ብኸመይ እዮም 175 ብሪጣንያውያን ቈልዑ ብኤችኣይቪ ተለኺፎም?

ማይክል

ምንጪ ስእሊ, FAMILY PHOTO

ብ1980ታት፡ ሄሞፊልያ ዝበሃል ሕዱር ሕማም ደም ዝነበሮም ልዕሊ 150 ቈልዑ ብኤችኣይቪ ከም ዝተለኽፉ፡ ቢቢሲ ካብ ቤተ መዛግብቲ መንግስቲ ዝረኸቦ ሰነድ የርኢ።

ገለ ካብቶም በዚ ሕማም ዝተጠቕዑ ስድራቤታት፡ ኣብ ታሪኽ ሕክምና ዓባይ ብሪጣንያ (ኤን.ኤች.ኤስ.) እቲ ዝኸፍአ ናይ ሕክምና ሓደጋ ተባሂሉ ኣብ ዝግለጽ ዘሎ ህዝባዊ መርመራ መርትዖታቶም ይህቡ ኣለው።

እቲ ጉዳይ ቅድሚ 36 ዓመት ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ 1986 እኳ እንተጋጠመ፡ ሊንዳ ግን እታ ውላዳ ብሕማም ከም ዝተጠቕዐ ዝሰምዐትላ መዓልቲ ፈጺማ ኣይትርስዓን እያ ።

ኣብቲ እዋን ምስ ወዲ 16 ዓመት ወዳ ማይክል፡ ኣብ ከተማ በርሚንግሃም ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ናይ ህጻናት ሆስፒታል ናይ ምምኻር ክፍሊ ተጸውዐት።

ውላዳ፡ ገና ኣብ እግሪ ተኽሉ ሄሞፊልያ ብዝብሃል ብተወርሶ ብዝመሓላለፍ ንምርጋእ ደም ዘሰናኽል ሕማም ተጠቕዐ።

ሊንዳ፡ እቲ ዝተጸውዐቶ ኣኼባ፡ ክንክን ጥዕና ውላዳ፡ ኣብታ ከተማ ናብ ዝርከብ ቀንዲ ሆስፒታል ንግስቲ ኤልሳቤጥ ክሰጋገር ይኽእል ይኸውን ዝብል ግምት እዩ ነይሩዋ።

"እቲ ናይ ሕክምና ክንክን ኣዝዩ ልሙድ ስለ ዝነበረ፡ በዓል ቤተይን [ሰብኣይ ኣደ ማይክል]ን ኣብ ግዳም ኣብ መኪና ይጽበዩና ነይሮም" ትብል።

"ድሕሪኡ፡ እቲ ሓኪም፡ ከምዚ ብተራ ዕለታዊ ኩነታት ኣየር ዝዛረብ ዘሎ፡ ብሃንደበት፡ “ሚካኤል ኤችኣይቪ ፖዚቲቭ እዩ” ምስ በለና ከብደይ ግምጥልጥል በለኒ።

“ካብቲ ሆስፒታል ወጺአ፡ ኣብ መኪና ንዝጸንሓና በዓል ቤተይ ነገርክዎ። ክልቴና ስለ ዝሰምበድና ከኣ ንገዛና ክሳብ እንኣቱ ፈጺምና ኣይተዘራረብናን። ከቢድ ነውጺ እዩ ፈጢሩልና "ትብል።

ኤችኣይቪ ቀስ ብቐስ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ሰብነትካ ኣማህሚኑ ንሕማማት ብምቅላዕ ዝቐትል ሕማም እዩ።

ኣብቲ እዋን ከኣ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብቴሌቪዥን “ ብድንቁርና ነብስና ኣይንቕተል” ዝብል ሰፊሕ ናይ ሚድያ ጎስጓስ ይገብር ነይሩ።

እቲ ጽዑቕ ወፈራ ጎስጓስ ኣብ ነብሲ ወከፍ ቤት ይረአ ስለ ዝነበረ ብሰንኪ እቲ ሕማም ርኡይ ተነጽሎ የጋጥም ነይሩ።

ኣብ 1985 ሓደ ብሕማም ሂሞፎሊክ ዝተጠቕዐ ወዲ ትሽዓተ ዓመት ተማሃራይ፡ ብኤችኣይቪ ከም ዝተጠቕዐ ምስ ተፈልጠ ብዙሓት ወለዲ ንደቆም ካብቲ ኣብ ሃምፕሻየር ዝርከብ ናይ መባእታ ቤት ትምህርቲ ኣለዩዎም።

