‘ዜግነተን’ ዝቕይራ ከብቲ ኢትዮጵያ

ሓደ ጓሳ ብርክት ዝበላ ከብቲ እናጓሰየ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዜጋታት ሓባቢሎም ንስደት ዘሳጥሑ ኣስገርቲ ሰባት ኣለዉ።

ካብ ክልል ደቡብ ክሳብ ደቡብ ኣፍሪቃ፤ ካብ ዓፋር ክሳብ ሊቢያ።

ዘይሕጋውያን ኣዘዋወርቲ ጥሪት'ውን ኣለዉ፤ ኣጣል ሓቢሎም ካብ ሃገር ዘውፅኡ። ካብ ዓፋር ብጂቡቲ ክሳብ ስዑድ ዓረብ። ካብ ክልል ሶማሌ፣ ብሶማልያ ክሳብ ኢማራት ዓረብ።

ሓደ ሓደ ግዘ ድማ እቶም ኣስገርቲ ነተን ጥሪት መግሃጫ ዝደልዩ ዘለዉ ኣምሲሎም ይጓስይወን፤ ናብ ዶብ የብፅሕወን።

ካብኡ ሓቢሮም ዶብ ይሰግሩ። ስግር ዶብ ድማ ተሃንጥዩ ዝፅበይ ተቐባሊ ኣሎ። ንጤል ብዳላር ዝኽፈል። ንበጊዕ ሸርፊ ወፃኢ ዘሽርፍ።

ካብኡ ንደሓር እቲ ጤል ናይ ካልዲ ኣይኰነን፤ እቲ ብዕራይ’ውን ናይ ሃረር ኣይበሃልን።

ዜግነት እተን ጥሪት ይቕየር። ናይ ጂቡቲ ጤል፣ ናይ ሶማልያ በጊዕ፣ ናይ ሞያለ ዕየት፣ ናይ ሱዳን ብዕራይ ተባሂሎም ይጽውዑ።

እተን ጥሪት ዶብ ምስ ሰገራ፡ ልክዕ ከም ሰብ ናብ መወሸቢ ይኣትዋ እሞ፡ ንኩነታት ጥዕንአን መረጋገፂ ምስ ዝርከብ ናብ ሳልሰይቲ ናይ ዓረብ ሃገር ብመራኽብ ይለኣኻ።

ዝደኸማን ዝዓበራን ጥሪት ግና፡ ኣብኡ ተሓሪደን ይብልዓ። እተን ምልእልእ ዝበላ ድማ፡ ናብ ስግር ባሕሪ ንምኻድ ናብ መፅለሊ ይኣትዋ።

ነዘን ትውልደ ኢትዮጵያውያን ዝኾና ጥሪት ዝቕበላ ሃገራት ግና፡ ዱባይ፣ ባሕሬን ወይ ድማ ስዑድ ዓረብ’ምበር፡ ካብ ኣውሮጳ ኣይኰናን፤።

ኣብኡ ዘሎ ዓረብ ተመጋቢ፡ ‘ማሻላህ!’ ከመይ ዝበለ ናይ ጂቡቲ ዕየት በሊዐ እመስለካ ይብል።

እቲ ዝተመገቦ ግና ናይ ኢትዮጵያ ስጋ እዩ። ነዚ ሓቂ ግና ኪንዮ እቶም ደለልቲ ካልእ ሰብ ኣይፈልጦን።

ነተን ኣጣል ንምንታይ ዜግነት የቐየርወን?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 60 -70 ሚልየን ጥሪት ከምዘለዋ ይግመት።

እንተኾነ ብዝሒ’ምበር ፅርየት የለን። ሃፍቲ መቑፀሪ’ምበር ሃፍቲ መፍጠሪ ኣይኰናን።

ኣብታ ሃገር ክንድዚ ዝኣኽላ ጥሪት እኳ እንተሃለዋ፡ ንዓሰርተ ሓደ እንዳ መሕረዲ ዘዕግብ፣ እኹልን ዘተኣማምንን ቀረብ የለን።

ኣብታ ሃገር ክንድዚ ዝኣክል ሃፍቲ ጥሪት እንተሃለወ እውን ሰፊሕ ማእኸል መራብሕን መግሃጫን የለን።

እቲ ካልእ ብድሆ "እተን ዝበዝሓ ጥሪት ኣላሕም ምዃነን እዩ" ይብል ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ልምዓት ኢንዱስትሪ ፀባ ኣይተ ኣብርሃ ነጋሽ።

