ኣብ 2025 ኣብ ስፖርት ኣፍሪቃ እንታይ ክንጽበ ንኽእል?

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ኣብ ጐደናታት ኪጋሊ ኣብ ሻምፕዮን ዓለም ዓወታት ክሃድኑ ትጽቢት ይግበር።

ምንጪ ስእሊ, Golazo

መግለጺ ስእሊ, ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ኣብ ጐደናታት ኪጋሊ ኣብ ሻምፕዮን ዓለም ዓወታት ክሃድኑ ትጽቢት ይግበር።

ሓድሽ ዓመት ኣብ ዝቕልቀለሉ ዘሎ እዋን፡ ንስፖርተኛታት ኣፍሪቃ ክብሪ ዘውህቦም ተስፋ ይመጽእ ኣሎ።

ኣብ 2025፡ ኩዕሶ እግሪ ደቂ-ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ዋንጫ ኮንቲነንታል ዝዕተረሉ ክቐርብ እንከሎ፡ ሩዋንዳ ድማ ሓደ ካብ ዓበይቲ ውድድራት ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ከተአንግድ እያ።

ኣፍሪቃውያን ኣትለታት ጽኑሕ ክብረ-ወሰናት ንምስባር ከቋምቱ እንከለዉ፡ ውልዶ ተቐዳደምቲ ድማ ኣብ ዓለማዊ መድረኻት ብምንጋስ፡ ተምሳጥ ዝፈጥርሉ ዕድላት ክረኽቡ እዮም።

ቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪቃ ኣብ ዝመጽኡ 12 ኣዋርሕ ዝህልዉ ወሰንቲ ስፖርታዊ ዕለታት ዘርዚሩ ኣሎ'ሞ፡ ዓውደ-ኣዋርሕኩም ኣዳልዉ።

ርሱን ግጥም ኩዕሶ እግሪ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ

ሞሮኮ፡ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ደቀንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ኣፍሪቃ፣ ከምኡ'ውን፡ ዋንጫ ዓለም ደቀንስትዮ ትሕቲ 17 ዓመት ከተአንግድ ተዳልያትሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ኵለን ኣዕይንቲ ናብኣ ከማዕድዋ እየን።

ውድድር ኩዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ 2024 ብምኽንያት ኦሎምፒክ ድሕሪ ምድንጓዩ፡ ካብ 5 ክሳዕ 26 ሓምለ እዩ ክካየድ።

ዕውትቲ ዝሓለፈ ዓመት ደቡብ ኣፍሪቃ ክብራ ካብታ ዓሚ ካልኣይቲ ዝወጽአ ሞሮኮን ካልኦት ሃገራትን ክትከላኸል እያ። እታ ኣብ 2022 ናብ ፍርቂ ፍጻመ ረጊጻ ዝነበረት ዛምብያ'ውን ተመሊሳ ኣላ። ናይጀርያ ከኣ ክብራ ንኽትመለስ ዕላማ ገይራ ትርከብ። ቦትስዋናን ታንዛንያን ድማ ንኻልኣይ ግዜአን ኣብ መዛዘሚ ጸወታ ክሳተፋ ዕድል ክረኽባ ይኽእላ እየን።

ውድድር ኩዕሶ እግሪ ደቂ-ተባዕትዮ፡ ብ21 ታሕሳስ 2025 ጀሚሩ፡ ኣብ 18 ጥሪ 2026 ስለ ዝውድእ፡ ንምሉእ ዓመት እዩ ትጽቢት ክካየደሉ።

እታ ናብ ሰሜን ኣፍሪቃ እትጓዓዝ ኣይቮሪኮስት፡ ነታ ኣአንጋዲት ዝዀነት ኣናብስ ኣትላስ (ሞሮኮ) ጸቕጢ ክትፈጥረላ እያ። ሞሮኮ ኣብቲ ውድድር ተወዳዳሪት እኳ እንተዀነት፡ ኣብ 1976 ጥራይ እያ ዋንጫ ከተልዕል ክኢላ።

ኣማኑኤል ዋንዮኒ ኣብ 2025 ውድድር 800 ሜትሮ ክብረወሰን ዓለም ክሰብር ተስፋ ክገብር እንከሎ፣ ደቂ ኣንስትዮ ተጻወትቲ ኩዕሶ ሰኪዔት ናይጀርያን ደቂ ኣንስትዮ ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ደቡብ ኣፍሪቃን ድማ ኣብታ ኣህጉር ዝሓዘኦ ደረጃ ክዕቅባ እየን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣማኑኤል ዋንዮኒ ኣብ 2025 ውድድር 800 ሜትሮ ክብረወሰን ዓለም ክሰብር ተስፋ ክገብር እንከሎ፣ ደቂ ኣንስትዮ ተጻወትቲ ኩዕሶ ሰኪዔት ናይጀርያን ደቂ ኣንስትዮ ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ደቡብ ኣፍሪቃን ድማ ኣብታ ኣህጉር ዝሓዛኦ ደረጃ ክዕቅባ እየን።

ጕዕዞ ናብ ውድድር ዋንጫ ዓለም

ካብ 1 ክሳዕ 28 ለካቲት ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝርከቡ ተጻወትቲ ውድድር ተሰሪዑ ኣሎ። ነተን ሓቢረን ንውድድር 2027 ዘዳልዋ ኬንያ፡ ዩጋንዳን ታንዛንያን ድማ ክሳዕ ክንደይ ድልዋት ምህላወን ዝፍትነን ብምዃኑ፡ ዝቕጽላ 12 ኣዋርሕ ውዕዉዓት ክዀና እየን።

ብድሕሪ`ዚ፡ ኣካል ናይተን ኣብ ዋንጫ ዓለም 2026 ዝሳተፋ ትሽዓተ ሃገራት ንምዃን ሓያል ውድድር ክህሉ እዩ። ኣብ መጋቢት፡ መስከረምን ጥቅምትን ብማዕረ ዝተዘርግሑ ሽዱሽተ ዙርያታት መጻረዪታት እዮም ተሪፎም ዘለዉ። እቶም ንጕጅለኦም መሪሖም ዝውድኡ ድማ እዮም ኣብ ካናዳ፡ ሜክሲኮን ኣመሪካን ክሳተፉ።

ከም ኮሞሮስ፡ ሩዋንዳን ሱዳንን ዝኣመሰላ ሃገራት ብዘገርም መንገዲ ፈላሚ ታሪኽ ንምስራሕ ናብ ናይ መወዳእታ ጸወታታት የቋምታ ኣለዋ።

ኣብ ሕዳር ዝካየድ ናይ መወዳእታ ጸወታታት ንሓንቲ ተወሳኺት ኣፍሪቃዊት ሃገር ናብቲ ኣብ 2026 ዝካየድ መጻረዪ ግጥማት ብምስዳድ፡ ኣካል ናይተን 48 ጋንታታት ክትከውን ዕድል ክህባ እዩ።

ብኻልእ መዳይ፡ ፊፋ ን32 ጋንታታት ዝሓቘፈ ዋንጫ ክለባት ዓለም ካብ 15 ሰነ ክሳዕ 13 ሓምለ ኣብ ኣመሪካ ከካይድ እዩ። ኣል-ኣህሊ፡ ዊዳድ ካዛብላንካ፡ ማሜሎዲ፡ ሳንዳውንስን ኤስፐራንስ ቱኒስን ንዓበይቲ ክለባት ኣውሮጳን ደቡብ ኣመሪካን ንምብዳህ ክገጥማ እየን።

ሊግ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ብዝሰፍሐ መዳይ ክምለስ ትጽቢት ዝግበረሉ ኰይኑ፡ ካብ 1 ክሳዕ 11 ግንቦት ኣብ ኣፍሪቃ ንፈለማኡ ዝካየድ ናይ ገማግም ባሕሪ ውድድራት ኣብ ሲሸልስ ክካየድ እዩ።

