ፖርት ሱዳን፡ መጥቃዕቲ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ንሳልሳይ መዓልቲ ይቕጽል

ኣንጻር ሰራዊት ሱዳን ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ (RSF) ኣብ ፖርት ሱዳን ብዝፈጸምዎ ሳልሳይ መጥቃዕቲ ኣብታ ከተማ ኤለክትሪሲቲ ከምዝጠፍአ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ድሕሪ'ቲ ብሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ከባቢ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ከቢድ ነትጒ ከምዝተሰምዐን፡ ባርዕን ጽዑቕ ትኪን ንሰማይ ክዓርግ ከምዝተራእየን መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም ።
ትማሊ ሰንበት'ውን ኣብታ ወደባዊት ከተማ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከምዝተፈጸመ ሰራዊት ሱዳን ኣፍሊጡ ነይሩ'ዩ።
ትካል ኤለክትሪክ ሱዳን ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ነቲ ዝወረደ ዕንወት ይግምግሞ ከምዘሎ ኣፍሊጡ'ሎ።
ብሰንኪ'ቲ መጥቃዕቲ፡ ከም ማይን ጥዕናን ዝበሉ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ኣቋሪጾም ኣለዉ።
ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ብሰንኪ ኲናት ካብ ካርቱም ብምግዓዝ ንፖርት ሱዳን ከም ግዝያዊት ርእሰከተማ ክጥቀመላ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ዳዕመ-ሰሪዕ (ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ)፡ ኣብ መንጎ ተዋጋእቲ ሓይልታት እታ ሃገር ግጭት ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ ኣብ ዘካየዶም መጥቃዕቲታት፡ ኣብ ልዕሊ እታ ቀንዲ ማእከል ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ዝኾነት ፖርት ሱዳን መትቃዕቲ ክፍጽም ንፈለማ እዋን እዩ።
ወሃቢ ቃል ሰራዊት ሱዳን ናቢል ዓብደላ፡ ኣር.ኤስ.ኤፍ ኣብ ምብራቓዊት ወደባዊት ከተማ ቀይሕ ባሕሪ ንዝርከብ መደበር ኣየር ዑስማን ዲግና ዒላማ ብምግባር ሓያሎ "ነብሰ ቅትለታዊ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ" ከምዘወንጨፈ ገሊጹ።
እቲ ቦታ "መኽዘን ኣቑሑትን ገለ ሲቪላውያን መሳለጥያታትን" ከምዝኾነ'ውን ሓቢሩ።
ዝኾነ መጉዳእቲ ሰባት ከምዘይተመዝገበ ዘመልከተ እቲ ወሃቢ ቃል፡ እቲ መጥቃዕቲ ግን "ውሱን ጉድኣት" ከምዘውረደ ኣይሓብአን።
ዳዕመ-ሰሪዕ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ዛጊት ርእይቶ ኣይሃበን።

ሱዳን ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ንምስግጋር ትዳሎ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት ወተሃደራዊ መንግስትን ዕጡቓት ዳዕመ ሰሪዕን ናይ ስልጣን ምስሕሓብ ምስተላዕለ ኣብ ሚያዝያ 2023 ናብ ግጭት ምእታዋ ይዝከር።
ኣብቲ ዝሰዓበ ኲናት ሓድሕድ ከኣ ብውሕዱ 150,000 ሰባት ከም ዝሞቱ ይግመት። ኣስታት 12 ሚልዮን ድማ ካብ ገዝኦም ክሃድሙ ተገዲዶም።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንኹነታት ሱዳን "ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየን ኣዕናዊን ሰብኣዊ ቅልውላው" ክብል ገሊጽዎ ኣሎ።
ልዕሊ 30 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኾኑ ከለዉ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ድማ ከቢድ ሕጽረት መግብን ጥሜትን ኣጋጢምዎም ኣሎ።
ፖርት ሱዳን ቅድሚ እቲ ብሰንበት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ካብ ደብዳባት ዝተኸወለት ብምንባራ ኣብታ ብኲናት ዝተሃስየት ሃገር ሓንቲ ካብተን ውሑሳት ቦታታት ተባሂላ ትቑጸር ነይራ።