ንሱ፡ ዕደመ፣ ፆታ፣ ድሕረ ባይታ እተን ጥሪት፣ ትሪ እቲ ስጋ ኣብ ግምት ብምእታው ናብ ሃገራት ወፃኢ ሰደድ ከምዝግበር የረድእ።

ንኣብነት ሰደድ ዝቕበላ ሃገራት፡ ብቐንዱ ዝጠልብኦ ስጋ ጤል’ዩ። ናይ ኣንስተይቲ ጤል ስጋ ስብሒ ስለዝበዝሖ ናይ ተባዕትዮ ስጋ እዩ ዝጥለብ።

ዕድመ እቲ ጤል ድማ ካብ ሓደ ክሳብ ክልተ ዓመት ክኸውን ኣለዎ፤ እዚ እቲ ስጋ እንትለኣኽ’ዩ። ምስ ህይወቱ እንተኾይኑ ድማ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ክኸውን ይኽእል።

ኣብ ከም ሶማሌ፣ ቦረና፣ ዓፋርን ዝመሳሰሉ ብዙሓት ከባብታት ናብ ኣርባሕቲ እንስሳታት ዝበጽሐ ኣይተ ኣብርሃ፡ ኣብ ዓፋር ጥሪት ብኣሳይታ ኣቢለን ናብ ዕዳጋ ከምዝቐርባ ተዓዚቡ።

ብኣንፈት ጅግጅጋ ደጋሃቡር ድማ፡ ጥሪት ብመኪናን ብእግርን ካብ ሃገር ክወጻ ተዓዚቡ።

ኣብ መዓልቲ ክሳብ ሓሙሽተ መኻይን ጥሪት ፅዒነን ከምዝወፅኣ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

እቲ ዳይሬክተር፡ “እዚ ኩሉ ሸርፊ ወፃኢ ክርከቦ ዝነበረ’ዩ፤ ከም ዘይምዕዳል ግና ብዙሕ የስእነና ኣሎ” ይብል።

ዋላ’ኳ መንግስቲ ቁፅፅር ንምግባር እንተፈተነ፡ ከምቲ ዝሕሰብ ቀሊል ኣይኰነን።ኣብ ከባቢ ዶብ ጅግጅጋ እንስሳ ዘቕርቡ ሰባት ረኺቦም ከምዝነበሩ ዝገልፅ ኣይተ ኣብርሃ፡ “ንምንታይ ጥሪትኩም ናብ ዕዳጋ ውሽጢ ዓዲ ዘይተቕርቡ እንተኢልካዮም፡ ብዳላር ክንሸጦ ኢና እዮም ዝብሉኻ” ይብል።

ብሰንኪ እዚ ድማ ትውልደ ኢትዮጵያውያን እንስሳት ብብዝሒ ይስደዳ።

ብኣሳኢታ ናብ ጂቡቲ፣ ብሑመራ መተማ ናብ ሱዳን፣ ብደጋሃቡር፣ ናብ ቶጎ ጨሌ ሃርጌሳን ሶማሊያ፣ ብሞያለ ድማ ናብ ኬንያ ይስደዳ።

“እቲ ዝገርም ኬንያን ሶማሌን ልዕሊ እቲ ዘለወን እየን ናብ ሃገራት ወፃኢ ሰደድ ዝገብራ፤ ዘይብለን ካበይ ኣምፂአን? ካብ ዶብ ኢትዮጵያ ጥሪት ስለዝወፅኣ እዩ” ይብል ኣይተ ኣብረሃ።

ዕየት ብዶላር ምልዋጥ

ኣባጊዕ ኣብ ዕዳጋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካብ ኢትዮጵያ ናይ ማሕረዲ ስጋ ጥራሕ ኣይኰነን ናብ ወፃኢ ዝለኣኽ። ጤለ በጊዕ ምስ ሂወተን ናብ ወፃኢ ሰደድ ይኾና እየን።

