ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ልዕሊ ክልተ ቈልዑ ኣሕዋት ዘጋጠመ ቅትለት ንኸይድገም

ኣደ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኮንደሚንየም ኣራብሳ ዘጋጠመ ገበን ቅትለት ክልተ ቈልዑ ኣሕዋት ዝሰምዑ ወለዲ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት እዮም ዘለው።

ኣደታት ዋላ’ኳ ናብ ስርሐን እንተወፈራ ናብ ሰራሕተኛታት ገዛአን ብተደጋጋሚ ተሌፎን ይድውላ።

"ምስ ወደይ ኣራኸብኒ! ጓለይ ደሓን ዲኺ?" ኢለን ደጋጊመን ይሓታ’ለዋ።

ተለቂሐን ኣብ ገዛአን ካሜራ ዝገጠማ’ውን ኣለዋ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ግን ብግዲ እዩ፤ ወፊረን ክሳብ ዝምለሳ ደቀን እንታይ ከም ዘጋጥሞም ርግጸኛታት ክዀና ስለዘይከኣላ እዩ።

ብሰንኪ'ዚ፡ ክጻወቱን ክዕንድሩን ዝግባኦም ህጻናት ኣብ ገዛኦም ተዓጽዮም ይርከቡ።

ኣዲስ ኣበባ ንብዙሓት ህጻናት ቤት ማእሰርቲ ኰይናቶም ኣላ።

ነዞም ህጻናት ካብዚ ገፊሕ ቤት ማእሰርቲ ብኸመይ ነገላግሎም? ብፍርቂ ልበን ዝሰርሓ ኣደታት ጭንቀተን ብኸመይ ክንኪ ይኽእል?

ቈልዑ ምስ ኣደታቶም ኣብ ቤት ጽሕፈት እንተወዓሉ’ኸ?

ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ሚኒስተርን ሓንቲ ሸቃጢት ኣሕምልትን እንታይ እዩ ዘመሳስለን? - ኣደነት።

ኣብዚ እዋን እዚ ንኽልተአን ኣዝዩ ዘሻቕን ዘሎ ጉዳይ’ከ እንታይ እዩ? - ድሕነት ደቀን።

"ኣነ ኣብ ስራሕ ከለኹ ደቀይ ከመይ ኣለዉ?" ዝብል ሕቶ ኣዝዩ የተሓሳስበን።

እዚ ጉዳይ ዘተሓሳሰቦ መንግስቲ ብወገኑ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ብመገዲ ሚኒስቲ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ኣቢሉ ሓደ ኣዋጅ ኣውጺኡ ነይሩ።

እቲ ኣዋጅ ዝዀነ ይዅን ቤት ጽሕፈት መንግስቲ፡ ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ትሕቲ ሰለስተ ዓመት ዝዕድመኦም ደቀን ዘጽንሓሉን ዘጥብዋሉን መናበዪ ህጻናት ክምስርት ዘገድድ እዩ።

እዚ ኣዋጅ እንተሃልዩ ግን ንምንታይ እዩ ብዙሕ መናበዪ ህጻናት ዘየለ?

እቲ ኣዋጅ ኵለን ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ መናበዪ ህጻናት ክምስርታ ከምዘለወን ግዴታ የቐምጥ።

ነዚ ንምትግባር ብደረጃ ሃገር ኣብ ሓጺር ግዜ ዓቢይ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ኣብ ሚኒስትሪ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን መንእሰያትን ዋና ፈጻሚት ስራሕ መይንስትሪሚንግ (ፍሉይ ጸገም ወይ ድሌት ዘለዎም ሰባት ኣብ ሓደ ቦታ ኣገልግሎት ክረኽቡ ምግባር) ዝዀነት ወይዘሮ ጽገ ታደለ ትገልጽ።

ብድሆታት ሰራሕተኛ ኣደታት ንምንካይ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኣብ ሓጺር እዋን ኣብ ቤት ጽሕፈታት መንግስቲ 382 ማእከላት መናበዪ ህጻናት ከም ዝተኸፍቱ ወሲኻ ትሕብር።

