'ምጽኣተ ክርስቶስ' ክጽበዩ ተነጊሩዎም ኣብ ቤተክርስቲያን ተዳጒኖም ዝነበሩ ሰባት ናጻ ወጺኦም

ፖሊስ ጃምላዊ ጭውያ ከም ዝተፈጸመ ይጥርጥር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፖሊስ ናይጄሪያ፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ግዝኣት ኦንዶ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ተኣሲሮም ዝነበሩ ህጻናት ዝርከቡዎም 77 ሰባት ናጻ ኣውጺኡ።

ገለ ካብቶም እሱራት ንኣዋርሕ ኣብኡ ከም ዝጸንሑ ይእመን።

ኣፈኛ ፖሊስ፡ መብዛሕትኦም ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ 'ምጽኣተ ክርስቶስ' ንኽጽበዩ ተነጊርዎም ከም ዝነበረን ነቲ ኣጋጣሚ ንምርኣይ ትምህርቶም ኣቋሪጾም ናብቲ ቤተክርስቲያን ከም ዝተኣከቡን ሓቢሩ።

ሓንቲ ኣደ፡ ደቃ ከም ዝጠፍኡ ጥርዓን ምስ ኣቕረበትን ኣብ ቤተ-ክርስትያን ከም ዘለዉን ምስ ገለጸትን እዩ ፖሊስ ናብቲ ቤተክርስቲያን ኣትዩ።

ፖሊስ፡ ኣብ ከባቢ ኦንዶ-ታውን ኣብ ዝርከብ ቤተክርስቲያን፡ ኣመንቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰባት ብጃምላ ዝተጨወይሉ ምኽንያት ንምፍላጥ መርመራ ጀሚሮም ኣለው።

ፓስተር እዛ ቤተ-ክርስትያን ጴንጠቈስጠ ዴቪድ ኣኒፎዎሺን ምኽትሉን ክእሰሩ እንከለው፡ እቶም ግዳያት ድማ ኣብ ትሕቲ ምክትታል ሰበ-ስልጣን ይርከቡ።

"ኣፈናዊ መርመራ፡ ፓስተር ጆስያ ፒተር ኣሱሞሳ ዝተባህለ ሓጋዚ ፓስተር እታ ቤተክርስቲያን፡ ሓደ ካብቶም ነቶም ኣመንቲ 'ምጽኣተ ክርስቶስ' ኣብ ሚያዝያ ከም ዝፍጸም ዝነገሩዎም'ዩ። ጸኒሑ ግን ናብ መስከረም 2022 ከም ዝተቐየረን እቶም መናእሰይ ኣባላት፡ ንወለዶም ጥራይ ብጐይታ ክእዘዙ ነጊርዎም" ይብል ኣፈኛ ፖሊስ ፋንሚላዮ ኦዱንላሚ።

ፖሊስ፡ በቲ ኣብታ ቤተክርስቲያን ዝወሰድዎ ስጉምቲ፡ 26 ቈልዑ፡ ሸሞንተ ኰተቴን 43 ዓበይቲ ሰባትን ከም ዘድሓኑ ወሲኹ ሓቢሩ።

'ምጽኣት ክርስቶስ፡' እየሱስ ክርስቶስ ናብ ሰማይ ምስ ዓረገ ዳግም ክምለስ'ዩ ዝብል ክርስትያናዊ እምነት'ዩ። እዚ፡ ኣመንቲ ክርስትና ኣብ ዳግመ ምጽኣት ክርስቶስ ናብ ገነት ክኸዱ'ዮም ዝብል ትምህርቲ'ዩ።

ኣብ ቀረባ ግዜያት፡ ኣብ ናይጄርያ ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ክርስቲያን ብዝፍጸሙ ዝነበሩ መጥቃዕታት ከቢድ ወጥሪ ዓሲሉ ጸኒሑ እዩ።

ብ6 ሰነ 2022፡ ኣብ ከተማ ኦዎ ኣብ ትርከብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ፍራንሲስ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባን ተዅስን፡ ብውሑድ 50 ሰባት ከም ዝሞቱ ይዝከር።

ሰብ መዚ እታ ሃገር፡ እዞም መጥቃዕታት በቲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝንቀሳቐስ እስላማዊ ጕጅለ ተፈጺሞም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይግምቱ።

ካብ 2019 ጀሚሩ፡ ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ዝወርድ መጥቃዕትታት ይውስኽ ከም ዘሎ ይግለጽ።

ኣብ 2021 ጥራይ 31፡ ኣብ 2020 ድማ 18 መጥቃዕቲታት ተፈጺሞም ነይሮም።

ኣብዛ ዓመት ክኣ፥

  • ብ5 ሰነ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ግዝኣት ኦንዶ ኣብ እትርከብ ቤተክርስትያን 40 ዝዀኑ ሰባት ተቐቲሎም
  • ብ29 ግንቦት፡ መራሒ ኣብ ደብባዊ ምዕራብ እትርከብ ቤተክርስትያን ሜቶዲስት ሳሙኤል ካኑ ኡቺ ተጨውዩ
  • ብ29 ግንቦት ድማ ኣብ ግዝኣት ካቲና ክልተ ካህናት ተጨውዮም