ሰሜን ኮርያ ንሩስያ ኣጽዋር ትሸጠላ ኣላ - ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, RUSSIAN DEFENCE MINISTRY
ብምኽንያት ማዕቀብ እኹል ኣጽዋር ክተፍርይ ዘይከኣለት ሩስያ፡ ወታሃደራዊ ንዋት ካብ ሰሜን ኮርያ ክትገዝእ ከምእተገደደት መራኸቢ ማዕከናት ኣመሪካ ገሊጸን።
ካብ ማእከል ስለላ ዝተረኸበ መረዳእታ መሰረት ብምግባር ኒው ዮርክ ታይምስ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ ሩስያ ብሚልዮናት ዝቑጸር ተተኮስትን ሮኬታትን ካብ ፒዮንጊያንግ ከምዝገዘአት የመልክት።
እቲ ኲናት እናቐጸለ ብዝኸደ መጠን፡ ሩስያ ተወሰኽቲ ኣጽዋራት ካብ ሰሜን ኮርያ ክትገዝእ ከምእትግደድ እውን ሓደ በዓል መዚ ኣመሪካ ሓቢሩ።
ሩስያ ካብ ኢራን ዝገዝአተን ፈላሞት ሓደስቲ ድሮናት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምእተረከበተን ተገሊጹ እዩ።
ብዙሕ ማዕቀባት ምዕራባውያን ዝተጻዕነን ሰሜን ኮርያን ኢራንን፡ ድሕሪ እቲ ፑቲን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝጀመሮ ወራር፡ ምስ ሩስያ ዘለወን ርክብ የሐይላ ኣለዋ።
በቲ ኲናት ንኣመሪካ ዝወቅስ ስርዓት ሰሜን ኮርያ፡ ኣብ ዓብላልነት ዝተመርኮሰ ፖሊሲ ምዕራባውያን፡ ሩስያ ሓይሊ ክትጥቀም ከምዘገደዳ ይገልጽ።
እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ነጻ ግዝኣታት ከምዝኾና ንዝኣወጃ ዶነስክን ሉሃንስክን ኣፍልጦ ክምዝሃበተን ዝሓበረት ኮይና ምስ ሩስያ ዘለዋ ምሕዝነት ከምእተሐይል እውን ገሊጻ ነይራ።
ፑቲን'ውን ብተመሳሳሊ ክልተአን ሃገራት ርክበን ከምዘጠናኽራ ምግላጹ ሃገራዊ ሚድያ ሰሜን ኮርያ ሓቢራ።
ብዝሒ ናይቲ ሩስያ ዝዓደገቶ ኣጽዋር ብልክዕ'ኳ እንተዘይተገለጸ፡ ሓደ ላዕለዋይ ኣመሪካዊ በዓልስልጣን ግና እቲ ኩነታት፡ ሩስያ ብምኽንያት እገዳ ሕጽረት ቀረብ ከምዘጋጠማ ዘመላኽት እዩ ኢሉ።
እንተኾነ ዛጊድ ዝተነበሩ ማዕቀባት፡ ሩስያ ካብ ሰደድ ጻዓት ንእትረኽቦ ኣታዊ ኣዐርዩ ከምዘይጸለዎ ጸብጻባት የመልክቱ።
ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ሩስያ ወተሃደራዊ ዓቕማ ደጊማ ናይ ምሕያል ተኽእሎኣ ክምዝደኸመ እዮም ዝገልጹ።
ሩስያውያን ሰብ ሞያ ኣተኣላልያ ድሮን ሞሃጀር-6 ን ሻሂድን ስልጣና ንምውሳድ ናብ ኢራን ምኻዶም ሰብ መዚ ድሕነት ኣመሪካ ይሕብሩ።
ኮይኑ ግና እተን ድሮናት ካብ ዝግዘኣ ጀሚሩ መካኒካውን ቴክኒካውን ጸገማት የጋጥመን ከምዘሎ እቶም ሰብመዚ ንጋዜጠኛታት ገሊጾም።
ኢራን ንሩስያ ይኹን ዩክረይን ዘቕረበቶ ኣጽዋር ከምዘየላ እያ እትገልጽ።
ወታሃደራውያን ሰብዘሚ ብሪጣንያ ብሰሉስ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ሩስያ ኣብቲ “እትሰዓረሉ ዘላ ኲናት” ቀረብ ድሮናት ንምዕቃብ ትቃለስ ከምዘላ ዘፍለጡ ኮይኖም፡ ኣማኻሪ ድሕነት ኣመሪካ ጄክ ሱሊቫን፡ ኢራን ኣማኢት ድሮናት ንሩስያ ክተቕርበላ ትዳሎ ከምዘላ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ገሊጹ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







