ሕብሪ ዓይንና ስለምንታይ'ዩ ዝቕየር? 

ኣደ ምስ ውላዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሃንደበት ብዘጋጥም ለውጢ፣ ብሰንኪ ጸገም ወይ ሕማም፡ ብዘገርም ኵነታት ኣዒንትና ሕብሮም ክቕይሩ ይኽእሉ።

እቲ ህጻን መጀመርታ ክውለድ እንከሎ፡ ቅሩብ ሓሙኽሽታይ መሳሊ ኣዒንቲ ነይሮምዎ።

ኣቦኡ ቡናዊ፡ ኣደኡ ድማ ቀጠልያ ሕብሪ ዓይኒ ኣለዎም። እቲ ቈልዓ፡ ክልተ ዓመት ክመልኦ እንከሎ፡ ኣዒንቱ ልክዕ ከም ናይ ኣቦኡ፡ ጸሊም ቡናዊ ሕብሪ ዘለዎም ኰይኖም። 

እቲ ናይ መጀመርታ፡ ጸሊም ሓሙኽሽታይ ሕብሪ ዓይኒ ጠቕሊሉ ጠፊኡ። ልክዕ፡ ከምቲ ቅርጺ ኣፍንጫና ወይ ኣቃውማ ኣእዛንና ኣዝዩ ዘገድስና፡ ሕብሪ ዓይንና’ውን ሓደ ካብ ኣካላዊ ስግኣታት ኰይኑ ክስምዓና ይኽእል። 

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ልዕለና ነባሪ ስምዒት ክፈጥር ዝኽእል ባህሪ’ዩ። ሕብሪ ዓይኒ፡ ሓደ ሰብ ክንደየናይ ተኣማኒ ኰይኑ ንረኽቦ ንዝብል'ውን ክጸልዎ ይኽእል እዩ።

ይዅን’ምበር፡ ኣብ መላእ ህይወትና ሕብሪ ዓይንና ሓደ ዓይነት ኰይኑ ኣይነብርን።

ብርግጽ፡ ግዳማዊ ጽልዋታት ክቕይርዎ ይኽእሉ’ዮም፤ ካብ መጕዳእቲ ክሳብ ረኽሲ ከምኡ’ውን መጕዳእቲ ጸሓይ ኣብ ሕብሪ ዓይንና ጽልዋ የሕድሩ።

ሓሓሊፉ ክኣ፡ ፍኑው ብዝዀነ ኣጋጣሚ ክቕየር ተኽእሎ ኣለዎ።

መረዳእታታት፡ ሕብሪ ዓይኒ ሓደ ቈልዓ ክቕየር ይኽእል’ዶ ኣይኽእልን? ዝብል ሕቶ ኣብቲ ሕብሪ ዝምርኰስ ምዃኑ የርእዩ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስታንፈርድ ኢንስቲትዩት ባየርስ ኣይ፡ ክኢላ ሕክምና ዓይኒ [ኦፕታልሞሎጂስት] ካሲ ሉድዊን ዝመርሓቶ ሓደ መጽናዕቲ፡ ኣብ ሆስፒታል ካሊፎርኒያ ናይ ዝተወልዱ 148 ዕሸላት፡ ሕብሪ ጸላም ዓይኒ እቶም ዕሸላት ሰኒዱ።

ካብዚኦም፡ ኣስታት ክልተ- መሰለስ ቈልዑ፡ ቡናዊ ሕብሪ ዓይኒ ዘለዎም፡ ሓደ- ሕምሲት ድማ ሰማያዊ ሕብሪ ሒዞም ተወሊዶም።

ድሕሪ ክልተ ዓመት፡ ሉድዊንን መሳርሕታን፡ ክልተ ዓመት ምስ ኰኖም፡ ካብ 40፡ እቶም ሰማያዊ ሕብሪ ዓይኒ ዝነበሮም ቈልዑ፡ እቶም 11 ሕብሪ ዓይኖም ቡናዊ፡ ሰለስተ ቀይሕ ቡናዊ፡ ክልተ ድማ ቀጠልያ ኰይኑ። ካብቶም ቡናዊ ሕብሪ ዓይኒ ዝነበሮም ሓደሽቲ ዝተወልዱ ቈልዑ፡ ክልተ ዓመት ክመልኦም እንከሎም፡ እቶም 73 ሕጂ’ውን ቡናዊ ሕብሪ ዓይኒ ነይርዎም።

