ቢቢሲ ተለፎናት ብስቱር ብምስላዅ ዘቃልዖ ጥምየትን ፍርሕን ሱዳናውያን

ሓፊዛን ኣሕዋታን ኣዲኦም ብነሓሰ 2024 ኣብ ዕዳጋ ተቐቲላ

ምንጪ ስእሊ, Hafiza

መግለጺ ስእሊ, ንሓፊዛን ኣሕዋታን ኣዲኦም ብነሓሰ 2024 ኣብ ዕዳጋ ተቐቲላ

"ናይ መወዳእታ ቃል ኣይተረዛበትን፣ ተሰኪሞምዋ ክኸዱ እንከለዉ እያ ሞይታ፡" ትብል ሓፊዛ።

ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ብ15 ሚያዝያ ከም ዝጀመረ ይዝከር።

ኣደ ሓፊዛ ድማ ዳርፉር ኣብ ክባን ዕጽዋን ምስ ኣተወት ተቐቲላ።

እታ ጓል 21 ዓመት መንእሰይ፡ ድሕሪ ሞት ኣዲኣ፡ ህይወት ስድራቤታ ንቝልቍል ኣፉ ከም ዝተደፍአ ገሊጻ።

ቢቢሲ፡ ሓያል ውግእ ሓድሕድ ናብ ዝካየደላ ዘሎ ኣል-ፋሸር ክኣቱ ስለ ዘይከኣለ፡ ብሕቡእ ተለፎናት ከም ዝኣቱ ገይሩ።

ኣብኡ ቀጻሊ ደብዳብ ኣሎ፣ ኣል-ፋሸር ብዓቢዩ ካብቲ ዝተረፈ ክፋል ዓለም ንሓደ ዓመት ተቘራጻ እያ ዘላ።

ጋዜጠኛታት ድማ ናብታ ከተማ ክኣትዉ ከም ዘይከኣሉ ይፍለጥ።

ንድሕነት እቶም በተን ብሕቡእ ዝኣተዋ ተለፎናት ዛንታኦም ዘካፈሉና ሰባት ብዝብል ድማ ናይ መጀመርታ ሽሞም ጥራሕ ኢና ክንጥቀም።

ሓፊዛ፡ ሃንደበት ሓላፍነት ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ሓዋን ክልተ ኮተቴታትን ተሰኪማ እያ ዘላ።

ኣቦኦም ቅድሚ እቲ ኲናት ምጅማሩ ሞይቱ።

እዚ ኲናት እዚ ኣብ መንጎ ሰራዊት እታ ሃገርን ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን ዝካየድ ዘሎ ኰይኑ፡ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ እዩ።

ክልቲኦም ተቐናቐንቲ ወገናት ኣብ ሓደ እዋን፡ መሓዙት እዮም ነይሮም - ብዕልዋ መንግስቲ ብሓባር ናብ ስልጣን ምምጽኦም'ውን ኣይርሳዕን።

እንተዀነ፡ ዓለምለኻዊ ደገፍ ዝነበሮ ናብ ስቪላዊ ምሕደራ ንምስግጋር ብዝግበር ዝነበረ ውጥን ኣይተሳነዩን።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

መንበሪ ገዛ ሓፊዛ፡ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ሱዳን ዳርፉር ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ዝተቘጻጸራ ናይ መወዳእታ ዓባይ ከተማ ዝርከብ ኰይኑ፡ ንዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ እታ ዞባ ኣብ ከበባ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ'ያ ጸኒሓ።

ኣብ ነሓሰ 2024፡ ኣዲኣ ንብረት ገዛ ክትሸይጥ ንዕዳጋ ምስ ወረደት ኣብቲ ዕዳጋ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ።

"ሓዘን ኣዝዩ ከቢድ'ዩ፡ ክሳዕ ሕጂ ናብ ስራሕ ክኸይድ ኣይክኣኩን፡" ትብል ሓፊዛ።

"ግዜይ ኣብ ገዛ በይነይ እናበኸኹ እየ ዘሕልፎ።"

