ሰባት፡ ስለምንታይ’ዮም ደሞዞም ኣብ ቲክቶክ ዝልጥፉ ዘለው?

ቲክቶክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

በዚ ናይዚ ዘመን ኣጸዋውዓ፡ ‘ጄን ዚ’ ወይ ወለዶ ዚ ተባሂሎም ዝጽውዑ ኢንተርነትን ማሕበራዊ ሚዲያን ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘመን ዝተወለዱ ሰባት፡ ካብ ኣከዳድንኦም ክሳብ መዓልታዊ ዝበልዑዎ መግቢ ኣብ ኢንተርነት ከካፍሉ ልሙድ ኰይኑ እዩ።

ሕጂ ክኣ፡ ካብዚ ብዝተፈለየ፡ ኣግሂድካ ንምዝራብ ንነዊሕ እዋን ከም ነውሪ ዝቑጸር ዝነበረ ጉዳይ ደሞዞም ምልጣፍ ጀሚሮም ኣለው።

ሃና ዊልያምስ፡ ዝዀነ ኣብ መገዲ ዝረኸበቶ ሰብ ቁሩብ ክኩርኩሖ ዝኽእል ሕቶ ከይተሓተተ ኣይሓልፍን፤ “እንታይ ትሰርሕ? ደሞዝካ ክንደይ’ዩ?"

ጓል 25 ዓመት ዊልያምስ፡ መስራቲት ‘Salary Transparent Street’ ዝተባህለ ልዕሊ 850 ሽሕ ሰዓብትን 16.7 ሚሊዮን ‘ላይክ’ ዝረኸበን ናይ ቲክቶክ ኣካውንት ኣለዋ።

ኣብቶም እትሰርሖም ቪድዮታት፡ ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣሜሪካ ብምኻድ ኣብ መገዲ ሰባት ደው እናበለት ብዛዕባ ሞይኦምን ደሞዞምን ከካፍሉ ትገብር።

“ሰባት ብዙሕ ኣይዛረብሉን፤ ግን ክኣ ክዛረብሉ ይግባእ። ዝተለምደ ክኸውን ኣለዎ፤ ብተወሳኺ ዚያዳ ኣብ ሞንጐ ጾታን ዓሌትን ዘሎ ኣፈላላይ ደሞዝ ብዝፈለጥኹ ቑጽሪ፡ እዚ ክንዛረበሉ ዝግባእ ክኸውን ኣለዎ ብምባል እቲ ናይ ቲክቶክ ኣካውንት ከፊተ” ትብል።

ሕጂ፡ ንሳ ንብሕታ ጥራይ ኣይኰነትን እዚ ሕቶ ትሓትት።

መናእሰይ ወለዶ፡ ግልጽነት ደሞዝ ክህሉ - ሰባት ዝረኽቡዎ ኣታዊ ብግልጺ ምስ ካልኦት ንከውግዑ - ኣብ ትዊተር፣ ቲክቶክን ካልኦትን ጐስጓስ ይገብሩ ኣለው።

ነዚ፡ ገለ ሓገግቲ ንቕድሚት ይወስዱዎ።

ንኣብነት፡ ብሰሉስ ካሊፎርኒያ ልዕሊ 15 ሰራሕተኛታት ዘለዎም ኣስራሕቲ፡ ንዘለዎም ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታ ዝገልጽ ደሞዝ ክልጥፉ መምርሒ ሂባ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ሞንጐ ዓሌትን ጾታን ዘሎ ናይ ደሞዝ ኣፈላላይ ዘርኢ ሰነዳት ክፍተሽ ኣዚዛ።

ቲክቶከራት፡ ነዚ ሕጊ ደጊፎም ሓጐሶም ገሊጾም።

ካልኦት ከተማታትን ግዝኣታትን ኣሜሪካ’ውን፡ ተመሳሳሊ ሕጊ ኣጽዲቐን።

ኣብ ሕሉፍ፡ ገለ ትካላት መጠን ንሰራሕተኛታት ዝኸፍሉዎ ገንዘብ ወግዓዊ ክገብሩ ድልየት ኣይነበሮም። ሕጂ ግን እዚ ይቕየር ከም ዘሎ ተንተንቲ ይገልጹ።

ቲክቶክ፡ ብዛዕባ ደሞዝ ክውጋዕ መገዲ ከፊቱ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቅድም ኢሉ፡ ኣብ ኣሜሪካ ይኹን ካልኦት ሃገራት፡ ብዛዕባ ደሞዝካ ምውጋዕ ኣይተለመደን ነይሩ።

ግን ድማ፡ ብዛዕብኡ ምዝራብ፡ ብዝተወሰነ መልክዑ ንርእስኻ ብዛዕባ ዘለካ ዋጋ ከም ምዝርራብ እዩ ዝቑጸር ክብል፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርኒያ በርክለይ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ዶክተር ሪካርዶ ፔሬዝ-ትሩግሊያ ይዛረብ።

“ብማእከላይ፡ ደሞዝ ንኣስራሕቲ ክንደየናይ ኣገዳሲ ምዃንካ ዘርኢ’ዩ። ስለዚ፡ ልክዕ ብዛዕባ ናይ ትምህርቲ ውጽኢቶም ክዛረቡ ጽቡቕ ዘይስምዖም፡ ገለ ሰባት ብዛዕባ ኣታዊኦም ክዛረቡ ክስከፉ ምርኣይ ክደንቀና የብሉን” ኢሉ።

