መንግስቲ ኢትዮጵያ 'ልምዓት ኮሪደር' ብቕልጡፍ ደው ከብል ኣምነስቲ ኣተሓሳሲቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብውሕዱ ኣብ 58 ከተማታት ዝካየድ ዘሎ 'ልምዓት ኮሪደር' ብቕልጡፍ ደው ከብሎን ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዎ ጽልዋ ክግምግምን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ዓለም ለኸ ጉጅለ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እታ ሃገር ብሰንኪ ልምዓት ካብ መንበሪኦም ብሓይሊ ዝተመዛበሉ ሰባት ህፁፅ ፍታሕ ክወሃቦም'ውን ፀዊዑ።
ዝኾነ ይኹን ንዜጋታት ካብ መንበሪኦም ናይ ምልዓል መስርሕ ምስ ዓለምለኻዊ መትከላት ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ዝሰማማዕ ክኸውን ከምዘለዎ ወሲኹ ሓቢሩ።
ጸብጻብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ከምዘመላኽቶ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም 2016 ጥራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማታት ቦሌን ለሚ ኩራን ብውሕዱ 872 ሰባት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም።
እዚ ኣሃዝ ካብ 47 ኣባይቲ ዝተመዛበሉ ሰባት ዘጠቓልል ኮይኑ፡ 114 ህጻናት፣ 13 ኣረጋውያንን ብድምር 618 ተኻረይትን የጠቓልል።
"ምስዞም ሰባት ግቡእ ዝርርብ ኣይተገበረን፤ እኹል ቅድመ መጠንቀቕታ ኣይተዋህቦምን፤ ካሕሳ'ውን ኣይተኸፍሎምን" ይብል ጸብጻብ እቲ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት።
"ሰባት ብሰንኪ ልምዓት ኮሪደር ብዘይ ከለላ ሕግን ካልእ ውሕስናታትን ካብ ገዝኦም ብሓይሊ ይመዛበሉ ኣለው" ክብል ድማ ነቒፉ።
እቲ ልምዓት ኣብ ዝካየደለን ከተማታት፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ መንበሪኦም ከይመዛበሉ ብፍርሒ ይነብሩ ምህላዎም ፀብጻብ እቲ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት የመልክት።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ካብ መፋርቕ ጥሪ ክሳብ መጀመርታ ለካቲት ናይዚ ዓመት ዳህሳስ ብምክያድ ኩነታት 47 ወነንቲ ገዛውቲ ክፍለ ከተማታት ቦሌን ለሚ ኩራን ገምጊመ ይብል።
ካብ ሕዳር 2016 ክሳብ ለካቲት 2017 [ግእዝ] ምስልታት ሳተላይት ከምዝገምገመ ዝሕብር እቲ ትካል፡ ኣብተን ክፍለ ከተማታት 29 ሄክታር ጽዑቕ ህዝቢ ዘለዎ ከባቢታት ከምዝፈረሰ ክፈልጥ ክኢሉ።
ኣብ ክልቲአን ክፍለ ከተማታት ዘሎ ብዝሒ ግዳያት ብትኽክል ኣይተፈልጠን። ይኹን እምበር፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ክኸውን ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ናይ መጀመርታ ውጽኢት መርመራኡ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝለኣኸን መልሲ ከምዘይረኸበን ኣብቲ ፀብጻቡ ኣስፊሩ'ሎ።
ኣብተን ክልተ ክፍለ ከተማታት ኣምነስቲ ዘዘራረበቶም ወነንቲ 47 ኣባይቲ፡ ካብ መንበሪኦም ብሓይሊ ቅድሚ ምልዓሎም ሓደ ሰሙን ብከባቢያዊ ኣመሓደርቲ ንዘተ ተጸዊዖም ምንባሮም ገሊጾም።
ኣብቲ ዘተ ኣስታት 5 ሽሕ ሰባት ከምዝተሳተፉን ካብ መንበሪኦም ብሓይሊ ከምዝተመዛበሉን ከኣ ተሓቢሩ።
ንዘቕረብዎም ሕቶታት ዝኾነ መልሲ ከምዘይረኸቡ ዝዛረቡ እቶም ነበርቲ፡ ብድሕሪ'ቲ ኣኼባ ከባቢያዊ ሰብመዚ ገዛ ንገዛ እናዘሩ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኣባይቶም ክፈርስ ምዃኑ ከምዝነገርዎም ንኣምነስቲ ገሊጾም።
