ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ብኣዛብእ ዝበፅሕ ሓደጋ ንነበርቲ ስግኣት ኮይኑ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, FANA
ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ብዝብኢ ሓደጋ ዘጋጥሞም ሰባት ቁጽሮም ይውስኽ ምህላዉ ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ 30ታት ዕድመ ዝርከብ ሰብኣይ፡ ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ኣብ እትርከብ ለገጣፎ ለገ ዳዲ ዝተብሃለት ከተማ፡ ብዝብኢ ከምዝተቐተለ ነበርትን ፖሊስን ሓቢሮም።
በዓል መዚ ልምዓትን ዕቃበን እንስሳ ዘገዳም ኢትዮጵያ ከምዝበሎ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሸሞንተ ሰባት ብኣዛብእ ተቐቲሎም ኣለዉ።
ኣብ ከባቢ ከተማታት ዝካየድ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ህንጸት ኣባይቲ፣ ምውሳኽ ብዝሒ ህዝቢን ምቕያር ባህርያት እንስሳ ዘገዳምን ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ቀንዲ ምኽንያታት ምዃኖም ሰብሞያ ይገልጹ።
'ሰራሕተኛ ሓለዋ ብለይቲ ተበሊዑ'
ኣብታ ካብ ኣዲስ ኣበባ 17 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ለገጣፎ ለገ ዳዲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዘጋጠመ ፍጻመ፡ ንነበርቲ ናብ ከቢድ ድንጋፀ ዘእተወ ነይሩ።
ሰንበት 01 ታሕሳስ 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ፡ ካንትሪ ክለብ ዲቨሎፐርስ (CCD) ኣብ ዝብሃል ሓበራዊ መንበሪ፡ ሓላዊ ናይ ሓደ ገዛ ዝኾነ ውልቀሰብ ብዝብኢ ከምዝተበልዐ ነበርትን ፖሊስ እታ ከተማን ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።
ኣብቲ ‘ሲሲዲ’ ብዝብል ዝፍለጥ ሓበራዊ መንበሪ እትነብር ሰበይቲ፡ “ኣብቲ ቀጽሪ [ብዙሓት ገዛውቲ ዘለዎ ሓበራዊ መንበሪ]፡ ኣዛብእ ማዕረ ደቂ ሰባት እዮም ዝንቀሳቐሱ። ምሸት ድሕሪ ሰዓት 12 ኣብ ኩሉ ቦታ ይርአዩ” ትብል።
እቲ ብዝብኢ ተበሊዑ ዝሞተ ውልቀሰብ ነባሪ እታ ከተማ ምዃኑ ዘረጋገፀ ሓላፊ ክፍሊ ፖሊስ እታ ከተማ ኮማንደር ኣለማየሁ፡ ናይ ሓለዋ ስራሑ ወዲኡ እናኸደ እንከሎ ከም ዝተበልዐ ኣረዲኡ።
ኣብዚ ጉዳይ፡ ርእይቶ ናይቲ ሲሲዲ ዝተብሃለ ትካል ህንፀት ሓበራዊ መንበሪ፡ ንምሕዋስ ዝተበርናዮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።
ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ሰራሕተኛ ናይቲ ትካል ግን "ኣኽላባት ክነብሑ ከለዉ፡ ነበርቲ ብምውፃእ ባትሪ (ላምባሲና) ወሊዖም ካብቲ ዝብኢ ከግድፍዎ’ኳ እንተኽኣሉ ህይወቱ ምድሓን ግን ኣይተኻእለን" ኢሉ።
ኣደ ቆልዑ ከምዝኾነት እትገልጽ ነባሪት እቲ ሓባራዊ መንበሪ፡ ኣብቲ ከባቢ ብዝብኢ ናይ ምብላዕ ሓደጋ ከምዝወሰኸ ትገልጽ።
“እቶም ኣዛብእ ብዙሓት ብምዃኖም ዘፍርሕ እዩ። ኣብዚ ከባቢ ዘለዉ ዋርዲያታት 'ካብዚ ቦታ ኣይትሕለፉ' ኢሎም ዝግድብዎም ቦታታት ኣለዉ" ትብል።
እቲ ስሙ ክግለፅ ዘይደለየ ሰራሕተኛ ካንትሪ ክለብ ዲቨሎፐርስ (CCD) ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ነበርቲ እቲ መንደር ብሰንኪ ስግኣት ሓደጋ ዝብኢ ሓገዝ ክግበረሎም ምስሓተቱ፡ ክኢላታት ክልል ኦሮምያን ፌደራልን ከምኡ ድማ ፖሊስ ምምሕዳር እታ ከተማ፡ ነቶም ኣዛብእ ክሃድኑ ከምዝጸንሑ ተዛሪቡ።
'ብዙሓት ኣዛብእ እዮም ዘለዉ”
ኣብ በዓል መዚ ልምዓትን ሓለዋን እንስሳ ዘገዳም ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ምትሕብባር ማሕበረሰብ ኣይተ ባንኪ ቡዳሞ፡ ነቲ ኩነታት ንምፅራይ ናብቲ ከባቢ ዝተላእከ ጉጅለ ክኢላታት ብዙሓት ኣዛብእ ከምዘለዉ ምሕባሩ ይገልፅ።
"ብዝሒ ናይቶም ኣዛብእ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትን ህይወትን ነበርቲ እቲ ከባቢ ከቢድ ሓደጋ ይፈጥር ከምዘሎ ጸብጺቦም" ይብል።
በዚ መሰረት ቁፅሪ ኣዛብእ ንምንካይን ካብቲ ከባቢ ሃዲሞም ክወፅኡ ንምግባርን ፃዕሪታት ተጀሚሩ ከምዘሎ ብምሕባር እዚ ዕውት እንተዘይኮይኑ ድማ ካልእ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ተዛሪቡ።
ንመዓልታት ኣብ ዝጸንሐ ሃድን 7 ኣዛብእ ከምዝተቐትሉ’ውን እቲ በዓል ስልጣን ገሊጹ።
እንተኾነ እቲ ሃድን ድሕሪ ሳልሳይ መዓልቲ ከምዘይተዓወተ ሰራሕተኛ ሲሲዲ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
“ድሕሪ ሳልስቲ እቶም ኣዛብእ ስለዝተሓብኡ ክርከቡ ኣይከኣሉን” ኢሉ።
ነበርቲ’ውን እቲ ሃድን ምስተቛረጸ ኣብቲ ከባቢ ኣዛብእ ክረኣዩ ከምዝጀመሩ ይዛረቡ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብቶም ዘይተዛዘሙ ገዛውትን ህንፃታትን ዝነብሩ ዕስለ ኣዛብእ ከምዘለዉ እዩ ዝግለፅ።
ኣይተ ባንኪ ቡዳሞ፡ "መንበሪ ሰባትን ኣዛብእን ኣብ ዝፈላለየሉ ኩነታት ንምፍጣር ዳግማይ እንሪኦ ጉዳይ ክኸውን እዩ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እቶም ኣዛብእ ንምንታይ ናብቲ ሰባት ዝነብሩሉ ከባቢ ይመጹ ከምዘለዉ ተሓቲቱ ከብርህ ከሎ “መንበሪ ናይቶም ኣዛብእ ምስ ናይ ደቂ ሰባት ይተሓዋወስ ኣሎ። ጫካ የለን ይበርስ ኣሎ። ተረፍ መግቢ ኣብ ግራውቲ ስለ ዝድርበ ድማ ኣዛብእ ናብቲ ሰባት ዝነብሩሉ ይመጹ ኣለዉ” ክብል ኣረዲኡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







