ናይጀርያ፡ ነዳዲ ኣብ ዝጸዓነት መኪና ዘጋጠመ ነትጒ 25 ሰባት ቀቲሉ

ምንጪ ስእሊ, OLUSEGUN LOKOJA
ኣብ ናይጀርያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ፡ ብውሕዱ 25 ሰባት ሞይቶም። እቲ ኣብ ማእከላይ ዞባ ዞባ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ሓንቲ ናይ ነዳዲ ቦጥ ምስ ካልኦት ተሽከርከርቲ ድሕሪ ምግጫዋ ዝሰዓበ'ዩ።
እቶም ግዳያት፡ ተምሃሮ ዝርከብዎም ሓለፍቲ መንገዲ ከም ዘለውዎም ጸብጻባት ሓቢሮም።
እቲ ሎሚ ኣብ ከተማ ሎኮጃ: ኣብ ዓብዪ ጽርጊያ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ እታ ነዳዲ ዝጸዓነት መኪና ፍጥነት መቆጻጸሪኣ ክሰርሕ ስለዘይከኣለ ካብ ቁጽጽር እቲ ዘዋሪ ብምዃና ከምዝተፈጠረ ፖሊስ ሓቢሩ፡፡
ተመሳሳሊ ሓደጋታት ኣብ ጎደናታት ናይጄርያ ልሙድ ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ፡፡
ብዙሓት ግዳያት እቲ ሓደጋ፡ መንነቶም ንፍላይ ብዘጸግም ከምዝነደዱ ወሃብቃል ፖሊስ ከተማ ሎኮጃ ዊሊ ኣያ ሓቢሩ፡፡
እቶም ተምሃሮ ሓዊሱ መብዛሕትኦም ግዳያት መገዲ ዘቋርጹ ተጓዓዝቲ ከምዝኾኑ እውን መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ሰነ፡ ኣብ ማእኸል ከተማ ሌጎስ ክልተ ነዳዲ ዝጸዓና መካይን ተጋጭየን ኣርባዕተ ሰባት ሞይቶም እዮም፡፡



![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







