ሱዳን፡ እታ ብተዛማዲ ሰላም ዝነበረት ፖርት ሱዳን፡ ብዘይ ማይን መብራህትን ኣብ ድነ ጸላም

ሰማያት ፖርት ሱዳን ክሳብ ሕጂ ብትኪ’ዩ ተዓብሊኹ ዘሎ

ምንጪ ስእሊ, AFP / Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሰማያት ፖርት ሱዳን ክሳብ ሕጂ ብትኪ'ዩ ተዓብሊኹ ዘሎ

እታ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ሰራዊት ዳዕመ ሰሪዕ ብድሮን ዝደብደብዋ ወደባዊት ከተማ ፖርት ሱዳን ክሳብ ሕጂ ብዘይ ማይን መብራህትን ከምዘላ ብሰንኪ እዚ ዋጋ ማይ ሰማይ ከምዝዓረገን ይግለጽ ኣሎ።

እታ ኵናት ሓድሕድ ሱዳን ካብ ዝጅመር ብተዛዲ ሰላም ዝጸንሓት ፖርት ሱዳን፡ ቅድሚ ሽዱሽተ መዓልታት ብድሮን ካብ እትድብደብ ሰማያታ ክሳብ ሕጂ ብትኪ ተዓብሊዅ'ሎ።

ድሮናት ዳዕመ ሰሪዕ ኣባታ ከተማ ዝነበረ ሰለስተ ዓበይቲ መኽዘን ነዳዲ'የን ደብዲበነኦ፡ ኣጥፋእቲ ሓዊ ክሳብ ሕጂ ነቲ ሓዊ ንምጥፋእ ኣብ ምርብራብ'ዮም ዝርከቡ።

እቲ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ሱዳንን ሰራዊት ዳዕመ ሰሪዕን ቅድሚ ክልተ ዓመታት ዝጀመረ ኵናት ሓድሕድ ካብ ዓለም ዝኸፈአ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣኸቲሉ ይርከብ።

ብሰንኪ እዚ ኵናት ሓድሕድ ልዕሊ 12 ሚልዮን ሱዳናውያን'ዮም ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቒሎም።

ሓደ ካብቶም ብሰንኪ እዚ ኵናት ናብ ፖርት ሱዳን ዝተሰደደ ወዲ 26 ዓመት ሙታሲም'ዩ፡ ብናይ ጸጥታ ስክፍታ ሽም ኣቡኡ ክንገር ኣይደለየን።

ንሙታሲም ንሰዓታት ማይ ንምርካብ ተሰሪዐ እንከሎ'ዩ ቢቢሲ ረኺብዎም።

እቲ ኣብ መኽዘን ነዳዲ ዝበጽሐ ደብዳብ፡ ኣብታ ከተማ ሕጽረት ነዳዲ ስለዘስዓበ፡ እተን ንፖርት ሱዳን ማይ ዝጭንጉዓ ዓበይቲ ሞተረታታት ማይ ብሕጽረት ነዳዲ ደው ኢለን ከምዘለዋ ኸኣ ሙታሲም ይሕብር።

ሙታሲም ንሱሙን ንማይ 2000 ፓውንድ ሱዳን [3.3 ዶላር] ዝኸፍል ዝነበረ ኣብ ልዕሊ ፖርት ሱዳን ደብዳብ ካብ ዝፈጸም ግን እቲ ዋጋ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ከምዝወሰኸ ንቢቢሲ ገሊጹ።

እዚ ከኣ ንዕኡን ነቶም ብሓባር ዝነበሩ ሸውዓተ ቤተ ሰቡን ሕጽረት ንመግቢ፡ ንዝስተ፡ ንመጽረይን ንመሕጸብን ዝኸውን ማይ ኣጋጢምዎም ከምዘሎ ሙታሲም ይዛረብ።

እቲ ኣብታ ከተማ ብሸቐጥ ዝናበር ሙታሲም "ድሕሪ ቅሩብ ነዛ ንሰትያ ማይ'ውን ክንከፍል ክንጽገም ኢና" ይብል።

ኣብ ፖርቱ ሱዳን ዘሎ ጸገም ግን ናይ ማይ ጥራይ ኣይኮነን።

ድሕሪ እቲ ደብዳብ ህይወት ናብቲ ዝነበሮ ተመሊሱ'ዩ፡ ዱኳናት ተኸፊቶም ኣገልግሎት ይህቡ ኣለዉ፡ እንተኾነ ሕጽረት ነዳዲ ስለዘጋጠመ፡ መካይን ኣብ ኩሉ መዐደሊ ነዳዲታት ተሰሪዐን'የን ዝውዕላ ዘለዋ።

