'ዓለም ዝጠልቦን ዓዱ ዘፀውዕን ስፖርተኛ ክንፈጥር ንኽእል ኢና'- ኤጀንት ፊፋ ዮናስ ገብሩ

ኤጀንት ፊፋ ዮናስ ገብሩ

ምንጪ ስእሊ, YONAS GEBRU

ኣብ መቐለ ኩዕሶ እግሪ እናተፃወተን ዝፃወቱ እናተዓዘበን እዩ ዓብዩ። ብሞያ ጋዜጠኛነትን መስተራኽብን ካብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ድሕሪ ምምራቑ፡ ኣብቲ ብዙሓት ዝከታተልዎ 'ኤክስትራ ስፖርት' ብዘቕርቦም መደባት ከም ጋዜጠኛ ተፈታውነት ረኺቡ - ኣብዚ ግዜ'ዚ ወኪል ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ዓለም ፊፋ ኰይኑ ዝዓዪ ዘሎ - ዮናስ ገብሩ።

ዮናስ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ቺካጎ - ኣመሪካ - ንረቛሒታትን ፈተናታትን ፊፋ ብምሕላፍ ወኪል እቲ ፈደረሽን ክኸውን በቒዑ።

"ኣተዓባብያይ ከም ማንም ኣብ መቐለ ተወሊዱ ልዓበየ እዩ። ዋላ ንትምህርቲ ክብል'ኳ ካብ መቐለ የወፃኹይ። እቲ ትደልዮ ነገር ግና ዓብይ ለውጥታት ክፈጥር ይኽእል እዩ፡" ይብል ዮናስ፡ ንባህጉ ከመይ ከም ዘዐወተ ንቢቢሲ እንክገልፅ።

ዮናስ ዕዮታት ወኪል ኩዕሶ እግሪ እንታይ ምዃኑ እንከብርህ፡ "ንክለባት፡ ማሕበር ኩዕሶ እግርን ኣሰልጠንትን፡ ዝውውር ከፈፅመሎም ይኽእል፣ ኣብ ማእከል ኰይኑ የደራድር፣ እዚ ዝውውር ዕዉት ንክኸውን የሰማምዕ፡" ይብል።

ቀፂሉ፡ "ብሓፈሽኡ፡ ምስ ኩዕሶ እግሪ ተተሓሒዞም ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ኣብ ማእኸል ኰይኑ ከፈፅሞም ብፊፋ ሕጋዊ ፍቓድ ልተወሃቦ ወኪል ማለት እዩ። ነዚ መሰረት ብምግባር ድማ እየ ክሰርሕ፡" ክብል የረድእ።

ኣብ ኣመሪካ ነዚ ፈተና ኣብ ዝወስደሉ ዝነበረ እዋን፡ ካብ ዝተፈላለየ ኵርናዓት ዓለም ዝመፅኡ ብዙሓት ተፈንቲ ከም ዝነበሩን ብዙሕ ልምዲ ክረክብ ከም ዝሓገዞን ይገልፅ።

"ስለ ኩዕሶ እግሪን ኣብ ዓድኻ ዘሎ ተመኵሮን ኢኻ ተውግዕ። ኣነ ጥራሕ እየ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ነይረ፣ ካብ ናይጀርያ፡ ደቡብ ኣመሪካን ኣውሮጳን ልመፅኡ ነይሮም። እቲ ፈተና ከቢድ ስለ ዝነበረ ኵሉ የማርር ነይሩ። ከምዚ ክስተት እንተ ዘጋጥመካ ብኸመይ ምፈታሕካዮ ዝብሉ ትዅረት ዝሓቱ ሕቶታት ነይሮም፡" ይብል።

እቲ ኣብ ጋዜጠኝነት ዝነበሮ ልምድን ወኪል ኩዕሶ እግሪ ንምዃን ዝነበሮ ሓያል ድሌትን፡ ነቲ ፈተና ክዕወተሉ ከም ዝሓገዞ ድማ ይዛረብ።

ኣቐዲሙ ወከልቲ ብግሎም ትካላት ብምጥያስ ይሰርሑ እኳ እንተ ነበሩ፡ ዘይሕጋዊ ዝውውር ትሕቲ 18 ዓመት ህፃናትን ቈልዑን፣ ከምኡ'ውን ግዕዝይና ስለ ዝዛየዱ፡ ፊፋ ሓድሽ መስርሕ ከተኣታቱ ተገዲዱ።

