክራኸብ ኣይከኣልኩን።"

ካልኦት ድማ፡ ንስድራ ቤቶም ገንዘብ ክልእኹ፡ ደላሎ እኳ ክረኽቡ ኣይከኣሉን።

ካብኣቶም ሓደ፡ "ስድራይ ኣብ [ሓንቲ] ርሑቕ ቁሸት እዮም ዝነብሩ። ዋላ እቶም ደላሎ እንተኾኑ’ውን ናብኡ ክኸዱ ኣይኽእሉን። ክድውል ከለኹ፡ እቶም ደላሎ መጓዓዝያ ስለዘየለ ናብኡ ኣይንኸይድን ኢሎምኒ" ኢሉ።

እቲ ከም ብሓድሽ ዝተልዓለ ውግእ ንሳልሳይ መዓልቱ ከምዝቐጸለ ዝግለፅ እንትኸውን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ዓርቢ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ መቐለ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝፈፀመ መራሕቲ ትግራይ ገሊፆም።

ቴሌቪዥን ትግራይ፡ ናይ ሓደ ዝዓነወ ህንጻ ምስሊ ብምርኣይ፡ በቲ መጥቃዕቲ ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ እኳ እንተገለጸ፡ እቲ ጸብጻባት ግን ብናጻ ኣካል ክረጋገጽ ኣይከኣልን።

ቤት ፅሕፈት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሰባት፡ "ወተሃደራዊ ናውትን ናይ ስልጠና መሳርሕታትን ህወሓት ካብ ዝርከበሉ ከባቢታት" ክርሕቁ ይግባእ ይብል።

እቲ መግለጺ፡ ነቲ ዝተባህለ ክሲ ብደብዳብ ነፈርቲ ብቐጥታ እንተዘይኣመልከተ’ኳ፡ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ከምዝተፍጸም ኣሚቱ'ሎ።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንቢቢሲ መደብ ኒውስደይ ኣብ ዝሃበቦ መግለፂ፡ ሕዚ እውን ከቢድ ውግእ ይካየድ ከምዘሎን ህዝቢ ትግራይ ድማ ይሳቐ ከምዘሎን ገሊጹ።

መራሕቲ ትግራይን መንግስቲ ፌዴራልን ብዛዕባ ዳግማይ ምውላዕ ውግእ ነንሕድሕዶም ይካሰሱ ኣለዉ።

ጌታቸው ረዳ፡ "ሰበስልጣን ኣዲስ ኣበባን መሻርኽቶምን፡ ብዘንበርዎ ዕጽዋ፡ ንጥሜት ዝተቓልዐ ህዝቢ ኣለና። ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣዝዩ ዘድልዮ እዩ" ኢሉ።

"ብጭቡጥ ሓቂ፡ ህዝብና ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዘድልዮ ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ እቲ ኲናት ንሕና ጀሚርናዮ እንትንኸውን ዕሽነት እዩ ዝኸውን"።

ነበርቲ እታ ካብ ገለ ካብቲ ዝተገልጸ ውግእ ኣስታት 25 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ቆቦ፡ ሕዚ'ውን ድምጺ ከበድቲ ኣጽዋር ክሰምዑ ከምዝኽእሉ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

"እቲ ኲናት ድሮ ተጋዲዱ ኣሎ። ተወሳኺ ሓይሊ ምክልኻል'ውን ናብቲ ከባቢ ይኣቱ ኣሎ" ትብል ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ።

ኲናትትግራይ፡ ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ድሕሪ ምውልዑ፡ ጸኒሑ ናብ ደቡብ ገጽ፡ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወለዐን፡ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ሞት፡ ጥምየትን ምግሃስ መሰላትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ምስዓቡ ይፍለጥ።

ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ብሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ወገናትን ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት ክሳብ ሎሚ ነቲ ኲናት ደው ከብሎ ኣይክኣለን።

ኣብቲ ኲናት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉ ይንገር።