ሩስያን ሰሜን ኮርያን ኣጽዋር ብመግቢ ክለዋወጣ እየን - ኣሜሪካ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሩስያ፡ መግቢ ብኣጽዋር ንምልውዋጥ ናብ ሰሜን ኮርያ ልኡኽ ክትሰድድ ከም ዝቐረበት ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ገሊጹ።
ኣብ መንጐ ሰሜን ኮርያን ሩስያን ዝፍጸም ዝዀነ ይዅን ስምምዕ ኣጽዋር ንውሳነታት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝጥሕስ ምዃኑ ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ጆን ኪርቢ ኣመልኪቱ።
ኣሜሪካ ቅድሚ ሕጂ፡ ሰሜን ኮርያ ኣብ ዩክረይን ንዝርከብ ሰራዊት ሩስያን ብሩስያ ንዝውነን ዋግነር ግሩፕን ኣጽዋር ኣቕሪባ ክትብል ከሲሳ ነይራ።
ሰሜን ኮርያ ግን ነቲ ክሲ ትነጽግ።
ኣሜሪካ ኣብ መንጐ ሩስያን ሰሜን ኮርያን ዝግበር ስምምዕ ዝምልከት ሓዱሽ ሓበሬታ ከም ዘለዋ'ዩ ጆን ኪርቢ ዝገልጽ።
እቲ ወሃቢ ቃል፡ "ሩስያ መግቢ ብኣጽዋር ክትልውጥ ናብ ሰሜን ኮርያ ልኡኽ ክትሰድድ ምዃና ፈሊጥና ኣለና" ኢሉ።
ኣሜሪካ ነቲ ኵነታትን እቲ ዝተበሃለ ስምምዕን ብቐረባ ትከታተሎ ከምዘላ ወሲኹ እቲ ወሃቢ ቃል ገሊጹ።
ሰሜን ኮርያ ሓንቲ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ዓለም እያ፤ ንዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ድማ ከቢድ ሕጽረት መግቢ ኣጋጢምዋ’ዩ።
ኣብታ ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ምልካውያን መንግስታት ዓለም ዝኾነት ሰሜን ኮርያ፡ ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ፡ ጽኑዕ ምቁጽጻር ዶባትን ዓለማዊ እገዳን ምህርቲ ከም ዝነከየን ዘስካሕክሕ ጥሜት ከም ዘጋጥምን ክኢላታት ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ኣጠንቂቘም ምንባሮም ይዝከር።
ሰሜን ኮርያ ኣብ 2022 ትሕቲ 180 ሽሕ ቶን ምግቢ ከም ዘፍረየት ካብ ሰበስልጣን ደቡብ ኮርያ ዝተሳእሉ ሳተላይት ምስልታት የመልክቱ። እዚ ድማ ምስቲ ኣብ 2021 ዝነበረ ምህርቲ ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ውሑድ እዩ።
ብሓሙስ፡ ክፍሊ ገንዘብ ኣሜሪካ ኣብ መንጐ ሰሜን ኮርያን ሩስያን ከም ደላላይ ተዋሲኡ ዝበሎ ስሎቫክያዊ ውልቀሰብ ኣብ ጸሊም መዝገብ ኣእትዩ።
እቲ ወዲ 56 ዓመት ኣሾት ሚክሪቼቭ፡ ኣብ መወዳእታ 2022ን መጀመርታ 2023ን ሰሜን ኮርያ ንሩስያ ኣጽዋር ንኽትሸይጥ ከም ዘመቻቸወ ጸብጻብ እቲ ክፍሊ ይሕብር።
ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ሰሜን ኮርያ ብወገና ጥረ ገንዘብ፡ ነፈርቲ፡ ቀረብን ጥረ ነገራትን ተቐቢላ'ያ።
ኣብ ጸሊም መዝገብ እገዳ ምእታዉ ማለት፡ ትካላት ንግዲ ኣሜሪካ ምስ ሚክሪቼቭ ርክብ ከይገብራ ዝኽልክልን ኵሉ ኣብ ኣሜሪካ ዘሎ ንብረቱ ክእገድን ይገብር።
ሩስያ ኣብ ኲናት ዩክረይን ዘጋጠማ ዕንወት ኣጽዋር ንምትካእ ዘለዋ ዓቕሚ ብቶም ብምዕራባውያን ዝተነበሩ እገዳታት ኣዝዩ ከም ዝተጸለወ ይግለጽ።
ብሰንኪ'ዚ እታ ሃገር ኣጽዋር ክትረክብ ናብ ካልኦት ሃገራት ክትጥምት ተገዲዳ እያ።
ኣሜሪካ ኣብ ታሕሳስ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኢራን ቀንዲ ደጋፊት ሰራዊት ሩስያ እያ ክትብል ምእዋጃ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