ካብዚ ብምብጋስ፡ ሰማያዊ ሕብሪ ዓይኒ ካብቶም ቡናዊ ዓይኒ ብዝተፈለየ ኣብ መጀመርታ ዕድመ ህጻናት ናይ ምቕያር ተኽእሎ ከም ዘለዎም ኣረጋጊጾም። ግን ንምንታይ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሓደ፡ ሕብሪ ዓይኒ ቈልዑ ክቕየር እንከሎ ጽዕድው ዘይኰነ ጽልም ዝበለ’ዩ ዝኸውን።

መጽናዕቲ ሉድዊን፡ ሓደ መሰለስ ቈልዑ ዓይኖም ኣብ ናይ መጀመርታ ክልተ ዓመታት ሕብሩ ከም ዝቕይር የመልክቱ። መብዛሕትኡ ክኣ ጸሊም’ዩ ዝኸውን።

ሓሙሽተ ካብቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተኻተቱ 148 ዕሸላት፡ ኣብ ዓመት ዓይኖም ጽዕድው ዝበለ ኰይኑ።

እቲ ናብ ምጽላም ዝኸይድ፡ ምናልባት ኣብ ውሽጢ ብሌን ዓይኒ ብዝፍጠር ናይ ምክልካል ዓቕሚ ዝመጽእ ክኸውን ይኽእል።

ከምዚ ዓይነት ብተዛማዲ ልሙድ ዝዀነ ጥዕናኡ ዝሓለወ ለውጢ ሕብሪ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እዋን ቍልዕነት ጥራይ እዩ ዘጋጥም።

ልዕሊ 1300 መናቱ ካብ ዕሸል ክሳብ ዕብየቶም ምክትታል ዝገበረ ካልእ ኣብ ኣሜሪካ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ኣብ ሻድሻይ ዓመት ሕብሪ ዓይኒ ምቕያር ጠጠው ከም ዘብል ይጠቅስ።

ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት፡ [ካብ 10 ክሳብ 20 ሚእታዊት እቶም ኣብዚ መጽናዕቲ ዝተኻተቱ]፡ ካብ ጉርዝውና ክሳብ ዓቕመ ኣዳም ኣብ ዘሎ ዕብየት ይቕጽል።

ፕሮፌሰር ሕክምና ዓይኒ ዩኒቨርሲቲ ዌስተርን ኣውስትራሊያ ዴቪድ ማኪ፡ ወለዲ ሕብሪ ዓይኒ ደቈም ክቕየር ይኽእል’ዩ ዝብል ግምት ከም ዝሕዙ ይዛረብ።

“ገለ ወለዲ፡ ‘ዋእ! እዚ ህጻን ክውለድ እንከሎ ሰማያዊ ሕብሪ ዓይኒ’ዩ ነይሩዎ፤ ኣብ ሒደት ዓመታት ግን ክቕየር’ዩ’ ኢሎም ንመሓዙቶም ከውግዑ ሰሚዐዮም’የ። ኣነ ግን፡ ብዛዕባ እዚ መረዳእታ ክረክብ ኣይክኣልኩን። እዞም ክልተ መጽናዕታት ክኣ ውሱናት እዮም፤ ግን ሕብሪ ዓይኒ ክቕየር ከም ዝኽእል ክኣ የርእዩ።”

እዚ መጽናዕቲ ውሱንን ኣብ ኣሜሪካ ጥራይ ዝተኻየደን'ውን እንተዀነ፡ ኣብ ኣሜሪካ ዘጋጥም ለውጢ ሕብሪ ዓይኒ ኣብ ሰሜናዊ ኤውሮጳል ደሴት ፓስፊክን ውርሻ ሕዋስ-ዓሌት ዘለዎምን ዝተለመደ እዩ።

እዚ ለውጢ፡ ኣብዞም ህዝቢ ኣብ እዋን ቍልዕነቶም ኣብ ጸጕሮም’ውን የጋጥም’ዩ።

“ገለ ጨዓይ ጸጕሪ ዝነበሮም ቈልዑ፡ ምስ ዓበዩ ጸጕሮም ጸሊም ቡናዊ ኰይኑ ይርኣይ። እዚ፡ እቲ ኣብ ጸጕሪ ዝርከብ ሕብሪ ዝህብ ነገር እናወሰኸ ዝኸይድ ኰይኑ፡ ነዚ ዝፈጥሩ ዋህዮታት ቍጽሮም እናወሰኸ ይመጽእ ብምህላዩ ዝስዕብ ክኸውን ይኽእል” ይብል ዴቪድ።

