ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኒውዚላንድ ብድኻም 'ተሓሊላ' ካብ ስልጣና ከምእትወርድ ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኒውዚላንድ ጃሲንዳ ኣርደርን ካብ ስልጣና ክትወርድ ከምዝወሰነት ኣፍሊጣ።
እታ ንሽዱሽተ ዓመታት ዝመርሐት ኣርደርን ሎሚ ሕንቕንቕ እናበለት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እዘን ኣብ ስልጣን ዝጸንሓትለን ዓመታት በዳህቲ ምንባረን ብምጥቃስ "ዝነበረኒ ዓቕሚ ጸንቂቐ" ብምባል ክትወርድ ምውሳና ተዛሪባ።
እቲ ንሳ ትመርሖ ገዛኢ ሰልፊ ዕዮ ዝነበሮ ደገፍ ኣብ ዘንቆልቆለሉ እዋን'ያ ንካልኣይ ግዜ ከምዘይትወዳደር ሓቢራ ዘላ።
ዋላ'ኳ ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ዝካየድ እንተኾነ፡ ንሳ ግን ኣቐዲማ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ስልጣና ከተረክብ ምዃና ኣፍሊጣ'ላ።
እታ ጓል 42 ዓመት፡ ኣብ ናይ ክረምቲ ዕረፍታ ብዛዕባ መጻኢኣ ኣብ ዘስተንተነትሉ እዋን ከቐጽላ ዝኽእል ጸዓትን ሓቦን እንተለዋ ርእሳ ፈቲሻ ነይራ።
"እንተኾነ ግና፡ የብለይን፡ ከምዚልካ ምቕጻል ከኣ ንኒውዚላንድ ምህሳይ'ዩ" ኢላ።
ኣርደርን ብ7 ለካቲት ክትወርድ'ያ። መተካእትኣ ንምምራጽ ድማ ሰልፊ ዕዮ ኣብ ዝመጽእ ሰንበት ክእከብ'ዩ። ሕጹያት ክልተ-ሲሶ ድምጺ ናይቶም ዝምልከቶም ሓለፍቲ እንተዘይረኺቦም፡ ተራ ኣባላት ናይቲ ሰልፊ ባዕሎም ክመርጹ ዕድል ክወሃቦም'ዩ።
ኣብ 2017 ኣብ መበል 37 ዓመታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኮይና ኣብ ዝተመረጸትሉ፡ ኣብ ዓለም እታ ዝነኣሰት መራሒት መንግስቲ ምንባራ ይዝከር።
ድሕሪ ሓደ ዓመት ከኣ ኣብ ስልጣን እንከላ ዝወለደት ካልኣይቲ መራሒት ሃገር ኮይና። ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፓኪስታን ዝነበረት በናዚር ቡቶ ኣብ 1990 ኣብ ስልጣን እንከላ ዝወለደት ፈላሚት መራሒት'ያ።
ገለ ካብቶም ኣብ መዝነት እንከላ ዘጋጠምዋ ብድሆታት፡ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ቁጠባዊ ዝሕታለ፡ ኣብ ሓደ መስጊድ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲን ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ እሳተ-ጎመራን ይርከብዎም።
ዋላ'ኳ እተን ዘገልገለትለን 5 ዓመትን ፈረቓን "ኣዝየን ዘዕግባ" እንተኾና፡ ነታ ሃገር ኣብ እዋን "ቅልውላው" ምምራሕ ኣዝዩ ከቢድ ምንባሩ ገሊጻ።
"እዞም ፍጻሜታት. . .ክብደት ዝነበሮም ምዃኖምን ቀጻሊ ባህሪ ዝነበሮም ምዃኑን ዋጋ ዘኽፍሉ'ዮም። ነመሓድር ኣለና ጥራይ ኢልና ዝሓሰብናሉ ህሞት ኣይነበረን" ትብል።
