ሰሜን ኮርያ ኣህጉር ዝሳገር ሚሳይል ነዊሕ ርሕቀት ወንጪፋ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሰሜን ኮርያ፡ መራሕቲ ደቡብ ኮርያን ጃፓንን ንፍሉይ ዝርርብ ቅድሚ ምርኻቦም ብናይ ሒደት ሰዓታት ፍልልይ ኣህጉር ዝሳገር ባሊስቲክ ሚሳይል ተኲሳ።
እቲ ሚሳይል ነዊሕ ርሕቀት ሎሚ ሓሙስ ንግሆ ከምዝተወንጨፈ ሰበስልጣን ጃፓንን ደቡብ ኮርያን ኣረጋጊጾም ኣለዉ።
ኣስታት 1000 ኪ.ሜ (620 ማይልስ) ብምውንጫፍ ድማ ኣብ ማያት ምዕራብ ጃፓን ዓሊቡ።
እዚ ፒዮንግያንግ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ንራብዓይ ግዜ ዝወንጨፈቶ ሚሳይል ኰይኑ፡ ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ሓባራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ዘካይዳሉ ዘለዋ እዋን’ዩ ተፈጺሙ።
እቶም ካልኦት ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ፡ ቀዳምን ሰኑይን ዝተወንጨፉ ባሊስቲክ ሚሳይላት ግን ናይ ሓጺር ርሕቀት እዮም ነይሮም።
ጽዑቕ ንጥፈታት ሚሳይል ሰሜን ኮርያ፡ ኣብቲ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ዩን ሱክ ዮል ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ፉሚዮ ኪሺዳ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ቶክዮ ብምርኻብ ዝገበርዎ ዘተ፡ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ኣጀንዳ ክኸውን ዝለዓለ ተኽእሎ ኣሎ። እዚ ምብጻሕ ድሕሪ 12 ዓመታት ክካየድ ንፈለማ እዋን’ዩ።
ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ካብ ሰኑይ ጀሚረን ኣብ ጉዳይ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት እቲ ዝዓበየ ወተሃደራዊ ልምምድ ኣብ ምክያድ ይርከባ።
ሰሜን ኮርያ ግን ንኸምዚ ዓይነት ልምምድ ከም ትንኮያ ከም እትርእዮ ብተደጋጋሚ ትገልጽ።
እቲ ናይ ሎሚ ሚሳይል ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ሰሜን ኮርያ ካብ እትርከብ ፒዮንግያንግ ከምዝተተኮሰ ወተሃደራዊ ሓላፍቲ ደቡብ ኮርያ ይሕብሩ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ጃፓን ብወገኑ፡ ዓይነት እቲ ሚሳይል ኣህጉራዊ ባለስቲክ ሚሳይል [intercontinental ballistic missile (ICBM)] ምዃኑ ብምርግጋጽ ንኣስታት 70 ደቓይቕ ልዕሊ 6000 ኪ.ሜ ከምዝተወንጨፈ ገሊጹ።
ካብቲ ፍሉይ ቍጠባዊ ዞባ ጃፓን ውጽእ ኣብ ዝበለ ከባቢ ከምዝዓለበ’ውን ኣረዲኡ።
በቲ ሚሳይል ብዛዕባ ዝወረደ ጉድኣት ግን ክሳብ ሕጂ ሰበስልጣን ጃፓን ዝገለጽዎ ነገር የለን።
መራሒ ደቡብ ኮርያ ድሕሪ’ቲ ብሓሙስ ዝተኻየደ ምውንጫፍ፡ ሰራዊት ሃገሩ ነቲ ምስ ኣሜሪካ ዝካየድ ሓባራዊ ልምምድ ብመሰረት ዝተታሕዘሉ ውጥን ክቕጽል ኣዚዙ ኣሎ።
ሰሜን ኮርያ፡ "ግዲ ንዘይብሉ ትንኮያኣ" ዋጋ ክትከፍል ምዃና ተሓንዩ።
ሰሜን ኮርያ ንመወዳእታ ግዜ ቅድሚ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ኣህጉራዊ ተወንጫፊ ሚሳይል ከምዝተኮሰት ይዝከር። እቲ ስጕምቲ ህጹጽ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራትን ብሃገራት G7 ምዅናንን ኣስዒቡ ነይሩ።
ኣህጉራዊ ተወንጨፍቲ ሚሳይላት [ICBM] ነዊሕ ርሕቀት ዝጓዓዙ ብምዃኖም ከም ዓቢይ ስግኣት እዮም ዝቝጸሩ። ካብ ሰሜን ኮርያ ዝተወንጨፉ ከምዚኦም ዝበሉ ሚሳይላት ናብ መሬት ኣሜሪካ ክበጽሑ ከምዝኽእሉ ክኢላታት ይገልፁ።
ኣብቲ ሎሚ ሓሙስ ዝካየድ ኣኼባ ቶክዮ፡ ክዝተየሎም ትጽቢት ካብ ዝግበረሎም ዛዕባታት እቲ ሓደ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ዝውስኽ ዘሎ ስግኣት ስጕምቲታት ሰሜን ኮርያ ክኸውን እዩ።
ክልቲአን ሃገራት ድሕሪ’ቲ ብሓሙስ ዝተተኮሰ ሚሳይል፡ ንኣብያተ ምኽሪ ጸጥታ ሃገራተን ኣኼባ ክጽውዓ ምዃነን ኣፍሊጠን ኣለዋ።
ሰሜን ኮርያ ኣብ 2022 ጥራሕ ልዕሊ 90 ሚሳይላት ዘወንጨፈት ኰይና እዚ ድማ ክሳብ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ካብ ዝተተኮሰ ከምዝበዝሕ ይግለጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