ኩሎም ነበርቲ ከኣ፡ ኣባይቶም "ስነዳት ዘይብሉ" ምዃኑን ካሕሳ ከምዘይተኸፍሎምን ሓቢሮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ደቆም ትምህርቶም ኣቋሪጾም ኣብ ገዛ ክራይ ይነብሩ ምህላዎምን ኣብ ንገዛ-ኽራይ ዝኸውን ገንዘብ ከይስእኑ ስክፍታ ከምዘለዎምን ገለ ነበርቲ ተዛሪቦም።
ኣብ ርእሲ'ቲ ገዝኦም ምስኣኖም ከም እድር ዝበሉ ማሕበራዊ ምትሕግጋዝን ባህላዊ ምትእስሳሮምን ብምስኣኖም ድማ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣረጋውያንን ዘሕድሮ ጽልዋ'ውን ኣምነስቲ ኣብ ጸብጻቡ ዳህሲስዎ'ሎ።
ሓንቲ ኣደ "ወደይ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ኣለዎ። ብመንግስቲ ተስፋ ቀቢጽና ኣለና" ክትብል ንኣምነስቲ ተዛሪባ።
ካልእ ነባሪ ድማ "ማሕበራዊ ህይወተይ ተበቲኹ። ጥዕና ኣእምሮይ ተሃዊኹ። ክራይ ገዛ ክኸፍል'ውን ተጸጊመ" ኢሉ።
ብዛዕባ እቲ ብስም 'ልምዓት ኮሪደር' ዝካየድ ዘሎ ስራሕቲ ስክፍታኦም ዝገለጹ ሰባት ማእሰርቲ ከምዘጋጠሞምን ጋዜጠኛታት እውን ምፍርራሕ ከምዝበጽሖምን እቲ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ይገልጽ።
ኢትዮጵያ ዝፈረመትሉ ንዜጋታት መሰል መንበሪ ኣባይቲ ዘውሕስ ዓለምለኻዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት (Universal Declaration of Human Rights) ከምኡ'ውን ስምምዕ ካምፓላ (Kampala Convention) ሓዊሱ ካልኦት ስምምዓት ትጥሕስ ከምዘላ እቲ ጸብጻብ የመልክት።
"መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ናይቶም ብሓይሊ ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ ሰባት ጥሒሱ'ዩ" ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።
ኣምነስቲ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ግዱድ ምፍንቓል ብቕልጡፍ ደው ከብልን፡ እቲ ንጥፈታት ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላት ዘስዕቦ ፅልዋ ክሳብ ዝምርመር ንግዚኡ ደው ከብልን ለበዋ ኣቕሪቡ'ሎ።
ብተወሳኺ ምስ ኣባይቲ ዝተኣሳሰር ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ዑደት ከካይድ ክፍቀደሉ ሓቲቱ።
'ልምዓት ኮሪደር' ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝጀመረ ውጥን ዳግም-ህንፀት ኮይኑ፡ ናብ ዝተፈላለያ ክልላዊ ከተማታት እታ ሃገር ይሰፍሕ ከምዘሎ ይንገር።
ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት ነባራት መንበሪ ኣባይቲ ይፈርሱን ሓሰድቲ ህንፀታት ይሰርሑን ኣለዉ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፣ ታሕሳስ 2017 [ግእዝ] ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየዱ ካልኣይ ዙር ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ኣብ ዝገምገመሉ እዋን፡ "ህንፀት ሃገር" ኣብቲ መስርሕ ዝነብሩ ሰባት "ብቐሊሉ ተቐቢሎም ዘሰጉምዎ" ጉዳይ ከምዘይኮነ ሓቢሩ።
ነቲ ሕዚ ዝስራሕ ዘሎ ስራሕ ዘድንቑ ሰባት ዝመጽኡ፡ "እቲ ከተማ ዝተሃነፀትሉ ወለዶ ምስ ተላዕለ" ጥራይ ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







