ክልል ኣምሓራ፡ ንህዝቢ ኣብ ስቓይ ኣውዲቑ ዘሎ ግጭት መፍትሒኡ እንታይ እዩ?

ኣብ ክልል ኣምሓራ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ዕጥቃዊ ግጭት ካብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣትሒዙ እናበኣሰ ይመጽእ ከም ዘሎ ነበርቲ ይገልጹ።
ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ዕጡቓት ፋኖን እውን ኣብ ሓድሕዶም ከቢድ መጕዳእቲ ከም ዘስዓቡ ይገልጹ ኣለዉ።
ነቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ደማዊ ኲናት ዘብቅዐ ፊርማ ስምምዕ ሰላም ገና ከይነቐጸ'ዩ እቲ ክልል ኣብ ግጭት ተጸሚዱ።
ካብ ግንቦት 2015 [ግ] ጀሚሩ፡ እቲ ግጭት ህይወት ብዙሓት ዝቐዘፈ ኰይኑ፡ ነበርቲ ድማ ኣብ መሪር ስቓይን ተስፋ ምቝራጽን ወዲቖም ከም ዘለዉ ይገልጹ።
ኣብቲ ክልል ብዘይ ፍርዲ ዝፍጸም ቅትለት፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝወርድ መጥቃዕቲ፡ ብዘይ ፍቓድ ማእሰርቲ፡ ግዱድ ምምዝባል፡ ዕንወትን ራስያን ንብረትን ይፍጸም ከም ዘሎ፡ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይሕብሩ።
መንግስቲ ኣብ ቀረባ እዋን፡ እቲ ክልል ብሰንኪ ግጭት ካብ ዝወረዶ ዕንወት ንምሕዋይ 10 ቢልዮን ዶላር ከም ዘድሊ ምፍላጡ ይዝከር።
ዋላ እኳ እቲ ንዓሰርተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ብ28 ግንቦት 2016 እንተ ኣብቅዐ፡ እቲ ክልል ኣብ ትሕቲ ብሕጊ ዘይተናውሐ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን (De facto State of Emergency) ከም ዝርከብ ክኢላታት ንቢቢሲ ይሕብሩ።
ስሙ ክግለጽ ዘይመረጸ ሓደ ክኢላ ሰብኣዊ መሰላት፡ እቲ ቅልውላው፡ "ብዙሕ ሸነኻት ዘለዎን ዝተሓላለኸን፡" ከም ዝዀነ ይዛረብ።
ኣብቲ ክልል ዕለታውን ማሕበራውን ንጥፈታት ተደሪቱ ይርከብ። ኣገልግሎት ትምህርትን ሕክምናን ብስሩዕ ኣይካየድን። እቲ ሕብረተሰብ'ውን ብፍርሒ ተሸቝሪሩ ክነብር ተገዲዱ'ሎ።
መንግስቲ ናይቲ ክልል ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ምስ ሕርሲ ብዝተኣሳሰር 148 ኣደታት ህይወተን ከም ዝሰኣናን 70 ሰባት ብሕማም ዓሶ ከም ዝሞቱን ኣፍሊጡ'ዩ።
4.2 ሚልዮን (60 ሚእታዊት) ተመሃሮ፡ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ርሒቘም ከም ዘለዉን ወለዲ ድማ ደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ እንተ ዘይሰዲዶም ብገንዘብ ከም ዝቕጽዑን ይዛረቡ።
ፎረም ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ክልል ኣምሓራ፡ ካብ ሓምለ 2015 ክሳዕ መስከረም 2017 ኣብ ዝነበሩ ግዜያት፡ ልዕሊ 5,000 ደቂ ኣንስትዮ ተዓሚጸን ናብ ትካላት ጥዕና ከም ዝመጽኣ ይገልጽ። እቲ ብዝሒ ግን ካብዚ ክዛይድ ከም ዝኽእል ይግመት።
ብቐጥታ ይዅን ብተዘዋዋሪ፡ እቲ ግጭት ዘይበጽሖ ከባብን ዘይተንከፎ ህይወትን ንምርካብ ኣጸጋሚ ምዃኑ ነበርቲ ይዛረቡ።
'ሞት ይሓይሽ'
ጥንታዊት ላሊበላ፡ ብፈለስትን በጻሕትን ዝዓመረት ከተማ'ያ ነይራ፣ እስትንፋስ እታ ከተማ ቱሪዝም እዩ።
ካብ 2012 ጀሚሩ ግን ኵነታት ተቐይሩ። ብሰንኪ እቲ ኣብ 2015 ዝጀመረ ግጭት፡ እታ ከተማ ዝያዳ ከም ዝዓነወትን መነባብሮ ሓያሎ ሰባት እምብዛ ከም ዝተሃሰየን በጻሕትን ነበርትን ይዛረቡ።
