ሱዳን፡ ሓድሽ ምዕራፍ ኲናት ሓድሕድ ዝኸስት ዘሎ ጽዑቕ መጥቃዕቲ ድሮን

ዳዕመ ሰሪዕ መቀቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ የሐይል

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሰራዊት ሱዳን፡ ንርእሰ ከተማ ካርቱም ካብ ዝቈጻጸራ ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ ካብታ ከተማ ዝተደፍኡ ተዋጋእቲ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ሓድሽ ምዕራፍ ኲናት ሓድሕድ ዝኸፈቱ ከም ዝመስሉ ተንተንቲ ይገልጹ ኣለው።

ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ፖርት ሱዳን ተራእዩ ዘይፈልጥ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ድሮናት ፈጺሞም።

እቲ መጥቃዕቲ፡ ​​ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፡ ከምኡ'ውን ነበርቲ እታ ከተማ ሕጽረት ማይ ከጋጥሞም ምኽንያት ከም ዝዀነ ይፍለጥ።

"ኣብ ውሽጢ እዚ ዞባ ክሳብ ሕጂ ዘይረኣናዮ ደረጃ ዝርግሐ ሓይሊ'ዩ፡" ይብል ኣብ ክራይስ ግሩፕ ተንታኒ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዀነ ኣላን ቦስወል።

ኣብ ርእሰ ከተማን ከባቢታት ማእከል ሰብኣዊ ረድኤትን መጥቃዕቲ ምፍጻም፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ዋላ'ኳ ርኡይ ግዝኣታዊ ክሳራ እንተጋጠሞ፡ ነቲ ውግእ ክቕጽሎ ከም ዝኽእልን ዘመልክት እዩ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዕብየት ዘመናዊ ውግእ ድሮናት ኣርእዩ እዩ።

ኣብዚ ሰለስተ ዓመት ዘቝጸረ ውግእ ሱዳን፡ ተራ ድሮናት እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ።

እቲ ኲናት ኣብ መንጐ ዕጡቓት ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ንሰራዊት ሱዳንን ብዝተፈጥረ ቍርቍስ ስልጣን ክጅመር እንከሎ፡ ካልኦት ዕጡቓት ጕጅለታት ሱዳንን ደገፍቲ ሃገራት ወጻእን ብምስሓብ፡ ነታ ሃገር ኣብቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝበሎ ሸሚምዋ ኣሎ።

ድሮን (UAVs) ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ነቲ ሰራዊት ንኽስጕም ሓጊዘንኦ እየን።

ዳዕመ ሰሪዕ'ውን ካብ ማእከላይ ሱዳን ብፍላይ ካርቱም ናብቲ ኣብ ምዕራብ እታ ሃገር ዝርከብ ማእከሉ ተመሊሱ ክድፋእ እንከሎ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ድሮናት ብብዝሒ ክጥቀም ጀሚሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ እቶም ዕጡቓት፡ ኣብ ልዕሊ ከም ዲጋታትን መደበራት ሓይሊ ኤሌክትሪክን ዝኣመሰሉ ሰራዊት ዝቈጻጸሮም ወሳኒ ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጺ መጥቃዕቲ ድሮን ኣሐይሎም ነይሮም።

ኣብታ ክሳብ ሕጂ ከም ውሑስቲ መዕቆቢት ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ዲፕሎማሰኛታትን ሰብኣዊ ትካላትን እትረአ ዝነበረት ፖርት ሱዳን ዘካይድዎ ቀጻሊ መጥቃዕቲ ግን፡ እቲ ስትራተጂ ኲናት ናብ ዝለዓለ ትዅረት ዝጠልብ ውግእ ይቕየር ምህላዉ ዘጕልሕ ኰይኑ፡ ሓይሊ ንምርኣይ ዝዓለመ እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሱዳናዊት ተንታኒ ፖለቲካ ኽሉድ ኸይር፡ "ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ኣብ ፖርት ሱዳን ጽልዋ ንኽህልዎ ብኣጋር ምብጻሕ ከም ዘየድልዮ ከርኢ ይፍትን ኣሎ፡" ትብል።

