ኣብ ናይጄሪያ፡ ምስ መራሒ ሃይማኖት ዝተጓየቖ ውልቀሰብ ብዕስለ ብሓዊ ተቓጺሉ ሞይቱ

ፖሊስ ናይጄሪያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኣቡጃ፡ ሓደ ምስ መራሒ ሃይማኖት እስልምና ጎይቂ ዝነበሮ ውልቀሰብ፡ ብደገፍቲ እቲ መራሒ ሃይማኖት ዝዀኑ ዕስለ ብሓዊ ተቓጺሉ ከም ዝሞተ ፖሊስ ናይጄሪያ ገሊጾም።

እዚ ወዲ 30 ዓመት መሓመድ ዑስማን፡ ኣባል ጉጅለ ቀፊር እቲ ከባቢ ኰይኑ፡ ኣስታት 200 ሰባት ኣንጻሩ ከም ዝተልዓሉ ፖሊስ ሓቢሩ።

እቲ ጎይቂ እንታይ’ዩ ነይሩ ዝብል ግን ዝርዝር ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።

እቲ ውልቀሰብ ግን “ኣባል ኣብ ከባቢ ሉግበ ዝንቀሳቐስ ናይ ሓለዋ ጉጅለ” ምዃኑ ሓበሬታ ፖሊስ የመልክት።

ፖሊስ፡ ዝበዝሐ ኣካላት እቲ ግዳይ ብሓዊ ነዲዱ ምስ ረኸቡዎ ናብ ሆስፒታል’ኳ እንተወሰዱዎ ብህይወት ክተርፍ ኣይክኣለን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ከተማ ሶኮቶ ሓንቲ ብምርኻስ ዝተኸሰሰት ክርስቲያን ተመሃሪት ብእስላም ተመሃሮ ተቐጥቂጣ ብሓዊ ተቓጺላ’ያ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ናይጄሪያ፡ ናይ ዕስለ ናዕብታት ይውስኹ ኣለው።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ኣብ ሞንጎ ወነንቲ ሞተር ብሽክለነታን ነጋዶን ብዝተላዕለ ጎንጺ ኣስታት ሓሙሽተ ሰባት ሞይቶም’ዮም።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት’ውን፡ ብምኽንያት ዕስለ ብዝተላዕለ ናዕቢ ኣብ ሌጎስ ሓደ ወዲ 38 ዓመት ኢንጅነር ሞይቱ።

ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ እቶም ብተደጋጋሚ ዝፍጸሙ ናዕብታት ዕስለ ሱር ዝሰደደ ጥፍኣተኝነት ተሰማዕነት ዘይምርካቡን ኣብ ስርዓት ፍትሒ ገበን እታ ሃገር እምነት ካብ ምስኣንን ዝነቅል እዩ ይብሉ።