ክልቲኦም ወገናት ገበናት ኲናት ብምፍጻምን ኰነ ኢሎም ንስቪላውያን ዒላማ ብምግባርን ይኽሰሱ። እንተዀነ፡ ነዚ ክሲታት ይነጽጉዎ።

ቅድሚ ሕጂ'ውን ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ነቶም ከባቢታት ድሕሪ ምቍጽጻሩ ኣብ ካልእ ከባቢታት ዳርፉር ኣብ ልዕሊ ዓረብ ዘይኰኑ ጕጅለታት ምጽናት ዓሌት ፈጺሙ ዝብል ካብ ኣመሪካን ጕጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝቐረበ ክሲ ነጺጉዎ ነይሩ።

ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ናብታ ከተማ ዘእቱን ዘውጽእን መተሓላለፊ መስመር ይቈጻጸር።

ሓሓሊፉ ድማ ስቪላውያን ክወጽኡ ስለ ዘፍቅድ፡ ሓፊዛ ንኣሕዋታ ካብቲ ከባቢ ከም ዝወጽኡ ገይራ።

ንሳ ግን ንዓኣቶም ንምድጋፍ ገንዘብ ንኽትረክብ ንድሕሪት ተሪፋ።

ኣብቲ ዝሰደደቶ መልእኽቲ፡ ኣብ መዕቆቢ ቦታታት ንዝነብሩ ተመዛበልቲ ኮቦርታን ማይን ብምዕዳል፡ ኣብ ሓደ ናይ ሓባር ክሽነ ብምሕጋዝን ንሓደ ኣብ ዙርያ መንሽሮ ጡብ ግንዛበ ኣብ ምዕባይ ዝሕግዝ ጕጅለ ብምድጋፍን፡ ገንዘብ ክትረክብ ጻዕሪ ትገብር ከም ዘላ ገሊጻ።

ብህይወት ንምስራር ዝሕግዛ ውሑድ ገንዘብ ንምርካብ ክትጽዕር ከም ዝጸንሐት ትገልጽ።

"ኣደይን ኣሕዋተይን ኮፍ ዝብልሉ ዝነበሩ ቦታታት ይዝከረኒ፣ ብሓዘን ተጐዲአ'የ ዘለኹ፡" ትብል።

ዳርጋ ኣብ ኵሉ እቲ ወዲ 32 ዓመት ሙስጦፋ ዝሰደዶ ቪድዮታት፡ ብድሕሪት ተዅስን ደብዳብን ይስማዕ።

"ቀትርን ለይትን ዘየቋርጽ ደብዳብ ዳዕመ-ሰሪዕ ኢና ንጻወር ዘለና፡" ይብል።

ሓደ መዓልቲ፡ ደሃይ ስድርኡ ክገብር ምስ ወጽአ፡ ኣብ ጥቓ ማእከል ከተማ ዝርከብ ገዝኡ ብደብዳብ ተሃሪሙ - ናሕሱን መናድቑን ፈሪሱ - እቲ ዝተረፈ ድማ ተዘሚቱ።

"ኵሉ ነገር ተቐያይሩ፣ ኣብ ከባቢና ዝርከቡ መብዛሕትኦም ገዛውቲ ተራስዮም እዮም፡" ይብል። ነዚ ድማ ንዳዕመ-ሰሪዕ ይኸስስ።

ሙስጣፋ ኣብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ብወለንታ ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ እዋን፡ እቲ ከባቢ ከቢድ መጥቃዕቲ በጺሑ። ካብኡ ክሃድም እንከሎ ንካሜራ እታ ዝቐድሓላ ዝነበረ ተለፎን ኣየጥፍኣን ነይሩ።

"ኣብ ኣል-ፋሸር ውሑስ ቦታ የሎን፣ መዓስከራት ስደተኛታት ከይተረፈ ብመዳፍዕ ይድብደብ ኣሎ።"

"ሞት ንዝዀነ ሰብ፡ ኣብ ዝዀነ እዋን፡ ብዘይ መጠንቀቕታ... ብጥይት፡ ብደብዳብ፡ ብጥሜት ወይ ብጽምኢ ክጋጥሞ ይኽእል።"