ጉያ ስፓይክስ፡ ብሽክለታን ሁፕን

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ድሕሪ ውድድራት ናይ ውሽጢ ገዛን ሪለይን፡ ዓቢይ ውድድር ትራክን ፊልድን ሻምፕዮን ዓለም ኣትለቲክስ ኣብ ጃፓን ካብ 13 ክሳዕ 21 መስከረም ክእንገድ እዩ።

ተዓዋቲ ኦሎምፒክ ኣብ 200 ሜትሮ ቦትስዋናዊ ሌትሲለ ተቦጎ ኣብ ከብሑ ተወሳኺ መዳልያታት ንምውሳኽ ዓቢይ ብድሆ ክገጥሞ እዩ። ኬንያዊት ፈይዝ ኪፒየጎን ኣብ 1500 ሜትሮ ንሳልሳይ ግዜኣ ኣከታቲላ ሻምፕዮን ዓለም ክትከውን ተኽእሎ ኣሎ። ወዲ ሃገራ ኣማኑኤል ዋንዮንዪ ንቢቢሲ ስፓርት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዴቪድ ሩዲሻ ኣብ 800 ሜትሮ ክብረ ወሰን ክሕዝ ዓይኒ ኣውዲቘምሉ ከም ዘለዉ ገሊጹ።

ዛዕባ ክብረ-ወሰን ካብ ተላዕለ፡ እዛ ዓመት፡ ናይ ደቂ-ተባዕትዮ ቅድድም ማራቶን ክብረ-ወሰን ዝስበረላ ዓመት ትኸውንዶ? ነፍስሄር ኬልቪን ኪፕቱም፡ ኣብ ጥቅምቲ 2023፡ ነቲ ክብረ-ወሰን ካብ ምስባር ብ36 ካልኢታት ጥራይ እዩ በዂሩ።

እቶም ንኽብሮም ዝቃለሱ ተቐዳደምቲ ማራቶን ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ማራቶን ሲድኒ ኣብ ዝርዝር ውድድራት ስለ ዝተመዝገበ፡ ኣብቲ ብጠቕላላ ዝካየድ ሸውዓተ ዓበይቲ ውድድራት ክደምቁ ዕድል ክረኽቡ እዮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኒውደልሂ፡ ካብ 26 መስከረም ክሳዕ 5 ጥቅምቲ ዝካየድ ሻምፕዮን ዓለም ፓራ ኣትሌቲክስ ከተአንግድ እያ።

ሻምፕዮን ዓለም ቅድድም ብሽክለታ (ናይ ጽርግያ) ንመበል 98 ግዜኡ ኣብ ታሪኽ ናይቲ ውድድር ንፈለማ ግዜ ኣብ ኣፍሪቃ - ሩዋንዳ - ክካየድ እዩ።

ኪጋሊ፡ ካብ 21 ክሳዕ 28 መስከረም ነዚ ታሪኻዊ ውድድር ኣብ እተአንግደሉ፡ ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ኣብ ኣህጉራ ከተርእዮ ዝጸንሐት ዓብላልነት ናብ ደረጃ ዓለም ከተንጸባርቘ ተስፋ ክትገብረሉ እያ። ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ዙር ፈረንሳ ቢንያም ግርማይ፡ ካብቶም ተወዳደርቲ ኰይኑ ክቐርብ ትጽቢት ይግበረሉ።

"ኣፍሮ-ባስኬት" ብዝብል ዝካየድ ውድድር ኩዕሶ ሰክዔት'ውን ክህሉ እዩ። ጋንታ ደቀንስትዮ ናይጀርያ፡ ነቲ ካብ 25 ሓምለ ክሳዕ 3 ነሓሰ ኣብ ኣይቮሪኮስት ንራብዓይ ግዜኡ ዝካየድ ውድድር፡ ክብራ ንምዕቃብ ክትጓዓዝ እያ። ሰኔጋልን ማልን ድማ ሓያላት መወዳድርታ ክዀና ትጽቢት ይግበር።

