13 ኤርትራውያን ዝሳተፍሉ ዙር ርዋንዳ ሎሚ ይጅምር ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, FERWACY
ንመበል 18 ግዜኡ ዝካየድ ዙር ርዋንዳ 2026 ካብ ሎሚ ሰንበት 22 ለካቲት ጀሚሩ ሸሞንተ መድረኻት ብምሽፋን 1 መጋቢት ኣብ ከተማ ኪጋሊ ክዛዘም'ዩ።
ኣብዚ ውድድር ብሓፈሻ ብጀካ ሓንቲ ኣርባዕተ ተሰልፍ እንተዘይኮይኑ እተን 16 ጋንታታት ነፍሲ ወከፈን ሓሓሙሽተ ተቐዳደምቲ ሒዘን ክወዳደራ'የን። ብድምር ከኣ 84 ተቐዳደምቲ ክሳተፉ'ዮም።
ኣርባዕተ ሃገራውያን ጋንታታት [ርዋንዳ፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ከምኡ ከኣ ሓንቲ ካብ ኣርባዕተ ሃገራት ዝተዋጽኡ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ዝሓዘት ጋንታ ]፡ 8 ኮንቲነንታተል ጋንታታት [ኣማኒ፡ በንዲክሸን፡ መይስታር [ሰለስትኤን ናይ ርዋንዳ]፡ ረምበ ራትን ባይክ አይድን [ጀርመን] ሎካሊዛ መዪ [በራዚል] ኢስታንቤል [ቱርኪ] ከምኡ ከኣ ሸነሎ ፕሮ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብቲ ውድድር ክሳተፋ እየን።
ከምኡ'ውን፡ ሓሙሽተ ካብ ዎርልድ ቱር ዲቨሎፕመንት ቲም፡ ሞቪስታር ካብ ስፐይን፡ ኤንኤስኤን ካብ ስዊዘርላንድ፡ ሳውዳል ኵክስቴፕን ሎቶ ኢንተርማርቸን ካብ ጀርመን ከምኡ ከኣ ፒክኒክ ፖስትነል ካብ ኔዘርላንድስ ክሳተፋ ትፅቢት ይግበር።
ብሓፈሻ ተቐዳደምቲ ኣብዚ ንሸሞንተ መዓልታት ዝካየድ ጸወታ 978 ኪሎሜተር ብምሽፋን 16 ሽሕን 178 ሜትሮ ብራኸ ክሓዅሩ'ዮም።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ጸወታ ብሓፈሻ 13 ኤርትራውያን ክወዳደሩ'ዮም።
ሓሙሽተ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ [ ሄኖክ ምሉእብርሃን፡ መርሃዊ ቅዱስ፡ ናሆም ዘርኣይ፡ ናታን መድሃኔን ያፌት ሙሌጌታ] ኣርባዕተ ምስ ትርካዊት ጋንታ ኢስታንቤል [ናትናኤል ብርሃነ፡ መትከል እዮብ፡ ዓወት ኣማንን መዋእል ግርማይን] ክልተ ምስ ጀርመናዊት ጋንታ ባይክ አይድ [ዩኤል ሃብተኣብን ኤቨን የማንን] ከምኡ ከኣ ክልተ ምስ ኣብ ርዋንዳ ዝመደበራ ብኤርትራውያን እትውነን ጋንታ መይስታርስ ዝተሓቖፉ [ዳዊት ተወልደብርሃንን ጎይትኦም መሓርን] ክወዳደሩ'ዮም።
በዚ ከኣ ሎሚ ዓመት ካብቶም ዝሳተፉ ዘለዉ፡ ርዋንዳ 14 ተቐዳደምቲ ብምስታፍ ቀዳማይቲ ክትከውን እንከላ ኤርትራ 13 ተጻወትቲ ብምስታፍ ካልኣይቲ ኰይና ትስዕባ፡ ጀርመን ከኣ ብሸውዓተ ተቐዳደምቲ ሳልሰይቲ ኰይነን'የን ነዚ ውድድር ክፍልመኦ'።
ሎሚ ዓመት ምስ ጋንታ ባይክ አይድ ዝፈረመ ናሆም ኤፍሬም ኣብዚ ውድድር ክሳተፍ'ኳ ጋንታኡ ሓርያቶ እንተነበረት፡ ብሰንኪ ናይ ፖስፖርት ጸገም ኣብ ክንዳኡ ካልእ ተጻዋታይ ከምዝወሰደት ጋንታኡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣፍሊጣ ኣላ።
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ እታ እንኮ ኣብዚ ውድድር ክልተ ነዚ ውድድር ብጫ ማልያ ተዓዊተሙሉ ዝፈልጡ [ሄኖክን መርሃውን] ሰለስተ ኣብዚ ውድድር ናይ መድረኽ ዓወት ኣመዝጊቦም ዝፈልጡ [ሄኖክ፡ መርሃውን ናሆም ዘርኣይን] ተቐዳደምቲ ሒዛ ትኣቱ ዘላ ጋንታ'ያ።