እቲጕጅለ ካብቲ "ንካርቱም ዝወሰደ ሰራዊት" ርሒቑ "ናይ ተረኽ ለዉጢ" ንምምዝጋብ ይጽዕር ከም ዘሎ ትዛረብ።

"ንሰራዊት ሱዳን፡ 'ካርቱም ክትመልስዋ ትኽእሉ ኢኹም፡ ግን ፈጺምኩም ከተመሓድርዋ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ፖርት ሱዳን ክህልወኩም ይኽእል'ዩ፣ ግን ከተመሓድርዋ ኣይትኽእሉን ኢኹም፣ ምኽንያቱ ክሳብ ምምሕዳር ዝኣብየኩም ኣዝዩ ዓቢ ናይ ጸጥታ ቅልውላው ከነስዕበልኩም ኢና፡' እዩ ዝብሎ ዘሎ... በዚ ክሳብ ተወዲኡ'ዩ ዘይበሉ እቲ ኲናት ከም ዘይተወድአ ከርእዩ ይደልዩ።"

ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ብዛዕባ መጥቃዕቲ ድሮን ፖርትሱዳን ኣመልኪቱ ብቐጥታ ዝበሎ የለን።ይዅን እምበር፡ ሰራዊት ሱዳን ብኢራን ዝድገፍ ምዃኑ፣ ሲቪላዊ መዋቕራትን ትካላት መንግስትን ብምጥቅዑ፣ ከምኡ'ውን ነቲ ኣብ ኻርቱምን ኣብቲ ዳዕመ-ሰሪዕ ዝቈጻጸሮ ከባቢታት ምዕራብን ደቡብን ሱዳን ዝተገበረ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ እቲ ሰራዊት ገበን ኲናት እዩ ብምባል ብተደጋጋሚ ክኸስስ ጸኒሑ እዩ።

ክልቲኦም ወገናት ብገበናት ኲናት ይኽሰሱ'ዮም፣ ነዚ ግን ይነጽጕዎ።

እንተዀነ፡ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ብፍሉይ ብጃምላዊ ዓመጽን ምጽናት ዓሌትን ክስታት ይቐርበሎም።

እቲ ኣብ ሜላታቱ ዝመጽአ ለውጢ ብሰንኪ ኣድላይነት ዓውደ ውግእ ዝተበገሰ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ እንተዀነ ብቐንዱ ብኣጠቓቕማ ምዕቡል ቴክኖሎጂ ዝመጸ ክኸዉን ይኽእል።

ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝተዋደደ መጥቃዕቲ ክፍጽማ ዝኽእላ ነተጕቲ ዝስከማ ነብሰ ቅትለት' ተባሂለን ዝፍለጣ ንኣሽቱ ድሮናት ተጠቒሙ'ዩ።

ነዚ ሜላ ሕጂ ኣብ ፖርት ሱዳን ግብራዊ ዝገብሮ ዘሎ ይመስል።

ኣዛዚ ወተሃደራዊ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ማሕጁብ ቡሽራ፡ ኣብ ናይ መጀመርታ መጥቃዕቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣየር፡ ን11 ድሮናት ካሚካዘ ዒላማ ከም ዝገበረ ይገልጽ።

ሰራዊትና፡ ነተን ድሮናት ብጥይት ኣውደቘመን ይብል። ግን ድማ፡ ካብ ሓንቲ ነቲ መደበር ዝሃረመት ስትራተጂያዊት ድሮን ዝነበረ ኣቓልቦ ንምስሓብ ዝተወስደ ታክቲካዊ ስጕምቲ እዩ ነይሩ።

መበቈል ናይዛ ድሮን ንጹር ኣይኰነን። ተመራመርቲ ያልን ማዕከን ዜና ሮይተርስን ዘዳለውዎ ምስልታት ሳተላይት ግን ካብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ደቡብ ዳርፉር ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ምዕቡላት ድሮናት- ዩኤቪ የርእዩ።

ትካል ስለያ ምክልኻል ጄንስ፡ ብዓቢኡ ብቻይናውያን ዝተሰርሓ ዝተራቐቓ ሲኤች-95 ዝዓይነተን ኰይነን፡ ነዊሕ ርሕቀት መጥቃዕቲ ክፍጽማ ዝኽእላ ክዀና ከም ዝኽእላ ገሊጹ።

