ደቡብ ሱዳን፡ "ብሚልዮናት ዝቝጸር ኣታዊ ገንዘብ ነዳዲ-ዘይቲ ኣብ ኲናት-ሕድሕድ ውዒሉ"

ምንጪ ስእሊ, Spencer Platt
ሓደ ሓድሽ ዝተኻየደ መርመራ ከም ዘርእዮ፡ መራሕቲ ደቡብ ሱዳን ከመይ ገይሮም ብሚልዮናት ዶላራት ዝቝጸር ገንዘብ ኣብቲ ኣርባዕተ ዓመቱ ዝመልአ ኲናት ሓድሕድ የጥፍእዎ ከምዘለዉ ኣቃሊዑ።
እቲ ብ"ግሎባል ዊትነስ" ዚፍለጥ ማሕበር - ኣንጻር ምዝመዛ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ዚቃለስ ማሕበር - እቲ ብመንግስቲ ዝውነን ኩባንያ ነዳዲ-ዘይቲ ኣብ ትሕቲ ቀጥታዊ ቍጽጽር ፕረሲደንት ሳልቫ ኪር ኣትዩ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
እቲ መርመራ ነቲ ብ "ናይል ፐትሮልዮም" ወይ ከኣ "ናይልፐት" ዚፍለጥ ሃገራዊ ኩባንያ ነዳዲ-ዘይቲ ምስ ገንዘባዊ ረብሓታት ናይ ቀረባ ኣማኸርቲ ፕረሲደንት ኪር ከተኣሳስሮ ክኢሉ።
እቲ ኩባንያ፡ ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ብምስጢር'ዩ ዝዓዪ፣ ከመይ'ሉ ድማ ንወትሃደራዊ ስርሒታት፡ ምግዓዝ መሳርያታት ንዓሌታውያን ሚሊሻታት፡ መሕባእቲ ናይ ሚልዮናት ዝተሰርቀ ገንዘብ - ካብ ወጻኢ ኣድለይቲ ኣቝሑት ንምእታው ዝተማራቕሐ ገንዘብ - በቲ ምስጢር ተኸዊሉ ከም ዝሰርሕ ይገልጽ።
ጸጥታሓይልታት ደቡብ ሱዳን'ውን ኣብቲ ኵናት-ሓድሕድ ብዝፈጸምዎ ግፍዕታት ይኽሰሱ፡ እንኮላይ በቲ ዝተጻወትዎ ጽጸያ-ዓሌትን ተራስዮ-ደቂ'ንስትዮን።
ናይልፐት ነቲ ዝተላዕለ ገበን ክሒዱዎ፣ ነቲ ዝቐረበ መርትዖ'ውን ዝተሰንዐ ክኸውን ይኽእል'ዩ በለ።
ደቡብ ሱዳን ነዳዲ-ዘይቲ ተፍሪ'ያ፣ ይዅን'ምበር ንኸተጻርዮ ዓቕሚ የብላን።
ናይልፐት ብኣህጕራውያን መጻረዪ ፋብሪካታት ተጠቒማ ብነጋዶ ነዳዲ ኣቢላ ብምሻጥ'ያ እቶት እተጥሪ።
ሕጂ እቲ መርመራ ነተን መሻርኽቲ ንግዲ ብምብዳህ ተሓታትነት ናይልፐት ብሓላፍነት ክተሓሕዞኦ ይቕስበን።
ማይክል ጊብ፡ መራሒ ወፍሪ ግሎባል ዊትነስ፡ ነቲ ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ ምጕሳይ ማለት ምስ'ቶም ሕጊ ዝጠሓሱ ዉዲት ከም ዝኣተዉ'ዩ ዝሕሰብ ይብል። ብተወሳኺ፡ በቲ ቀሪቡ ዘሎ መርትዖ ድማ ናይልፐት ኣብ'ቲ ቍጠባ-ዉግኣ ኢዳ ብምእታው ተጠላቕያ'ያ ይብል።
እቲ ብ 2016 ዝወጸ ጸብጻብ፡ ብ "ሳተላይት ሰንቲነል ፕሮጀክት" ዝተሰነደ፡ ናይ ደቡብ ሱዳን በሃራት (elites) ካብቲ ዚካየድ ዘሎ ዉግእ ረብሓታት ከም ዘሎዎም እዩ ዚንገር።
መልሲ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን
መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ነቲ ዝተሰንዘረላ ክሲ፡ ማለት ብነዳዲ-ዘይቲ ዝተረኽበ ጥረ ገንዘብ ንመካየዲ ዉግእ ከም ዘይተጠቕመ ብምግላጽ ነቲ ክሲ ይነጽጎ።
"እቲ ጸብጻብ ንስም ፕረሲደንት ሳልቫ ኪርን መንግስቲ ደቡብ ሱዳንን ንምጥቃን ዝዓለመ'ዩ" ክብል ማይክል ማኩዊ፡ ሚኒስተር ናይ ዜና ሓበሬታን፡ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"ግሎባል ዊትነስ ብሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዚናበ ማሕበር ምዃኑ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ድማ ኣንጸር መንግስትና ደው ኢሉ ከም ዘላ ንፈልጥ ኢና፣ ከምኡ'ውን እቲ ማሕበር ንባዕሉ!" ክብል ወሲኽሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