ሙታሲም "ነዊሕ ሪጋ ስለዘሎ መኪናኻ ነዳዲ ንኽትመልእ ክሳብ ሓሙሽተ ሰዓታት ኢኻ ትስራዕ" ይብል።

ኵናት ሓድሕድ ሱዳን ካብ ዝጅመር ፖርት ሱዳን ከምዚ ከጋጥማ እዚ ንፈለማ እዋን'ዩ።

ቅድሚ እዚ መጥቃዕቲ ሰባት ኣብ ጎደናታት ፖርት ሱዳን ዋላ ለይቲ’ዮም ክዛነዩ ዝሓድሩ ነይሮም

ምንጪ ስእሊ, Bloomberg / Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቅድሚ እዚ መጥቃዕቲ ሰባት ኣብ ጎደናታት ፖርት ሱዳን ዋላ ለይቲ'ዮም ክዛነዩ ዝሓድሩ ነይሮም

ክሳብ ዝሓለፈ ሰሙን ፖርት ሱዳን ኣብታ ሃገር ሓንቲ ካብተን ውሑሳት ቦታታት ተባሂላ'ያ ክትግለጽ ጸኒሓ።

ሙታሲም "ቅድሚ ክልተ ዓመት ኢና ካብ ኡምዱርማን ናብዚ መጺእና" ይብል።

ኡምዱርማን መዳውብቲ ርእሰ ከተማ ካርቱም'ያ። ፈለግ ኒል'ዩ ዝፈላልየን።

ስድራ ሙታሲም ኣብ ፖርት ሱዳን ሓዲሽ ህይወት ንምጅማር ኣስታት 3000 ዶላር'ዮም ወጻኢታት ገይሮም።

"ብሰንኪ ዳዕመ ሰሪዕ እና ካብ ማሙቕ ቤትና ተፈናቒልና፡ ናብዚ ምምጻእና ከኣ እፎይታ'ዩ ፈጢርልና፡ ህይወት በብቑሩን ናብቲ ዝነበሮ ክምለስ ጀሚሩ"

"ሕጂ ግን ካብዚ'ውን ዳግማይ ክንፈናቐል ንሓስብ ኣለና፡ ኩሉ ነገር ክቡር ስለዝኾነ ግን ናበይን ብኸመይን'ዩ ሓርቢትና ዘሎ" ይብል ሙታሲም።

ፖርት ሱዳን ንዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ብዘይ መብራህቲ'ያ ሓሊፋቶ፡ እዚ ቅድሚ ሰሙን ዘጋጠመ ከኣ ነቲ ዝነበረ ጸገም ኣብኢስዎ።

"ሓትነይ ዕድሚኣ ልዕሊ 70'ዩ፡ መብራህቲ ስለዘየለ በቲ ዘሎ ሙቐትን ዳህርን ኣዝያ'ያ ትጽገም ዘላ፡ መዝሓሊ ከይንውልዓላ መብራህቲ የለን፡ ብፍጹም ለይቲ ክንድቅስ ንኽእል የለናን" ይውስኽ።

ሃዋ ሙስጣፋ ፖርት ሱዳን ምስ ተደብደበት ኣብታ ከተማ ምንባር ክትቅጽል ድያ ርግጸኛ ኣይኮነትን
መግለጺ ስእሊ, ሃዋ ሙስጣፋ ፖርት ሱዳን ምስ ተደብደበት ኣብታ ከተማ ምንባር ክትቅጽል ድያ ርግጸኛ ኣይኮነትን

ሃዋ ቅድሚ ኵናት ሓድሕድ ሱዳን ኣብ ምዕራብ ሱዳን ዞባ ዳርፉር ኢል ጀነይና ኣብ ዝብሃል ከተማ መምህር'ያ ነይራ፡ እቲ ኵናት ምስ ተወለዐ ግን ካብ ቤታ ተፈናቒላ ኣብ ፖርት ሱዳን ክትነብር ጀሚራ።

ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ከኣ ምስ ኣርባዕተ ደቃ ኣብቲ ንዝተፈናቐሉ መጽለሊ ዝተዳለወ መዓስከር'ያ ትነብር ዘላ።

ፖርት ሱዳን ብተዛማዲ ሰላም ስለዝነበረት፡ ቅድሚ ሰሙን ምስ ተደብደበት ግን ሃዋ "ብፍርሒ ይነብር ኣለኹ" ትብል።

ሃዋ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት "እተን ድሮን ናባና መጽኤን፡ ሕጂ ኣብ ኵነት ፍርሒ ኢና ዘለና"

"ድምጺ ናይተን ድሮናት እቲ ነተን ድሮናት ንምህራም ዝትኮስ ዝነበረን ነቲ ኣብ ኣል ጀነይና ዝነበርናዮ'ዩ ኣዘኻኺርኒ" ትብል።

ብዓል ቤታ ንሃዋ ካብ ከተማ ኢል ጀነይና ክወጽእ ስለዘይተፈቐዶ ኣብኡ'ዩ ተሪፉ፡ ንኣርባዕተ ደቃ በይና'ያ ትኣልዮም ዘላ።

"ኩነታት ፖርት ሱዳን እናኸፈአ እንተኸይዱ ናባይ ከምዝኸይድ ኣይፈልጥን'የ፡ ናብ ሓንቲ ካብዘን ጎረባብቲ ሃገርና'ያ ክኸይድ ዝሓስብ፡ እንተኾነ እዚ'ውን ዝኸውን ኣይመስለንን" ትብል ሃዋ።

እታ ካልእ ኣብ ፖርት ሱዳን ትነብር ዘላ ምርያም ዓጣ'ውን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገረቶ ቃለ መሕትተ "ህይወት [ድሕሪ እዚ መጥቓዕቲ] ብፍጹም'ዩ ተቐይሩ፡ ምስ ፍርሕና ምስ ምንባር ንቃለስ ኣለና" ትብል።

ኣብ ፖርት ሱደን ኣብ መዓስከር ዝርከቡ ስደተኛታት ብሓገዝ ረድኤት’ዮም ዝነብሩ፡ ፖርት ሱዳን ከኣ ቀንዲ መኽዘን ረድኤታት’ያ

ምንጪ ስእሊ, AFP / Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ፖርት ሱደን ኣብ መዓስከር ዝርከቡ ስደተኛታት ብሓገዝ ረድኤት'ዮም ዝነብሩ፡ ፖርት ሱዳን ከኣ ቀንዲ መኽዘን ረድኤታት'ያ

ኵናት ሓድሕድ ሱዳን ኣብ 2023 ካብ ዝጅመር፡ ትካላት ውሃብቲ ረድኤት ንፖርት ሱዳን'የን ከም ቀንዲ ማእከል መራገፍን ዝጥቀማላ ዘለዋ፡ ምኽንያቱ ካብ መላእ ሱዳን እቲ ኣብ ፖርት ሱዳን ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ጥራይ እዩ ኣብ ንጡፍ ስራሕ ዘሎ።

ውሃቢት ቃል ትካል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ሱዳን ለኒ ክንዚሊ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት "ፖርት ሱዳን ቀንዲ ማእከል ትካላት ውሃብቲ ረድኤት'ያ" ትብል።

ንሳ ብምስዓብ "ኣብ መጋቢት ኣስታት 20 ሽሕ መትሪክ ቶን መግቢ ኣከፋፊልና፡ ልዕሊ ፍርቂ ካብዚ ከኣ ብፖርት ሱዳን ዝኣተወ'ዩ" ትብል።

ትካል ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ዓሰርተ ዞባታት ሱዳን ዓጸቦ ከምዘሎን ካልኦት 17 ዞባታት'ውን ኣብ ኣብ ሓደጋ ከምዘለዋን ይገልጽ።

ብዙሓት ትካላት ውሃብቲ ረድኤት ከኣ እቲ ኣብ ልዕሊ ፖርት ሱዳን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነቲ መስርሕ ምክፍፋልን ረድኤት ከየተዓናቕፎን ነቲ ዘሎ ሓደጋ ጥምየት ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ከየዕርጎን ክቱር ስክፍታ ኣለዎም።