ፊፋ፡ እቲ ወኪል ኣቐዲሙ ኣብ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባትን 'ሴክስ ትራፊኪን' ዝኣመሰሉ ገበናት ከም ዘይተሳተፈ ምስ ኣረጋገፀ፡ ዳግማይ ዓለምለኻዊ ፈተና ፊፋ ወሲዱ እንተ ሓሊፉ፡ ወኪል ኰይኑ ክቕፅል ዝገብር'ዩ።

ብተወሳኺ፡ ትሕቲ 18 ዝዕድመኦም ሰገናት ተፃወትቲ ኩዕሶ እግሪ ዘዘዋውሩ ወኪላት፡ ንተኸታታሊ 10 ዓመት በብወርሑ ስልጠና 'ሲፒዲ' (ኮንትንየስ ዲቨሎፕመንት ፕሮግራም) ብምውሳድ፡ ንባዕሎም ብቑዓት ክገብሩ ፊፋ ከም ዝድንግግ፡ ዮናስ ይገልፅ።

እዚ ስልጠና ብዋናነት፡ ምስ ከለላን ውሕስነትን ቈልዑ ዝምልከት'ዩ ዝብል ዮናስ፡ "እቲ ቈልዓ ብጥጡሕ ባይታ ድዩ ዝሓልፍ ዘሎ? ኣተዓባብያኡ እንታይ ይመስል? ብሽፋን ኩዕሶ እግሪ ትግህሶ ኣለኻ ዲኻ? ኣብ ዝብል ክግበሩ ዝግብኦም ጥንቃቐታት ኣለዉ፡" ይብል'ሞ ኣብነታት የቕርብ።

"ልኣብነት፡ ኣብ ፕሪመርሊግ እንግሊዝ፡ ላሊጋን ፍሬንችሊጋን ኣብ ዘለዉ ዓድታት ትሰርሕ እንተ ዄንካ፡ ናይቲ ዓዲ ሕጊ ኣብ ሜላ ምክልኻል ቈልዑ እንታይ ከም ዝብል ክትፈልጥን ክተፅንዕን ኣለካ። ፊፋ'ውን ምስ ዩኤንኤችሲኣር ስለ ዝሰርሕ፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣብ ልዕሊ ቈልዑ ክፍፀሙ ልኽእሉ ጥቕዓታት ንምክልኻል፡ እቶም ቈልዑ ብስነ-ስርዓት ንኽዓብዩ፡ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ጥራሕ ንኸድህቡ፡ ሳልሳይ ኣካል ኢዱ ከየእቱ፡ ገንዘብ ሓይሉካ ኣብቶም ቈልዑ ካልእ ነገር ከይትገብር ልወሃቡ ኣገደስቲ ስልጠናታት እዮም፡" ክብል የረድእ።

"ዓለም ዝጠልቦን ዓዱ ዘፀውዕን ተፃዋቲ ክንፈጥር ንኽእል ኢና"

ኤጀንት ፊፋ ዮናስ ገብሩ

ምንጪ ስእሊ, YONAS GEBRU

ዮናስ፡ ኩዕሶ እግሪ ኣብቲ መንእሰይ ብዙሕ ነገር ክቕይር ይኽእል'ዩ ዝብል ፅኑዕ ቅዋም ኣለዎ።

"ኩዕሶ እግሪ፡ ብኣተሓሳስባ፣ ብቝጠባን ካልእን ብዙሕ ነገር ክቕይር ይኽእል'ዩ ልብል እምነት እንሄኒ። ስለዚ፡ እቲ መንእሰይ ኣብ ትግራይ ጥራሕ ተሓፂሩ ክቐሪ ለይኾነስ ኣብ መላእ ዓለም እንታይ ክመስል ከም ለለዎ ክርዳእ ኣለዎ ኢለ እሓስብ፡" ይብል።

"እዚ መንእሰይ፡ ትምህርቲ ክመሃር፡ ንዓለም ክበፅሕ ደስ እብለኒ። ኣብ ዓለም ዝርእዮ ነገራት ድማ ናብ ትግራይ ኣምፂኡ እቲ መብዛሕትኡ ንሰርሖ ዘለና ስሕተታት ክእርሞን ከስተኻኽለሉን ዝኽእል ባይታ እንተ ልፈጥር እብል። እዚ ንምግባር ድማ ካብቶም ሓያላት ኣፅዋራት ሓደ ኲዕሶ እግሪ እዩ፡" ብምባል የብርህ።