ሚካኤል፡ ነቲ ሕማም ኣብ ውሽጡ ክሕዞ እምበር ፈተውቱን ይኹኑ ቤተሰቡ ክንገሩን ክፈልጡን ከም ዘይደለየ ሊንዳ ትሕብር።

ነቲ ሕማም ከም ንቡር ገይሩ ክወስዶ ስለ ዝደለየ ንኣዕሩኹቱ እውን ኣይነገሮምን።

ካብ 1970 ክሳዕ 1991 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ፡ “ፋክተር ኤይት” ዝበሃል ሓዲሽ መድሃኒት ምስ ወሰዱ፡ 1,250 ናይ ደም ጸገም ዘለዎም ሰባት ብኤችኣይቪ ከም ዝተለኽፉ ተፈልጠ።

እዚ ሓድሽ መድሃኒት ነቲ ደሞም ንኸይረግእ ዝገትእ ሕማም ንምክልኻል ዝተዋህቦም እዩ ነይሩ።

ሽዑኡ ኣስታት 175 ብሕማም ሄሞፊልያ እተጠቕዑ ቈልዑ ነቲ መድሃኒት ኣብ ሆስፒታላት፡ ኣብያተ-ትምህርትን ክሊኒካት ብሓካይም ብሪጣንያ ተዋሂቡዎም።

ካልኦት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ቖልዑ ድማ ብዝተዋህቦም መድሃኒት፡ ንሕማም ወይቦ ከም እተቓልዑ ይእመን።

ሕማም ወይቦ ንጸላም ከብድን መንሽሮን ከቃልዕ ዝኽእል ሕማም እዩ። እቲ ሕማም ከኣ ንተመሳሳሊ ዓይነት ናይ ደም ጸገማት ክፍውስ ብዝተዋህበ መድሃኒት እዩ ተኸሲቱ።

ኣስታት ፍርቂ ካብቶም ብኤችኣይቪ እተታሕዙ ሰባት፡ ቅድሚ እቲ መናውሒ መድሃኒት ዕድመ ሕሙማት ኤችኣይቪ ቅድሚ ምርካቡ ምስ ሕማም ኤይድስ ብዝተሓሓዝ ሕማም ሞይቶም።

ተጠቀምቲ እቲ መድሃኒት

ሆስፒታል
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ንሕማምት ደም ዝምልከት መድሃኒት ተፍሪ ስለ ዘይነበረት እቲ “ፋክተርኤይት” ዝበሃል መድሃኒት ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እያ ትገዝኦ ነይራ።

እቲ መድሃኒት ከኣ ካብ ኣሽሓት ወለንተኛታት ወሃብቲ ደም ብዝተኣከበ ፕላዝማ እዩ ዝስራሕ።

ካብቶም ኣሽሓት ሓደ ብኤችኣይቪ እንተተለኺፉ ከኣ ኩሉ እቲ ደም ይብከልን እቲ ሕማም ይመሓላለፍን።

ኣብ ኣመሪካ ዝርከባ ኩባንያታት ፋርማሲ፡ ነቶም ደም ዝልግሱ ውልቀ-ሰባት፡ እንተላይ ንገለ ካብቶም ኣብ ልዑል ሓደጋ ዝርከቡ፡ ከም እሱራትን ተጠቀምቲ ሓሽሽን ዝኣመሰሉ ደም ዝልግሱ ሰባት ገንዘብ ይኸፍለኦም ነይረን።

ሊንዳ፡ ኣብቲ ብ1984 ኣብ ሆስፒታል ቈልዑ በርሚንግሃም እተገብረ ናይ ምምኽኻር ኣኼባ፡ ንፈለማ ግዜ ብዛዕባ’ቲ ሕማም ፍሉይ ምልክታት ንኽትዕዘብ ከምእተነግራ ትዝክር።

ይኹን'ምበር፡ ሓደ እዋን ሓንቲ ኣላዪት ሕሙማት፡ "ሚካኤል ጽቡቕ እዩ ዘሎ" ብምባል ንኸይትጭነቕ ስለ ዝነገረታ፡ እታ ስድራ ቤት ነቲ ሓደጋታት ምሉእ ብምሉእ ከም ዘይተረድኣቶ እያ ትዛረብ።

