ኢትዮጵያ፡ `ኣርባዕተ መዓልቲ ዝወስደልና ዝነበረ መስርሕ ምህርቲ፡ ሓደ ሰዓት ኰይኑ`

ሓሙሽተ ሜትሮ ብዝቝመቱ ለምለም ቀጠልያ ቈጽሊ ዝተኸበበ ኣሰለፈች ኣቢተ፡ ብሓደ መጕእ መሳሊ ገይራ ትፍሕፍሕ።
"ምፍሕፋሕ እንሰት ኢድናን ኣፍልብናን እዩ ዘድክመና። ንሓንቲ እንሰት ክንፍሕፍሕ እንተ ሰሊጡና ኣርባዕተ መዓልታት ይወስደልና፡" ትብል እታ ካብ ቍልዕነታ ኣትሒዛ እንሰት ምድሃጽ ዝተላመደት ኣሰለፈች።
ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ደቀንስትዮ፡ ነቲ ካብ ተኽሊ ባናና ዝዳሎ ባህላዊ መግቢ ንምድላው ሕቘአን ዓጺፈን ንመዓልታት ይሰርሓ።
"ፈውሲ ጥምየት" ወይ "ናይ ሓሶት ባናና" ተባሂሉ ዝፍለጥ እንሰት፡ 20 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን (15% ካብ ህዝባ) ይምገቡዎ።
እዚ ደርቅን ባልዓትን ዝጻወር ተኽሊ፡ ብኸም ቆጮ (ቅጫ መሳሊ) ዝኣመሰለን ካልእን ተዳልዩ ከም ቀንዲ መግቢ ኰይኑ የገልግል። ጾር ናይቲ ዕዮ ግን ከቢድ እዩ - ኣብ ግዜን ጥዕናን ደቀንስትዮ።
"ክልተ ደቀንስትዮ ክፍሕፍሕኦ ኣርባዕተ መዓልቲ ይወስደለን፡" ትብል ኣብ ዶርዘ ዝዓበየት ካብ ቍልዕነታ ኣትሒዛ ዝተላመደቶን ክትፍሕፍሕ ዝጸንሐትን ገበያነሽ ኣልታ።
"እንሰት ጠቓሚ'ኳ እንተዀነ፡ ጕልበት ዝሓትትን ኣድካምን እዩ፡" ትብል።
ኣብዚ ግዜ`ዚ ግና ሓድሽ ቴክኖሎጂ ነቲ ልምዳዊ ኣሰራርሓታት ይብድሆ ኣሎ።

ሓድሽ ቴክኖሎጂ
ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኣርባ ምንጭ፡ ኣብ 2021 ብሞተረ ዝሰርሕ መፋሕፍሒ እንሰት ማሽናት ኣተኣታትዩ።
እተን ብኤለክትሪክ ወይ ብናፍታ ዝሰርሓ ማሽናት፡ ነቲ ደቀንስትዮ ከዳልዋኦ ዝወስደለን ዝነበረ ግዜ ብዓቢይ መጠን የጕድሎ።
"ቅድሚ ሕጂ፡ ኣደታት ከዳልዋኦ ካብ ሸሞንተ ክሳዕ ዓሰርተ ሰዓታት፣ ወይ`ውን ምሉእ ክልተ መዓልታት ይወስደለን ነይሩ፡" ይብል ላዕለዋይ ተመራማሪ ዩኒቨርሲቲ ኣርባ ምንጭን ነቲ ፕሮጀክት ምድላው እንሰት ዝመርሐን ዶክተር ኣዲሱ ፈቃዱ።
"ኣብዚ ግዜ`ዚ ግና፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ንስድራአን ዘመግብ እኹል እንሰት ከዳልዋ ይኽእላ።"
ዩርኒቨርሲቲ ኣርባ ምንጭ ፕሮጀክት እንሰት ካብ ዝጅምር ኣብ መላእ ኢትዮጵያ 40 ማሕበራት ተጣይሸን፣ ነፍስወከፈን ከኣ ነተን ማሽናት ዘካይዳ ካብ 12 ክሳብ 20 ኣባላት ኣለውአን።
"ንመንእሰያትን ደቀንስትዮን ናይቲ ከባቢ ብምውዳብ፡ ካብ 1,000 ክሳብ 2,000 ንዝዀኑ ሓረስቶት ኣገልግሎት ምእንቲ ክህቡ ማሽናት ንህቦም፡" ይብል ዶክተር ፈቃዱ።
"ከም ባህላዊ ቤት ጥሑና እዩ ዝሰርሕ። ነተን እንሰተን ክፍሕፋሕ ዝደልያ ይውድቡወንን ኣገልግሎት ይህቡወንን፡" ይብል።
እተን ማሽናት ኣስታት 150,000 ብር ኢትዮጵያ ($1000 USD) ዝዋግአን ኰይነን ብዝተፈላለዩ ትካላት ዝተመወላ እየን።
ብዓል ገበያነሽ ኣልታ ንዝርከብኦ ማሕበረሰብ፡ እተን ማሽናት ብምኒስትሪ ኢኖቨይሽን ኢትዮጵያን ኢመርጅንግ ቴክኖሎጂ ኢንስቲትዩትን - ክልቲኦም መንግስታዊ ትካላት - ምወላ ተገይሩለን።

