ኒውዝላንድ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ሃገራዊ መረጻ ብሓደ ወርሒ ኣናዊሓቶ

ኒውዚላነድ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኒውዝላንድ፡ ጀሲንዳ ኣርደን ብስግኣት ኮሮናቫይረስ መረፃ ከምዝተናውሐ ኣፍሊጣ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኒው ዚላንድ ጀሲንዳ ኣርደን፡ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ክካየድ ተተሊሙ ዝነበረ ሃገራዊ መረፃ፡ ብሰንኪ ምውሳኽ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣናዊሓቶ።

ብመሰረት እዚ ድማ እቲ ኣብ ቀፃሊ 19 መስከረም ክካየድ ተተሊሙ ዝነበረ መረፃ፡ ናብ 17 ጥቅምቲ ተናዊሑ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ጀሲንዳ ኣርደን፡ እዚ ሓድሽ መደብ፡ ውድባት ፖለቲካ፡ መጠን እቲ ዘሎ ኩነታት ብምግንዛብ ጎስጓሶም ከካይዱ ዝሕግዝ እዩ ኢላ።

ኣብ መፈለምታ እዚ ሰሙን፡ ዝዓበየት ከተማ እታ ሃገር ዳግማይ ናብ ዕፅዋ ተመሊሳ እያ።

"እዚ ውሳነ፡ ንኩሎም ውድባት ንዝቕፅሉ 9 ሰሙናት ክጉስጉሱ፡ እቲ ቦርድ መረፃ ድማ ነቲ መረፃ ንከሳልጥ እኹል ግዘ ዝህብ እዩ" ዝበለት ቀዳማይ ሚኒስተር ጀሲንዳ ኣርደን፡ ነዚ ሃገራዊ መረፃ ምንዋሓ፡ ዋላ ሓደ ዝሓሰበቶ ነገር ከምዘየለ ኣፍሊጣ።

ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ውድብ ግና፡ ኣርደን ክትኸስቦ ዝደለየት ነገር ስለዘሎ እዩ ብምባል፡ ንውሳነ እታ ቀዳማይ ሚኒስተር ተቓዊምዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ከተማ ኦክለንድ ብርክት ዝበለ ሓድሽ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ምስተረጋገፀ፡ ኣብታ ዓባይ ከተማ እገዳታት ተነቢሩ ኣሎ።

እዚ መግለፂ ንልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ካብ ማሕበረሰባዊ መልከፍቲ ናፃ ንዝነበረት ኒው ዚላንድ ኣብ ስንባደ ሸሚምዋ ይርከብ።

ከም ሓበሬታ ዩኒቨርሲቲ ጆን ሆፕኪንስ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጅምር ኣብ ኒው ዚላንድ ዛጊድ 1600 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ እንትኾኑ፡ 22 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም ።