ሰሜን ኮርያ፡ ንኣሜሪካ ንምስላል ዘወንጨፈታ ሳተላይት ወዲቓ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሰሜን ኮርያ፡ ናብ ህዋ ክትልእካ ዝሓሰበታ ፈላመይቲ ሳተላይት ሓደጋ ኣጓኒፉዋ ናብ ባሕሪ ከም ዝወደቐት ገሊጻ።
ቅድም ኢሉ፡ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ኣሜሪካ ንምክትታል 11 ሰነ 2023 ሳተላይት ከወንጭፍ እየ ኢላ ምንባራ ይዝከር።
ሕጂ ኽኣ፡ ኣብ ቀረባ ካልኣይ ፈተነ ከም እትገብር ትገልጽ።
እቲ ፍሹል ፈተነ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ኮርያ ሴኡል መጠንቀቕታ ክወሃብ ምኽንያት ክኸውን እንከሎ፡ ጃፓን ኣብ ደቡብ ክፋል እታ ሃገር ንዝነብሩ ህዝባ ኣጠንቂቓ ነይራ።
ነበርቲ ሴኡል ብድምጺ ሳይረን ነፈርቲ ከምኡ’ውን ከካብ ዘለውዎ ቀልጢፎም ንኽወጽኡ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ ስዒቡ ኣብታ ከተማ ምድንጋርን ዘይምርግጋእን ተራእዩ ነይሩ።
ድሕሪ 20 ደቒቕ ግን ብጌጋ ዝተላእከ እዩ ዝብል መልእኽቲ መጺኡዎም። እዚ ድማ ህዝቢ ኣብ ስርዓት መጠንቀቕታ እምነት ከይስእን ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።
እንተዀነ፡ እዚ ኣብ መንጐ እተን ን70 ዓመታት ኣብ ወጥሪ ዝርከባ ሃገራት ደሴት ኮርያ ብቐሊሉ ዝርአ ኣይኰነን።
ሰሜን ኮርያ ንደቡብ ኮርያ ስግኣት እያ፤ ኣብ ቀጻሊ መጠንቐቕታ ዝወሃብ እንተዀይኑ ድማ ሰባት ብልቢ ዝቕበልዎ ክኸውን ድዩ ዋላስ ከም ካልእ ጌጋ ክወስዱዎ’ዮም ዝብል ሕቶታት የልዕል።
ጓል 33 ዓመት ኪም፡ መልእኽቲ ህጹጽ ግዜ ክበጽሐ እንከሎን ካብ ገዛኣ ንኽትወጽእ ሳንጣኣ ክትጥርንፍ ምስ ተነግራን “ኣዝየ ፈሪሐ ነይረ” ትብል።
“ኲናት ክህሉ’ዩ ኢለ ኣይኣምንን፤ ግን ድሕቲ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝተወልዐ ኲናት ሰሜን ኮርያ ወይ ቻይና ክወራ እየ ዝብል ስግኣት ሓዲሩኒ’ዩ” ኢላ።
ከንቲባ ሴኡል ኦክ ሴ-ሁን እቲ መልእኽቲ መጠንቀቕታ ምናልባት ልዕሊ ዓቐን ክኸውን ይኽእል’ዩ፤ ግን ድማ ብዓይኒ ድሕነት ብዋዛ ክርአ ዘይብሉ ጉዳይ እዩ ክብል ተዛሪቡ።
ኣብ ቀጻሊ ምድንጋራት ንምእላይ እታ ከተማ ኣብ እትጥቀመሉ ስርዓት መጠንቀቕታ ምምሕያሽ ከም እትገብር ምግላጹ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።
ሰራዊት ደቡብ ኮርያ፡ እታ ሮኬት ኣብ ማእከል ተሰይራ ወይ’ውን ካብ ራዳር ምስ ጠፍአት ወዲቓ ክትከውን ከም እትኽእል ብምግላጽ፡ ስእሊ ኣብ ባሕሪ ዝረኸቦ ስብርባር ዘርጊሑ።
ጃፓን ክሳብ ሕጂ ዝበጽሐ ክሳራ ከም ዘየሎ'ኳ እንተገለጸት፡ ቅድም ኢሉ ዝዀነ ንግዝኣታ ዘስግእ ነገር ተኲሳ ከም እተውድቘ ገሊጻ ምንባራ ይዝከር።
ብሰሉስ ምኽትል ኣቦ መንበር ገዛኢ ሰልፊ ሰሜን ኮርያ ሪ ፒዮንግ ቾል፡ ብዛዕባ መደብ ምውንጫፍ ሳተላይት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ንዘርእያኦ ዘለዋ “ሓላፍነት ዝጐደሎ ወተሃደራዊ ተግባራት” ዝወሃብ ምላሽ እዩ ኢሉ ነይሩ።
እተን ሃገራት “ብግልጺ ዘይሓላፍነታዊ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ባህጊ” ኣለወን እዩ ክብል’ውን ከሲሱ ኣሎ።
ኣሜሪካ ግን፡ እቲ ተግባር ብርክት ዝበሉ ድንጋገታት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝጥሕስ’ዩ ክትብል ኰኒናቶ።
“በሪ ዲፕሎማሲ ኣይተዓጽዋን፤ ሰሜን ኮርያ ግን ኣብ ክንዲ (ጐንጺ) እትመርጽ ብቕልጡፍ ካብቲ ተንኳዪ ተግባራታ ክትእርነብ ኣለዋ” ክብል ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ኣዳም ሆድግ ተዛሪቡ።
ኣሜሪካ ድማ፡ ንርእሳን መላፍንታን ንምክልኻል “ኵሎም ኣገደስቲ ስጕምታት” ክትወስድ ምዃና ገሊጹ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ፡ ቴክኖሎጂ ባላስቲክ ሚሳይል ተጠቒምካ ዝግበር ዝዀነ ዓይነት ፈተነ “ኣንጻር” ድንጋታት ቤት ምኽሪ ጸጥታ እዩ ብምባል ንሰሜን ኮርያ ኰኒኑ።
መራሒ ሰሜን እታ ሃገር ኪም ዮንግ-ኡን ግን፡ ምዕባለ ወተሃደራዊ ሳተላይታት ንምክልኻል እታ ሃገር ወሳኒ ምዃኑ ገሊጹ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