"ሓደ መንእሰይ ኵዕሶ እግሪ ብስነ-ምግባር እንተ ሒዝዎ ዕዉት ለይኾነሉ ምኽንያት የለይ። ብኹዕሶ እግሪ ዓለም ዝጠልቦን ዓዱ ከፀውዕ ዝኽእልን ተፃዋቲ ክንፈጥር ንኽእል ኢና። ስለዚ ናይ ነዊሕ ግዘ ዕላማይ እዚ እዩ፡" ይብል።

"ኣብ ዓዲ ኣዝዮም ዘደንቁ ተፃወትቲ ተፈጢሮም እንከለዉ፡ ሓደ ዓለምለኻዊ ወኪል ብዘይምህላዉ ክእለት እዞም ተፃወትቲ ባኺኑ ተሪፉ'ዩ። ከም ወኪል፡ ኣብ ዓዲ ዘሎ ተፃዋቲ ኩዕሶ እግሪ ብዓለምለኸ ደረጃ ትሸጠሉ መንገዲ ስለ ዝዀነ ዓብይ ሓላፍነት'ዩ።"

እዚ ረኺቡዎ ዘሎ ሓላፍነት ወለዶ ዝሃንፀሉ ምዃኑ ብምእማን፡ ካብ ትግራይ፡ ኢትዮጵያ ኰነ ካልኦት ሃገራት ዓቕሚ ዘለዎም ተፃወትቲ ብብርኪ ዓለም ክፃወቱ ንምግባር፡ እዚ ኤጀንሲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኵርንዓት ዓለም ቢሮታት ከም ዝህልዎ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ብድሆታት ኵዕሶ እግሪ ውሽጢ ዓዲ

ስታዲየም ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, Daniel Asmelash

መግለጺ ስእሊ, ስታዲየም ትግራይ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዮናስ ቅድሚ ወኪል ፊፋ ምዃኑ ንብዙሕ ዓመታት ጋዜጠኛ ስፖርት ስለ ዝነበረ፡ ኵዕሶ እግሪ ንኸይዓቢ ሓሊኾም ዝሓዙዎ ብድሆታት ይርድኦም እዩ።

"ኣብዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ጥጡሕ ባይታ የለይ፣ ናይ ተፃወትቲ ፕሮፋይል የብልናይ። ሓደ ተፃዋቲ ካብ ምንታይ ኣካዳሚ ከም ዝሓለፈይ ኣበይ ከም ዝነበረይ ዝተሰነደ ነገር የለይ። ኣብ ኢትዮጵያ ፕሪመርሊግ ክመፅእ እንከሎ ወዲ 21 ዓመት ዝነበረ ተፃዋታይ፡ ንዝቕፅል 10 ዓመት ወዲ 21 ዓመት ኰይኑ'ዩ ልቕፅል።

"እዚ ልምስትኽኻል ብዙሕ ፃዕሪ ስለ ዝሓትት ካብ 'ግራስ ሩት' ምስራሕ የድልይ። ኣብ ኢትዮጵያ ደቂ 11-13 ኰይኖም ተዕብዮም እሞ፡ 16 ዓመት ክገብሩ እንከለዉ ብስነ-ምግባር እንተ ሃኒፅካዮም፡ ብድሕሪኡ መፈተኒ (ትሪያል) ትሓተሎም ትኽእል ኢኻ። ክለባት'ውን ኣብዚ ክሊ ዕድመ ንዝርከቡ ብሓጎስ ስለ ዝቕበልኦም፡ 22 ወይ 23 ዓመት ክገብር እንከሎ፡ ክሳብ 50 ሚልየን ፓውንድ ተኸፋሊ እዩ ዝኸውን፡" ይብል።

ኣብ ተፃወትቲ ካብ ዝረኣይ ናይ ዕድመ ፀገም ብተወሳኺ፡ ኣብ ኣወቓቕራ መሓውር ስፖርት ዘሎ ፀገም'ውን ቅጥዒ ዝሰኣነ ብምዃኑ፡ ስፖርት ከምቲ ዝድለ ከይዓቢይ ሓሊኹ ከም ዝሓዞ የረድእ።