ኣብ ካልእ መልእኽቲ ድማ ብዛዕባ ሕጽረት ጽሩይ ማይ ይዛረብ፡ ሰባት ብርስሓት ካብ ዝተበከለ ምንጪታት ይጥቀሙ ምህላዎም የብርህ።

ሙስጣፋን ጓል 26 ዓመት ማናሄልን፡ ካብታ ሃገር ወጻኢ ብዝነብሩ ሱዳናውያን ኣብ ዝድገፍ ሓባራዊ ክሽነታት ብወለንታኦም ይሕግዙ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ከተማ ጥሜት ከም ዘጋጥም ኣጠንቂቑ። እዚ ድማ ድሮ ኣብቲ ኣብ ጥቓኡ ዝርከብ ልዕሊ 500,000 ተመዛበልቲ ዝነብrሉ መዓስከር ዛምዛም ኣጋጢሙ ኣሎ።

ብዙሓት ሰባት ናብ ዕዳጋ ክበጽሑ ኣይክእሉን፣ "እንተ ከይዶም ክቡር'ዩ፡" ትብል ማናሄል።

"ሕጂ ኵሉ ስድራቤት ማዕረ'ዩ - ሃብታም ይዅን ድኻ። ሰባት መሰረታዊ ነገራት ክገዝኡ ዓቕሚ የብሎምን።"

ከም ሩዝ ዝኣመሰለ መግቢ ድሕሪ ምብሳል፡ ነቲ መግቢ ናብቶም ኣብ መዕቆቢ ቦታታት ዝርከቡ ሰባት የብጽሑ።

እቶም ተመዛበልቲ ክረኽቡዎ ዝኽእሉ መግቢ እዚ ጥራሕ'ዩ።

ኲናት ክጅምር ከሎ ማናሄል ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርታ ወዲኣ ነይራ። ኣብኡ ድማ ሸሪዓን ሕግን ተማሂራ።

እቲ ውግእ ኣብ ኣል-ፋሸር ምስ በጽሐ ምስ ኣዲኣን ሽዱሽተ ኣሕዋታን ናብቲ ካብ ቅድመ-ግንባር ዝያዳ ርሒቑ ዝርከብ ውሑስ ቦታ ገዓዘት።

"ገዛኻ፡ ኵሉ ትውንኖ ነገር ትስእንን ኣብ ሓድሽ ዋላ ሓንቲ ነገር ዘይብሉ ቦታ ክትነብር ትግደድን፡" ትብል።

ኣቦኣ ግን ካብ ገዝኡ ኣይወጽአን።

ገለ ጐረባብቲ ንብረቶም ብእምነት ገዲፎምሉ ስለ ዝኸዱ፡ ንዕኡ ንምሕላው ኣብኡ ተሪፉ - እዚ ውሳነ እዚ ህይወት ከኽፍሎ ዝኽእል'ዩ።

እንተዀነ፡ ኣቦኣ ኣብ መስከረም 2024 ብመዳፍዕ ዳዕመ-ሰሪዕ ከም ዝተቐትለ ትዛረብ።

እቲ ከበባ ቅድሚ ሓደ ዓመት ካብ ዝጅምር ኣብ ኣል-ፋሸር ዳርጋ 2,000 ሰባት ከም ዝሞቱ ወይ ከም ዝቘሰሉ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።

ጸሓይ ምስ ዓረበት ሰባት ሳሕቲ'ዮም ካብ ገዝኦም ዝወጽኡ።

ሕጽረት ሓይሊ ኤለክትሪክ ንብዙሓት ካብቶም ሓደ ሚልዮን ነበርቲ ኣል-ፋሸር ለይቲ ኣዝዩ ዘፍርሕ ኵነታት ኰይኑ ክስምዖም ገይሩ ይርከብ።

ጸሓያዊ ጸዓት ወይ ባትሪ ዘለዎም ሰባት መብራህቲ ንምውላዕ ይፈርሑ፣ ምኽንያቱ፡ "ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ክረኣዩ ስለ ዝኽእሉ፡" ትብል ማናሄል።

ንዓኣ ይዅን ነቶም ካልኦት ኢንተርነት ስለ ዘይነበሮም፡ ቢቢሲ ንሓያሎ መዓልታት ክረኽቦም ዘይከኣለሉ እዋናት ነይሩ።

ልዕሊ እዚ ኵሉ ስክፍታታት ግን እታ ከተማ ኣብ ትሕቲ ዳዕመ-ሰሪዕ እንተ ወዲቓ ክልቲኦም ማናሄልን ሓፊዛን ዝካፈሉዎ ሓደ ፍሉይ ስግኣት ኣሎ።

