ዩጋንዳ፡ ኢቦላ ኣሻቓሊ ዝዀነሉ ዘሎ ምኽንያት እንታይ እዩ?

ኣባላት ሕክምና ዘተኣማምን ውሕስነት የብሎምን

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ዩጋንዳ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝርአ ዘሎ ዝርግሐ ሕማም ኢቦላ፡ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተራእየ ለበዳታት ብዝያዳ ንምግጣሙ በዳሂ ምዃኑ ይርአ’ሎ።

እንተዀነ ፕረዚደንት’ታ ሃገር ነቲ ዕጽዋ ንኽግበር ዝቐረበ ጻውዒት ነጺግዎ እዩ።

ዛጊት 31 ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ምህላዎም ተረጋጊጹ'ሎ፤ ካልኦት ብዙሓት ክህልዉ ከምዝኽእሉ’ውን ስግኣት ኣሎ።

ኢቦላ እንታይ እዩ?

ኢቦላ ቀታሊ ቫይረስ ኰይኑ፡ ኣብ መጀመርታ ሃንደበታዊ ረስኒ፡ ብርቱዕ ድኻም፡ ቃንዛ ጭዋዳታትን ምሕርሓር ጐረሮን ዘጠቓልል ምልክታት የርኢ።

ስዒቡ፡ ተምላስን ውጽኣትን የኸትል፣ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ከኣ ውሽጣውን ደጋውን መድመይቲ ከስዕብ ይርአ።

ግዜ ምዕባለ ቲ ሕማም ካብ ክልተ መዓልቲ ክሳብ ሰለስተ ሰሙን ዝጸንሕ ኰይኑ፡ ኢቦላ ምስ ካልኦት ከም ዓሶን ቲፎ - ‘ታይፎይድ’ን ክተሓሓዝ ከም ዝኽእል ይግለጽ።

እዚ ለበዳ’ዚ ከቢድ ዝዀነ ምኽንያት እንታይ እዩ?

ኣብ ዩጋንዳ፡ እቲ ናይ መጀመርታ መልከፍቲ፡ ብ20 መስከረም ቅድሚ ምርካቡ፡ ሰለስተ ሰሙን ቅድመኡ'ዩ እቲ ስክፍታ ጸኒሑ።

ኢቦላ፡ ብ ፈሳሲ ኣካላትን ዝተበከለ ከባቢን ኣብ ሰባት ብዝግበር ቀጥታዊ ምትንኻፍ ዝመሓላለፍ እዩ። ሓዘንተኛታት ምስ ሬሳ በቲ ሕማም ዝሞተ ሰቦም ብምትንካፍ’ውን ክሓልፍ ስለዝኽእል፡ ቀብሪ ፍሉይ ሓደጋ ምዃኑ ይጥቀስ።

ኣብ ዩጋንዳ፡ እቶም ኢቦላ ከም ዘለዎም ድሮ ዝተለለዩ 31 ሰባት፡ መብዛሕትኦም ኣብ ማእከላይ ዞባ ሙበንደ ዝርከቡ ክዀኑ እኝከለው፡ ካብኣቶም፡ እቶም ሽዱሽተ ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ።

እንተዀነ ቍጽሪ ምውታት ካብዚ ንላዕሊ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሚኒስትሪ ጥዕና ‘ታ ሃገር፡ ምስ ዝተረጋገጸ መልከፍቲ ዘለዎም ሰባት ምትእስሳር ዝነበሮም 18 ሰባት ከምዝሞቱ ይገልጽ፤ እንተዀነ ኵነታቶም ብመርመራ ቅድሚ ምርግጋጹ ስለ ዝተቐብሩ ምርግጋጽ ኣይተኻእለን።

ውድብ ጥዕና ዓለም ተኽእሎ ሞት በዚ ሕማም ካብ 41 ክሳብ 100 ሚእታዊት ከምዝዀነ ይግምት። 

ክታበት ኣሎዎ ድዩ?

