ኣብ ሱዳን ዝተኻየደ ሰፊሕ ህዝባዊ ተቓውሞ ስዒቡ 9 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሱዳን ኣብ ዝተኻየደ ሓያል ህዝባዊ ተቓውሞታት ብውሕዱ 9 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሓካይም ሓቢሮም።
ዝበዝሑ ካብቶም ግዳያት ብሓይልታት ጸጥታ ዝተቐትሉ ምዃኖም እቶም ምንጭታት ገሊጾም።
እቶም ሰብሞያ ሕክምና ከምዝበልዎ፡ ሓይልታት ጸጥታ ንዝቖሰሉ ናዕበኛታት ንምሓዝ ናብ ሆስፒታላት ክኣትዉ ፈተነታት ከካይዱ ተራእዮም።
እቶም ተቓውሞታት ዘካይዱ ዘለዉ ዜጋታት፡ ሰራዊት እታ ሃገር ነቲ ብዕልዋ ዝጨበጦ ስልጣን ከረክብ'ዮም ዝጠልቡ ዘለዉ።
እቲ ትማሊ ሓሙስ ክካየድ ዝወዓለ ተቓውሞታት እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።
ብሓሙስ ኣብ ርእሰከተማ ካርቱምን ኦምዱርማንን፡ ናዕበኛታት ጽርግያታት ብምዕጋት፡ ጭርሖታት ብምልዓልን ኣንጻር ሰራዊት እታ ሃገር ተቓውሞታት ከስምዑ ውዒሎም።
ፖሊስ፡ ነቶም ናብ ቤተመንግስቲ ፕረዚደንት ሱዳን ዘምርሑ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝን ጥይትን ከምዝተኮሱ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ሰብመዚ ሱዳን፡ ንውዳበ ናይቶም ተቓወምቲ ንምዕንቃፍ'ውን ኣገልግሎታት ኢንተርነትን ቴለፎንን ክቖርጽዎ ተገዲዶም ነይሮም።
ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2021፡ ሰራዊት ሱዳን ንመሰጋገሪ መንግስቲ'ታ ሃገር ብምፍራስ: ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ንዝርከቦም ሲቪላውያን መራሕቲ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታው ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ምንባሩ ይዝከር። እቲ ኣዋጅ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ ተላዒሉ'ሎ።
ኣዛዚ ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ኣብ መንጎ ሲቪላውያን መራሕቲ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ውሽጣዊ ቁርቁስ ነቲ ስጉምቲ ክወስዱ ከምዝተገደዱ'ዩ ዝምጉት።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ንሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ'ውን፡ ሰራዊት ሱዳን ፖለቲካዊ ስልጣን ክብሕት ዕላማ ከምዘይብሉ ብምጥቃስ፡ ድሕሪ ምርጫ ስልጣን ንሲቪላውያን ክርከብ ምዃኑ ተዛሪቡ።
እቲ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት፡ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ከባቢ ኣሰሓሓቢ ዶባዊ ከባቢታት ኣል-ፋሻጋ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ድሕሪ ምርጻሙ'ዩ ዝቕጽል ዘሎ።
ንፖለቲካዊ ቅልውላው ሱዳን ንምፍታሕ ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት ክካየድ ዝጸንሐ ንብዙሓት ሓይልታት ዘጠቓለለ ልዝብ ዛጊት ጭቡጥ ፍረ ኣየምጽአን።
ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ሃገር ነቶም ተቓውሞታት ዘስምዑ ሱዳናውያን ደጊፉ ብምባል መብርሂ ክህብ ከምዝተሓተተ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ገሊጹ።
ፍሉይ ሉኡኽ ቮልከር ፐርዝስ፡ ሰብመዚ ሱዳን "ኣብ ልዕሊ ናዕበኛታት መጠኑ ዝሓለፈ ሓይሊን ጎነጽን ካብ ምጥቃም ክሕየቡ ኣለዎም" ክብል ድሕሪ ምዝራቡ'ዩ መብርሂ ክህብ ተጸዊዑ።
ኣብ 2019፡ ሱዳናውያን ብዘካየድዎ ህዝባዊ ናዕቢ ነቲ ካብ 1989 ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ከምዝኣለዩዎ ይዝከር።
እንተኾነ ግን፡ ካብ ስልጣኑ ካብ ዝእለ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት፡ ኣባላት ሰልፊ ሃገራዊ ኮንግረስ (ኤንሲፒ) ነበር፡ በቲ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ወተሃደራዊ ጕጅለ ኣገዳሲ ጽፍሕታት ይወሃቦም ስለ ዘሎ፡ ፖለቲካዊ ምልሶት ከይከውን ብዝብል ስግኣት ፈጢሩ'ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