ህጻን ቈልዓ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እዚ፡ ኣብ ሕብሪ ዓይኒ’ውን ተመሳሳሊ እዩ። እቲ ሕብሪ ዝህብ ዋህዮ፡ ድሕሪ ውልደት ኣብ ዘለው ኣዋርሕ ወይ ዓመታት እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ።

“እቲ ቀንዲ ኣብ ዓይኒ ዘሎ ሕብሪ ዝቕይር ሜላኒን [ጸሊም ሕብሪ ቈርበት] እዩ። እቲ ሜላኒን ዝዝርግሐሉ መገዲ ክኣ ዝተፈላለዩ ሕብርታት ዓይኒ ክህልው ይገብር” ኢሉ።

ዴቪድ ነዚ ከረድእ እንከሎ፡ “ቅልል ብዝበለ መገዲ፡ ሰማያዊ ሕብሪ ዓይኒ ይህልወካ፤ ካልኦት ክኣ ብዛዕባ ሓሙኽሽታይ ከውግዑ ይኽእሉ- ግን ድማ ልውጥ ሰማያዊ’ዩ። ካብኡ ክኣ፡ ውሁድ ቀይሕ ቡናውን ቀጠልያን ዘለዎ ኣሎ። ቡናዊ ከምኡ’ውን ቡናዊ ዝመስል ወይ ኣዐርዩ ቡና ሕብሪ ዝተላበሰ ዓይኒ ኣሎ። እዚ ኹሉ፡ ክንደይ ዝኣክል ሜላኒል ኣሎ ምስ ዝብል ዝተሓሓዝ’ዩ” ክብል የረድእ።

ልዑል መጠን ሜላኒን፡ ኣብ ውሽጢ ሓያል ብርሃን ጸሓይ ጠቓሚ ተራ ኣለዎ። ልክዕ ከም ቈርበት፡ ሜላኒን ዓይንና ካብ ጉድኣት ጽሓይ ይከላኸል።

ኣብ ብሌን ዓይኒ፡ ውሑድ ሜላኒን ዘሎ ኰይኑ እቲ ሰማያዊ ሕብሪ፡ ኣብ ድሕሪት ብሌን ዓይኒ ዘለው ጭዋዳታት ኮላኝ [fibres of collagen] ብርሃን ክፍንው ከለው ዝፍጠር እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ሰማይ፡ ኣብ ከባቢ ኣየር ክፍነው እንከሎ እዩ ሰማያዊ ሕብሪ ዝህልዎ።

ገለ ህጻናት፡ ኣብ ግዜ ስለ ምንታይ ብዙሕ ሜላኒን ይህልዎም ዝብል ግን ክሳብ ሕጂ መልሲ ኣይረኸበን።

“እቲ ሕብሪ ብምንታይ ምኽንያት ከም ዝልወጥ ኣይንፈልጥን” ዝብል ማኪ፡ ከባቢያዊ ጽልዋ ዘምጽኦ ግን ክኸውን ከም ዝኽእል ይሕብር።

ለውጢ ሕብሪ ዓይኒ፡ ዝዀነ ዓይነት ጉድኣት የብሉን። ግን ክኣ፡ ምስ ካልኦት ከም ጉድኣት፡ ረኽሲ ወይ ጉድለት ብርሃን ጸሓይ ዝተኣሳሰር ክኸውን ይኽእል እዩ።

እንግሊዛዊ ስነ ጥበባዊ ዴቪድ ቦዊ፡ ብሰንኪ ሓደጋ ሕብሪ ጸጋመይቲ ዓይኑ ተቐይሩ’ዩ።

ኣብ መንጐ ጸሊም ሕብሪ ጸጋመይቲ ዓይኑን ቀሊል ሰማያዊት የማነይቲ ዓይኑን ዝነበረ ኣፈላላይ፡ ጸጋማይ ክፋል ርእሱ ብጉስጢ ምስ ተሃርመ፡ ኣብቲ ከባቢ ብዝተፈጥረ ‘ኣኒሶኮሪያ’ ዝተባህለ ኣፈላላይ መርዓት ዓይኒ ክፍጠር ዝገብር ኩነታት ድሕሪ ምስዓቡ ዝመጽአ እዩ።

እቲ ጉስጢ ግን ንሕብሪ ብሌን ዓይኒ ቦዊ ኣይቀየሮን፤ እንታይ ደኣ፡ ምስፋሕ መርዓት ዓይኒ፡ እታ ጸጋመይቲ ዓይኑ ጽልም ዝበለት ክትመስል ገይሩ።