ሓደ ነባሪ'ታ ከተማ፡ "[ቱሪዝም] ዳርጋ የሎን ክበሃል ይከኣል። ሕጂ ኵሉ ነገር ዕጽው እዩ፡" ይብል። ሆቴላት፡ ሰራሕተኛታቶም ከም ዘፋነዉን እቶም ህይወቶም ኣብ ቱሪዝም ዝምርኰስ ዝነበረ ድማ ብዘይ እቶት ከም ዝተረፉን ይጠቅስ።
ኣቦ መንበር ማሕበር መራሕቲ ዑደት ቅዱስ ላሊበላ ኣቶ እስታሉ ቀለሙ ብወገኑ፡ እዚ እዋን'ዚ "ናይ መከራ ዘመን" ከም ዝዀነ'ዩ ዝገልጽ።
ጸጋዬ ዝተባህለ ንልዕሊ 15 ዓመታት ከም መራሒ ዑደት ዝሰርሐ ኣቦ ሰለስተ ቈልዑ ድማ፡ "ተስፋ ዘቝርጽ'ዩ። ወዲ ሰብ ደው ኢሉ ምስ ዝኸይድ፡ በሊዑ ዝሓድር ይመስል። ገዛ ክኣቱ ከለኹ ብዓልቲ-ቤተይ '[ገንዘብ] ሃበኒ?' ትብለኒ። ካበይ ከምጽኦ?" ይብል።
"ሞት ይሓይሽ፣ ደቀይ ስለ ዘለዉ'ምበር ሞት ምሓሸኒ።"
ንኻልኦት ሰባት ይድግፍ ከም ዝነበረ ዝገልጽ ኣቶ እስታሉ ከኣ ኣብዚ እዋን'ዚ ካብ ኢድ ሰብ ክጽበ ከም ዝተገደደ ብምጥቃስ፡ "ስምዒት ዝጐድእ፡ ሞራል ዝትንክፍ'ዩ፡" ይብል።
ካብኡ ሓሊፉ ገንዘብ እንተ ተረኽበ'ውን፡ እቲ ግጭት ብሰንኪ ዘስዓቦ ልዑል ዋጋ መነባብሮ፡ ዝደለዩዎ ነገር ክገዝኡ ከም ዘይክእሉ'ዩ ጸጋዬ ዝገልጽ።
ካልእ ነባሪ'ውን "ካብ ዓቕምና ንላዕሊ እዩ፣ ሰብ ካብ ዝጻወሮ ንላዕሊ እዩ፡" ይብል።
"ሰራሕተኛታት መንግስቲ ከይተረፈ ጾሞም ይሓድሩ ኣለዉ። ምምሕዳር እታ ከተማ ንግዜኡ ገለ ፍርያት ኣምጺኡ ብልቓሕ የከፋፍል ኣሎ።"
ኣብ ላሊበላ ብተደጋጋሚ ግጭታት ዘጋጠመ ኰይኑ፡ መዕርፎ ነፈርቲ እታ ከተማ ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓይልታት ፋኖ ብምእታዉ በረራታት ተዓናቒፎም ከም ዝነበሩ ይፍለጥ።
እተን ቀንዲ ምልክት እታ ከተማ ዝዀና ኣብያተ ክርስትያን፡ ብሰንኪ ደብዳባት ቦምባ ዘስዓቦ ምንቅጥቃጥን ዝተፈንጀሩ ቦምባታትን ኣብ ሓደጋ ከም ዝርከባ መራሕቲ ሃይማኖት ንቢቢሲ ገሊጾም።
ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዘሎ ኵነታት'ውን ካብዚ ብዙሕ ዝፍለ ኣይኰነን።
ኣብታ ብጥሪ 2016 ብሓይልታት መንግስቲ 'ጃምላዊ ቅትለት' ከም ዝተፈጸመላ ዝንገረላ ከተማ መርዓዊ ኣገልጋሊ ቤተክርስትያን ዝዀነ ሓደ ነባሪ፡ ወርሓዊ ደሞዙ ሰለስተ ሽሕ ብር ጥራሕ ብምዃኑ፡ "ብህይወት ንምጽናሕ፡" ይቃለስ ከም ዘሎ ይዛረብ።
እቲ ሽዱሽተ ቈልዑ ዘለውዎ ኣቦ፡ ብሰንኪ ናህሪ ዋጋታት መነባብሮ ኣዝዩ ይኸብድ ከም ዘሎ ይጠቅስ።
"ሓደ ፍርያት ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ባህርዳር ወይ ጎንደር ክጓዓዝ እንከሎ፡ በብኸባቢኡ ምልሻታት መንግስቲ ይዅኑ ዕጡቓት ቀረጽ ስለ ዘንብሩ፡ እቲ ነጋዳይ ዋጋ ይውስኽ ኣሎ፡" ይብል፡ ሓደ ነቲ ክልል ብቐረባ ዝከታተልን ስሙ ከይግለጽ ዝሓተተን ክኢላ ሰብኣዊ መሰላት።
ሓደ ነጋዳይ ከተማ ባህር ዳር፡ መንቀሊ እቲ ናህሪ ወጋታት ክገልጽ እንከሎ፡ "ከም ቀደም ኣቑሑት ምምጻእ ኣይከኣልን። [ፍርያት] ንሓደ ወርሒ፡ ክልተ ወርሒ ዘይክኣቱ ይኽእል'ዩ። ኣብ መንገዲ ክተርፍ ወይ ክዝመት ይኽእል። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኢና ንሸይጥ ዘለና፡" ይብል።
ኣብ ልዕሊ'ዚ ድማ ንግብርን ልምዓት ኮሪደርን ብዝብል ዝኽፈል ገንዘብ፡ ህይወት ነበርቲ ክሓስም ይገብር ከም ዘሎ'ውን ይንገር።
ግዴታዊ ዘይነበረ ክፍሊት መድሕን ጥዕና'ውን፡ ሕጂ ብግዴታ ከም ዝዀነን ብዕጽፊ ይኸፍሉ ከም ዘለዉን ነበርቲ ይዛረቡ።
ብፍላይ ኣብቲ ዕጡቓት ፋኖ ዝቈጻጸርዎም ከባቢታት ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ደሞዞም ንኣዋርሕ ከም ዝተቋረጸ ይንገር።
