ሱዳን ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና በቲኻ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሱዳን ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ከምዝበተኸት ወተሃደራዊ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
እቲ ስጉምቲ፡ ብጀነራል ሕመድቲ ዝምርሑ ሓይልታት ዳዕመ ኣል-ሰሪዕ ነታ ክሳብ ሕጂ በቲ ኲናት ሓድሕድ ብተዛማዲ ከይተተከንፈት ዝጸንሐት ፖርት ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ብሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ዘጥቅዕሉ ዘለዉ እዋን'ዩ ተወሲዱ ዘሎ።
ሚኒስተር ምክልኻል ሱዳን ያሲን ኢብራሂም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኢማራት ዓረብ "ብውክልና" ንልኡላውነት ሃገሩ ትጥሕስ ኣላ ክብል ከሲሱ።
ብጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣል-ቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ንኢማራት ዓረብ ናብ ዓለምለኻዊ መጋባእያ ዘቕረቦ ክሲ ከምዘይተዓወተ ይፍለጥ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕቡራት ሃገራት (ICJ) ሱዳን ኣብ ምጽናት ዓሌት ተሓባባሪት እያ ብምባል ኣብ ልዕሊ ኢማራት ዓረብ ዘቕረበቶ ክሲ ነጺጕ።
ሱዳን፡ ኢማራት ዓረብ ኣብቲ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ዝሞቱሉ፡ ሚልዮናት ካብ ኣባይቶም ክመዛበሉ ዘገደዱሉን ብዙሓት ድማ ብጥሜት ዝተቐዝፉሉን ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ንሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ከምዝደገፈቶም ከሲሳ።
ኢማራት ዓረብ ነቲ ክሲ ምሉእ ብምሉእ ብምንጻግ፡ ነቲ ጉዳይ "ፖለቲካዊ ተዋስኦ'ዩ" ክትብል ገሊጻቶ።
ኣብ ሄግ ዝርከብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ፡ ኢማራት ዓረብ ካብቲ ውዕል ምጽናት ዓሌት ዝጠቅስ ዓንቀጽ 9 ስለዝወጸት ብኻልኦት ሃገራት ክትክሰስ ተኽእሎ ብዘይምህላዉ እቲ ጉዳይ ክቕጽል ከምዘይክእል ወሲኑ።
እቲ ቤት ፍርዲ፡ ስልጣን ከምዘይብሉን ብዛዕባ መርትዖ ናይቲ ሱዳን ዘቕረበቶ ክሲ ዝኾነ መርገጺ ከይወስድ ከምዘይክእልን ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብቲ ብሱዳን ዝቐረበ ክሲ፡ ኢማራት ዓረብ ንሰራዊት ዳዕመ ሰሪዕ ብወተሃደራዊ፡ ፋይናንሳውን ሎጂስቲካውን ካብ ምድጋፋ ብተወሳኺ ኣብ ዳርፉር ኣብ ልዕሊ ዓረብ ዘይኮኑ ማሕበረሰባት ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ማሳሊት መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ይጠቅስ።
እቲ ክስታት ጃምላዊ ቅትለት፡ ብኣስገዳድ ዝግበር ምምዝባል ከምኡ'ውን ጾታዊ ዓመጽ ከም መሳርሒ ኲናት ምጥቃምን ዘጠቓለለ እዩ።
ምክትል ተሓጋጋዚት ሚኒስተር ፖለቲካ ኢማራት ዓረብ ሪም ኬታይት፡ ውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ "ንጹርን ወሳንን" እዩ ኢላ።
"ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ኣዕናዊ ኲናት ከብቅዕን ህዝቢ ሱዳን ንምድጋፍን ከተኵር ኣለዎ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ድማ ናብ ኵሎም ዘድልዮም ክበጽሕ ክጠልብ ኣለዎ፡" ኢላ።
ሰራዊት ሱዳን ይዅን ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ፡ መንነት ደቂ ሰባት ዒላማ ዝገበረ ቅትለት፡ ሰብኣዊ ረድኤት ብምዕንቃፍን ዝምታን ሓዊሱ ክኽሰሱ ጸኒሖም'ዮም።
ሱዳን ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረበቶ ክሲ ነቶም ኣብቲ ጉዳይ ብቐጥታ ዝዋስኡ ዘለዉ ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ዘይኮነስ ነቶም ንዓኣቶም ደጊፋ እትበሃል ኢማረት ዓረብ ዘነጻጸረ ስለዝዀነ ዘይልሙድ ክሲ'ዩ።
እቲ ጉዳይ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝፍጸም ግፍዕታት ብምግዳድ ሃገራት ተሓተትቲ ክዀና ይኽእላ ድየን ንዝብል ሕቶ መመርመሪ ኰይኑ ሓሊፉ'ሎ።
ዳያኑ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብቲ ጉዳይ ናይ ምውሳን ስልጣን ከምዘይብሎም እኳ እንተገለጹ፡ ኣህጉራውያን ኣብያተ ፍርዲ ብኸመይ ዲፕሎማስያዊ ሜዳታት ውግእ ይዀና ከምዘለዋ ብንጹር ዘርኣየ ፍጻመ ኰይኑ'ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







