ኢቦላ፡ ሰብ ሞያ ጥዕና ዩጋንዳ ንድሕነቶም ብምስጋእ ኣዲሞም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዩጋንዳ ኢቦላ ተረኺብሉ ኣብ ዘሎ ዞባ ዝርከቡ ዶካትር፡ መንግሰቲ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ የእትዎ ምህላዉ ይገልጹ ኣለዉ።
ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ሰራሕተኛ እቲ ሆስፒታል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ብዙሕ ግዜ ምስ ሕሙማት ንተናኸፍ ኢና፡ ጓንቲ መሳሊ መከላኸሊ ስለዘይብልና ኸኣ ብኢድና ኢና ንሕዞም” ኢሉ።
ኣብ ዞባ ሙምባንደ ኣብ ዝርከብ ኵሎም ሕጹያት ዶክተራት ናብ ካልእ ዝሓሸ ቦታ ክቕየሩ ብምሕታት ኣብ ምሉእ ኣድማ’ዮም ዝርከቡ።
ብኣንጻሩ ወሃቢ ቃል ሚኒሰትሪ ጥዕና ዩጋንዳ ኢማኑኤል ኣይነቤኦና ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ “ኣብቲ ሕክምና ዝዀነ ዓይነት ኣድማ የለን” ኢሉ።
እንተዀነ፡ ዶካትርን፡ ነርስታትን ሕጹያት ዶካትርን ዝርከብዎም 34 ሰራሕተኛታት፡ እቲ ሕሙማት ኢቦላ ዝእለይሉ ዘለዉ ሆስፒታል ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ጠለባቶም ብምንጻር ኣብ ኣድማ ከምዘለዉ’ዮም ሓቢሮም።
እቶም ሰብ ሞያ ጥዕና፡ መንግስቲ እዅል መከላኸሊ ክቕርበሎም፡ ኣበል ሓደጋን መድሕን ጥዕናን ክኣትወሎምን’ዮም ዝጠልቡ ዘለዉ።
ክሳዕ ሕጂ ሽዱሽተ ኣብቲ ሆስፒታል ካብ ዝስልጥኑ ዘለዉ ዶካትር ንሕማም ኢቦላ ስለዝተቓልዑ፡ ንበይኖም ተወሺቦም ውጽኢት መርመራኦም ኣብ ምጽባይ’ዮም ዝርከቡ።
ኣብ ዩጋንዳ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ሕማም ኢቦላ ዳግማይ ካብ ዝኽሰት፡ 36 ሰባት በቲ ሕማም ክልከፉ እንከለዉ፡ ካብኦም ድሮ እቶም 23 ሞይቶም እዮም።
ኣብዚ ናይ ሕጂ ክስተት መጀመርታ በቲ ሕማም ወዲ 24 ዓመት መንእሰይ ክመውት እንከሎ፡ ድሒሮም ሽዱሽት ኣባላት ስድርኡ’ውን ብኢቦላ ሞይቶም።
ክሳብ ሕጂ መከላኸሊ ክታበት ይዅን ፈውሲ ኢቦላ ኣይተረኽበን ዘሎ።
እዚ ሕጂ ኣብ ኣብ ዩጋንዳ ተራእዩ ዘሎ ዓይነት ኢቦላ ምስቲ ኣብ ሱዳን ዝተራእየ ዝመሳሰል ኰይኑ፡ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዛየር ተበጊሱ ንምዕራብ ኣፍሪቃን ንዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ሓሚሱ ዝነበረ ዓይነት ኢቦላ ዝተፈለየ እዩ።
ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃን ዛየርን በጺሑ ዝነበረ ዓይነት ኢቦላ ብዝተገበረ ምርምር፡ ሰባት ኣንጻር እቲ ሕማም ተጻዋርነቶም ዘዕቢ መድሃኒት ተረኺብዎ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።
ኢቦላ፡ ቅልውላው ከየስዕብ ምቍጽጻሩ’ምበር ምሉእ ብምሉእ ከተጥፍኦ ከም ዘይከኣል’ዮም ተመራመርቲ ዝሕብሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