ሓፊዛ ኣብ ሓደ ካብ መልእኽታ፡ "ከም ጓል ክዕመጽ ይኽእል እየ፡" ትብል።

ንሳ፡ ማናሄልን ሙስጣፋን ኵሎም ካብቶም ዓረብ ዘይኰኑ ማሕበረሰባት ኰይኖም፡ ፍርሖም ካብቲ ኣብ ካልኦት ከተማታት ዳዕመ-ሰሪዕ ዝወሰደቶም፡ ብፍላይ ድማ ካብ ኣል-ፋሸር ንምዕራብ 400 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ኣል-ገነይና ዘጋጠመ ዝምንጩ እዩ።

ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ
መግለጺ ስእሊ, ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ

ኣብ 2023 ዓሌት መሰረት ዝገበረ ዘስካሕክሕ ጨፍጫፋት ርእያ እያ።

እዚ ድማ ኣመሪካን ካልኦትን፡ ምስ ምጽናት ዓሌት ዝዳረግ ገበን'ዩ ይብሉ።

ተዋጋእቲ ዳዕመ-ሰሪዕን መሻርኽቲ ዓረብ ምልሻን፡ንኸም ተወለድቲ ማሳሊት ዝኣመሰሉ ዓረብ ዘይኰኑ ብሄራት ዝዀኑ ሰባት ዒላማ ከም ዝገበሩ ይግለጽ - እዚ ድማ ቅድሚ ሕጂ ዳዕመ-ሰሪዕ ነጺጉዎ።

ቢቢሲ ኣብ ዶብ ጫድ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ዝረኸባ ጓል ማሳሊት፡ ብኸመይ ብተዋጋእቲ ዳዕመ-ሰሪዕ ብጕጅለ ከም ዝተዓመጸትን ንኣስታት ክልተ ሰሙን ብእግሪ ክትከይድ ከም ዘይከኣላን ክትገልጽ እንከላ፡ ሕቡራት ሃገራት ድማ ቈልዑ 14 ዓመት ኣዋልድ እንከይተረፈ ከም ዝተዓመጻ ገሊጹ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2023 ኣብ ኣል-ጀነይና ጥራሕ ካብ 10,000 ክሳብ 15,000 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይግምት።

ሕጂ ድማ ልዕሊ ርብዒ ሚልዮን ህዝቢ ካብታ ከተማ - ፍርቂ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ነባሪ - ካብቶም ኣብ ጫድ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ዝነብሩ ዘለዉ እዮም።

ነዚ ክስታት ናብ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ክቐርብ እኳ እንተ ገበርና፡ መልሲ ኣይሃቡን።

ይዅን'ምበር፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ዳርፉር ኣብ ዝግበር ምጽናት ዓሌታት ዝዀነ ይዅን ኢድ ከም ዘይነበሮ ብምግላጽ፡ እቶም ገበነኛታት ነቲ ወቐሳ ናብኦም ንምስግጋር ዳዕመ-ሰሪዕ ዝኽደኖም ወተሃደራዊ ኣልባሳት ተኸዲኖም ከም ዝነበሩ ይገልጽ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ውሑዳት ሪፖርተራት ናብ ኣል-ጀነይና ክኣትዉ እንከለው፡ ድሕሪ ምስ ስቪል ሰበስልጣን እታ ከተማ ዝተገብረ ኣዋርሕ ዝወደሰ ዘተ ግን፡ ሓንቲ ጋንታ ቢቢሲ ኣብ ታሕሳስ 2024 ክትበጽሕ ተፈቒዱላ።

እቶም ካብ ቤት ጽሕፈት ኣመሓዳሪ ዝተመደቡ ሓለውቲ ድማ ንጋዜጠኛታት ከርእዩዎም ዝደልዩዎም ነገራት ጥራሕ ክርእዩ ኣፍቂዶምሎም።

እዚ ድማ እታ ከተማ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ዳዕመ-ሰሪዕ ከም ዘላ ዘረጋግጽ ነበረ።