ሰራዊት ሱዳን ኣብ ምጅማር እቲ ኲናት ርእሰ ከተማ ካርቱም ካብ ቁጽጽሩ ወጻእ ድሕሪ ምዃና፡ ፖርት ሱዳን ዋና ቤት ጽሕፈት ናይቲ ብጀነራል ዓብደል ፋታሕ-ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ወተሃደራዊ መንግስቲ ኮይና ምጽንሓ ይፍለጥ።
ትካላት ሕቡራት ሃገራት እውን ኣብያተ ጽሕፈቶምን ሰራሕተኛታቶምን ናብታ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ከተማ ከምዝግዕዙ ገይሮም። ኣብ እዋን ኲናት ድማ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ናብኡ ሃዲሞም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሓደ ተጓዓዛይ ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ናብ ነፋሪት ኣብ እንኸደሉ እዋን ብቕልጡፍ ካብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ክንወጽእን ተገይርና" ኢሉ።
ቢቢሲ ካብ ናጻ ኣካል ዘየረጋገጾ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ፍንጀራን ናብ ሰማይ ዝተክኽ ጸሊም ትኪን የርእይ።
እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ተዓጽዩ ኩሉ በረራታት ደው ከምዝበለ ሓደ ምንጪ መንግስቲ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣፍሊጡ።
እቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ግጭት እታ ሃገር ኣብ መንጎ ተቐናቐንቲ ኣካላት ክትምቀል ገይርዋ ኣሎ።
ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ('ሄመድቲ' ብዝብል ዝፍለጥ) ዝምርሑ ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ኣብ ምዕራብ ሱዳን ንመብዛሕትኡ ሰፊሕ ዞባ ዳርፉር ከምኡ'ውን ንገለ ክፋል ደቡብ ይቆጻጸሩ።
እቲ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዝድገፍ መንግስቲ ድማ ንምብራቓውን ሰሜናውን ሱዳን ዝቆጻጸር ኮይኑ፡ እታ ወደባዊት ከተማ ፖርት ሱዳን እውን ኣብ ትሕቲኡ ትርከብ።
ብቀዳም'ውን ኣብ ልዕሊ'ታ ካብ መደበር ዕጡቓት ዳዕመ ሰሪዕ ኣስታት 400 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ኣብ ምብራቓዊ ዶብ ሱዳን ዘላ ከሰላ፡ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከምዝተፈጸመ ሓደ ምንጪ ሰራዊት ሓቢሩ።
ከተማ ከሰላ ኣብ ጥቃ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን እትርከብ ከተማ'ያ።
ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ንገለ ክፋል መሬት መሊሱ ኣብ ምቁጽጻር ዝርከብ ኮይኑ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ከኣ ኣብ ካርቱም ንዝርከብ ቤተ መንግስቲ ዳግማይ ምሓዙ ይዝከር።
ንርእሰ ከተማ መሊሱ ምቁጽጻሩ ድማ ኣብቲ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት ሓድሕድ ከም ነጥበ መቐይሮ ተራእዩ'ኳ እንተነበረ፡ ክልቲኦም ወገናት ንመላእ ሱዳን ንምምሕዳር ዘኽእሎም ዓወት ከመዝግቡ ዝኽእልሉ ተኽእሎ ጸቢብ ምዃኑ ጸብጻብ ኣብ ጉዳያት ቅልውላው ምክትታል ዝገብር ዓለምለኻዊ ትካል 'ክራይስስ ጉሩፕ' የመልክት።
እዚ ናይ ሕጂ ቅልውላው ኣብ ውሽጢ 70 ዓመታት ንሳልሳይ እዋን ዘጋጠመ ኲናት ሓድሕድ ኮይኑ፡ ካብቶም ካልኦት ዝኸፍአን ከቢድ ሓደጋ ምክፍፋል ዘኸተለን'ዩ።
ዓለምለኻዊ ጻዕርታት ሽምግልና ሰላም ብተደጋጋሚ ክፈሽል ተራእዩ'ሎ። ክልቲኦም ወገናት ብናይ ደገ ሓይልታት ይድገፉን ኣጽዋር ይቐርበሎምን ምህላዉ ከኣ ነቲ ኵነታት ክብእስ ገይርዎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