"ናብ ቢሮ ሓለፍቲ ከይደ ከዘራርቦም ተለኹ ግልፂ ዝዀነ ናይ ርድኢት ፀገም ከም ዘሎ እየ ልምልከት። እቲ ቀንዲ ፀገም ኣብ ቢሮ ዘሎ ኣወቓቕራ መሓውር ስፖርት እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ትግራይ፡ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ትግራይ እዩ ዝብል። ናብቲ ቢሮ ከይድካ ንምንታይ እዚ ለይተገበረ? ኢልካ ትሓትት ተለኻ፡ 'ክንድዚ ዝኣክል መንእሰይ እኮ ብኮብልስቶን ወዲብና፡ ኣስሪሕና' ይብሉኻ። ብጠቕላላ እቲ ኣሰያይምኡ ብኸመይ ክትሰርሕ ከም ዘለካ ምሉእ ብምሉእ ልተናግዐ እዩ። ስፖርት፡ ካብዚ መሓውር እዚ ክፍለይ ኣለዎ፡" ይብል።

ንኹዕሶ እግሪ ገዚፍ ኢንዳስትሪ ምዃኑ ምትእትታው፡ ዕዉታት ተፃወትቲ ንምፍራይ ከምኡ'ውን እቲ ኢኮኖሚ ኣብታ ሃገር ፅዕንቶ ክህልዎ ምግባር ይከኣል እዩ። ፈለማ ግና ብዛዕባ ኵዕሶ እግሪ ዘሎ ኣተሓስስባ ምሉእ ብምሉእ ክቕየር ኣለዎ ይብል።

'ክዀኑ ዘይግበኦም ዘድምዩኻ ታሪኻት ኣለዉ'

ወኪል ፊፋ ዮናስ ገብሩ፡ እቲ ህይወት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ከም ዝቐዘፈ ዝንገረሉ ደማዊ ኲናት ትግራይ እንትውላዕ፡ ኣብ መቐለ እዩ ነይሩ።

ምስ ብዙሕ ውፃእ ውረድ ናይ ባዕሉ ራድዮ ኤፍኤም ንምኽፋት ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ'ዩ፡ እቲ ኲናት ሃንደበት ተወሊዑ፣ ንኣተሓሳስባኡ ምሉእ ብምሉእ ዝቐየረ ህሞት ድማ ኰይኑ።

"ናይ ፈለማ ሸውዓተ ኣዋርሕ ኣብ መቐለ ነይረ። ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኲናት'ዩ ነጥበ-መቐይሮ ኰይኑኒ። ንኣእምሮይ ኵሉ'ዩ ቀይርዎ። እንታይ እዩ ዝፍጠር ዘሎ? እንታይ ኢና ንኸውን ዘለና? ክሳብ መዓዝ እዩ ከምዚ ክቕፅል? ኢልኻ ትሓስብ። ክዀኑ ዘይግብኦም ዘድምዩኻ ታሪኻት ኣለዉ። ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዙሓት ነገራት ተፈጢሮም'ዮም። ብዅሎም ወገናት ትኽክለኛ ዝዀነ ነገር ኣይነበረይ፣ እቲ ህዝቢ ሃሊቑ። በቲ ኵናት ኣብ ትግራይ ዝወረደ መዓት እዩ።

"ናብዚ (ኣመሪካ) መፂአ መሓዛ ንምዃን ክፍትን እንተለኹ፡ 'ካብ ኢትዮጵያ መፂእኻ?' ኢሎም ሓቲቶምኒ። እወ፡ ካብ ትግራይ ካብ ከምዚ ዝበለ ቦታ እየ መፅየ ብምባል ዘደንቑ ታሪኻት እንተውግዖም፡ 'መሳኪን ህዝቢ! ሎሚ'ዶ ኲናት ኣሎ እዩ? ነንሕድሕድኩም ትቃተሉ?' ኢሎምኒ። ካብዚ ንላዕሊ ዘድምይ ነገር የለይ…..ካብዚ ዝዓብይ ዘሕምም ነገር የለይ….. ናይ ኣእምሮ ቃንዛ እዩ ልፈጥረልካ።"

ስለዝዀነ ድማ ዮናስ፡ ካብ ፖለቲካዊ ኣመለኻኽታ ወፃኢ ነዚ ክቕይር ዝኽእል ነገር ከም ዘሎ ከርእይ ይደሊ።

ነዚ ድሌቱ ካብ ዘግህድ ነገር ሓደ ከኣ ኩዕሶ እግሪ ከም ዝዀነ ብምሕባር፡ እቲ ህዝቢ ብዙሕ ኣማራፂ ከም ዘለዎን ውልቀ ሰባት ብዙሕ ለውጢ ክፈጥሩ ከም ዝኽእሉን ይገልፅ።