ካብዞም ሎሚ ዓመት ኣብዚ ውድድር ዝሳተፉ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብዚ ውድድር ብዘመዝገብዎ ዓወታት ኣብ ቅድሚት ካብ ዝስርዑ ዓሰርተ ተቐዳደምቲ እቶም ሽዱሽተ ኤርትራውያን'ዮም።
ሎሚ ዓመት ንሻዱሻይ ግዜኡ ኣብ ዙር ርዋንዳ ዝወዳደር ዘሎ ሄኖክ ምሉእብርሃን ሓንሳብ ብጫ ማልያ ወሲዱ [2023]፡ ሰለስተ ግዜ ቀዳማይ ወጺኡ 24 ግዜ ከኣ ምስ ቀዳሞት ዓሰርተ ውድድሩ ብምዝዛም ኣብ ቅድሚት ተሰሪዑ ይርከብ።
ንዕኡ ተኸቲሉ መርሃዊ ቅዱስ ሓንሳብ ብጫ ማልያ ወሲዱ[2019]፡ ሰለስተ ግዜ ናይ መድረኽ ዓወት ኣመዝጊቡ፡ 12 ግዜ ከኣ ምሰ ቀዳሞት ዓሰርተ ኮይኑ ውድድሩ ዛዙሙ።

ኣብ ሳልሳይ ተሰሪዑ ዘሎ ከኣ መትከል እዮብ ኮይኑ ኣብ ብጫ ማልያ ካልኣይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ፡ ሓሙሽተ ናይ መድረኽ ዓወት ኣመዝጊቡ፡ 29 ግዜ ከኣ ምስ ቀዳሞት ዓሰርተ ብምእታው ውድድሩ ዛዚሙ።
ኣብ ራብዓይ ዝስራዕ ጀርመናዊ ኦሊቨር ማትያስ ኮይኑ ኣብ ብጫ ማልያ ሳልሳይ ኮይኑ ዛዚሙ፡ ሓሙሽተ ግዜ ከኣ ምስ ቀዳሞት ዓሰርተ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ።
ሓንቲ ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበ ናሆም ዘርኣይ ሓሙሻይ፡ ዓወት ኣማን ሻውዓይ ናትናኤል ብርሃነ ከኣ ዓስራይ ኮይኖም ተሰሪዖም ኣለዉ።
ካብዞም ሎሚ ዓመት ኣብዚ ውድድር ዝወዳደሩ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ምስ ኢስታንቡል ዝወዳደር መዋእል ግርማይ፡ ምስ ባይክ አይድ ዝወዳደር ኤቨን የማነ ከምኡ ከኣ ምስ መይስታርስ ዝወዳደር ጎይትኦም መሓሪ ጥራይ'ዮም ንመጀርታኦም ኣብዚ ውድድር ዝሳተፉ ዘለዉ፤ እቶም ዝተረፉ ግን ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ኣብዚ ውድድር ተጻዊቶም'ዮም።
መትከል እዮብ ከኣ ሎሚ ዓመት ንመበል 12 ግዜኡ ኣብዚ ውድድር ብምስታፍ ነቲ ንመበል 13 ግዜኡ ኣብዚ ውድድር ዝወዳደር ዘሎ ርዋንዳዊ ፓትሪክ ብዩኪሰንገ ተኸቲሉ ብብዝሒ ተሳትፎ ካልኣይ ኣሎ።
ዙር ርዋንዳ ኣብ 2019 ናብ 2.1 ክብ ካብ ዝብል ኣብ ዝተኻየደ ሸውዓተ ውድድራት ነቲ ኣርባዕተ ብጫ ማልያ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ'ዮም ተዓዊተሙሉ።
መርሃዊ ቅድስ ኣብ 2019፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ 2020 ከምኡ ከኣ 2022 ሄኖክ ምሉእብርሃን ከኣ ኣብ 2023።
ኣብ 2021 ስጳኛዊ ክሪስትያን ሮድሪጎዝ ክዕወተሉ እንከሎ፡ ኣብ 2024 ብሪጣንያዊ ጂሴፍ ብላክሞር ኣብ 2025 ከኣ ብኣካታዒ መስርሕ ፈረንሳዊ ፋብያን ዶቢ ተዓዊተሙሉ።
ዙር ርወንዳ ደረጃኡ ናብ 2.1 ክብ ቅድሚ ምባሉ ኦሎምፒካዊ ተቐዳዳማይ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ 2010 ተዓዋቲ ብጫ ማልያ እዚ ውድድር ምዃኑ ይዝከር።
ኣብዚ ውድድር ክዕወቱ ትጽቢት ዝግበረሎም
ብመሰረት ክሳብ ሕጂ ኣዋህሊልዎ ዘሎ ነጥብን ሒዝዎ ዘሎ ህሉው ብቕዓትን፡ ሄኖክ ምሉእብርሃን ነዚ ውድድር ክዕወተሉ ዓቢ ግምት ተዋሂብዎ ዘሎ ተቐዳዳማይ'ዩ።
