ዓይኖም ቅድሚ ምዕዋሩ ንዓለም ዝዘሩዋ ዘለዉ ኣሕዋት
ዓይኖም ቅድሚ ምዕዋሩ ንዓለም ዝዘሩዋ ዘለዉ ኣሕዋት
ሰለስተ ደቆም ብግዜ ከይዲ ዓይኖም ከምዝዓውሩ ዝተረድኡ ወለዲ፡ ደቆም ቅድሚ ምዕዋሮም ንዓለም የዝርዎም ኣለዉ። እቶም ሰለስተ ኣሕዋት ካብ ደገ ናብ ውሽጢ'ዩ ዓይኖም ዝዓውር ዘሎ።
ደቂ ኢዲትን ሴባስቲያንን ካብ ኣርባዕተ ደቈም እቶም ሰለስተ ብዘርኢ ዝመሓላለፍን ቀስ ብቀስ ብርሃን ዓይንኻ ዘጥፍእን ሕማም ተረኺቡዎም ኣሎ።
ስለ ዝዀነ ድማ፡ ደቈም ዓይኖም ቅድሚ ምዕዋሩ፡ ኣብ ልቦና ደቈም ዝኽሪ ንምሕዳር ኣብ ዓለም ንምዛር ወሲኖም ኣለው።
እቲ ሕማም ዝዀነ ዓይነት ምልክት ኣየርእን። ሰባት፡ ካብ ዝተወለድሉ ግዜ ጀሚሩ ሒዞምዎ ዝመጽኡ ነገር እዩ።
እዚ ጸገም፡ ኣብ ደቈም ከም ዘሎ ዝፈለጡ እዞም ካናዳውያን ወለዶ፡ ሓደ ዓመት ሙሉእ ንጉዕዞ ብምምዳብ ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ጉዕዞ ጀሚሮም።
ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ድማ፡ ኣብ ሰለስተ ኣህጉራት ኣብ ዝርከባ ሽዱሽተ ሃገራት በጺሖም ኣለው።