መማህራን፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት ተቐርቂሮም፡ ብሰንኪ ምቍራጽ ደሞዝ ኣቑሑት ገዛኦም ከይተረፈ ይሸጡ ምህላዎም ይጠቕሱ።
ሓይልታት ፋኖ ኣብ ዝቈጻጸሩዎም ከባቢታት ኣገልግሎት ባንኪ ተቛሪጹ እዩ። ኣብዞም ከባቢታት ናይ ባንክ ሕሳብ ዝኸፈቱ ሰባት ድማ ዋላ ናብ ካልእ ከባቢታት ከይዶም ገንዘቦም ከውጽኡ ኣይክእሉን።
ነበርቲ፡ መንግስቲ ኣብ ዝቈጻጸሮ ከባቢታት፡ "ስድራቤት ፋኖ፡" ብዝብል ምፍርራሕን ምግፋዕን ከም ዝበጽሖምን ንብረቶም ከየንቀሳቕሱ ከም ዝተኣገዱን ይገልጹ።
ሞት ዕሸል - ብኸበድቲ ኣጽዋር
ረቡዕ 25 ሕዳር 2017 እዩ ነይሩ። ካብ ወጋሕታ ጀሚሩ ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ኣብ እትርከብ ከተማ ሸዋ ሮቢት ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ግጭት ተላዒሉ።
ከበድቲ ኣጽዋር ይትኰስ ስለ ዝነበረ፡ ነበርቲ'ታ ከተማ ካብ ገዝኦም ክወጽኡ ኣይከኣሉን። ህይወቶም ንምድሓን ጥራይ ኣብ ዝረኸቡዎ ይሕብኡ ነይሮም።
ሓሙሽተ ኣባላታ ዘለዋ ስድራ ኣቶ ደመቀ (ንድሕነቱ ስሙ ዝተቐየረ) እውን፡ ኣብ ከባቢ ቅምቦ ኣብ ዝርከብ መንበሪኦም ናይ ከበድቲ ኣጽዋር ቦምባታት ክወድቁ ጀሚሮም።
ዕሸል ኣርባዕተ ወርሒ ዝሓቘፈት ኣደን ካልኦት ኣባላት'ታ ስድራቤትን ኣብ ትሕቲ ዓራት ተሓቢኦም እንከለዉ፡ ሃንደበት እቲ ቦምባታት ኣብ ልዕሊ ገዝኦም ዓለበ።
ኣብቲ እዋን ኣብ ደገ ዝነበረ ኣቶ ደመቀ፡ መንበሪኦም ንምርኣይ ክሳብ ዘጸግም ብትኪ ከም ዝተዓፈነ ይዝክር።
ንእለቱ ናብቲ መንበሪኦም ከይዱ ብዝረኣዮ ነገር ከኣ ኣዝዩ ሰንቢዱ።
እታ ጓል ኣርባዕተ ወርሒ ዕሸል ኣብ ሕቝፊ ኣደኣ እንከላ ንልስሉስ መንበስበስታ በሲዑ ብዝኣተወ ስኴጆ ህይወታ ሓሊፉ።
እዚ ክኸውን እንከሎ ግን ንሱ ንባዕሉ ከም ዝተጐድአ ኣይፈለጠን ነይሩ። ነታ ዕሸል ሓቚፋ ዝነበረት ኣደ'ውን ኣብ ቅልጽማ ተወጊኣ ነይራ።
ኣደ እታ ዕሸል ብድሕሪኡ፡ "ውሽጣ ኣዝያ ተጐዲኣ፡ ኣይተዛርበትናን፣ በቃ ተዓዚማ እያ ነይራ፡" ይብል ኣቶ ደመቀ። ብሰንኪ'ዚ ድማ ስድራቤታ ከይተሰናበተት ናብ ዓዲ ዓረብ ከም ዝተሰደደት ወሲኹ ይገልጽ።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከቡዎም ብርክት ዝበሉ ሰላማውያን ሰባት፡ ተመጣጣኒ መትከላት ብዘየኽብሩ መጥቃዕትታት ከበድቲ ኣጽዋርን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ብጭካነ ከም ዝተቐትሉ ኣመልኪቱ።
ሓይልታት ፋኖ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ድሕሪ ምስሓቦም ከይተረፈ፡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ሰፊሕ 'ሕነ ምፍዳይ' ከም ዝፍጽሙ ክጽብጸብ ጸኒሑ'ዩ።
"[ሓይልታት መንግስቲ] መጥቃዕቲ ክወርዶም ከሎ፡ ኣብቲ ከባቢ ንዝረኸቡዎ ሰብ ብጥይት ምቕታል ኣሎ፡" ይብል ሓደ ክኢላ ሰብኣዊ መሰላት።
ቅድሚ ሕጂ ነቲ ክልል ዝመርሕ ዝነበረ ገዱ ኣንዳርጋቸው (ዶ/ር) "ኣብዚ እዋን'ዚ ዝበዝሕ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ክልል ኣምሓራ'ዩ ዝርከብ። ሓይሊ ኣየር፡ ሓይሊ ምድሪ፡ ኮማንዶ፡ ፍሉይ ሓይሊ፡ ፖሊስ ፈደራልን ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልልን ብቐጻሊ እናወሰኸ፡ ኣብቲ ክልል ወተሃደራዊ ምሕደራ ዝሰፈነሉን ዓቢይ ዕንወት ዘጋጥመሉን ኵነታት እዩ ዘሎ፡" ይብል።