ደሞዝ ዝተፈላለዩ ሞያን ገምጋም ኩባኒያታትን ዘተኣናግድ መርበብ ሓበሬታ ግላስዶር ክኢላ ስነ ቑጠባ ዝዀነ ኣሮን ቴራዛስ በዚ ሓሳብ ይሰማማዕ።

“ምንጪ ከቢድ ጭንቀት” ክኸውን ስለ ዝኽእል፡ ዝዀነ ሰብ ልዑል ወይ ትሑት ተኸፋሊ ምዃኑ ክዛረብ ኣይደልን ይብል።

ብዙሓት መናእሰይ ግን፡ ኣብ ኦንላይን ብዛዕባ ዝረኽቡዎ ደሞዝ ክዛረቡ ፍቓደኛታት ምዃኖም ዘርእዩ መረዳእታታት ኣለው።

ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ገምጋም ማዕረ ክፍሊት ሲንዲዮ ማሪያ ኮላኩሪዮ “ብዙሓት ማሕበራዊ ጐስጓሳት ከም ምህላዎም መጠን፡ እቲ መንእሰይ ወለዶ’ዩ መሪሕ ተራ ዝወስድ ዘሎ” ትብል።

ከም ጸብጻብ ሊንከዲን ማርኬት፡ ልዕሊ 80 ሚኢታዊት መናእሰይ፡ ብዛዕባ ደሞዝካ ምዝርራብ ማዕረ ክፍሊት የተባብዕ’ዩ ኢሎም ይኣምኑ።

ገለ መጽናዕታት’ውን፡ ደሞዝ ግልጺ ክግበር እንከሎ ኣብ ጾታ ዘሎ ኣፈላላይ ክፍሊት ይጐድል እዩ ይብሉ።

ብ2006፡ ዴንማርክ ትካላት ኣብ ሞንጐ ጾታ ዘሎ ኣፈላላይ ደሞዝ ወግዓዊ ክገብሩ ገይራ፤ ነዚ ስዒቡ ኣብ ቀረባ ዝወጽኡ ጸብጻባት እቲ ኣብ ጾታ ዝነበረ ኣፈላላይ ደሞዝ ብ2 ሚኢታዊት ከም ዝጐደለ የርእዩ።

ኣብ ካናዳ’ውን፡ ናይ ዩኒቨርሲቲ ደሞዝ ወግዓዊ ክግበሩ ኣለዎ ዝብሉ ሕግታት ምስ መጽኡ ኣብ ሞንጐ ጾታ ዝነበረ ናይ ክፍሊት ኣፈላላይ ካብ 20 ክሳብ 40 ሚኢታዊት ከም ዝነከየ ይግለጽ።

ሃና ዊልያምስ

ምንጪ ስእሊ, HANNAH WILLIAMS

ሕጊ ካሊፎርኒያ

ንዝሓለፉ 90 ዓመታት፡ ሰራሕተኛታት ንሓድሕዶም ብዛዕባ ደሞዝ ክዘራረቡ ዘተባብዕ ሃገራዊ ሕጊ እኳ እንተጸንሐ፡ ገለ ሰራሕተኛታት ኣሜሪካ ግን ብዛዕብኡ ከይዛረቡ ጸቕጢ ከም ዝግበረሎም ክገልጹ ጸኒሖም።

ግላስዶር፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ፡ 28 ሚኢታዊት ሰራሕተኛታት ኣስራሕቶም ብዛዕባ ደሞዝ ምስ መሳርሕቶም ከይዘራረቡ ከም ዝገብሩ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣፕል፡ ሰራሕተኛታት ብዛዕባ ደሞዝ ዝዘራረብሉ ዝነበረ መስመር ክዕጾ ገይሩ’ዩ።

ኮሎራዶ፡ ብ2021 ሕጊ ግልጽነት ክፍሊት ከተተግብር እንከላ፡ ገለ ብራሕቒ ዝቘጽራ ትካላት፡ ኮላሮዳውያን ንዘይኰኑ ሰባት ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታ ብምምችቻእ እቲ ሕጊ ንጐኒ ገዲፎም ክኸዱ ፈቲኖም ነይሮም።

ግን ድማ፡ መብዛሕትአን ግዝኣታት ኣሜሪካ ተመሳሳሊ ሕጊ ከጽድቓ ምስ ጀመራ፡ ኣስራሕቲ ብዛዕባ ደሞዝ ዝግበሩ ዝርርባት ከውግዱዎም ኣይተኽኣሎምን።

ከም ኣፕልን ሜታን ዝበሉ ዓበይቲ ትካላት ቴክኖሎጂ ዝርከቡላ ካሊፎርኒያ፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመት እቲ ሕጊ ኣብ ተግባር ክውዕል ክትገብር እያ።

እዚ ዓብዪ ጽልዋ ከም ዝህልዎ ተንተንቲ ይዛረቡ።

ንቲክቶከር ዊልያምስ፡ ብዛዕባ ደሞዝ ምዝርራብ ኣብ ናይ ርእሳ ስራሕ’ውን ለውጢ ክትገብር ደፊኡዋ እዩ።

ተንታኒት ዳታ ኰይና እትሰርሐሉን ኣብ ዓመት 115 ሽሕ ዶላር እትረኽበሉን ስራሕ ኣቋሪጻ፡ ኣብ ‘Salary Transparent Street’ ሙሉእ ሰዓታ ኣወፊያ ትሰርሕ ኣላ።

ካብኡ፡ ኣብዚ ዓመት 150 ሽሕ ዶላር ክትረክብ ትጽቢት ትገብር።