ደቃቕ ለቘታ ጸርገ-ንጡፍ ብምጥፋኣ ከቢድ ሻቕሎት ፈጢራ

እታ ለቘታ ካብ ስፍራ ዕደና ኒውማን ናብ ሰሜናዊ ክፋል ፐርዝ እናተወሰደት እንከላ እያ ጠፊኣ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እታ ለቘታ ካብ ስፍራ ዕደና ኒውማን ናብ ሰሜናዊ ክፋል ፐርዝ እናተወሰደት እንከላ እያ ጠፊኣ

ኣብ ኣውስትራልያ ንዝጠፍአት ጸርገ-ንጡፍ (radioactive) ባእታ ዝሓዘት ንእሽቶ ለቘታ ንምርካብ ከቢድ ኣለሻ ይካየድ ኣሎ።

እታ ለቘታ ሒደት መጠን ኬዝዩም-137 ዝበሃል ጸርገ-ንጡፍ ዝሓዘት ክትከውን እንከላ፡ ምስ እትትንከፍ ብርቱዕ ሕማም ክተስዕብ ትኽእል እያ።

እታ ለቘታ ኣብ መፋርቕ ጥሪ ኣብ መንጐ ከተማታት ኒውማንን ፐርዝን (ኣስታት1400 ኪሜ ዝሽፍን ከባቢ) እያ ጠፊኣ።

ሰብ መዚ፡ ዝዀነ ሰብ እንተርእይዋ ከይትንክፋ ዘጠንቅቕ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ኣለው።

እታ ለቘታ ካብ 10 ክሳዕ 16 ጥሪ ኣብ ዝነበሩ መዓልትታት ካብ ስፍራ ዕደና ኒውማን ናብ ሰሜናዊ ክፋል ፐርዝ እናተወሰደት እንከላ ምጥፍኣ ይግለጽ።

ኬዝዩም-137 ኣብ መስርሕ ዕደና ዝውዕል ባእታ እዩ።

ክፍሊ ምክልኻል ባርዕ ሓዊን ህጹጽ ኣገልግሎታትን፡ እታ ለቘታ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ክትውዕል ከምዘይትኽእል'ኳ እንተገለጸ፡ ክሳዕ ካንሰር ዝበጽሕ ሳዕቤናት ክተምጽእ ከምእትኽእል ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ክፍሊ ጥዕና እታ ግዝኣትን ኣቦመንበር ራድዮሎጂካል ካውንስልን ዶክተር ኣንድሪው ሮበርትሰን ብወገኑ፡ እቲ ባእታ “እዅል” መጠን ጸርጊ ከምዝተፍእ ተዛሪቡ።

“ዝዀነ ሰብ፡ እንታይ ምዃና ከይፈለጠ ከልዕላ እዩ” ዝብል ሻቕሎት ከምዘለዎም ዝገለጸ ዶክተር ኣንድሪው፡ “ገለ ዝጠቅም ነገር መሲልዎም ኣብ ገዛኦም፡ ኣብ መኪናኦም ከቐምጥዋ፡ ወይ ንኻልእ ሰብ ክህብዋ ይኽእሉ እዮም፡” ኢሉ።

ክፍሊ ምክልኻል ባርዕ ሓዊን ህጹጽ ኣገልግሎታትን ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እታ ለቘታ 6 ሚሊሜተር ብ 8 ሚሊሜተር ዓቐን ከምዘለዋን ካብ 10 ሳንቲም ኣጸቢቓ ከምእትንእስን የርኢ።

ነታ ለቘታ ንምርካብ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኣለሻ፡ እቲ ምጕዕዓዝ ዝተጀመረሉን ዘብቅዓሉን ከባቢታት ክፍተሽ እንከሎ፡ ብልክዕ እታ መኪና ዝተጓዓዘትሉ መንገድን ደው ዝበለትሉ ቦታታትን ንምፍላጥ ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ።

ዝዀነ ነታ ለቘታ ዝረኣየ ሰብ ናብ ክፍሊ ምክልኻል ባርዕ ሓዊን ህጹጽ ኣገልግሎታትን ክሕብርን ተንኪፍዋ እንተዀይኑ ቅልጡፍ ሕክምናዊ ሓገዝ ክሓትትን ተነጊሩ ኣሎ።

ክፍሊ ምክልኻል ባርዕ ሓዊን ህጹጽ ኣገልግሎታትን ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እታ ለቖታ 6 ሚሊሜተር ብ 8 ሚሊሜተር ዓቐን ከምዘለዋን ካብ 10 ሳንቲም ኣጸቢቓ ከምእትንእስን የርኢ

ምንጪ ስእሊ, DFES

መግለጺ ስእሊ, እታ ለቘታ ካብ 10 ሳንቲም ኣጸቢቓ እትንእስ እያ