ኣብ ንግዲ ወፃኢ ከፍቲ ዝተዋፈሩ 41 ሕጋውያን ትካላት ተመዝጊቦም እዮም።

እንተኾነ ደለልቲ ነዞም ሕጋውያን ለኣኽቲ ጥሪት ካብ ምሻጥ፡ ካብ ዶብ ኣውፂኦም ብዘይሕጋዊ መገዲ ምሻጥ እዩ ዝቐንዖም።

ኣይተ ከሊፋ ሑሴን ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣላና ግሩፕ ኢትዮጵያ እንትኾን፡ ትካሎም ልዑል መጠን ዘለዎ ስጋ ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ሰደድ ካብ ዝገብሩ ትካላት ሓደ እዩ።

እንስሳታት ብብዝሒ ኣለና ይበሃል’ምበር፡ ንዕዳጋ ዝኸውን ብዙሕ ቁፅሪ የብልናን ዝብል ኣይተ ከሊፋ፡ “ንኣብነት ኤጀንሲ ስታትስቲክስ 70 ሚልየን ከፍቲ ኣለዋ ይብል። ካብዚ ግና እተን 70 ሚእታዊት ኣላሕም እየን። እዚ ማለት ንማሕረዲ ዝኾና ኣይኰናን ማለት እዩ። ኣብ ጠለ በጊዕ እውን ከምኡ እዩ” ይብል።

ካብ ባንክታት ብዕፅፊ ዝዛየደ ዋጋ ሸርፊ ዳላር ቀንዲ ምኽንያት ኮንትሮባንድ እዩ ዝብል እምነት ዘለዎ ኣይተ ከሊፋ፡ ብሰንኪ እዚ ዘሎ ኩነታት ካብ ንውሽጢ ዓዲ ናብ ወፃኢ ዓዲ ስጋ ሰደድ ምግባር ዝበለፀ ትርፊ ከምዝርከቦ ይገልፅ።

እዚ ምስ ሂወተን እንከለዋ ኣብ ዝሽየጣ ጥሪታት እውን ይንፀባረቕ።

ኣይተ ከሊፋ መርበባት ኮንትሮባንድ እንተረድእ፡ ንከባብታት ቦረና፣ ባሌ፣ ጉጂ፣ ደቡብ ኦሞ፣ ጂንካን ኮንሶን'ውን ይፀርሕ።

እቲ ንግዲ በብብርኪ እዩ ዝካየድ። ፈለማ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ሓረስቶት ጥሪቶም ሒዞም ናብ ዕዳጋ ይወርዱ። እዚ ቀዳማይ ብርኪ ዕዳጋ ይበሃል።

ንኣሽቱ ነጋዶ ካብዚ ዕዳጋ እዚ 20 ወይ 30 ይዕድጉ እሞ፡ ብዙሕ ነጋዶ ናብ ዝርከብሉ ማእኸላይ ዕዳጋ ይወስድዎ።

ኣብ ማእኸላይ ዕዳጋ ድማ፡ ከፍቲ ዓዲጎም ናብ እንዳ ማሕረዲ ዘቕርቡ ነጋዶ ይርከቡ።

“ንሳቶም ከፍቲ ዓዲጎም ንዓበይቲ ኣቕረብቲ ይሸጥሎም። ዓበይቲ ኣቕረብቲ ድማ፡ ንዓና ንዓበይቲ ትካላት የቕርቡልና። ኣብዚ ብዙሓት ደለልቲ እዮም ዘለዉ” ይብል ኣይተ ከሊፋ።

ኣብ መንጐ እዚ ንዓበይቲ ለኣኽቲ ስጋ ምቕራብ ገዲፎም ናብ ዶብ ዝወስዱ ነጋዶ ጠለ በጊዕ ይህልዉ እዮም።

ብሕጋዊ መስመር እንተኾይኑ ድማ፡ እንስሳ እንከይተሓረዳ ሰደድ ኣብ ዝኾናሉ እዋን፡ ናይ ውሸባ ግዘ ኣሎ፤ ካብ ሕማም ነፃ ምዃነን ንምርግጋፅ ንሓደ ወርሒ ክታበት እናተውሃበ እየን ዝረኣያ።

