ኣውስትራልያ፡ ብግዝፋ ክብረ ወሰን ዝሰበረት እንቅርዖብ ተረኺባ

ምንጪ ስእሊ, QUEENSLAND DEPARTMENT OF ENVIRONMENT AND SCIENCE
ኣብ ሰሜን ኣውስትራልያ፡ ክፍለ ግዝኣት ኵንስላንድ ኣብ ዝርከብ ጫካ ብግዝፋ ክብረ ወሰን ዓለም ዝሰበረት ሓርፋፍ ቆርበታ እንቅርዖብ ተረኺባ።
እዛ እንቅርዖብ፡ ካብተን ቅድሚ ሕጂ ገዘፍቲ እንቅርዖብ ተባሂለን ክግለጻ ዝጸንሓ ሽድሽተ ዕጽፊ ዝገዘፈት ኮይና 2.7 ኪሎ ግራም ሚዛን ዘለዋ እያ።
እዛ ብግዝፋ ንብዙሓት ኣገሪማ ዘላ እንቅርዖብ፡ ኣብቲ ጫካ ምስ ተረኸበት ብፍሉይ መተሓዚ ተዓቚባ ካብቲ ጫካ ናብ መመራመሪ ነቑጣ ተወሲዳ።
ኣብ ኣውስትራልያ እዘን ሓርፋፍ ቆርበተን እንቅርዖባት ካብ 1935 ኣትሒዘን ክርኣያ ዝጀመራ ኮይነን፤ ሕጂ ግን ቁጽረን ክሳብ 2 ቢልዮን ከምዝበጽሕ’ዩ ክፍሊ ምርምር እንስሳታት ኣውስትራልያ ዝሕብር።
እዘን ኣብ ማይን ኣብ መሬትን ክነብራ ዝኽእላ እንስሳታት ኣብ ዘራእቲ ብዙሕ ዕንወት ከምዘስዕባ’ውን ይግለጽ።
ኣባል ክፍሊ ሓለዋ ጫካታት ሰሜን ኣውስትራልያ ዝኾነት ክሊ ግሬይ ነታ ሓርፋፍ ቆርበታ እንቅርዖብ ምስ ርኣየታ ኣዝያ ከምዝተገረመትን ካልእ ዓይነት እንስሳ ከይትኸውን ከምዝተጠራጠረትን’ያ ትገልጽ።
ንሳ ምስ ማዕከን ዜና ኣውስትራልያ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት “ክንድኣ ግዝፊ ዘለዋ እንቅርዖብ ፈጺመ ርእየን ሰሚዐን ኣይፈልጥን’የ” ኢላ።
ብምስዓብ “ርእይ ምስ ኣበልክዋ እግሪ ዘለዋ ክዕሶ ኮይና’ያ ተሰሚዓትኒ” ኢላ።
እቶም ዝሓዝዋ ጉጅለ ኣንስተይቲ ምዃና ድሕሪ ምርግጋጽ ‘ቶድዚላ’ ዝብል ስም ኣጠሚቖም ክመዝንዋ’ዮም ተጓይዮም።
ኣዝያ ከባድ መዃና’ኳ ብኣግኡ ገሚቶም እንተነበሩ፡ ክብረ ወሰን ክትሰብር’ያ ዝብል ግምት ግን ኣይነበሮምን።
ቅድሚ ቶድዚላ ምርካብ ኣብ ስዊድን ብ1991 ኣብ ገዛ ዝዓበየት እንቅርዖብ 2.65 ኪሎ ግራም ተመዚና ክብረ ወሰን ናይ ዓለም ሒዛ ጸኒሓ’ያ።
ክሊ ግሬይ ንግዝፊ ቶድዚላ እናርኣየት “እዚኣ ንግዝፋ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ዝኾነ ኣብ ኣፋ ክኣቱ ዝኽእል ክትበልዕ ትኽእል’ያ” ኢላ።
ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከባ እንቅርዖባት ዝኾነ ዝጻበአን እንስሳ ዘይብለን ኮይነን ንሰን ግን ንብዙሓት ሓሳኹ፡ ለመምትን ንኣሽቱ በረርትን ጠንቂ ምጽናቶም ኮይነን’የን።
ማእከላይ ዕድመ ሓርፋፍ ቖርበተን እንቅርዖባት ክሳብ 15 ዓመት ዝበጽሕ ኮይኑ፡ ቶድዚላ ግን ልዕሊ 15 ዓመት ዕድም ክህልዋ ከምዝኽእል ክሊ ግሬይ ሓቢራ።
ቶድዚላ ብህይወት ክሳብ ዘላ ምሉእ ክንክን እናተገበረላ ኣብቲ ቤተ ምርምር ከምእትጸንሕን ድሕሪ ሞታ ግን ንቅርሲ ናብ ቤተ መዘክር ኵንስላንድ ክትርከብ ምዃና’ውን ተገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