ሄኖክ ኣብዚ ውድድር ንመበል ሻዱሻይ ግዜኡ'ዩ ዝወዳደር ዘሎ፡ ሰለስተ ግዜ ናይ መድረኽ ዓወት ኣመዝጊቡ፡ ሓንሳብ ብጫ ማልያ ወሲዱ [ኣብ 2023] ሓንሳብ ከኣ ኣብ ብጫ ማልያ ካልኣይ ኮይኑ [2025] ውድድሩ ዛዚሙ።
ብዘይካ'ዚ ሎሚ ዓመት ኣብ ዙር ኣልኡላን ኣብ ዙር ዖማንን ብምስታፍ፡ ኣብቲ ምስ ዓበይቲ ዝስርዑ ተቐዳደምቲ ዓለምና ተወዳዲሩ ኣብ ብጫ ማልያ መበል 12 ኣብ ቀጠልያ ማልያ ከኣ መበል 18 ኮይኑ ወዲኡ።
ኣብ ዖማን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ሙስካት ክላሲክ'ውን ሻሙናይ ኮይኑ'ዩ ውድድሩ ዛዚምዎ።
ብተመሳሳሊ ኣብቲ ሓሙሽተ መድረኽ ዝነበሮ ዙር ዖማን'ውን ኣብ ካልኣይ መድረኽ ንዓባይ ጉጅለ ብሃንደበታዊ ውድድር ረቲዑ ካልኣይ ምውጽኡ፡ ንህሉው ብቕዓቱ ዘርኢ'ዩ።
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ብጫ ማልያ ንሄኖክ ምሉእብርሃን ብቀዳምነት ከም መሕለውታ ከኣ ንመርሃዊ ቅዱስን ናሆም ዘርኣይን ክትሰርሓሎም ምዃና ኣሰልጣኒ እታ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሳምሶም ሰለሙን ምስ ሃገራዊት ተለቪዥን ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ሓቢሩ ነይሩ።
ኣብዚ ውድድር ኣብ ክንዲ እቶም ኣብ ዓበይቲ ጋንታታት ዝወዳደሩ ተጻወትቲ ሒዝካ ምምጻእ ነቶም ንኣሽቱን ትስፍዋትን ተቐዳደምቲ ሒዝካ ክምጻእ ነይርዎ ዝብል ነቀፌታታት ግን ካብ ብዙሓት ይስማዕ'ዩ።

ነዚ ውድደር ክዕወተሉ ከም ካልኣይ ክስራዕ ዝኽእል ስጳኛዊ ኣባል ኤንኤስኤን ዲቨሎፕመንት ፓዎ ማርቲ'ዩ።
ፓዎ ማርቲ ኣብ ቮልታ ኮሚኒታ ኣብ ጎኒ ቢንያም ግርማይ ኰይኑ ብምውድዳር ንመንእሰይት ኣብ እትውሃብ ጻዕዳ ማልያ ታሽዓይ ኮይኑ'ዩ ውድድሩ ዛዙሙ።
ኣብ ሓሙሻይ መድረኽ እቲ ውድድር መበል 13 ምውጽኡ'ውን ዘለዎ ብቕዓት ዝምስክር'ዩ።
ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ፖርቱጓል ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ፊጐየራ ቻምፕዮንስ ክላሲክ ሳልሳይ ኮይኑ ውድድሩ ምዝዛሙ ንዙር ርዋንዳ ክዕወትሉ ካብ ዝኽእሉ ከብሎ ክኢሉ'ዩ።
ኣብ ሳልሳይ ዝስራዕ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ብጫ ማልያ ከም ተጠባባቒ ገይራ ሒዛቶ ትኣቱ ዘሎ ሓለቓ ጋንታ መርሃዊ ቅዱስ'ዩ።
መርሃዊ ቅዱስ ምስ ጋንታ ኣስታና ብምዃን ኣብ 2019 ንዙር ርዋንዳ ተዓዊትሉ ከምዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ፡ ናይ ቀረባ ዓወቱ ከኣ ኣብ 2025 ኣብ ኬንያ ኣብ ዝተኻየደ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ቀዳማይ ብምውጻኡ ናብዚ ውድድር ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ምዃኑ እትሕብር ማልያ ለቢሱ'ዩ ክኣቱ።
ብመሰረት ኣሰላልፋ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ መርሃዊ ብጫ ማልያ ክዕወት እንተኰይኑ ሄኖክ ምሉእብርሃን ክተርፍ ዘገድድ ዝኾነ ጸገም ምስ ዘጋጥሞ'ዩ።
ኣብ ራብዓይ ዝስራዕ ኣባል ባይክ አይድ ጀርመናዊ ኦሊቨር ማትያስ'ዩ።
ኦሊቨር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ብጫ ማልያ ሳልሳይ ኮይኑ ምዝዛሙ ዝዝከር ኮይኑ፡ ናይዚ ዓመት ናይ መጀመርታ ውድድሩ'ዩ ዘካይድ ዘሎ።