ንጠለ በጊዕ ድማ ክሳብ 21 መዓልቲ።

ኣብዚ ከይዲ ዘሎ ናይ ቀረብ ምግቢ ወፃኢ ካብቲ ለኣኺ እዩ ዝሕሰብ። ድሕሪ እዚ ከይዲ እዚ ናብ ጂቡቲ ይውሰዳ። ኣብ ጂቡቲ እውን ይውሸባ።

ዘይሕጋውያን ነጋዶ ከፍቲ በዚ ነዊሕ ከይዲ ክሓልፉ ስለዘይደልዩ፡ ንጥሪቶም ብኣይሱዙ ፅዒኖም ወይ ድማ ብእግሪ የስግርወን።

‘ሶማሊላንድ ናይ ኢትዮጵያውያን ከፍቲ እያ ናብ ዕዳጋ እተቕርብ’

ኣይተ ደስነት ኣብ ዘይሕጋዊ ዝውውር ከፍቲ መፅናዕቲ ዘካየደ ኰይኑ፡ ዉጫለ፣ ጋሻሞ፣ ጎላዲ፣ ፈርፈር፣ ብምብራቕ፤ ዶሎ ኦዶን ሞያሌ ብደቡብ፣ ኦኮቦ፣ ባምቦዴዬ ኩምሩክ ሑመራን ኣልማሃል ብምዕራብ ቀንዲ መስመራት ኮንትሮባንድ እዮም ይብል።

ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ምስ መንግስቲ ፌደራል ብሓባር ዘይምስርሖም እቲ ፀገም ከይቕንስ ሓደ ምኽንያት ከምዝኾነ ይሕብር።

“ክልላት ኣብ ዘይሕጋዊ ዕዳጋ እንስሳት ቁፅፅር ኣይገብሩን” ዝብል ኣይተ ደስነት፡ ካልእ ይትረፍ ብክልላት ተሃኒፆም ዝተወድኡ ማእኸላት መወሸቢ እንስሳት ስራሕ ኣይጀመሩን ይብል።

ኣይተ ደስነት፡ ቢሮክራሲ ናይቲ ሕጋዊ መገዲ ነዊሕ ብምዃኑ ድማ፡ ካብ ሃገርና እንስሳት ብዘይሕጋዊ መገዲ እናወፅኣ፡ መሊሰን ናብ ዝልእኻ ሃገራት ክሽየጣ ደሪኹ እዩ ይብል።

ኣይተ ከሊፋ እውን ነዚ ዘራጕድ መረዳእታ እዩ ዘቕርብ።

ጎረባብቲ ሃገራት ልዕሊ ዘለወን መጠን ጥሪት ናብ ሃገራት ዓረብ ክልእኻ ዝኸኣላ፡ እዚ ዘይሕጋዊ መገዲ ስለዘሎ እዩ ብምባል የረድእ።

“ንኣብነት፡ ሶማሊላንድ ኣብ ዓመት ሓሙሽተ ሚልየን እንስሳት ናብ ስዑድ ዓረብ ትልእኽ፤ ካብዚ እቲ 60 ሚእታዊት ካባና ከምዝኸይድ መፅናዕቲ የርኢ'ዩ” ይብል።

ቢቢሲ እዚ ጉዳይ ካብ ዝምልከቶ፡ ካብ ሚኒስትሪ ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ርኢቶ ንምርካብ ብስልክን ኢመይልን እኳ እንተሓተተ እቲ ሚኒስትሪ ምላሽ ንምሃብ ፍቓደኛ ኣይኰነን።

ስደት ጥሪት ኢትዮጵያ ግና ቀፂሉ ኣሎ።

ምናልባት ኣብ መዓልቲ፡ ብዙሓት እንስሳታት ካብ ማእኸል ሃገር እንከይተረፈ ተበጊሰን ብጂግጂጋ ኣቢለን፡ ብኣንፈት ውጫለ ናብ ሃርጌሳ ይኣትዋ።

ኣብ መወዳእታ ዝበፅሓሉ ድማ ስዑድ ዓረብ፣ ዱባይ፣ የመን፣ ኦማን ወይ ድማ ባሕሬን እዩ ዝኸውን።

ኢትዮጵያ ስደት ዜጋታት ምግታእ እኳ እንተዘይከኣለት፡ ንስደት ጥሪት ግና ብኸመይ ደው ምባል ስኢና?