ኣብቲ እዋን’ቲ ከኣ ወዳ ገና ነቲ ሕማም ዘመሓላለፈሉ “ፋክተር ኤይት” ዝተባህለ ናይ ኣመሪካ መድሃኒት ይወስድ ነይሩ።

ሚካኤል ኣብ መወዳእታ ዕድመ ብጽሕንኡ ብብርቱዕ ረስኒን ረሃጽን ለይትን፡ ተደጋጋሚ ሕማም ሰዓልን ዝኣመሰለ ቀጨውጨው ዘብል ሕማማት ክጥቃዕ ጀመረ ።

ይኹን'ምበር፡ ክሳብ ሕልፈተ ህይወቱ፡ ምጋሽ፡ ሙዚቃ ምስማዕን ነቲ ኣብ ዌስት ብሮምዊች ኣልቢዮን ዝነበረ ክለብ ኩዕሶ እግሪ ምድጋፍን ኣየቋረጾን።

ሊንዳ፡ ኣብ ዌምብሊ ዓብዪ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረሉ እዋን ጥዕንኡ ሕማቕ እኳ እንተነበረ ንዅላ እታ መኪና ሰላሊሞም ምስ አዕሩኽቱ ንክራኸብ ናብቲ ቦታ ከም ዝወሰዱዎ ትዝክር።

ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ስታድዩም ከኣ ምስ መሓዙቱ ተራኺቡ። እንታይ ከም ዝስመዖ ብዘየገድስ ክኸይድ እንተደልዩ ንወስዶ ነይርና" ትብል።

ዳሕራይ ግን ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ኣካላቱ ክፈርስ ምስ ጀመረ፡ ክብደት ሰብነቱ ክንክን ድኻምን ናይ ምዝካር ዓቕሙን ከጥፍእ ጀሚሩ።

ካብኡ ናብቲ ኣብ በርሚንግሃም ዝርከብ ሆስፒታል ሀርትላንድስ ግዒዙ። ሊንዳ ከኣ ስርሓ ገዲፋ፡ ክሳብ መወዳእታ ህይወቱ ትኣልዮ ነይራ።

"ንሱ ከኣ፡ 'ማማ በጃኺ ስራሕኪ ግበሪ ምሉእ ግዜኺ ንዓይ ክትከናኸኒ ኣይግበኣክን እዩ። ብዛዕባይ ኣይትጨነቒ ይብለኒ ነይሩ” ትብል።

ዳሕራይ ሚካኤል ብሰንኪ’ቲ ኣብ እዋን ቑልዕነቱ ንናይ ስርዓተ ደም ጸገሙ ንክፍውስ ተባሂሉ ብዝወሃቦ ዝነበረ ሕማም ተለኺፉ ሕማምኣንቅጽን ነድሪ ሳንቡእን ኣማዕቢሉ።

ብ26 ግንቦት 1995 ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን መበል 26 ዓመት ልደቱ ዓሪፉ ።

ፍሉይ ኣኼባ

ማይክል

ምንጪ ስእሊ, family photo

ድሕሪ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት እቲ ተረኽቦ፡ ሊንዳ ነቲ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ጉጅለ ህዝባዊ መርመራ መርትዖ ሂባ።

ምስ ካልኦት ወለዲ ኰይና ከኣ ኣብቲ ብ1970ታትን 80ታትን ደቆም ብሕማም ኤችኣይቪ ዝተለኽፉዎም ስድራ ቤታት ዘሕለፍዎ ተመክሮኣ ኣቕሪባ።

"እቲ ጉዳይ ኣብ ሓቁ ንኽበጽሕ እቲ ዝፈልጦን ዝተሞኮርኩዎን ክነግር ኣለኒ” ከኣ ትብል።

"ኵልና ስለምንታይ ከምኡ ከጋጥም ከም ዝተፈቕደን ቀጻሊ ዝዀነ ክሰተት የጋጥምን ክንርዳእን ክንፈልጥን ኣለና" ኢላ ።

ሊንዳ፡ ስም ኣቡኣ ክዕቀበላ ሓቲታ ኣላ።