ተዋጋእቲ እቲ ጕጅለ ብድሩዓት መካይን ኣብ ጐደናታት ክዞሩ ይርኣዩ።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሄባ ቢታር፡ ነቶም ዕጡቓት ኣብ መንገዲ ክትረኽቦም እንከላ፡ ጸረ ተሽከርከርቲ ሮኬት ቦምባ ኣርእዮምዋ።

ነቲ ግጭት ዝርእይሉ መዳይ ድማ ኣዝዩ ዝተፈለየ እዩ።

ኣዛዚኦም ኣብ ኣልፋሸር ዝቕመጡ ከም ብዓል ሓፊዛ፡ ሙስጠፋን ምናሄልን ዝኣመሰሉ ሰላማውያን ሰባት የለዉን ይብል።

"ኣብ ዞባ ኲናት ዝጸንሕ ሰብ ኣብቲ ኲናት ዝሳተፍ'ዩ፣ ስቪል የሎን፡ ኵሎም ካብ ሰራዊት እዮም፡" ኢሉ።

ንሱ፡ ኣል-ጀነይና ሕጂ ሰላማዊት ከም ዘላን መብዛሕትኦም ነበርታ - "ከባቢ 90%" - ከም ዝተመልሱን ገሊጹ።

"ቅድሚ ሕጂ ባዶ ዝነበሩ ገዛውቲ ሕጂ ዳግማይ ብሰባት ተታሒዞም ኣለዉ።"

ኣማኢት ኣሽሓት ነበርቲ እታ ከተማ ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ ጫድ ስደተኛታት ኰይኖም ይነብሩ ኣለዉ።

ጋንታ ቢቢሲ፡ ብመኪና እናተጓዕዘት ብዙሓት ሰብ ኣልቦን ዝዓነዉን ከባቢታትን ክትዕዘብ ክኢላ እያ።

ኣብ ኣል-ጀነይና ዝርከብ ዕዳጋ ኣሕምልቲ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኣል-ጀነይና ዝርከብ ዕዳጋ ኣሕምልቲ

ኣብ ሓደ ዕዳጋ ኣሕምልቲ ሰባት ብዛዕባ ናብራኦም ሓቲትና።

ንነፍሲ-ወከፍ ሕቶ ክምልሱ እንከለዉ፡ ኣዕይንቶም እናሳጋሩ ነቶም ዓጂቦምና ዝመጽኡ ሰባት ይርእዩ ነይሮም።

ድሕሪኡ፡ "ኵሉ ጽቡቕ'ዩ፡" ይብሉ።

ይዅን እምበር፡ እቲ ዘሰነየና ዕጡቕ፡ ሰባት ብዛዕባ ዋጋታት የጋንኑ ኣለዉ ብምባል፡ ኣብ እዝኒ እታ ጋዜጠኛ ሕሹኽ እናበለ ይዛረብ ነይሩ።

ንጕዕዞና ምስ ቲጃኒ ካርሹም ዝተባህለ ኣመሓዳሪ ምዕራብ ዳርፉር ብዘካየድናዮ ቃለመሕትት ዛዚምናዮ።

ቅድሚኡ ዝነበረ ኣመሓዳሪ ምዕራብ ዳርፉር፣ ኣብ ግንቦት 2023 ዳዕመ-ሰሪዕ ምጽናት ዓሌት ፈጺሙ ኢሉ ድሕሪ ምኽሳሱ ተቐቲሉ።

እቲ ናይ ሕጂ ኣመሓዳሪ፡ ድሕሪ 2023 ናይ መጀመርታ ቃለመሕትት ክህብ እንከሎ፡ ጸግዒ ዝዀነ ወገን ከም ዘይወስድ ይዛረብ።

"ሰላም፡ ሓቢርካ ምንባር፡ ኪኖ'ቲ ሕሉፍ ምረት ምስግጋር ዝብል ጭርሖ ሒዝና ሓድሽ ምዕራፍ ጀሚርና ኣለና፡" ብምባል ኣሃዛት ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝበጽሕ ዘሎ ጕድኣት ሕቡራት ሃገራት "ዝተጋነነ" እዩ ኢሉ።