ኣብ ጄንስ ተንታኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ጀረሚ ቢኒ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ተረፍ መረፍ ናይተን ንኣሽቱ ካሚካዘ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝመስሉ ኣሳእል፡ ምናልባት ካብተን ዳዕመ-ሰሪዕ ቅድሚ ሕጂ ዝጥቀመለን ዝነበራ ዝተፈልያ ዓይነት ክዀና ከም ዝኽእላን፣ ብሰንኪ ቅርጸን ድማ ንመከላኸሊ ኣየር ጥሒሰን ኣብ ምእታው ዝሓሻ ክዀና ከም ዝኽእላን ጠቒሱ።

ገለ ሰባት ኣብ ፖርት ሱዳን ድሕነት ንምድላይ ካብ ዝያዳ ሓደገኛ ክፋላት እታ ሃገር ሃዲሞም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሓደ ተዓዛቢ እቲ ዞባ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ሓደ እዋን ኣብተን ድሮናት ብዝተተሓሓዙ መስመራት ዝዕፍኑ (ሲግናል ጃመርስ) ብምጥቃም ንቴክኖሎጂ ጸረ-ድሮን ሰራዊት ሱዳን ክጥሕስ ከም ዝኸኣለ ይገልጽ፤ እዚ ግን ክሳብ ሕጂ ከም ዘይተረጋገጸ ኣጠንቂቑ።

ኣብ ንያላ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ደቡብ ዳርፉር - ርእሰ ከተማን ወተሃደራዊ መደበርን ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ተባሂላ ትግመት- ብተደጋጋሚ ብቦምባታት ሰራዊት ምክልኻል ሱዳን ተደብዲባ እያ። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ድማ፡ ኣብኡ ዝነበረት ነፋሪት ዓንያ።

ገለ ክኢላታት፡ ነቲ ሕጂ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ፖርት ሱዳን ዝፈጸምዎ ደብዳብ ብኸፊል ከም ሕነ ምፍዳይ ይርእይዎ።

እቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ኲናት ድሮናት፡ ተራ ተዋሳእቲ ግዳማዊ ሓይልታት ኣብ ግጭት ሱዳን መሊሱ ኣጕሊሑዎ ኣሎ።

"እዚ ኲናት ቴክኖሎጂ'ዩ፡" ይብል ዳይረክተር ትካል ትንታነን ምርምርን መረዳእታ ኮንፍሊክት ኢንሳይትስ ግሩፕ ዝዀነ ጃስቲን ሊንች።

"ስለዚ'ዮም እቶም ግዳማዊ ደገፍቲ ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝዀኑ፣ ምኽንያቱ ዳዕመ-ሰሪዕ ነቲ ኣጽዋር ባዕሉ ኣይኰነን ዝሰርሖ ዘሎ - ይወሃቦ'ዩ ዘሎ።"

ሰራዊት ሱዳን፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንዳዕመ-ሰሪዕ ድሮናት ተቕርብ ኣላ ብምባል ይኸስስ። ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ድማ ምስ ኣቡዳቢ ዝነበሮ ዲፕሎማስያዊ ርክብ በቲኹ።

ኢማራት ዓረብ ነቲ ክሲ ብትሪ ነጺጋቶ ኣላ።

ብተወሳኺ፡ ካብ ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት፡ ፖለቲከኛታት ኣመሪካን ኣህጉራውያን ትካላትን ዝቐርብ ንዳዕመ-ሰሪዕ ኣጽዋር ትህብ ኣላ ዝብል ጸብጻባት'ውን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ክትነጽጐ ጸኒሓ እያ።

ሊንች ግን እቲ መርትዖታት ኣዝዩ ብዙሕ ምዃኑ ይዛረብ።

ንሱ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ብክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝምወል ጸብጻብ ኣብ ዝመርሓሉ እዋን፡ ምስልን መገዲ በረራን መገዲ ኣየራት ብምክትታል ኣብ ዘዳለዎ ጸብጻብ፡ ኢማራት ዓረብ እገዳ ኣጽዋር ሕቡራት ሃገራት ብምጥሓስ፡ ኣጽዋር ናብ ኣርኤስኤፍ ተመቻችእ ከም ዘላ ዳርጋ "ብምሉእነት" ደምዲሙ'ዩ።

ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኢማራት ነተን ኣብ ፖርት ሱዳን መጥቃዕቲ ዝፍጽማ ዘለዋ ድሮናት እንተዘይሓጊዛ እዩ ዘገርም ዝኸውን ክብል ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ኢራናውያን ንሰራዊት ሱዳን ኣጽዋር የቕርቡ ከም ዘለዉ ብተመሳሳሊ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።

ኢራን ነቲ ክሲ መልሲ ኣይሃበትሉን። ሰበስልጣን ቱርኪ ኣብዚ ጉዳይ ኢድ የብልናን ኢሎም።

ብኽልቲኡ ወገናት እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ኣጠቓቕማ ድሮናት፡ ነቲ ኲናት ዳግማይ ከጕሃህሮ ይኽእል'ዩ።

እንተዀነ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ካብቲ ዝነበሮ ኣማኢት ኪሎ ሜተራት ርሒቑ ዝርከብ ስትራተጂያዊ ዒላማታት ናይ ምውቃዕ ዓቕሙ'ዩ ነቲ ዞባ ኣናዊጽዎ ዘሎ።

ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን፡ ዳዕመ ሰሪዕ መዓልታዊ ኣብ ፖርት ሱዳን ዝፈጸሞም መጥቃዕትታት፡ ነቲ ኣብታ ሃገር እንኮ ዘገልግል ዘሎ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ፡ መደበር ሓይሊ ኤሌክትሪክ፡ ሓያሎ መኽዘናት ነዳዲን መደበር ኣየርን ብምውቃዕ፡ ንመስመራት ቀረብ ሰራዊት ንምዝራግ ዝፈተነ ይመስል።

እታ ከተማ ቀንዲ መእተዊ ወደብ ቀረብ ረድኤት እውን ኰይና፡ እዚ "ዓቢ ምዕባለ" ኣብታ ሃገር ንዝካየድ ስርሒታት ረድኤት ዝያዳ ከተሓላልኽን ሰፊሕ ክሳራ ሲቪላት ከስዕብን ከም ዝኽእል ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ።

"እዚ ኣዝዩ ዘሰንብድን ዘፍርሕን ወፍሪ ስለ ዝነበረ፡ ንሰራዊት ሱዳን ኣሰንቢዱዎ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንግብጺ፡ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ደገፍቱን'ውን ዘሰንበደ ይመለስኒ። ንዅሉ እቲ ኲናት ድማ ዳግማይ ዝቕይሮ'ዩ" ይብል ቦስወል።

እዚ ድማ፡ ነቲ ኣብ መንጐ ዳዕመ-ሰሪዕን ሰራዊትን ዘሎ ክፍተት ሓይሊ ኣየር ከም ዝዓጽዎ ይዛረብ።

እዚ ምዕባለ ምስቲ ኣብ መንጐ ሩስያን ዩክረይንን ዝካየድ ዘሎ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ኲናት ድሮናት ተተሓሒዙ ክለዓል ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።

"እዚ ኣካል ናይቲ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ኣብ ዝካየድ ኲናት ሓድሕድ ናይ ብሓቂ ልዑል ደረጃ ዘለዎም ዓቕሚታት ምጥቃም ሰፊሕ ዝንባለን ዝርግሐን ቴክኖሎጂ ዘርኢ'ዩ" ይብል ቢኒ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፡ እቲ መጥቃዕቲ ዞባዊ ጸጥታን ድሕነት ቀይሕ ባሕሪን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

ኣህጉራውያን ተዋሳእቲ ድማ፡ "ኣብ ልዕሊ ዞባዊ መወልቲ ናይቲ ምልሻ ኣድማዒ ስጕምቲ ክወስዱ፡" ጸዊዑ።

ሚስተር ሊንች ኣብ መንጐ ኢማራትን ሰራዊት ሱዳንን ዝግበር ስምምዕ ጥራይ እዩ ነቲ ኲናት ከብቅዕ ክገብር ዝኽእል ዝብል እምነት ኣለዎ።

"እዚ ኲናት ኵሉ ግዜ ዝምዕብል፣ ኵሉ ግዜ ዝቕየር'ዩ፡ ግን ንዕኡ ደው ንምባል ዕቱብ ዲፕሎማስያዊ ስጕምቲ እንተዘይተወሲዱ ንዓመታትን ዓሰርተታት ዓመታትን ክቕጽል ክትርእዩዎ ኢኹም፡" ይብል።