እቲ ቅድሚ ገለ ዓመታት ዝማዕበለ ክታበት፡ ነቲ 'ሱዳን ዓይነት' ዝተሰምየ ኢቦላ ኣይተፈተነን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካልእ ዘተሓሳስብ ጉዳይ፡ ናይዚ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ሕማም፡ ‘ሱዳን ዓይነት ኢቦላ’ [Sudan strain] ዝበሃል ምዃኑ እዩ፤ እዚ ድማ ዘይከምቲ ብብዝሒ ዝርአ ‘ዛየር ዓይነት’ [Zaire strain] ዝበሃል ፍቱን ክታበት የብሉን።

እዚ ማለት ድማ ​​ካብቶም በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሽዱሽተ ዝዀኑ ሰራሕተኛታት ጥዕና፡ ክታበት ኣይተገብረሎምን ማለት እዩ።

‘ዛየር’ ዝበሃል ሕማም ኢቦላ እቲ ካብ ታሕሳስ 2013 ክሳብ 2016 ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝተራእየ ዝዓበየ ለበዳ ኢቦላ ኰይኑ፡ ልዕሊ 11 ሽሕ ሰባት ዝቐተለ እዩ።

ተመራመርቲ፡ ክታበት ኢቦላ ንምምዕባል፡ ኣብ ጊኒ፡ ላይበርያን ሴራሊዮንን ዝተለኽፉ ልዕሊ 28 ሽሕ ሰባት ጽዑቕ መጽናዕቲ ኣካይዶም።

እቲ ለበዳ ድሕሪ ምብቅዑ፡ ክልተ ዓመት ጸኒሑ፡ እቲ ሽዑ ፍቓድ ዘይነበሮ ብትካል ‘መርክ’ ዝተዳለወ ክታበት ‘ኤርቨቦ’፡ ኣብ ምዕራባዊ ግዝኣት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ንዝተራእየ ‘ዛየር ዓይነት’ ኢቦላ ንምምካት ኣብ ጥቕሚ ወዒሉ።

እዚ ክታበት፡ ድሩት ረኽሲ ከምዘለዎ ግን ህይወት ከምዘድሓነን ተገሊጹ ድማ፡ ብውድብ ጥዕና ዓለም መረጋገጺ ተዋሂብዎ።

ድሒሩ ብ ’ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን’ ዝተዳለወ ካልኣይ ክታበት ድማ ብኤጀንሲ መድሃኒታት ኣውሮጳ ፍቓድ ረኺቡ።

ክልቲኦም እዞም ክታበታት ግን ነዚ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ‘ሱዳን’ ዝበሃል ዓይነት ኢቦላ ኣይተፈተኑን።

እዚ እናዀነ፡ ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዩዌሪ ሙሰቨኒ፡ ምምሕዳሩ እዞም ክታበታት ምፍታን የድሊ ድዩ ኣየድልን የጽንዖ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ። 

ዩጋንዳ ነዚ ለበዳ ብኸመይ ትሕዞ ኣላ?

እቲ ቀንዲ ትዅረት ተገይሩሉ ዘሎ፡ ምስ ሕሙማት ብቐረባ ዝነበሩ ብፍላይ ድማ ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ ዝተሳተፉ ሰባት ምርካብን ምክትታልን እዩ።

ኣብ ማእከል ለበዳ ኰይና ዘላ ወረዳ ሙበንደ፡ 51 ዓራውቲ ዘለዎ መሐከሚ ማእከል ተኸፊቱ ይሰርሕ ኣሎ። ካልኣይ ተመሳሳሊ ማእከል ኣብ ቀረባ እዋን ክኽፈት ምዃኑ ድማ ተፈሊጡ’ሎ።

ፕረዚደንት ሙሰቨኒ፡ ሰባት ንምርመራ ዝገብርዎ መገሻታትን ብኡ ድማ ዝርግሐ ‘ቲ ቫይረስ ንምግእታእ ንኽሕግዝ ክሳብ ዝሓለፈ ዓርቢ ክልተ ተንቀሳቐስቲ ላቦራቶሪ ናብ ሙበንደ ክለኣኽ ምዃኑ ሓቢሩ ነይሩ።

እንተዀነ ሓካይም፡ ከም ጓንቲ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝኣመሰሉ መከላኸሊ ናውቲ ብዘይምህላዎም ስክፍታኦም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም። ኣብ ርእሲኡ፡ እቲ ዝተለኽፈ ዞባ ክውሸብ ጸዊዖም ኣለው።

ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ግን፡ "ኢቦላ፡ ከም ኮሮና ብኣየር ዝመሓላለፍ ስለዘይኰነ ብቕልጡፍ ኣይላባዕን፡” ብምባል ገደባት ንምግባር ዝቐረበ ጻውዒት ነጺጉ።

ዕዳጋታት፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ቦታታት ኣምልኾ ክፉታት ኰይኖም ክጸንሑ ምዃኖም ብምግላጽ፡ ሰባት ግን ውልቃዊ ጽሬቶም ክሕልዉን ጥቡቕ ርክብ ከውግዱን ኣተሓሳሲቡ።

ኢቦላ ብኸመይ ይላባዕ?

