ኣብ ኒጀር ነዳዲ ዝፀዓነት መኪና ተባሪዓ ብዉሑድ 58 ሰባት ህይወቶም ሓሊፋ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ኒጀር - ዋና ከተማ ኒያመይ ኣብ ሓንቲ ናይ ነዳዲ ፅዕነት መኪና 'ሎሪ' ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ብውሑድ 58 ሰባት ከም ዝሞቱ ሰበስልጣን ኣፍሊጦም።
እታ ነዳዲ ዝፀዓነት መኪና ኣብ ጥቓ መስመር ባቡር ደው ክትብል ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን ምስ ተገልበጠት፡ ነቲ ይፈስስ ዝነበረ ነዳዲ ንምውሳድ ኣብ ልዕሊ ዝተኣኻኸቡ ነበርቲ ሓደጋ ሞት ኣጋጢሙ።
ካልኦት 37 ሰባት'ውን መጉዳእቲ ዘጋጠሞም ኮይኑ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ማሃማዱ ኢሶፉ ኣብ ሆስፒታል ተረኺቦም ዝርከቡሉ ኩነታት ተዓዚቦም።
ሓደ ካብ መሰኻኽር ዓይኒ " ቅድሚ ፍርቂ ለይቲ ናብ ደገ ምስ ወፃእኹ ዝተገልበጠት መኪና ርእየ። ሰባት ድማ ነዳዲ ንምውሳድ ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ተኣኻኺቦም። ደሓር ድማ ብሓደ ጎኒ ዝጀመረ ሓዊ ተባሪዑ" ክብል ንወኪል ዜና ኤኤፍፒ ተዛሪቡ።
ሚንስትር ጉዳያት ውሽጢ ዓዲ ሞሓመድ ባዙም፡ ነቲ ወኪል ዜና ከም ዝሓበሮ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብቲ ከባቢ ዝተኣኻኸባ ሞተር ብሽክሊታታት ነቲ ባርዕ ኣበጊሳቶ ክትኸውን ትኽእል'ያ።
ኣብ ኒጀር ነዳዲ ኣብ ዝፀዓና መኻይን ዘጋጠም ባርዕ ዝተለመደ'ዩ።
ኣብ 2012 ኣብታ ብሃፍቲ ነዳዲ ትልለ ናይጀርያ ብዘጋጠመ ተመሳሳሊ ሓደጋ ልዕሊ 100 ሰባት ሞይቶም'ዮም።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