ብተወሳኺ፡ ሕብረተሰብ እቲ ክልል ብዅሉ ግንባራት ኣብ ውሽጢ "መከራ" ከም ዘሎ እዩ ዝገልጽ፣ "ሓንቲ ወረዳ ብዕጡቓት ተታሒዛ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሓይልታት ምክልኻል ምስ ኣተዉ፡ 'እንመን ምስ መን እንታይ ይገብሩ ነይሮም?' እናበሉ፡ ህይወት ዘኽፍል ስጕምቲ ይወስዱ፡" ብምባል ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ ብኽልቲኡ ወገን ከም ዝውሰድ የረድእ።
ዕጡቓት ፋኖ ብፍላይ ንመራሕቲ እቲ ከባብን ምስ መንግስቲ ርክብ ኣለዎም ዝበሉዎምን ዒላማ ብምግባር መጥቃዕቲ ከም ዘካይዱ ይንገር።
ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሕዳር ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ወረዳ ደጋ ዳሞት፡ ልዕሊ 30 ሰበስልጣን መንግስቲ ከም ዝተቐትሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ሰበስልጣን እቲ ከባቢን ምግላጾም ይዝከር።
ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኣምሓራ ፋኖ ጎጃም ዝዀነ ኣቶ ማርሸት ጸሃዬ፡ "ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወረዳን ዞባን ዝርከቡ ካድራት ብቐጥታ ምስ ምክልኻል ዝተሰለፉ እዮም። . . . ምሳና ፊት ንፊት ይገጥሙ ኣለዉ። ልክዕ ከምቲ ንዓና ክረኽቡ ከለዉ ስጕምቲ ዝወስዱ፡ ንሕና እውን ክንረኽቦም ከለና ስጕምቲ ንወስድ ኢና፡" ይብል።
'ቀልጢፍኪ እንተ ትመጽእና ነይርኪ. . .'
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ መሰረተ ልምዓት ጥዕና፡ 100 መንግስታዊ ሆስፒታላት፡ 923 ማእከላት ጥዕና፡ 3,725 መደበራት ጥዕና፡ 882 ኣምቡላንሳትን ልዕሊ 1,500 ውልቀ ትካላት ጥዕናን ዘጠቓለለ እዩ።
ይዅን'ምበር፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እቲ ክልል ብዝካየድ ዘሎ ዕጥቃዊ ግጭት ሓያሎ ትካላት ጥዕና ጕድኣት ስለ ዝወረዶም ኣገልግሎት ጥዕና ተሃስዩ ይርከብ።
ፎረም ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ክልል ኣምሓራ ዘዳለዎ ሰነድ፡ ካብ ሓምለ 2015 ክሳዕ መስከረም 2017 ኣብ ልዕሊ 969 ትካላት ጥዕና ዕንወትን ራስያን ከም ዘጋጠመ የመልክት። ልዕሊ 1,000 ሰብ ሞያ ጥዕና'ውን ስርሖም ሓዲጎም ናብ ካልእ ቦታታት ግዒዞም ወይ'ውን በቲ ግጭት ተቐቲሎም ኣለዉ።
ትካላት ጥዕና እንተላይ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዒላማ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ "ንፋኖ ትሕክሙ ኣለኹም፡" ብዝብል ንሰብ ሞያ ጥዕና መጥቃዕትን ምፍርራሕን ይበጽሖም ከም ዘሎ ይጠቅስ።
ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ ሕጽረት መድሃኒታትን ናውቲ ሕክምናን፡ ከምኡ'ውን ብስክፍታታት ድሕነትን ገደብ ምንቅስቓስን፡ ሕሙማት ሕክምና ክስእኑ ይግደዱ ከም ዘለዉ ይግለጽ።
ሒደት ዘይበሃላ ኣምቡላንሳት ኣብ ኢድ ሓይልታት መንግስቲ ወይ ዕጡቓት ከም ዝርከባ የመልክት።
ኣብ ዞባ ሰሜን ጎጃም ኣብ ዝርከብ ማእከል ጥዕና ዘገልግል ሰራሕተኛ ጥዕና፡ ካብተን ኣብ ከባቢኦም ኣገልግሎት ዝህባ ዝነበራ ሽዱሽተ ኣምቡላንሳት፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ሓንቲ ኣምቡላንስ ጥራሕ ኣብ ኣገልግሎት ከም ዘላ ሓቢሩ።
ገዱ ኣንዳርጋቸው መራሒ ናይቲ ክልል እንከሎ፡ ብፍላይ ብሰንኪ ሕርሲ ዘጋጥም ሞት ኣዴታትን ህጻናትን ንምንካይ ነፍሲ-ወከፍ ወረዳ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሽዱሽተ ኣምቡላንስ ክህልወን ከም ዝተገብራ ብምጥቃስ፡ "ሕጂ መብዛሕትአን ሰራዊት ምክልኻል ይጥቀመለን ኣሎ፡" ክብል ይኸስስ።

ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ወረዳ ኤፍራታን ግድምን እትነብር ወ/ሮ ብዙወርቅ ዝተባህለት ነፍሰጾር፡ ብእዋኑ ሕክምና ክትረክብ ብዘይ ምኽኣላ ዕሸላ ክትስእን ተገዲዳ'ያ።
ሕርሲ ምስ ጀመራ፡ ብቕጽበት ናብ ሕክምና ክትከይድ ኣይከኣለትን፣ "ምስ ጸልመተ ኣይክየድን፡" ብምባል ኵነታት ጸጥታ እቲ ከባቢ ዝፈጠሮ ስክፍታታት ተልዕል።
ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ቃንዛ ሕርሲ ናብ ሆስፒታል ክትበጽሕ ክኢላ እኳ እንተ ነበረት፡ "'[እቶም ሓካይም] 'ቀልጢፍኪ እንተ ትመጽኢ ነይርኪ፡ [እቲ ዕሸል] ዋላ ሓደ ኣይምዀነን ነይሩ' ኢሎም እቲ ዕሸል ከም ዝተጐድአ ነጊሮምኒ፡" ብምባል ዝተሰምዓ ዓሚቝ ሓዘን ትገልጽ።
ኣብ ዞባ ብሄር ኦሮሞ ኣብ ዝርከብ መባእታዊ ሆስፒታል ዝሰርሑ ሰብ ሞያ ጥዕና ኣዴታትን ህጻናትን፡ ኣዴታት ብሰንኪ ሕጽረት ኣምቡላንስን ስክፍታ ድሕነትን ኣማራጺ ስኢነን ኣብ ገዛ ይሓርሳ ከም ዘለዋ ይዛረቡ።
ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ፡ ሓንቲ ኣብ ጥቓ እቲ ሆስፒታል እትነብርን ማንታ ዝጠነሰትን ነፍሰጾር ኣደ፡ ብሰንኪ ስክፍታ ኣብ ገዛ ክትወልድ ከም ዝተገደደት ሓደ ክኢላ ይገልጽ። "ስድራኣ፡ 'ሞይታትና፡ ብዙሕ መድመይቲ ኣጋጢምዋ' ኢሎም መጺኦም ነጊሮሙኒ፡" ይብል።
ብቢቢሲ ዝረኣዮ ናብ ቤትምኽሪ እቲ ክልል ዝቐረበ ጸብጻብ ኣፈጻጽማ ፍርቂ ናይ 2017 ዓመተ በጀት፡ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ምስ ሕርሲ ብዝተሓሓዝ 148 ኣዴታት ህይወተን ከም ዝሓለፈ የመልክት።
ከም ሕማም ሽኮር፡ ልዑል ጸቕጢ ደም፡ ከምኡ'ውን ሕማም ምንፍርፋር ዝኣመሰሉ ሕማማት ዘለዎም ሰባት፡ ብሰንኪ ሕጽረት መድሓኒት ጸገም የጋጥሞም ከም ዘሎ ዝጠቅስ እቲ ክኢላ፡ ምቍራጽ መድሓኒት ኣብ ጥዕናን ህይወትን ተሓከምቲ ዘስዕቦ ዘሎ ጽልዋ ይገልጽ።
ዋና ዳይረክተር ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ክልል ኣምሓራ በላይ በዛብህ፡ እቲ ክልል "ዝተሓላለኸ ጸገም ጥዕና ሕብረተሰብ፡" የጋጥሞ ከም ዘሎ የመልክት።
"ኣብ ምክልኻልን ምቍጽጻርን ሕማም፡ ናውቲ ናብ ሕብረተሰብ ኣብ ምብጻሕ፡ ሰብ ሞያ ጥዕና ብናጽነት ተንቀሳቒሶም ኣብ ምስራሕ ብድሆታት ኣለዎም፡" ይብል።
ከም ሕማም ኮሌራን ዓሶን ዝኣመሰሉ ለበዳታት ኣብ ዝተለዓልሉ እዋን፡ ብሰንኪ እቲ ግጭት ለበዳታት ንምቍጽጻር ከም ዝተጸገሙ'ውን ወሲኹ ይገልጽ።
"ለበዳታት ኣብ ሓጺር ግዜ ክትቈጻጸሮም ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ግዜ ክወስድ ከሎ ድማ ሰባት ይሞቱ፣ ቀልጢፎም ተሓኪሞም ቀልጢፎም ከይሓውዩ ይገብሮም ኣሎ።"
ኣብ 2017 ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 1.3 ሚልዮን ሰባት ብዓሶ ክልከፉ እንከለዉ፡ 70 ሰባት ድማ ብሰንኪ'ቲ ሕማም ህይወቶም ሓሊፉ'ዩ።
እቲ ግጭት ከምዚ ኢሉ እንተ ቀጺሉ፡ መጻኢ ግዜ ዘስግኦም ክኢላታት፡ ንድሕሪት ይምለሱ ከም ዘለዉ ይኣምኑ። ኣቶ በላይ ግን ነዚ ንምርግጋጽ መጽናዕቲ ከም ዘድሊ ይዛረብ።
ብዙሓት ትካላት ረድኤት እውን ብሰንኪ እቲ ግጭት ዘስዓቦ ስክፍታታት ጸጥታ፡ ስርሐን ደው ኣቢለን ኣለዋ።
ኣብ ክልተ ዞባታት እቲ ክልል ዘጋጠመ ከቢድ ሕጽረት መግቢ ስዒቡ፡ ህጻናት ዝርከቡዎም 200 ሽሕ ሰባት ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኵነታት ይርከቡ። መኣዛዊ መግቢ ሓዊሱ እኹል ሰብኣዊ ሓገዝ ተበጻሒ ከም ዘይኰነ ክኢላታት ይገልጹ።