ኢቦላ ካብ ቺምፓንዚ [ዓይነት ህበይ] መንካዕን ዓጋዘንን ዝኣመሰሉ ዝተለኽፉ እንስሳታት ናብ ሰባት ሰጊሩ።

ሰባት ዝምገብዎም ተሃዲኖም ዝብልዑ እንስሳታት ዘገዳም ቀንዲ ተፈጥሮኣዊ መኽዘን ናይቲ ቫይረስ ምዃኖም ይግመት።

ብድሕሪ’ዚ፡ ምስ ዝተበከለ ፈሳሲ ኣካላት ከም ደም፡ ምራቕ፡ ተምላስ፡ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ፡ ፈሳሲ ርሕሚ፡ ሽንቲ፡ ረሃጽን ብቐጥታ ርክብ ምስ ዝህሉ፡ እቲ ቫይረስ ይላባዕ።

ካብ ኢቦላ ዝሓወዩ ደቂ ተባዕትዮ፡ ድሕሪ ምሕዋዮም’ውን ንዝተወሰነ ግዜ ኣብ ዘርኦም ነቲ ቫይረስ ከዕቍቡ ከም ዝኽእሉ እዩ ዝግለጽ።

እንታይ ቅድመ-ጥንቃቐታት ክግበር ይከኣል?

ቅድመ ጥንቃቐታት ምግባር

ምንጪ ስእሊ, EPA

ለብዒ እዚ ሕማም ንምክልኻል፡ ምስ ሕሙማት ምትንኻፍ ምውጋድ፡ ኢድ ብምጭብባጥ ዝግበር ሰላምታ ደው ምባል፡ ኢድ ብማይን ሳሙናን ምሕጻብን ከምኡ’ውን ኣቝሑ ብግቡእ ምጽራይ ከም ዘድሊ ሰብ ሞያ ጥዕና ይመኽሩ።

ኣብ ርእሲኡ እቶም ዝተለኽፉ ሰባትን ርክባቶምን ከም ዝብተኽ ምግባር ኣገዳሲ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ሃገራት፡ ንዝተጠርጠሩን ብላቦራቶሪ ንዝተረጋገጹ ሕሙማትን መእለዪ ማእከላት ሕክምና እየን ዘቝማ።

ኣብታ ምስ ዩጋንዳ ዘዳውብ ምብራቓዊ ሸነኽ ኮንጐ ዝነብሩ ካብ ኢቦላ ዝደሓኑ ሰባት፡ ነቶም በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ሕሙማት ክንክን ኣብ ምሃብ ልዑል እጃም እዩ ዘለዎም፤ እዚ ኸኣ ሓንሳእ በቲ ሕማም ዝተለኽፈ ሰብ ዳግማይ ስለዘይልከፍ እዩ።

ይዅን እምበር፡ ኣባላት ጕጅለታት ሕክምና ክስዕብ ንዝኽእል ረኽሲ ንምክልኻል ዘድሊ መከላኸሊ ክዳውንቲ ብግቡእ ክለብሱ ኣለዎም።

ሬሳ፡ ኣብ ቦርሳ ሬሳ እትዩ በቶም ግቡእ መከላኸሊ ዝለበሱ ሰባት ጥራይ እዩ ክቕበር ዘለዎ። ስድራቤት፡ መዋቲ ቅድሚ ምቕባሩ ነቲ ሬሳ ብዘይ ስክፍታ ንኽርእይዎ ዘኽእሎም ኣብ ገጽ ብሩህ መሸፈኒ ዘለዎ ዓይነት ቦርሳ ሬሳ ኣብ ቀረባ እዋን ተማሂዙ’ሎ።