ከምኡ'ውን ኣብቲ ክፍሊ ሓደ ወኪል ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ምዃኑ ዝተገንዘብናዮ ሰብ ነይሩ።

ካርሹም ዳርጋ ንዅሉ ሕቶታት ዝሃቦ መልሲ ተመሳሳሊ እዩ ነይሩ።

ድሕሪ ክልተ ሰሙን፡ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊኡ እገዳ ኣንቢሩ።

ሕብረት አውሮጳ፡ እቲ ኣመሓዳሪ፡ "ኣብቲ ከባቢ ንዝተፈጸመ ከቢድ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ይወስድ፣" ከምኡ'ውን፡ "ኣብ ምውጣን፡ ምምራሕ ወይ ምፍጻም... ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ምጥሓስ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕግን፡ ቅትለት፡ ዓመጽን ካልእ ከቢድ ዓይነት ጾታውን ጾታን መሰረት ዝገበረ ዓመጽ፡ ከምኡ'ውን ጭውያ ተሳቲፉ፡" ኢሉ።

ነዚ ክስታት ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ "ኣብዚ ጉዳይ ጥርጡር ስለ ዝዀንኩ፡ ካባይ ዝመጽእ ዝዀነ መብርሂ ተኣማንነት ከም ዝጐድሎ እኣምን፡" ኢሉ።

ንሱ ግን፡ "ኣካል ናይቲ ቀቢላዊ ግጭት ኰይነ ኣይፈልጥን፡" ብምባል ኣብቲ እዋን እቲ ጐንጺ፡ "ኣብ ገዝኡ ከም ዝነበረ፡" ብምግላጽ ኣብ ዝዀነ ይዅን ግህሰት ሰብኣዊ ሕጊ ከም ዘይተሳተፈ ገሊጹ።

"ብቕትለት፡ ጭውያ ወይ ዓመጽ ዝቐርብ ክስታት ብናጻ መርመራ ክጻረ ኣለዎ፡" ብምባል ነዚ ክተሓባበር ምዃኑ ሓቢሩ።

"ካብ ምጅማር ግጭት ካርቱም ጀሚርና ንሰላም ጸቕጢ ገይርና፣ ኣብታ ብማሕበራዊ መዳይ ዝደኸመት ሃገርና ዓመጽ ንምክልኻል ጽቡቓት ተበግሶታት ኣቕሪብና ኢና፡" በሃሊ'ዩ።

እቲ ኲናት ምኽንያት ምዝንባል 12 ሚልዮን ሱዳናውያን ኰይኑ ይርከብ። መብዛሕትኦም ካብታ ሃገር ወጻኢን ኣብ ውሽጢ ሱዳን ኣብ ዝርከባ መዓስከራትን ይነብሩ ኣለዉ።

ኣብ መወዳእታ ሓፊዛ፡ ሙስጣፋን ማናሄልን ኣብ ኣል-ፋሸር ዝነበረ ህይወት ዘይጽወር ስለ ዝዀኖም፡ ኣብ ሕዳር 2024 ሰለስቲኦም ናብ ጥቓ እታ ከተማ ናብ ዝርከባ ከተማታት ኣምሪሖም።

ኣብ መጋቢት ወተሃደራዊ ሓይሊ ንርእሰ ከተማ ካርቱም ዳግማይ ኣብ ዝተቈጻጸረሉ እዋን፡ ዳርፉር እታ ናይ መወዳእታ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ዝቈጻጸሩዋ ዓባይ ዞባ ኰይና ትቕጽል ኣላ።

እዚ ድማ ንኣል-ፋሸር ናብ ዝያዳ ጽዑቕ ዓውደ-ውግእ ዝካየደላ ከባቢ ቀይሩዋ ኣሎ።

ማናሄል፡ "ኣል-ፋሸር ዘፍርሕ ኰይና ኣላ፡" ትብል።

"ዕጫና ከይፈለጥና ኢና ንኸይድ ዘለና። ናብ ኣል-ፋሸር ክንምለስ ዲና? እዚ ኲናት መዓስ እዩ ክውዳእ? እንታይ ከም ዝኸውን ኣይንፈልጥን ኢና።"