ኣባል ጋንታ ኤንኤስኤን ኣብ 2024 ከምኡ ከኣ 2025 ብድምር ኣብ ዙር ርዋንዳ ሰለስተ መድረኻት ዝተዓወተ እስራኤላዊ ኢታማር ኢንሆርን'ውን ነዚ ውድድር ክዕወትሉ ይኽእሉ'ዮም ተባሂሎም ትጽቢት ካብ ዝግበረሎም'ዩ።
ኣብ 2025 ኣብ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ኣብ ናይ ዓበይቲ ካልኣይ ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ከኣ ቀዳማይ ዝወጽአ ኣባል ጋንታ ኢስታንቡል ዓወት ኣማን'ውን ናይ መድረኽ ዓወት ከመዝግብን ኣብ ብጫ ማልያ ሓደ ካብ ተፈራሕቲ ክኸውንን ዝኽእል ተቐዳዳማይ'ዩ።

ኣብ ዙር ርዋንዳ ሎሚ ዓመት ዝተኣታተወ ናይ ግዜ መቁሽሽ
ዙር ርዋንዳ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ እንኮ ናይ 2.1 መለክዒ ዘለዎ ውድድር'ዩ፡ እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዙር ከኣ እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሻምፕዮና ዓለም ብጽፉፍ ኣገባብ ድሕሪ ምእንጋዳ ተካይዶ ብምህላዋ ዝያዳ ኣቓልቦ ንክረኽብ ደሪኹ ኣሎ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ከኣ ኣብ ሞንጎ ጸወታ ናይ ግዜ መቑሽሽ ዘውህቡ ሕንጻጻት ተዳልዮም ኣለዉ፡ እዚ ከኣ ተቐዳደምቲ ክንዲ ንመወዳእታ ሕንጻጽ ጥራይ እናተጸበዩ ዝተሓላለዉ፡ እቲ ጸወታ ካብ ምጅማሩ ኣትሒዙ ናህሪ ንኽህልዎ ተዓሊሙ ዝተገበረ'ዩ።
እዚ ከኣ ኣብ ሰለስተ መድረኻት [ኣብ ቀዳማይ ካልኣይን ሓሙሻይን መድረኻት] ዝውሃብ'ዩ ክኸውን።
በዚ መሰረት ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ኣብ ኣብ መበል 72.6 ኪሎሜትርን ኣብ መበል 113.4 ኪሎሜትራት ኣብ ዝተዳለወ ሕንጻጽ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ንዝወጽእ ብቅደም ሰዓብ 3፡ 2 ከምኡ ከኣ 1 ካልኢት መቁሽሽ ክውሃቦም'ዩ።
ኣብ መወዳእታ ሕንጻር ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ንዝወጽኡ ከኣ 10፡ 6 ከምኡ ከኣ 4 ካልኢት መቁሽሽ ክውሃቦም'ዩ።
ኣብ ካልኣይቲ መድረኽ'ውን ብተመሳሳሊ ኣብ መበል 53 ኪሎሜትር፡ ኣብ 99 ኪሎሜትር ኣብ ዝተዳለወ ሕንጻጻት ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ንዝወጽኡ ነፍሲ ወከፎም 3፡ 2 ከምኡ ከኣ 1 ካልኦት መቁሽሽ ግዜ ኣብ መወዳእታ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ንዝወጽኡ ከኣ 10፡ 6 ከምኡ ከኣ 4 ካልኢት መቁሽሽ ክውሃቦም'ዩ።
ኣብ ሓሙሻይ መድረኽ'ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ሞንጎ ክልተ ናይ ግዜ መቁሽሽ ዘውህባ ሕንጻጻት ተዳልየን ኣለዋ፡ ኣብ መወዳእታ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዝወጽኡ ከኣ ንቀዳማይ 3 ንካልኣይ 2 ንሳልሳይ ከኣ 1 ካልኢት ናይ ግዜ መቁሽሽ ተዳልይሎም ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