ላዕለዋይ መራሒ ሰልፊ ዕዮ ክሪስ ሉክሶን "ንኒዊዚላንድ ብዝሃበቶ ኣገልግሎት" ዘለዎ ምስጋና ካብ ዝገለጹ ሓያለ መራሕቲ'ዩ።
"ነዚ ብዙሕ ነገር ዝጠልብ ከቢድ ስራሕ ዝክኣላ ሂባ'ያ" ክብል'ውን መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ኣንቶኒ ኣልባነዝ ብወገኑ፡ ንዘለዋ ልቦና፡ ሓይሊን ለውሃትን ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ።
"ጃሲንዳ ሓያል ተጣባቒት ኒውዚላንድ'ያ ነይራ። ንቡዙሓት ኣርኣያ ዝኾነትን ንዓይ ድማ ዓባይ ማሓዘን'ያ" ኢሉ።
እንተኾነ ግን፡ ኣብ ዓለም ዓቢ ኣድናቖትን ዝናን'ኳ እንተሃለዋ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገራ ዝነበራ ደገፍ ግን እናማህመነ'ዩ ከይዱ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ 2020 ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፡ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ብዝወሰደቶ ቅልጡፍ ግብረመልሲ እቲ ንሳ ትመርሖ ሰልፊ ዕዮ ብገፊሕ ክዕወት ክኢሉ'ዩ።
ኣብ ዝቐጸለ ክልተ ዓመታት ብዝተራእየ ቁጠባዊ ዝሕታለን ካልኦትን ብድሆታትን ግን ዝነበራ ተቐባልነት እናሃሰሰ መጺኡ።
ኣብ 2022 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየደቶ ቃለመሕትት፡ እቲ ኣብ ሃገራ ዝነበራ ደገፍ ምስቲ ድሕነት ዜጋታታ ንምሕላው ዝወሰደቶም ውሳነታት ኮቪድ-19 ዝተሓሓዝ ምዃኑ ተዛሪባ ነይራ።
እንተኾነ ግን፡ ብሰንኪ ንሳ ይኹን ትመርሖ ሰልፊ ዘለዎም ትሑት ደገፍ ካብ ስልጣና ክትወርድ ከምዘይወሰነት'ያ ትገልጽ።
"ኣብቲ ምርጫ ክንዕወት ኣይንኽእልን ኢና ብምባል ኣይኮንኩን ዝወርድ ዘለኹ፡ እኳ'ድኣ ከምእንኽእልን ክንዕወት ምዃናን ሓድሽ እንግድዓ ከምዘድልየናን ብምእማን'ዩ"።
ገለ ካብቶም እቲ ንሳ እትመርሖ መንግስቲ ተዓዊቱሎም እትብሎም ነገራት፡ ፖሊሲታት ክሊማዊ ለውጢ፡ ማሕበራዊ ኣባይቲ፡ ከምኡ'ውን ድኽነት ቆልዑ ምንካይን ይርከብዎም።
ኣብታ ሃገር ዘለዋ ሓድጊ እንታይ ምዃኑ ንምግላጽ ድማ "ለዋህ ክትከውን ኩሉ ሳዕ ዝከኣላ ዝገበረት" ተባሂላ ክትዝከር ከምእትደሊ ተዛሪባ።
"ኒውዚላንዳውያን ለዋሃት ግና ሓያላት፣ ተደናገጽቲ ግና ወሰንቲ፣ ትስፉዋት ግና ትኩራት ክትኮኑ እምነት ሒዘ'የ ዝፋነወኩም ዘለኹ። ከምኡ'ውን ርእስኹም ክትመርሑ እትኽእሉን- መዓስ ክትሰናበቱ ከምዘለኩም እትፈልጡን"።
ጃሲንዳ ኣርደርን መዝነታ ምስ ኣረከበት ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ዝተሰረዘ ስነስርዓት መርዓ ብምፍጻም ምስ መጻምድታ ክላርክ ገይፈርድ ቃልኪዳን ክትኣስር ዘለዋ ተስፋ'ውን ገሊጻ'ላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







