ኣብ ኢስታንቡል ቱርኪ ክሕከም ዝጸንሐ ኤርትራዊ ዮናስ ጸጋይ ዓሪፉ

ምንጪ ስእሊ, HENPAS ENTERTAINMENT/YOUTUBE
ኣብ ኢስታንቡል ቱርኪ ክሕከም ዝጸንሐ ኤርትራዊ ዮናስ ጸጋይ ከምዝዓረፈን ሬስኡ ናብ ኤርትራ ትማሊ ከምዝኣተወን ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ።
ኣቶ ዮናስ፡ ምስ ጻዓዱ ዋህዮታት ደም ምትሕሓዝ ብዘለዎ 'ሆድኪን ሊፎማ' ዝተባህለ ዓይነት ሕማም'ዩ ተጠቒዑ ነይሩ።
እቲ ሕማም ልዕሊ ዓቕሙ ምስ ኮነ ከኣ ጸገሙን ወጽዕኡን ናብ ህዝቢ ድሕሪ ምቕራቡ፡ብመንገዲ 'ጎ ፈንድ ሚ' (GoFundMe) ኣብ ሓጺር መዓልታት ልዕሊ 700,000 ዶላር ካናዳ ተዋጺኡሉ።
ብድሕሪኡ ዮናስ ናብ ቱርኪ መጺኡ ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ ብሓሙስ 22 መስከረም ከምዝዓረፈ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣቶ ዮናስ ኣቦ ሽዱሽተ ቖልዑን በዓል ሓዳርን ኮይኑ ኣብ ዞባ ደቡብ: ንኡስ ዞባ ድባርዋ፡ ዓዲ-ገዳ ኣብ እትበሃል ዓዲ’ዩ ዝነብር ነይሩ።
ዮናስ ብመገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት “መን’ዶ ኣለኒ እዩ? ብምባል ሕማሙን ጸገሙን ምስ ነገረ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ኤርትዊ በብዓቕሙ ብምድጋፍ ኣብ ሓጺር መዓልታት ልዕሊ ትጽቢት ገንዘብ ከምዝተዋጽኣሉ እቶም ነቲ ዕማም ዘሰላስሉ ዝነበሩ ግዱሳት ኣብ ሰዓቱ ሓቢሮም ነይሮም።
ዮናስ ንመገሽኡን ወጻኢታት ሕክምንኡን ዝሽፍን ገንዘብ ምስ ረኸበ፡ ብሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራን ክፍሊ ኢሜግሪሺንን ኣብ ሓጺር ግዜ ዘድልዮ ዘበለ ናይ መገሺ ሰነዳት ተዳልይሉ ንሕክምና ንኢስታንቡል ኣትዩ።
እቶም ኣብ ኩነታት ጥዕንኡ ዝደጋገፉዎ ዝነበሩ ግዱሳት ዜጋታት ከኣ ኣብ ኢስታንቢል ኣትዩ ነቲ ኣብ ጸገሙ ኣለናልካ ዝበሎ ህዝቢ፡ ብናይ ቪድዮ መልእኽቲ የቐንየለይ እናበለ ዘርኢ ምስሊ ዘርጊሑ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ንጥዕንኡ ገንዘብ ዘዋጽአ ህዝቢ ከኣ ሓውዩ ናብ ደቁን ሓዳሩን ክምለስ ተመንይሉ ነይሩ።
ብድሕሪኡ እውን ዮናስ ሕክምና ከምዝጀመረን ከምዝተመሓየሸን ዝገልጽ ሓበሬታ ወጺኡ ነይሩ።
ብዙሓት ብማሕበራዊ ሜድያ ዝተላለዩዎን ኣብ ጸገሙ በብዓቕሞም ሓገዞም ዘበርከቱን ዜጋታት ሕልፈቱ ምስተነግረ ንዕኡ መንግስተ ሰማይ ንስድራ ቤቱን መቕርቡን ከኣ ጽንዓትን ኣኻእሎን ክህቦም ዝትምነ ጽሑፋት ኣስፊሮም።
ሬሳ ዮናስ ትማሊ ሰንበት 25 መስከረም ናብ ኣስመራ ከምዝኣተወን ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ስርዓተ ቀብሩ ከምዝፍጸምን እቶም ምንጭታት ኣረዲኦም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







