ሱዳን፡ ድሕሪ ዕልዋ መንግስቲ ጸኒዑ ዝጸንሐ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣልዒላ

ሱዳን፡

ምንጪ ስእሊ, EPA

ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ፡ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ኣዋጅ ህጹጹ እዋን ኣልዒልዎ ኣሎ።

ገዛኢ ቤት ምኽሪ ጸጥታን ምክልኻልን እታ ሃገር፡ እዚ ውሳነ ኣብቲ ብወተሃደራዊ መራሒ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝተመርሐ ኣኼባ ከምዝተወሃበ ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ስጕምቲ ንዘተ ምቹእ ሃዋህው ንምፍጣር ዝዓለመ ምዃኑ፡ እቲ ቤት ምኽሪ ገሊጹ።

ኣብ ሱዳን፡ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝገዝአ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፡ ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣን ምስ ተኣለየ፡ ኣብ 2019 ኣብ መንጐ ወተሃደራውን ሲቪላውን መራሕቲ ናይ ስልጣን ምምርቓሕ ስምምዕ ከም ዝተገብረ ይፍለጥ።

እንተዀነ፡ ብ27 ጥቅምቲ 2021፡ ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ ተለቪዥን እታ ሃገር ቀሪቡ፡ ኣብ መንጐ ሲቪላውያን መራሕቲ ብዝተፈጥረ ውሽጣዊ ቁርቁስ ነቲ ወተሃደራውያን መራሕቲ ዕልዋ ከካይዱ ከምዝተገደዱ ተዛሪቡ ነይሩ።

በዚ መሰረት ሰራዊት ሱዳን፡ ንመሰጋገሪ መንግስቲ'ታ ሃገር ኣፍሪሱ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ንዝርከቦም ሲቪላውያን መራሕቲ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ብምእታውን ነቲ ቤት ምኽሪ ብምፍራስን ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ከም ዝኣወጀ ይፍለጥ።

እቲ ኣብ ጥቅምቲ ብዝተኻየደ ዕልዋ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ ሕዩር ገዛ ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ዓብደላ ሓምዶክ፡ ካብ ማሕዩር ተፈቲሑ ብ 20 ሕዳር 2021 ናብ ስልጣኑ'ኳ እንተተመልሰ፡ ብሰንኪ ዝቐጸለ ህዝባዊ ጸቕጢ ኣብ ፈለማ ጥሪ ናይዚ ዓመት'ዚ፡ ስልጣኑ ከም ዝለቐቐ ይዝከር።

ድሕሪ'ቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ግን፡ ኣንጻር ወተሃደራዊ መንግስቲ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ቀጺሉ'ሎ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ብሰንኪ'ቲ ምስ ፖሊስ ዘጋጠመ ግጭታት ኣስታት 100 ሰባት ሞይቶም።

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ንመራሕቲ ምንቅስቓስ ተቓውሞ ዒላማ ብምግባር፡ ብዙሓት ሰልፈኛታት ኣብ ቀይዲ ኣእትዮም ኣለዉ።