መራሒ ዕልዋ ኒጀር ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ስልጣን ከምዘረክብ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS
መራሒ ዕልዋ መንግስቲ ኒጀር፡ ነታ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክመልሳ ቃል ኣትዩ።
ጀነራል ዓብዱራማነ ትችያኒ፡ ምስ ልኡኻት ዞባዊ ጉጅለ ኢኮዋስ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኒያመይ ድሕሪ ምዝርራቡ እዩ ነቲ መግለጺ ሂቡ ዘሎ።
ኢኮዋስ ምስቲ ጉጅለ ዕልዋ ኣብ ስምምዕ እንተዘይበጺሑ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ መዝነቱ ዝተኣለየ ፕረዚደንት ባዙም ናብ ቦትኡ ንምምላስ ወታሃደራዊ ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣጠንቂቑ እዩ።
መራሒ ዕልዋ ኒጀር ብግዲኡ ኲናት ከምዘይደሊ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ንዝኾነ ደጋዊ ምትእትታው ግን ከምዝምክት ኣፍሊጡ።
ጀነራል ዓብዱራማነ ብቀዳም ኣብ ዘሕለፎ መልእክቲ “ኣንጻርና ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ዝካየድ እንተኾይኑ፡ ከምቲ ገለ ሰባት ዝሓስብዎ ቀሊል ኣይክኸውንን” ኢሉ።
ንሱ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ወደብ ኣልቦ ዝኾነት ሃገር ብኢኮዋስ ዝተነበረ ማዕቀብ “ ዘይሕጋውን ኢ-ሰብኣውን” ክብል ወቒሱ።
እቲ ክልከላ ኣብ ርእሰ ከተማ ኒያመይ ሓዊሱ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኣገልግሎት መብራህቲ ክቋረጽ ከምኡ ድማ ኣድለይቲ ሸቐጣት ናብታ ሃገር ከይኣተዉ ገይሩ።
ብተወሳኺ ሕጽረት መሰረታዊ ነገራትን ወሰኽ ዋጋ መግቢን ተፈጢሩ።
“እቲ ማዕቀብ መፍትሒ ንምርካብ ዘይኮነስ፡ ናዓና ንምንብርካኽን ንምውራድን ዝተገበረ እዩ” ኢሉ ጀነራል ዓብዱራማነ።
ኢኮዋስ ድሕሪ እቲ ብሰንበት ዝተኻየደ ዘተ፡ ነቲ ጉጅለ ዕልዋ ኣብ ሰለስተ ዓመት ስልጣን ከረክብ ዘቕረቦ ሓሳብ ነጺጉ።
ኮምሽን ፖለቲካዊ ጉዳያት ሰላምን ጸጥታን ኢኮዋስ ዓብደል-ፋቱ ሙሳ “ኢኮዋስ ደጊሙ ኣብቲ ዞባ ዝተናወሐ ስግግር ኣይቕበልን። ኣብ ሓጺር እዋን ስልጣን ከረክቡ ክዳለዉ ኣለዎም” ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።
“ወታሃደራዊ ኣማራጺ ኣብ ቀረባ እዩ ዘሎ።”
“ቀልጢፎም ስልጣን ንሲቪላት እንተኣረከቡን ግዝኣታዊ ሓድነት ኒጀር ኣብ ናይ ምሕላው ቀንዲ ስረሖም ትኹረት እንተገበሩን ነዓኦም ዝሓሸ እዩ” ክብል እውን ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብ ኒጀር ሲቪላዊ ምምሕዳር ናብ ቦትኡ ንምምላስ ዝግበር ጻዕሪ በተን ኣብታ ሃገር ወታሃደራዊ መዓስከር ዘለወን ሃገራት ፈረንሳን ኣመሪካን ድጋፍ ይግበረሉ ኣሎ። እቶም ወታሃደራዊ ማእከላት ኣካል ናይቶም ኣብ ዞባ ሳሕል ኣንጻር ጂሃዳውያን ዕጡቓት ዝግበር ቃልሲ እዮም።
ኣብ 26 ሓምለ ብዝተኻየደ ዕልዋ ስልጣን ዝሓዘ ጀነራል ዓብዱራማነ፡ ወታሃደራዊ ምትእትታው ምንቅስቓስ ናይቶም ምስ ኣልቃዒዳን ኣይኤስን ርክብ ዘለዎም ጉጅለታት ክውስኽ ዝገብር እዩ ይብል።
እቲ ጉጅለ ዕልዋ መንገዲ ናይቶም ኣብ ቡርኪና ፋሶን ማሊን ዝተኻየዱ ዕልዋታት ዝኽተል ዘሎ ኮይኑ፡ ሩስያ ብዕሱብ ጉጅለ ቫግነር ኣቢላ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ጽልዋ ተሐይል ኣላ።
ጀነራል ዓብዱራማነ ብዛዕባ መስርሕ ምርካብ ስልጣን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን፤ ኮይኑ ግና መትከላት ስግግር እቲ ጉጅለ ዕልዋ ኣብ ዘዳልዎ ዘተ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ክውሰን እዩ ኢሉ።
ኣብቲ ብቀዳም ዝተኻየደ ዘተ መራሕቲ እቲ ብዕልዋ ስልጣን ዝሓዘ ጉጅለን ወከልቲ ኢኮዋስን ንፈለማ እዋን'ዮም ተራኺቦም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