ንሳ፡ እዚ ቍጽሪ እዚ ዘተባብዕ እዩ ትበል እምበር ብሓፈሻ ኣብ ሚኒስትሪታት ዘሎ ኣሃዝ ግን ዘተባብዕ ኣይኰነን።

ብመጀመርያ ብደረጃ ሃገር ብዝሒ ሚኒስተራት፡ ኣብያተ ጽሕፈትን ካልኦት መሓውር ክልላዊ መንግስትን 1871 ከምዝዀነ ነስተውዕል።

ካብተን ኣስታት ክልተ ሽሕ ዝዀና ኣብያተ ጽሕፈት፡ እተን 382 ጥራይ መናበዪ ህጻናት ከምዘለወን እዩ ዝንገር።

ነዚ ሓቂ ዘስተብሃለ ሰብ፡ ብዙሓት ኣሽሓት ኣደታት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ብዙሕ ሻቕሎት ከምዝርከባ ይርዳእ።

“ሓድሽ ሓሳብ እዩ፤ ኣደታት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብሰንኪ ደቀን ካብ ስራሕ ይቦኽራ ከምዘለዋ ብመጽናዕቲ ስለዝተረጋገጸ እዩ እቲ ኣዋጅ ዝወጸ። እኹል'ዩ እንተዘይበልና'ውን ብኣወንታ ኢና ንርእዮ" ትብል ወይዘሮ ጽገ።

ሓንቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ሰራሕተኛ ጽሬት ዝዀነት ኣደ፡ ሓደ ውላዳ ኣብ መን ትገድፎ? መን እዩ ዝናብየላ? ሰራሕተኛ ክትቈጽር ትኽእል ድያ? ዓቕሚ ኣለዋ ድዩ?

ንሓንቲ ካልኢት ብዛዕባ ቃንዛ እዛ ኣደ ምሕሳብ፡ ብዛዕባ እንታይ ንዛረብ ከም ዘለና ንምርዳእ ሓጋዚ እዩ።

ስለዚ፡ ስለምንታይ እየን ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ዘይግደዳ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣደታት፡ ድሕሪ ሕርሲ እውን እንተዀነ ብዙሕ ፈተና ይገጥመን እዩ፤ ሓደ ካብኡ ሰራሕተኛ ገዛ ምርካብ እዩ።

ክንደይ ኣደታትከ ሰራሕተኛ ገዛ ክቘጽራ ይኽእላ? እዚ’ውን ካልእ ቀንዲ ጸገም እዩ።

"ወደይ ገዲፈ ስራሕ ኣይከይድን" ዝብላ ኣደታት ሒደት ኣይኰናን።

እዚ ድማ ኣብ ማሕበራውን ቍጠባውን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዓቢይ ብድሆ ፈጢሩ ኣሎ።

ኣደን ውላድን ካብዚ ‘ቤት ማእሰርቲ’ ንምውጻእ ዘሎ ሓደ ኣማራጺ፡ ኣብ ቦታ ስራሕ መናበዪ ህጻናት ክህሉ ምግዳድ እዩ።

ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ብዙሓት ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ዝተሃንጻ መናበዪ ህጻናት ንብዙሓት ኣደታት እፎይታ ሂበን’ኳ እንተዀና፡ ንዅሉ ዝባጻሕ ዘይምዃኑ ግን፡ ገና ዓቢይ ጸገም ኰይኑ'ሎ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ኣብ 2010 ዓ.ም (ግእዝ) ዘውጽኦ መምርሒ፡ ኵለን ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ብናይ ገዛእ ርእሰን ወጻኢታት መናበዪ ህጻናት ከቝማ ይጠልብ።

እተን ንዝተፈላለዩ ጉዳያት ብዙሕ ገንዘብ ዘውጽኣ ትካላት መንግስቲ ግን፡ ንደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታተን ምቹእ ሃዋሁ ንምፍጣር ፋይናንሳዊ ጸገም ከምዘለወን ይገልጻ።

ሰፊሕ ቦታ እናሃለወን'ውን ሕጸረት ቦታ ከምዘጋጠመን ይሕብራ።

እቲ መመኽነይታ ባጀትን ቦታን ጥራሕ ኣይኰነን። ዝሰልጠኑ ኣለይቲ ህጻናት ስኢንና ዝበላ ትካላት ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ'ውን ኣለዋ።

እዚ ትርጕም ዘለዎ ኣይኰነን።

ወይዘሮ ጽገ፡ ኣብተን ኣብያተ ጽሕፈት ጸገማት ኣተሓሳስባን ዘይምቕባልን እቲ ኣዋጅ ርኡይ'ኳ እንተዀነ ብጭቡጥ ግን እቶም ዝተዘርዘሩ ዕንቅፋታት ከም ዘጋጠሙ ትምጕት።

