ነብሱ መኒኑ ህይወት ብዙሓት ዘትረፈ "ጅግና"

ምንጪ ስእሊ, Ejiro Otarigho
እታ ዝዝውራ ዝነበረ መኪና ቦጥ ነዳዲ፡ ብሓዊ ትነድድ ምንባራ ዝፈለጠ፡ ምስኡ ዝነበረ ተሓጋጋዚኡ ሓበሬታ ምስሃቦ እዩ ነይሩ።
ናይጀርያዊ ኤጂሮ ኦታሪጎ በቲ ንነብሱ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑ ንህይወት ብዙሓት ከትርፍ ዝኸኣለሉ ተግባር፡ "ጅግና" ክብሃል በቒዑ'ሎ።
ንሱ ነታ ክትነድድ ዝጀመረት ቦጥ ነዳዲ፡ ካብቲ ብብዝሒ ህዝቢ ዝነብረሉ ከባቢ ከርሕቓ ብምውሳን'ዩ እናዘወረ ሰብ ናብ ዘይነበሮ ቦታ ዝወሰዳ።
"ኣብ ውሽጠይ ዝነበረ ሓደ ሓሳብ፡ ነታ ትነድድ ዝነበረት ቦጥ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ ሩባ ከእትዋ ጥራይ እዩ፡" ይብል ኤጂሮ።
"ኣዝዩ ዘፍርሕ ሃልሃልታ'ዩ ነይሩ" ክብል ዝዛረብ ኣውቲስታ 'ታ ነዳዲ ጽዒና ዝነበረት ቦጥ፡ ክትነድድ ክትጅምር እንከላ ዝሓበሮ ተሓጋጋዚኡ ምንባሩ ይሕብር።
ንገለ ካብ ትሕዝቶ እታ ቦጥ ኣብ መገዲ እናነከየ፡ ክሳብ ዝኸኣሎ ኣብ ዝቕጽለሉ ዝነበረ እዋን፡ ንተሓጋጋዚኡ "ውረድ" ብምባል ብኽቱር ናህሪ ክሕንብባ ጀመረ።
ብሃልሃልታ ሓዊ እናተሸፈነት ትኸይድ ዝነበረት ቦጥ ዝርእዩ ዝነበሩ ሰባት ከኣ ኣብ ከቢድ ፍርሒን ሻቕሎትን ተሸሚሞም ነይሮም።
ኣብቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ህሞት፡ ብኤጂሮ ክፍጠር ዝኽእል ንእሽተይ ጌጋ ወይ ነትጒ ኣዝዩ ኣዕናዊ ውጽኢት'ዩ ከስዕብ።
"ሓሳበይ፡ እናዘወርኩ ናብ ሩባ ከእትዋ እዩ ነይሩ። ኣብ ጥቓኡ ምስ በጻሕኩ ግን መዘወሪኣ ምስራሕ ኣብዩኒ። ካብኡ ንላዕሊ ከንቀሳቕሳ ኣይከኣልኩን፡" ክብል ነቲ ኵነታት ይዝክሮ።
"ትኽ ኣቢለ ክዝውራ እንተፈቲነ እታ ቦጥ ክትወድቕን ካልእ ጸገም ክፍጠርን ይኽእል እዩ። ስለዚ ኣብ ሰጣሕ ሜዳ ደው ከብላ ወሲነ" ይብል።
ንሱ ነዚ ምስ ገበረ ካብታ ትነድድ ዝነበረት ቦጥ ወሪዱ፣ ብዘይካ'ቲ ናብ ውሽጡ ዝሰሓቦ ትክን ቀሊል ማህሰይትን ኣብ ንቡር ኵነታት ጥዕና ይርከብ።
ኣብ ናይጀርያ ሓደጋታት ነትጒ ነዳዲ ዝጸዓና መኻይን ብተደጋጋሚ ዝኽሰት ኰይኑ፡ ጥንቂ ምጥፋእ ህይወት ብዙሓትን ዕንወት ንብረትን ከምዝኸውን ከኣ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