ውሕስነት መግቢ
እዚ ሓድሽ ቴክኖሎጂ፡ ኢትዮጵያ ህዝባ ንምቕላብ ኣብ እትቃለሰሉ ዘላ እዋን ዝተኣታተወ እዩ።
ኣብ 2025 ሓላፊ ትካል መግቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ሚልዮናት ሰባት፡ "ኣብ ሓደጋ ካብ ምውዳቕ ንስክላ ተሪፎም ኣለዉ፡" ኢሉ።
ብመሰረት ጸብጻብ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ልዕሊ 10 ሚልዮን ህዝቢ ከቢድ ሕጽረት ውሕስነት መግቢ የጋጥሞ። እዚ ድማ ብሰንኪ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈጥረ ግጭታት፡ ደርቂ፡ ሕማምን ዝቕባበ ባጤራን እዩ።
ሕጽረት መግቢ ናይዛ ሃገር መፍትሒ ይደሊ፣ ምህርቲ ድማ ኣካል ናይዚ እዩ።
መንግስቲ ኣብ 2024፡ ቍጠባዊ ዓቕሚ ናይቲ ከባቢ ንምሕያል፡ ብቕዓት ፍርያት እንሰት ንምምዕባል፡ ህይወት ደቀንስትዮ ንምምሕያሽን ዝዓለመ ሃገራዊ ልምዓት እንሰት ጀሚሩ።
ምኒስተር ሕርሻ ዶ/ር ግርማ ኣመንተ፡ "እቲ ተበግሶ፡ ብዝተመሓየሸ ኣገባብ ሕርሻ፡ ብቑዕ እትዋት ምህርቲ፡ ምምሕያሽ ኣሰራርሓ፡ ምህዞን ተሳትፎ ሕብረተሰብን ምህርቲ ምዕባይ እዩ።"

እቲ መደብ ንሽዱሽተ ዓመታት ክጸንሕ መደብ ተታሒዝሉ ዘሎ ኰይኑ፡ ብድምር ኣስታት 13 ቢልዮን ብር ኢትዮጵያ ($84m USD) ክውድእ ምዃኑ ምኒስትሪ ሕርሻ ገምጋሙ የቐምጥ።
እቲ ምኒስትሪ፡ ምወላ ካብ ሓያሎ መሻርኽቲ ይመጽእ ከም ዘሎ፣ መንግስቲ ፈደራልን ክልላትን ድማ ፡ ነቲ ኣብ ዓመት ኣስታት 245 ሚልዮን ብር ኢትዮጵያ (1.6 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ) ከም ዝውድእ ዝሕሰብ ዓመታዊ ወጻኢታት ክምውላ ትጽቢት ይግበር።
ቢቢሲ ብዛዕባ መጻኢ ምምዕባል ሃገራዊ ፕሮግራም እንሰት ርእይቶ ክህብ ምስ ምኒስትሪ ሕርሻ ርክብ እኳ እንተ ገበረ፡ ምላሽ ግን ኣይረኸበን።
ንሕጂ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከባ ዓድታት፡ ከም ብዓል ገበያነሽ ዝኣመሰላ ደቀንስትዮ፡ ፍረ ናይቲ ሒደት ጻዕሪ ዝሓተን መስርሕ የስተማቕራ ኣለዋ።
"እታ ማሽን ፈለማ ምስ መጽአት፡ ኵሉ ተቐማጢ ናይቲ ከባቢ እንሰቱ ንምፍሕፋሕ ኣምጺኡዎ፣ ኵሉ ሰብ ድማ ተሓጒሱ፡" ኢላ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