ኢንግሊዛዊ ስነ ጥበባዊ ዴቪድ ቦዊ፡ ብምኽንያት ሓደጋ ሕብሪ ጸጋመይቲ ዓይኑ ተቐይሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኢንግሊዛዊ ስነ ጥበባዊ ዴቪድ ቦዊ፡ ብምኽንያት ሓደጋ ሕብሪ ጸጋመይቲ ዓይኑ ተቐይሩ

ኣብ ዓይኒ ዝበጽሕ ሓደጋ ግን፡ ሕብሪ ብሌን ዓይኒ ክቕየር ከም ዝገብር ማኪ ይገልጽ።

“ኣብ ውሽጢ ብዙሕ ደም ናብ ውሽጢ እንተኣትዩ፡ ንክፋል ዓይኒ ክብክሎ ይኽእል’ዩ፤ ወይ ድማ ኩሉ እቲ ሕብሪ ዝህብ እንተተበቲኑን እንተረጊኡን ክፍጠር ይኽእል” ኢሉ።

ብዙሕ ዝተለምደ፡ ረኽሲ’ዩ። ናይዚ ሓደ ፍሉጥ ኣብነት ኰይኑ ዝልዓል፡ ኣዒንቲ ተዋሳኢት ሚላ ኩኒስ እዩ።

የማነይቲ ዓይና ቡናዊ ኰይና፡ ጸጋመይቲ ዓይና ቀጠልያ እያ። እዚ ‘ሄትሮክሮሚያ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ሓደ ሰብ ዘጋጥም ክልተ ዝተፈላለየ ዓይነት ሕብሪ ዓይኒ’ዩ።

ኩኒስ፡ ኣብ ብሌን ዓይና ረክሲ ምስ ተፈጥረ እዩ ሄትሮክሮሚኣ ኣጋጢሙዋ። እዚ ድማ፡ ኣብ ጸጋመይቲ ዓይና ንዝነበሩ ሕብሪ ዝህቡ ዋህዮታት ክጠፍኡ ገይሩ።

“ገለ ረኽሲታት፡ ምጥፋእ ሕብሪ ዝህብ ኣካል የስዕቡ’ዮም” ይብል ማኪ።

ሓደ ካብኦም፡ ‘Fuch's heterochromic cyclitis’ ዝበሃል ጀርመን ንፍዮ ወይ ‘ሩቤላ’ ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ፍሉጥ ረኽሲ እዩ።

“እዚ ቫይረስ፡ ኣብ ዓይኒ ምንባር’ዩ ዝፈቱ፤ እዚ ኽኣ እቶም ሕብሪ ዝህቡ ክጠፍኡ ይገብር።”

ካልኦት ቫይረሳት’ውን ኣብ ዓይንና ክጥጥዑ ይደልዩ፤ በዚ ምኽንያት ነቲ ሕብሪ ዝህብ ኣካል ይጐድኡዎ።

ንኣብነት፡ ሓደ ውጻእ መዓት ኢቦላ፡ እቲ ቫይረስ ካብ ካልእ ኣካሉ ጠፊኡ ክነሱ ኣብ ፈሳሲ ዓይኑ ብምጽንሑ፡ ሕብሪ ዓይኑ ካብ ሰማያዊ ናብ ቀጠልያ ተቐይሩ’ዩ።

ሓሓሊፉ፡ ለውጢ ሕብሪ ዓይኒ ንመላእ ብሌን ዓይኒ ኣይጐድእን፤ ንኡሽቶ ንጣብ ግን ክፍጠር ይኽእል።

ብልክዕ ኣብ ቈርበትና ዘጋጥም፡ ኣብ ብሌን ዓይንን ካልእ ክፋል ዓይንን ንጣብን ምልክትን ክወጽእ ይኽእል እዩ።

“ምንም ጽልዋ ዘይፈጥር ንጣብ ክልወካ ይኽእል። ኣብ ገሊኦም ግን እዞም ንጣባት ናብ ሕበጥ ይዓብዩ’ዮም፤ እዚ ክኣ ከቢድ ጸገም ከስዕብ ይኽእል” ይብል ማኪ።

ገለ ሰባት፡ ኣብ ዓይኖም ዘጋጥም ለውጢ ሕብሪ ሓድሽ ክስተት ኰይኑዎም ክግረምሉ ይኽእሉ’ዮም፤ ግን ድማ ኣብ ዝዀነ እዋን እቲ ለውጢ ኣብ ክንዲ ብጸጋ ምቕባል ብጥንቃቐ ምክትታል ከም ዘድሊ ማኪ የተሓሳስብ።