'ኵሉ ሕብረተሰብ'ዩ ተኣሲሩ ዘሎ'
ምስቲ ኣብቲ ክልል ተኣዊጁ ዝነበረ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣዋሽ ኣርባን ብርክት ዝበሉ ሰባት "ብመንነቶም ተለልዮም፡" ብጃምላ ከም ዝተኣሰሩ ተጣበቕቲ መሰላት ኣፍሊጦም።
እቲ ኣዋጅ ምስ ተላዕለ ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ 19 መስከረም 2017 ጀሚሩ ልዕሊ 6,000 ሰባት "ንፋኖ ደጊፎም" ብዝብል ኣብ ኣርባዕተ መዳጐኒ ማእከላት ንኣዋርሕ ተኣሲሮም ኣለዉ።
ካብዞም እሱራት ሓደ ኣብ ዩኒቨርስቲ ወሎ ሓላፊ ክፍሊ ስነ-ህይወት ዝዀነ ዶክተር ኣያሌው ታለማ እዩ።
ዶክተር ኣያሌው ምስ ካልኦት 13 ፕሮፌሰራት እቲ ዩኒቨርስቲ፡ ገዝኦም ብለይቲ ብሓይልታት ጸጥታ ምስ ተኸበበ፡ ካብ ኮምቦልቻ ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ጮሬሳ ኣብ ዝተባህለ ወተሃደራዊ መዓስከር ንሓሙሽተ ኣዋርሕ 'ብዘይ ፍርዲ' ከም ዝተኣስሩ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ከም ኣደራሽ ኣስታት 1,000 ሰባት ዝሕዝ መዓስከር፡ ካብ መንእሰያት ክሳብ ሽማግለታት፡ ካብ ኣዴታት ክሳብ ኣካለ ጕድኣት ዝርከቡዎም ልዕሊ 1,000 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም እዮም።
ካብቶም እሱራት ሓረስቶት፡ ነጋዶ፡ ሓካይም፡ መምህራን፡ ካህናት፡ ደያኑ፡ ሰራሕተኛታት ባንክ፡ ከምኡ'ውን ኣመራርሓ መንግስትን ኣባላት ፖሊስን ከም ዝርከቡዎም ዶክተር ኣያሌው ይገልጽ፣ "ኵሉ ሕብረተሰብ ተኣሲሩ'ዩ ዘሎ፡" ይብል።
እቶም እሱራት ንኣስታት ሓደ ወርሒ መርመራ ምስ ተገብረሎም፡ "ዕጡቓት ፋኖ፡ ሎጂስቲክስ ኣቕረብቲ፡ ሓበሬታ ወሃብትን ጐስጐስትን፡" ተባሂሎም ኣብ ኣርባዕተ ጕጅለታት ተፈልዮም። እቲ ዶክተር ዝርከቦም ኣስታት 200 ሰባት ጥራሕ ብ21 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ደሴ ናብ ቤትፍርዲ ከም ዝቐረቡ ይጠቅስ።
"ኣብ ህይወተይ ኣዝየ ዝሓዘንኩላ መዓልቲ እያ፡" ዝበለ ዶክተር ኣያሌው "መንገዲ ዓጺኻ ሰባት ብምጭዋይ ገንዘብ ኣብ ምቕባል፡ ኣብያተ ትምህርትን ማእከላት ጥዕናን ኣብ ምቅጻል፡ ሕብረተሰብ ደቁ ከይምሃሩ ኣብ ምኽልካል... ከምኡ'ውን ቅዋም መንግስቲ ብሓይሊ ኣብ ምፍራስ ተሳቲፎም፡" ብዝብል ብሓፈሻ ተኸሲስና ይብል እቲ ዶክተር።
እቲ "ሓፈሻዊ ክሲ" ከቕርብ ዝተሓተተ ፖሊስ፡ ዶክተር ኣያሌው፡ "ምስ ጸረ-ሰላም ሓይልታት ብዝገበሮ ርክብ ኣባላት ይምልምል ነይሩ፡" ኢሉ'ኳ እንተ ከሰሰ፡ እቲ ቤትፍርዲ ግን ብሰንኪ "ሕጽረት መርትዖ" ብዋሕስ ክፍታሕ ፈቒዱ።
ይዅን'ምበር፡ መሰል ዋሕስን ትእዛዝ ቤትፍርዲን ብምጥሓስ ንሱ ዝርከቦም ብዙሓት እሱራት ናብ ቤት ማእሰርቲ ደሴ ተወሲዶም ዳግማይ ከም ዝተቐየዱ ይዛረብ።
እሱራት፡ ናይ ባንክ ሕሳቦም ከይንቀሳቐስ ስለ ዝተኣገደ፡ ትካላቶም ስለ ዝተዓጽወን ደሞዞም እውን ስለ ዝተቛረጸን ስድርኦም ንስቓይ ብምቅልዖም፡ "ናይ ሞት ፍርዲ፡" ከም ዝነበረ ይዛረብ።
ክኢላ ጥዕና ዝዀነት ወ/ሮ ገንዘቤ ተገኘ (ስማ ዝተቐየረ) ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ኣብ ናይ ብሕቲ ክልኒካ "ፋኖ ትሕክም ኣላ፡" ብዝብል ንኣዋርሕ ኣብ ዝተኣሰረትሉ እዋን፡ ኣርባዕተ ደቃ ኣመና ከም ዝተሳቐዩ ሓቢራ።
ንማእሰርታ ስዒቡ፡ እቲ ክልኒክ ከም ዝተዓጸወን ናይ ባንክ ሕሳባ ከም ዝተኣገደን እውን ወሲኻ ገሊጻ። ብሰንኪ'ዚ ሽዱሽተ ሰራሕተኛታት እቲ ክልኒክ ካብ ስርሖም ተፋንዮምን ናብ "ዓቢይ ስቓይ" ከም ዝተቓልዑን ትጠቅስ።