"ኩዕሶ እግሪ ካብቶም ዓበይቲ ኣፅዋራት'ዩ። ወኪል ፊፋ ከም ዝዀንኩ ምስ ኣፍለጥኩ፡ ክልተ ተፃራሪ ጫፍ ፖለቲካ ዘለዎም ሰባት ብሓደ እወንታዊ ርእይቶ ክህቡ ተዓዚበ። ኣብ ትግራይ ኰነ ኵሉ ኢትዮጵያ ኩዕሶ እግሪ ንመናእሰይ ህይወቶም እዩ። መንእሰይ ንፅቡቕ ነገር ትጥቀመሉ እንተ ደሊኻ፡ ኩዕሶ እግሪ ብዙሕ ነገር ክትቅይረሉ ትኽእል።

ጋዜጠኛ ዮናስ ገብሩ ኣብ ስቱድዮ ኤም ኤም መቐለ 104.4

ምንጪ ስእሊ, YONAS GEBRU

መግለጺ ስእሊ, ጋዜጠኛ ዮናስ ገብሩ ኣብ ስቱድዮ ኤም ኤም መቐለ 104.4

"ብዛዕባ ኩዕሶ እግሪ ክተውግዒ ተለኺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝውግዑ ኵሎም ነገራት'ዮም ዝተርፉ። ካበይ ኢኻ መፂእኻ ዝበሃል ነገር ኣይለዓልይ። ብናይ እግሪ ኩዕሶ እግሪ ቋንቋ ክትዘራረቢ እንከለኺ፡ ካልእ ሰብ ዓሌት ኣይብልይ። ምኽንያቱ ክእለት ስለ ዝዀነ። ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካ'ውን ከምኡ እንተ ዝኸውን ደስ እብለኒ፡" ይብል።

ኣብ ኵሉ ዓውዲ ንኽንዕወት ሓደ ስጕሚ ንቕድሚት ምስጓም ጥራሕ እዩ ካባና ትፅቢት ዝግበር ዝብል ዮናስ ገብሩ፡ "ዓለም ብዙሕ ነገር ኣብ ዝኸደትሉ ክፍለዘበን፡ እቲ መንእሰይ ዝዀነ ይዅን ፖለቲከኛ ኣብ ዘምፅኦ ጣጣ እናተወጠረ ክኸይድ ኣይደልይ። ዓለም ካልእ እናገበረ፡ መንእሰይ እናተቓተልካ ትውዕለሉ ምኽንያት የለይ። መንእሰይ ዓለም ብዝጠልቦ ኣተሓሳስባ ክኸይድ እኔሀዎ።

"እቲ መንእሰይ ናይ ባዕሉ ዝዀነ ኣተሓሳስባ ክህልዮ፣ ዓለም ኣብ ካልእ ብርኪ ስለ ዘሎ ብዙሕ ዓይነት ኣማራፅታት ከም ለሎ ተርእዮ። ኲናት ዝፅየፍ ወለዶ፣ ልምዓት ዝብህግ ወለዶ፣ ኲናት መማራፂ ከም ዘይኰነ ዝርዳእ ወይ ዓደይ ከምኡ ዓይነት ኣረኣእያታት ቅልቅል ዘይብላ እንተ ትኸውን… እዚአን ልሓስብ ሓደ መንእሰይ እንተ ተፈጢሩ ንባዕሉ ኣነ ኣዝዩ እዩ ደስ ልብለኒ። ኣብ ኣካዳሚ ኵዕሶ እግሪ ምስራሕ ወለዶ ምህናፅ'ዩ።

"ስለዚ ከም ወኪል ፊፋ ከም ውልቀይ ምናልባት ወለዶ ዝሃንፀሉ ዕድል በዚ ኣጋጣሚ እዚ ተፈጢሩ እንተዀይኑ፡ ንዓይ ካብዞም መሰረታዊ ዝበሃሉ ሸቶታት እዩ ዝኸውን" ብምባል፡ ኣካዳሚ ብምህናፅ ኵዕሶ እግሪ ነዚ ንምልዋጥ ከም ዕድል ክጥቀመሉ ይሕልን።