ከም ውጽኢቱ፡ ካብዘን ኵለን ሚኒስትሪታት ፌደራል እተን ሸውዓተ መናበዪ ህጻናት የብለንን።

“ኢንሳ ኣብዚ መዳይ ክምስገን ዘለዎ ቤት ጽሕፈት እዩ። ኣማኢት ህጻናት ከአንግድ ዝኽእል ኣዝዩ ሰፊሕ ቦታ ዘለዎ መናበዪ ህጻናት ኣጣይሹ ኣሎ። እዚ ክግበር ዝኸኣለ ድማ ብሳላ ተወፋይነት ኣመራርሓ እዩ፣ ካልእ ምኽንያት የለን" ትብል ወይዘሮ ጽገ።

ከም ባይቶ፡ ሚኒስትሪ እቶት፡ ትምህርትን ሓለዋ ጥዕናን ማእከላት መናበዪ ህጻናት ብምቛም ኣብነት ኰይነን እየን።

እሞ ኣየኖት ኣብያተ ጽሕፈታት እየን ከም ሓደ እከይ ዓዳሚ መርዓ "ንቘልዑ ቦታ የብልናን" ዝብላ ዘለዋ?

'ደለልቲ፡ ሕሙማት ኣእምሮ ከም ሰራሕተኛ ገዛ ክቝጸራ ይገብሩ’ለዉ'

ኵለን ኣብያተ ጽሕፈትን ትካላትን ማእከል መናበዪ ህጻናት ክሳብ ዝሃንጻ ካልእ እንታይ ክግበር ይከኣል?

እቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ኣራብሳ ኮንዶሚንየም ዝተሰምዐ ዜና፡ "...ብፍላይ ወፊረን ንዝምለሳ ኣደታት ፍጹም ዘሰንብድ ነይሩ" ትብል ምክትል ኣደመንበር ቦርድ ትካል 'ትምራን' ብሌን ኣስራት።

“ንደቂ ኣንስትዮ ዝምልከቱ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ጉዳያት እንመኽረሉ መድረኽ ኣሎና። ኣብ ቀረባ እዋን ዓቢይ ኣጀንዳና ንሱ እዩ ነይሩ።"

ብሌን እቲ ሰራሕተኛታት ብደላሎ ዝቝጸራሉ ባህላዊ መስርሕ ንባዕሉ ክምርመር ከምዘለዎ ትኣምን።

“እቶም ደላሎ ዝህቡና ኢና ንወስድ፤ ኣሽንኳይዶ ሞያአን ጥዕንአን’ውን ነረጋግጸሉ መንገዲ የለን። እቶም ደላሎ ተሓተትቲ ኰይኖም ኣይፈልጡን።"

ብዙሓት ኣደታት ብደላሎ ተታሊለን እየን። ደቀን ዝናብዩለን ውላድ ዘመድ ከዕብያ ዝተገደዳ ብዙሓት እየን።

እዚ ብግደኡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ካልእ ቍጠባዊ ጾር ይፈጥር።

ብሰራሕተኛ ገዛ ተማሪረን ቈልዓ ንምውላድ ዝነበረን ሓሳብ ዳግማይ ክሓስባሉ ዝተገደዳ መንእሰያት ኣደታት የለዋ ድየን?

ዝበዝሕ ጸገማት እምበኣር ብሰንኪ ደላሎ ዝምንጩ እዩ።

“ደለልቲ ከበድቲ እዮም፤ ብተመኵሮይ ነታ ሰራሕተኛ ስማ ክትዛረብ ዕድል ኣይህብዋን። በቃ ንፍዕቲ እያ ይብሉ፣ ዘይትገብሮ ነገር የለን። ቈልዑ ከም እትፈቱ፡ ምግቢ ምኽሻን ከም ትኽእል፡ ክኢላ ምዃና ድማ ይዛረቡ። ዝረኽብዎ ኮሚሽን [ሚእታዊት] ጥራይ እዩ ዘገድሶም።"

ብርግጽ ደላሎ ነቲ ዓሚል ምስታ ሰራሕተኛ ከይዘራረብ ዝገብርዎ "[እታ ሰራሕተኛ] ወልደፍደፍ ከይትብል" እዩ።

"ኣበይ፡ ክንደይ ዓመት ሰሪሓ፡ ብምንታይ ምኽንያት ካብ ስርሓ ወጺኣ ዝብል ዝፈልጥ የለን” እንተላይ እቲ ደላላይ።

ብሌን፡ ሰራሕተኛታት ገዛ ብዛዕባ ሕሉፍ ታሪኸን ዝፈልጠሉ መንገዲ ክህሉ ከምዘለዎ ትዛረብ።

ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ሓጺር ግዜ ሓደ ክንእርሞ እንኽእል ነገር ደላሎ ምምልማል እዩ ኢላ ትኣምን።

