ዶብ ሰሜን ኮርያ ጥሒሱ ዝኣተወ ወታሃደር ኣመሪካ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ወታሃደራት ደቡብ ኮርያ ኣብ ሓለዋ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሰሜን ኮርያ ብዘይ ፍቓድ በቲ ብጽኑዕ ዝሕሎ ምስ ደቡብ ኮርያ ዘዋስና ዶብ ኣቋሪጹ ዝኣተወ ወታሃደር ኣመሪካ ከምዝኣሰረት ተገሊጹ፡፡

እቲ ትራቪስ ኪንግ ዝተባህለ ወታሃደር፡ ኣብቲ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ሕቡራት ሃገራት ዝንቀሳቐሰሉ ዞባ ኣብ ዝተዳለወ ጉዕዞ ይሳተፍ ነይሩ፡፡

እቲ ወታሃደር ካብ ዓለም ተነጺላ ዘላ ሰሜን ኮርያ ምስ ጎረቤታ ደቡብ ኮርያ ዘለዋ ወጥሪ ኣብ ዝዓረገሉ እዩ ዶባ ሰጊሩ ተረኺቡ ዘሎ፡፡

ኣመሪካ ዜጋታታ ተንከስ ኢሎም ናብታ ሃገር ከይከዱ እያ ተጠንቅቕ፡፡

ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ከምዝገለጾ፡ ምስቲ ወታሃደር ዝኾነ ርክብ የለን፡፡

ኣዛዚ ኢንዶ-ፓስፊክ ሰራዊት ኣመሪካ ኣድሚራል ጆን ኣኪልኖ፡ ትራቪስ ኪንግ ብድልየቱ ጎይዩ ከምዝኸደ እዩ ዝሕብር፤ እንተዀነ ፍቓድ ከምዘይተዋህቦን እቲ ጉዳይ በቶም ኣብ ደቡብ ኮርያ ዘለዉ ሓይልታት ኣመሪካ ይጻረ ከምዘሎን ተዛሪቡ፡፡

እቲ ወታሃደር ምስተኣሰረ ድሕሪ ቅሩብ ሰዓታት፡ ሰሜን ኮርያ ባሊስቲክ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዝተጠርጠሩ ክልተ ሚሳይላት ኣብ ጥቓኣ ናብ ዝርከብ ባሕሪ ተኲሳ፡፡ ምስ ምትሓዝ እቲ ወታሃደር ዝተኣሰሰር እንተዀይኑ ግን ዝተፈለጠ ነገር የለን፡፡

እቲ ወታሃደር ሰሊሙ ድዩ ክምለስ ተስፋ ገይሩ ኣይተፈለጠን፤ ሰሜን ኮርያ እውን ዝሃበቶ መግለጺ የለን፡፡

ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ (ፔንታገን) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ታሕተዋይ መዓርግ ፒቪ2 ዝነበሮ ኪንግ ካብ 2021 ጀሚሩ ኣብቲ ሰራዊት ከምዘገልገለን ኣብቲ ምስ ሰራዊት ደቡብ ኮርያ ኰይኑ ሓለዋ ዝገብር ዘሎ ሰራዊት ኣመሪካ ከምዝጸንሐን ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ወታሃደር ኣብ ደቡብ ኮርያ ናይ ዓመጽ ክሲ ቀሪቡሉ ምስተታሕዘ መቕጻዕቱ የሕልፍ ከምዝነበረ ወኪል ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ጸብጺባ፡፡

ተሓባባሪ ቢቢሲ ኣብ ኣመሪካ ዝኾነ ሲቢኤስ ብወገኑ፡ ፒቪ2 ኪንግ ኣብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ኮርያ ሲኦል ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣቢሉ ናብቲ ጕዕዞ ዝካየደሉ ዝነበረ ከባቢ ከምዝተጓዕዘ ሓቢራ፡፡

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ወታሃደር ‘‘ብድልየቱን ፍቓድ ከይተዋህቦን’’ ነቲ ተግባር ከምዝፈጸመ ሰራዊት ኣመሪካ ኣፍሊጡ ኣሎ፡፡

ሓደ ምስክር ዓይኒ ሲቢኤስ፡ ኣብ ዶብ እተን ሃገራት ዘሎ ህንጻ ኣብ ዝረኣየሉ እዋን፡ እቲ ወታሃደር ዓው ኢሉ ድሕሪ ምስሓቕ፡ ‘‘ብመንጐ እቶም ህንጻታት ጎዩ ሃዲሙ’’ ኢሉ፡፡

‘‘ኣብ መጀመርታ ደስ ዘየብል ዳእላ እዩ ዝመሰለኒ፤ ከይተመለሰ ምስተረፈ ግን ኵሉ ሰብ ጫውጫው ኢሉ፡፡ ነገራት ከኣ ተሓማሚሱ’’ ኢሉ፡፡

ነቲ ኣብ ዶብ ክልቲአን ኮርያ ካብ ወታሃደራዊ ምንቅስቓስ ነጻ ዝዀነ ዞባ ዘመሓድር እዚ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ወታሃደር ንምፍታሕ ምስ ሰራዊት ሰሜን ኮርያ ይዘራረቡ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ፡፡ እንተዀነ ትራቪስ ኪንግ ብዛዕባ ዝተኣሰረሉ ኩነታት ዝፍለጥ ነገር የለን፡፡

ሰብ መዚ ሰሜን ኮርያ ሓበሬታ ንምርካብን ከም መስርሒ ፕሮፖጋንዳ ክጥቀሙሉን ከምዝኽእሉ ሰብ ሞያ ይግምቱ፡፡

‘ዲኤምዜድ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ መንጐ ክልቲአን ኮርያታት ዝርከብ ካብ ወታሃደራዊ ምንቅስቓስ ናጻ ዝኾነ ከባቢ፡ ብጽኑዕ ዕርድታት ካብ ዝሕለዉ ከባቢታት ዓለም ሓደ እዩ፡፡

እቲ ከባቢ ብነተጕቲ፡ ኤሌክትሪክ ሓጹርን ካሜራታትን ዝተኸበበ ኰይኑ፡ ዝተዓጠቑ ወታሃደራት 24 ሰዓት ብተጠንቀቕ ይሕልዉ፡፡

ዲኤምዜድ ካብ ኲናት ኮርያ 1950 ጀሚሩ ንኽልቲአን ሃገራት ፈልዩወን ይርከብ፡፡ እቲ ኵናት ብስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦ ጥራይ ደው ስለዝበለ ብወታሃደራዊ ዓይኒ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ኲናት እየን ዘለዋ፡፡

ማእሰርቲ ፒቪ2 ኪንግ፡ ሕማም ርእሲ ፖሊሲ ወጻኢ መንግስቲ ጆ ባይደን ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝግለጽ፡፡

ትራቪስ ኪንግ ኣብዚ እዋን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሰሜን ኮርያ ዝርከብ እንኮ ኣመሪካዊ እዩ፡፡

ኣብ 2017 ሓደ ኣመሪካዊ ተምሃራይ፡ ኣብ ሰሜን ኮርያ ወረቐት ፕሮፖጋንዳ ክሰርቕ ተረኺቡ ንዓመት ድሕሪ ምእሳሩን ነብሱ ምስ ሰሓተ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ምስ ሞተን፡ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣዐርዩ ሓርፊፉ ነይሩ፡፡

ሰለስተ ኣመሪካውያን እውን ኣብ ስልጣን ዶናልድ ትራምፕ ተፈቲሖም ነይሮም፡፡ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ መንጎ ዶናልድ ትራምፕን ኪም ጆንግ ኡንን ብዝገበርዎ ዘተ ቅሩብ ተመሓይሹ ነይሩ፡፡