"ንወደይ ኢለ ኣብ ዝኸፈትኩዎ ሕሳብ ባንኪ ቍሩብ ገንዘብ ነይሩኒ። ብኡ ገይረ ተንቀሳቒሰ። ንሱ'ውን ተወዲኡ፡" ብምባል ስድራኣ ንምድጋፍ ካብ ሰባት ክትልቃሕ ከም ዝተገደደት ትገልጽ።
64 ዓመት ዝዕድሚኡ ብዓል-ቤታ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ብሕማም ሳንቡእ ተለኺፉ ነይሩ። "በይነይ ኮለል እናበልኩ ብዙሕ ተሳቕየ፡" ትብል። ብተወሳኺ፡ እቲ ክልኒኮም ምስ ተዓጽወ፡ ናይ ላቦራቶሪ ኬሚካላትን መድሃኒታትን ግዜኦም ስለ ዝሓለፈ፡ ልዑል ክሳራ ከም ዘጋጠማ'ውን ትጠቅስ።
ብዓል-ቤት ወ/ሮ ገንዘቤን ዶክተር ኣያሌውን ዝርከቡዎም እሱራት፡ ንኣዋርሕ ብዘይ ፍርዲ ድሕሪ ምእሳሮም፡ "ስልጠና ተሃድሶ" ክወስዱ ተገይሮም ብሰለስተ ዙር ተፈቲሖም።
እንተዀነ፡ ክሳዕ ሕጂ ዘይተፈትሑን ሃለዋቶም ዘይተፈልጠን እሱራት ከም ዘለዉ እቲ ክኢላ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጽ።
'መወዳእታ ኣልቦ'
ክልል ኣምሓራ 22 ዞባታትን ሓያሎ ምምሕዳራት ከተማታትን ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ብዝሒ ህዝቡ ድማ ልዕሊ 32 ሚልዮን ከም ዝበጽሕ ይግመት።
ኣብቲ ክልል ንኽልተ ዓመታት ብሰንኪ ዝቐጸለ ግጭት፡ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ዕለታውን ማሕበራውን ንጥፈታት ህዝቢ ድሩት ወይ ኣብ ሰናይ ፍቓድ ተጻባእቲ ሓይልታት ዝምርኰስ ኰይኑ።
ለይቲ ናብ ቤተክርስትያን ክኸዱ ከም ዘይኽእሉ ዝገልጽ ሓደ ኣገልጋሊ ቤተክርስትያን፡ "እቶም ጽባሕ ንቕድስ ሰባት ሎሚ ኣብ [ቤተክርስትያን] ኣቲና ኢና እንሓድር፡" ይብል።
እቲ ግጭት፡ "ንስርዓት-ኣልቦነት" በሪ ከም ዝኸፈተ ዝዛረብ እቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ እዚ ድማ ማእሰርትን ምግፋዕን ከምኡ'ውን ቅትለት፡ ንጅሆ ዝግበር ጭውያ፡ ከምኡ'ውን ራስያን ክዝርጋሕ ከም ዝገበረ የመልክት።
ነበርቲ፡ ካብቲ ግጭትን ንሱ ዝወለዶም ገበናትን ንምህዳም፡ ገዝኦምን ንብረቶምን ገዲፎም ይስደዱ ከም ዘለዉ ይግለጽ።
እቲ ስደት 'ሃብታማት ናብ ከተማ፡ ድኻታት ድማ ናብ ገጠር' ይስደዱ ከም ዘለዉ ሓደ ነባሪ ከተማ መርዓዊ ይገልጽ።
ኣዲስ ኣበባን ባህርዳርን እተን ቀንዲ መዳረግቲ እቲ ስደት እየን። እንተዀነ፡ ስድራ ሒዝካ ብዘይ ስራሕ ኣብዘን ከተማታት ምንባር በዳሂ ከም ዝዀነ እዮም ዝገልጹ።
ተንታኒ ፖለቲካ ዶክተር የሺጥላ ወንድሜነህ፡ "እቲ ግጭት ብሰንኪ ኣቃውማ መንግስቲ፡ ክፍፍል ስልጣን፡ ሃብቲ፡ ውክልና፡ ከምኡ'ውን ናብ ደሞክራሲ ንምስግጋር ዝግበር መስርሕ ዝፈጠሮ ብድሆታት እዩ፡" ይብል።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ከምኡ'ውን ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕንነት ቀዳማይ ምኒስተር ዝነበረ ገዱ ኣንዳርጋቸው (ዶ/ር)፡ ፖለቲካዊ ጉዳያት ብወተሃደራዊ ሓይሊ ንምፍታሕ ዝግበር ዘሎ ስጕምቲ ኣብቲ ክልል ቅልውላው ከም ዘስዓበ ይኣምን።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት፡ "ንኣምሓራ ዒላማ ዝገበሩ መጥቃዕትታት" ፍታሕ ክረኽቡ ዝቐረቡ ጠለባት መልሲ ከይተወሃቦም እንከሎ፡ ኲናት ትግራይ ከም ዝተወልዐ ዝጠቅስ ገዱ፡ እዚ ኲናት'ዚ ኣብ መላእ እቲ ክልል እናተዘርግሐ ምስ ከደ በሰላታትን ተወሳኺ ግጭትን ከም ዘስዓበ ይገልጽ።
ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ዝተቐልቀለ ምንቅስቓስ ፋኖ፡ ፈለማ ብመንግስቲ ተናኢዱ'ኳ እንተ ነበረ፡ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ግን ከም ስግኣት ክርአ ከም ዝጀመረ ወሲኹ ይዛረብ።
ነቲ ስምምዕ ስዒቡ ዕጡቓት ፋኖ፡ "ዘይስሩዕ ሓይልታት፡" ተባሂሎም ምስ ሓይልታት ጸጥታ ናብ ግጭት ኣትዮም። እቲ "ምፍታሕ ኣጽዋር" ዝተበሃለ ስጕምቲ እውን ቀንዲ ምኽንያት እቲ ዕጥቃዊ ግጭት ኰይኑ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ዝተወደቡ ዕጡቓት ፋኖ፡ "ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓራ ዘጋጥም ናይ ህልውና ስግኣት ንምክልኻል፡" ኣጽዋር ከም ዘልዓሉ ክገልጹ እንከለዉ፡ መንግስቲ ብወገኑ ኣብ ልዕሊ "ኣኽረርትን ሸፋቱን" ሕጋዊ ስጕምቲ ይወስድ ከም ዘሎ እዩ ዝገልጽ።
ኣብዚ እዋን'ዚ፡ እቲ ክልል ኣብ መንጎ ክልተ ሓይልታት ይርከብ። ሓይልታት መንግስቲ ዓበይቲ ከተማታት ይቈጻጸሩ፡ ሓይልታት ፋኖ ብኣንጻራዊ ኣብ ገለ ንኣሽቱ ከተማታትን ገጠር ቀበሌታትን ይንቀሳቐሱ።
ኣብቲ ክልል ዓሲሉ ዘሎ ስግኣት ጸጥታ፡ ካብ ነበርቲ ሓሊፉ ናይቲ ከባቢ መራሕቲ ምስ ሓይልታት መንግስቲ ኣብ መዓስከራት ክነብሩን ምንቅስቓሳቶም ብዕጀባ ክኸውንን ኣገዲዱ ይርከብ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ፍታሕ እንታይ'ዩ ክኸውን?
እቲ ኣብቲ ክልል ቅልውላው ዘስዓበ ግጭት መዓስ መዕለቢ ከም ዝረክብ ኣይተፈልጠን።
ነበርቲ እቲ ክልል፡ መውጽኢ መንገዲ ዝጸልመቶም ይመስሉ። ተስፋኦም ኣብ ፈጣሪ እምበር ብመንግስቲ ተስፋ ከም ዝቘረጹ ብተደጋጋሚ ክገልጹ ይስምዑ።
ዶክተር የሺጥላ፡ እቲ ቅልውላው ክፍታሕ ዝኽእል፡ ሱር ጠንቂ ናይቲ ጸገማት ብዘተ እንተ ተፈቲሑ ከም ዝዀነ ይኣምን።
"ጸገማት ብሓይሊ ክፍትሑ ኣይክእሉን፡" ዝብል እቲ ዶክተር፡ "ክልቲኦም ወገናት እሙናት መንጎኛታት ብምምራጽ፡ ኣብ ሓድሕዶም ምትእምማን ክሃንጹ፡ ካብ ዘተ ዝመጽእ ዝዀነ ውጽኢት ንምቕባል ድሉዋት ክዀኑ ኣለዎም። ዘተ ሂብካ ምቕባል እዩ። እዚ ክግበር እንተ ተኻኢሉ፡ እቲ ክልል ጥራሕ ዘይኰነ እታ ሃገር'ውን ካብ ዕንወት ክትድሕን ትኽእል እያ፡" ይብል።
"ቅልውላው፡ ቅልውላው'ዩ ዝወልድ፡" ዝብል ዶ/ር ገዱ ብወገኑ፡ ቅልውላው ክልል ኣምሓራ ናብ ካልኦት ክልላት ክዝርጋሕ ተኽእሎ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ እቲ ፍታሕ ዘተ ወይ ስምምዕ ሰላም ዘይኰነስ፡ "ስርዓታዊ ለውጢ፡" እዩ ይብል።
"ብዘተ እንተ ዝፍታሕ ሓጐሰይ ወሰን ኣይምነበሮን። ናተይ ምርጫ ብፖለቲካዊ መንገዲ እንተ ዝፍታሕ እዩ። እዚ ሕጂ ዘሎ ገዛኢ ስርዓት ግን ብፖለቲካዊ ኣገባብ ሽግራት ንምፍታሕ ዝዀነ ይዅን ድሌት የብሉን። ኣብ ዘተ ዝኣምን'ውን ኣይኰነን።"
መንግስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ጸገማት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ድሌት ከም ዘለዎ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ብተደጋጋሚ ዝገለጸ ክኸውን ከሎ፡ ብወገን ዕጡቓት ፋኖ ዘሎ ድሌት ግን ንጹር ኣይኰነን። ከም ውጽኢቱ ድማ ክሳዕ ሕጂ ዘተ ከም ዝተጀመረ ዘመልክት ወግዓዊ ሓበሬታ የሎን።
ቢቢሲ ካብ ሰበስልጣን ሓላፊ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ገዛኢ ሰልፊን ክልል ኣምሓራ ርእይቶ ንምርካብ ንሰሙናት ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