ብዛዕባ ሓደጋ ኣራብሳ ምስ ተሰምዐ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዙሕ ሕማቕ ዜና ተዘርጊሑ እዩ።

ገለ ሕማም ኣእምሮ ዘለወን ሰራሕተኛታት ምስ ህጻን ዝተሓናነቓሉ ኣጋጣሚ እውን ተሰሚዑ ኣሎ።

ሓንቲ ሰራሕተኛ ገዛ ብለይቲ ክትጭድር ዝሰምዐት ኣደ፡ ናብቲ ደላላይ ምስ ደወለት፡ "ዋእ ጀሚርዋ ማለት እዩ? በቃ ክቕይረልኪ እየ ኣምጽእያ” ዝበለ ደላላ’ውን ኣሎ።

“ግድን ስልጠና የድልዮም እዩ። እቲ መኽሰብ ንዓናን ንዓኣቶምን እዩ። ብገለ መንገዲ ተሓተትቲ ክዀኑ ኣለዎም” ትብል ብሌን።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ደቂ ኣንስትዮ ደላሎ ክረኣያ ምጅማረን ካልእ ተስፋ እዩ።

ኣብቲ ዘተ በዓል ብሌን ካብ ዝተላዕሉ ነጥብታት ሓደ፡ እቶም ደላሎ "ካብ ሆስፒታል ኣእምሮ ዝሃደማ ሰባት ክቝጸራ ይገብሩ እዮም" ዝብል እዩ።

ብርግጽ እቲ ጸገም ኣዝዩ ከቢድን ዘተሓሳስብን እዩ። ቈልዑ ትፈቱ እያ ተባሂላ ዝመጸት ሰራሕተኛ ገዛ፡ "እቶም ቈልዑ ክርእዮም ከለኹ ሕነቐዮም፡ ሕነቐዮም ይመጸኒ" ትብል ኰይና ክትረኽብዋ ከለኹም እንታይ ኰይኑ ዘየሰክፍ ይኸውን?

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከባቢ መናበዪ ህጻናት ምቛም ኣጸጋሚ ድዩ?

ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ክውንነት፡ ሰራሕተኛ ምርካብ ጥራይ ኣይኮነን እቲ ብድሆ።

ሰራሕተኛ ምስ ተረኽበት'ውን እንተዀነ፡ ኣደታት ካብ ስራሕ ዕረፍቲ ወሲደን ሓዳስ ሰራሕተኛ ከሰልጥና ግዴታ ኣለወን።

ኣብያተ ጽሕፈታት መናበዪ ህጻናት ንምጥያሽ እንተኣብየን፡ ኣብ ሰራሕተኛታት ገዛ ተኣማንነት እንተዘይሃልዩ፡ ደላሎ እንተዘይተገዲሶም፡ ካልእ እንታይ ክግበር ይከኣል?

ኣብ 'ጉድ ሳማሪታን' ኣካያዲት መደብ ዝዀነት እታፈራሁ፡ ኣብ ምምዕባል ማሕበረሰብን ትምህርትን ሰፊሕ ተመኵሮ ኣለዋ።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ክትሰርሕ ከላ፡ ብዙሓት ኣደታት ደቀን ሒዘን ናብ ቤት ትምህርቲ ይመጻ ነይረን።

ኣደታት ክመሃራ ከለዋ ድማ እቶም ቈልዑ የሸግርወን ነይሮም።

ጸኒሐን ካብ ትምህርቲ ክቦኽራ ዝጀመራ ኣደታት ስለምንታይ ምስተባህላ “ወደይ/ጓለይ ንመን ገዲፈ?” ክብላ ጀሚረን።

"ነቲ ጸገም ርኢና፡ ንምንታይ ኢና መናበዪ ቘልዑ ዘይነዳሉ ኢልና፡" ትብል እታፈራሁ።

ኣብ ብዙሕ ወረዳታትን ቀበሌታትን ቦታ ደልየን ብኣዝዩ ውሑድ ወጻኢታት መናበዪ ህጻናት ኣዳልየን።

“እተን ኣብያተ ትምህርቲ ንእሽቶ ቦታ ክህባና ገይርና፣ ፍርናሽን ምንጻፍን ወሲኽናሉ። ብድሕሪኡ ኣደታት ምብኳር ኣቋሪጸን። ደቀን'ውን ምሉእ መዓልቲ እንተወዓሉ'ውን ሕጕሳት ኰይኖም።”

