ንብዙሓት ዘንበዐ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣብ ለይታዊ ትልሂት ዝሞቱ ዕሸላት መናእሰይ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ስነ ስርዓት ቀብሪ ናይቶም ብዘይተፈለጠ ኩነታት ኣብ ሓደ ለይታዊ ትልሂት ደቡብ ኣፍሪቃ ሞይቶም ዝተረኸቡ ዕሸል መናእሰይ ብኸቢድ ሓዘንን ጓህን ተሰንዩ ተፈጺሙ።
ፕረዚደንት እታ ሃገር ሲሪል ራማፎዛ ሓዊሉ ሓያሎ ሰባት ኣብ ዝተረኸቡሉ፡ 19 ጥርሖም ናይ ሬሳ ሳንዱቓት ኣብ ቅድሚ ሓዘንተኛታት ክቕመጡ ተገይሩ።
እቶም ኣፍላ መንእሰያት ቅድሚ ዓሰርተ መዓልቲ፡ ምውዳእ ፈተና ፍርቂ ዓመት ምኽንያት ብሓባር ኣብ ሓደ እንዳ ለይታዊ ትልሂት ይዘናግዑ ነይሮም።
ካብቶም ግዳያት ብዕደመ ዝነኣሰት፡ ጓል 13 ዓመት ህጻን ነይራ።
ምኽንያት ሞት እቶም መንእሰያት ዛጊድ ኣይተገለጸን፤ እንተኾነ መርመርቲ ግና ገለ ነገር ኣጫንዮም ወይ በሊዖም ከምዝኾኑ ገሊጾም።
እቲ ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ሓዝንን ድንጋጸን፡ ኣብታ ትሕቲ ዕድመ መናእሰይ ብበዝሒ ኣልኮላዊ መስተ ዝሰትዩላን ብምዝንጋዕ እትፍለጥን ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ዝፍቀደሉ ዕድመ ካብ 18 ናብ 21 ክብ ክብል ዝግበር ጻውዒት ክሕይል ገይሩ ኣሎ።
ፎቶ ናይቶም ግዳያት ዝተለጠፈሎም ናይ ሬሳ ሳናዱቕ፡ ኣብ ሓደ ዓቢ ዳስ ከተማ ኢስት ለንደን ሓዘንተኛታት ክርእይዎም ተገይሩ።
ካብቶም ግዳያት እቶም ክልተ ተቐቢሮም እዮም።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሓንቲ ጸሊም ዝተኸደነት ኣዶ፡ ርእሳ ሒዛ “ወደይ በቃ ከይዱ” እናበለት እንትትበኪ ትስማዕ።
ፎቶ ናይቶም ግዳያት ዝተሓተመሎም ቲሸርትታትን ናይ ቤት ትምህርቲ ደንቢ ክዳንን ዝለበሱ ተምሃሮ እውን ተኻፈልቲ እቲ ስነ ስርዓተ ቀብሪ ነይሮም።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣመሓዳሪ ግዝኣት ኢስተርን ኬፕ፡ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ብሞት እቶም ኣፍላ መናእሰይ ከምዝሓዘኑ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ስድራ እቶም ግዳያት ድማ ህይወት ታሪኽ ናይቶም ግዳያት በቢተራ ኣንቢቦም።
“ብሞትካ ተደናጊርና፤ ኣብ ብሩህ መጻኢኻ፡ ቤተሰብካ ካብ ድኽነት ክተውጽኦም፡ ተስፋ ጌርና ኔርና። ንስኻ ግን ተሸሪብካ” ካብ ሓደ ቤተሰብ ናይቶም ግዳያት ዝተሰምዐ እዩ።
ቤተሰብ ካልእ መዋቲ ድማ ንፕረዚደንት ራማፎዛ እናረኣየ “ክቡር ፕረዚደንት፡ ደኺሙና እዩ ዘሎ፤ እቲ ጸሊም ማሕበረሰብ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ይጠፍእ እዩ ዘሎ” ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ምኽንያት ሞት እቶም ሰገናት ዘይምግላጹ ድማ ኣብ ስድራቤታት ቁጠዐን ተስፋ ምቑራጽን ፈጢሩ እዩ።
መርመርቲ ኣብቲ እቶም ግዳኣት ዝሞቱሉ ‘ኢንዮበኒ ታቨርን’ ዝተባህለ እንዳ ለይታዊ ትልሂት፡ ንኣርባዕተ መዓልቲ ምርመራ ኣካይዶም።
እንተኾነ ዛጊድ ምስቲ ሓደጋ ብዝተኣሳሰር ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ሰብ የለን። እቲ እንዳ ለይታዊ ትልሂት ብጊዝያውነት ዝተዓጸወ ኮይኑ፡ ፍቓድ መሸጢ ኣልኮል እቶም ወነንቲ ድማ ተሰሪዙ።
ሚኒስተር ፖሊስ እታ ሃገር ብወገኑ፡ ግቡእ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ነቶም ሓዘንተኛታት ኣረጋጊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