እቲ ካብ 2021 ኣቋሪጹ ዝጸንሐ ውድድር ደቂ-ተባዕትዮ'ውን፡ ካብ 12 ክሳዕ 24 ነሓሰ ኣብ ኣንጎላ ክእንገድ እዩ። ቱንዝያ ድማ ኣከታቲላ ንሳልሳይ ግዜኣ ንኽትዕወት ዕላማ ክትገብር እያ።

ግብጻዊት ረሃብ ኣሕመድ ኣብ ፓሪስ 2024 ኣብ ውድድር ምልዓል ክብደት ፓራኦሎምፒክ ወርቂ ድሕሪ ምዕታራ፡ ኣብ ሃገራ መዳልያ ሻምፕዮን ዓለም ክትዓትር ትኽእል ድያ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ግብጻዊት ረሃብ ኣሕመድ ኣብ ፓሪስ 2024 ኣብ ውድድር ምልዓል ክብደት ፓራኦሎምፒክ ወርቂ ድሕሪ ምዕታራ፡ ኣብ ሃገራ መዳልያ ሻምፕዮን ዓለም ክትዓትር ትኽእል ድያ?

ቻምፕዮናታት ዓለምን ምርጫታትን

ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብቲ ካብ 22 ነሓሰ ክሳዕ 27 መስከረም ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝካየድ ውድድር ራግቢ እታ እንኮ ንኣፍሪቃ እትውክል እያ። ድሕሪ 2024 ካልእ ዓወት ናብ ኣህጉራ ከተምጽእ ድማ ሓሊና ኣላ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መስከረም ኣብ ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ክሪከት ደቀንስትዮ'ውን ክትሳተፍ'ያ። ኣብዚ ልዕሊ 50 ዓመት ዝገበረ ውድድር፡ ነቲ ፍርቂ ፍጻመ በጺሓትሉ ዝነበረት ደረጃ ንምምሕያሽ ክትጽዕር እያ።

ጊኒ፡ ኣብቲ ካብ 14 ጥሪ ክሳዕ 2 ለካቲት ዝካየድ ሻምፕዮን ዓለም ደቂ-ተባዕትዮ ኩዕሶ-ኢድ ምስ ሓሙሽተ ሓያላት ኣፍሪቃውያን ጋንታታት ብምዃን ክትወዳደር እያ። ጋንታታት ደቀንስትዮ'ውን ኣብ ሕዳር ክጋጠማ እየን።

ግብጺ ሻምፕዮን ዓለም ፓራ-ፓወርሊፍቲን (ካብ 11 ክሳዕ 18 ጥቅምቲ) ከተካይድ ከላ፡ ቶክዮ ድማ ካብ 11 ክሳዕ 18 ሕዳር ውድድር ዲፍሊምፒክ ከተአንግድ እያ።

ውድድራት ቀስቲ፡ ናይ ስንኩላን ግጥም ቀስቲ፡ ባድመንተን፡ ኩዕሶ መርበብ ገማግም ባሕሪ፡ ናይ ስንኩላን ቅድድም ብሽክለታ፡ ፌንሲን፡ ናይ ስንኩላን ምሕንባስን ኩዕሶ ሰኪዐትን እውን፡ ኣብ 2025 ሻምፕዮን ዓለም ክካየድ እዩ።

ካብ ውድድራት ስፖርት ወጻኢ፡ ክርስቲ ኮቨንትሪ ፕረዚደንት ኣህጉራዊ ሽማግለ ኦሎምፒክ ንምዃን ትወዳደር ኣላ። እዚ ኣብ ዓውዲ ስፖርት ሓደ ካብ ኣገደስቲ ቦታታት እዩ። እዛ ዝምባብያዊት፡ ነቲ ኣብ ግንቦት ዝካየድ ምርጫ ከም ካብ ግዳም ዝመጽአት እያ እትርአ።

ብተወሳኺ፡ ፓትሪስ ሞትሰፐ፡ ንኻልኣይ እብረ ፕረዚደንት ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ክኸውን ኣብ መጋቢት ክረጋገጽ ትጽቢት ይግበረሉ።