ካብዚ ዝተዳለወ መናበዪ ህጻናት ሓንቲ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መባእታ ቤት ትምህርቲ ምኒልክ ትርከብ።

ደቀን ኣብ ቤት ትምህርቲ ምኒልክ ኣቐሚጠን ናብ ስራሕ ዝኸዳ ኣደታት ነቲ ኣገልግሎት ኣብ ወርሒ 350 ብር ጥራሕ እየን ዝኸፍላ።

እዚ ዝኸብደን ድኻታት ኣደታት ድማ ብነጻ ኣገልግሎት ክረኽባ ይኽእላ።

"እቲ ወረዳ ተጸሓሒፉ 6 ስራሕ ኣልቦ ኣደታት ከም ኣለይቲ ህጻናት ድሕሪ ምስልጣኑ እዩ እዚ ስራሕ ተጀሚሩ" ትብል።

እቲ ቤት ትምህርቲ ናእዳ ይግብኦ እዩ፣ እቲ ወረዳ እውን ከምኡ።

እታፈራሁ፡ እቲ መናበዪ ህጻናት ስራሕ ምስ ጀመረ፡ ንኣደታት ዝፈጠሮ ቅሳነት ፈጺማ ኣይትርስዖን።

"[ኣደታት] ከመይ ከም ዘዕረፋ፡ ከመይ ከም ዝተሓጐሳ፡ ህይወተን ተቐይሩ እዩ።"

እቶም ቈልዑ ኣብቲ ቀጽሪ ቤት ትምህርቲ ምኒልክ ምውዓል ምስ ጀመሩ፡ መዛኑኦም ክናፍቝን ኣዝዮም ክሕጐሱን ጀሚሮም።

ንዕብየቶም እውን ምቹእ እዩ ነይሩ።

እታፈራሁ በዚ ስራሕ ሞዴሊን ስራሕ ክሳብ ሕጂ ዕግበት ይስምዓ።

መናበዪ ህጻናት ብደረጃ ሕብረተሰብ ክሳኻዕ ከም ዝኽእል ኣጽኒዓ ትኣምን።

ስለዝኾነ ድማ ባጀት የብልናን፡ ቦታ የብልናን ዝብል መመኽነይታ ዓበይቲ ቤት ጽሕፈታት ንዓኣ ብዙሕ ትርጕም ኣይህባን።

ሚኒስተር ህጻናት፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ንመናበዪ ህጻናት ዝኸውን ቦታ ኣለዎ።

“ኣስታት 10 ህጻናት ዘተኣናግድን ሞዴል ክኸውን ዝተዳለወን እዩ" ትብል ወይዘሮ ጽገ።

ሚኒስተራትን ኣባይቲ ጽሕፈትን ብውሑድ ወጻኢታት ማእከላት መናበዪ ህጻናት እንተሃኒጸን ስቓይ ኣደታት ከቃልላ ይኽእላ።

መናበዪ ህጻናት ንምቛም ሚልዮናት ዶላር ከምዘየድሊ ኣረጋጊጸን እየን።

“ኣብ ቤት ትምህርቲ ምኒልክ ክንጅምር ከለና፡ እቲ ቦታ ጐሓፍ ዝኽዘነሉ ኣረጊት መኽዘን ፋይላት እዩ ነይሩ። ሂወት 66 ኣደታትን 66 ቈልዑን ዝቐየረ ንሱ'ዩ" ትብል እታፈራሁ።

እዚ ኸኣ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ተመሳሳሊ ነገር ክግበር ከምዝከኣል እዩ ዝሕብር።

ንኣብነት ኣብ ቀጽሪ መሳጊድን ኣብያተ ክርስትያናትን መናበዪ ህጻናት ምድላው ይከኣል እዩ።

ነዚ እዩ ድማ እታፈራሁ፡ "ናይ ድሌት እምበር ናይ ቦታ ጸገም የለን" ትብል።

ሓደ ሓደ ግዜ ንዝተፈላለዩ ፍጻመታትን ስፖንሰርሺፕን ዝወጸ ሚልዮናት ዶላር፡ ስቓይ ሚልዮናት ኣደታት ንኸብቅዕ ክውዕል ከም ዝኽእል ዘይምዝንጋዕ ኣገዳሲ እዩ።