ባህርዳር፡ ሕብረተሰብ ዘሰንበደ ቅትለት ዶክተር ኣንዱኣለም ዳኜ

ዶክተር ኣንዱኣለም
መግለጺ ስእሊ, ዶክተር ኣንዱኣለም ዳኜ

ብቐዳም ምሸት 1 ለካቲት 2025 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ሆስፒታል ጥበበ ግዮን ሓላፊ ኣገልግሎት ክፍሊ መጥባሕቲ ዝዀነ ዶ/ር ኣንዱኣለም ዳኜ ብጥይት ተሃሪሙ ተቐቲሉ።

እዚ፡ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ከተማ ባህርዳርን ማሕበረሰብ ሕክምናን ስንባደ ፈጢሩ ይርከብ።

እቲ ግዳይ፡ ንሱ፡ ካብ ከተማ ባህርዳር ዉጽእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ ቆሼ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ኣፍልቡ ብጥይት ተሃሪሙ'ዩ ሞይቱ።

እቲ ቅትለት ኣብቲ ከባቢ ዓቢ ስንባደ ፈጢሩ ይርከብ፤ ዛጊድ ምኽንያት መቕተሊኡ ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ዶክተር ኣንዱኣለም፡ ካብ ዉልቃዊ ህይወቱ ጀሚሩ ዓቢ ዓወት ዘመዝገበ ምዃኑ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ፈተውትን መሳርሕትን ይምስክሩ።

ካብ ቀዳማይ ብርኪ ጀሚሩ ክሳብ ዩኒቨርሲታት ተሸላምን ንፉዕ ተመሃርን ከም ዝነበረ ሓደ ካብ ኣዕርኽቱን መሳርሕቱን ይዛረብ።

"ተስፋ ዘይቈርጽ ሰብ'ዩ፤ ንዅሎም ተገልገልቲ ብጥንቃቐ'ዩ ዝሕክሞም፡" ይብል እቲ ልዑል ሰብኣውነት ከም ዝነበሮ ዝገልጽ ዓርኩ።

"ሕክምና ንመን ይመስል እንተተባሂሉ፡ ንዶ/ር ኣንዱኣለም'ዩ ዝመስል። ካብ ኣፉ ሕማቕ ኣይትወጽኦን፡" ብምባል ምስጕን ክኢላ ከም ዝነበረ ይዛረብ።

ሓጋዚ ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ባህርዳርኣንዷለም ዳኜ ኣብ ትሕቲ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ኣብ ዝርከብ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ጥበበ ጊዮን ክኢላ ጸላም ከብዲ፡ ሽኮርያን ሽንቲ ሓሞትን፡ ተመራማሪን መምህርን እዩ ነይሩ።

እቲ ናይ ቀረባ ዝበሃል ዓርኩ፤ እቲ ዶክተር ካብተን ብህይወት ዝነበረለን 37 ዓመታት፡ እተን 26 ዓመታት ኣብ ትምህርቲ ዘሕለፈ በሊሕ ዶክተር ከም ዝነበረ ገሊጹ።

ዶ/ር ኣንዱኣለም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ማእከል ሕክምና መጥባሕቲ ካንሰር ክጣየሽ ባህጊ ከም ዝነበሮ፡ ፈጻሚ ስራሕ ሆስፒታል ጊዮን ዶ/ር የሺጌታ ገላዉ ሓቢሩ።

ብኸመይ'ዩ ተቐቲሉ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ሓኪም፡ ኣብ ከተማ ባህርዳር ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣፊላስ፡ ዝነበሮ ተወሳኺ ስራሕ ወዲኡ ካብታ ከተማ 10 ኪ.ሜ ርሒቑ ናብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ኣብ ዝምለሱሉ ዝነበሩ እዋን እዩ ተቐቲሉ።

እዚ፡ ብኣቈጻጽራ ሰዓት እታ ሃገር ከባቢ ሰዓት 12፡30 [6፡30] እዩ ነይሩ።

ዶክተር ኣንዱኣለም ቅድሚ ምቕታሉ ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ፡ ካልእ ሓኪም ካብ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ንስክላ ከም ዘምለጠ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ናብቲ ከባቢ ዝበፅሐ ዶክተር ኣንዱኣለም፡ "ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት" ከም ዝተቐትለ ዓርኩን መሳርሕቱን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"ናይ ገዛ መኪና ሒዙ ዝንቀሳቐስ ሰብ የለን፤ ኣብቲ ከባቢ መኪና ዝሕዙ ሓካይም ጥራይ'ዮም፡" ዝብል እቲ ዓርኩ፤ እቲ መጥቃዕቲ ግን ስርቂ ዓሊሙ ዝተፈጸመ ኣይኰነን ኢሉ።

"ዝተወሰደ ነገር የለን።ቴለፎኑ'ውን ኣብታ መኪና እያ ተረኺባ፤ ዝተሰርቀ ነገር የለን።"

እንተዀነ፡ እቲ መጥቃዕቲ ንዶክተር ኣንዱኣለም ብውልቀ ዒላማ ዝገበረ ድዩ ኣይኰነን ዝብል ርኢይቶ ንምሃብ ከም ዝጽገም ኣመልኪቱ።

ካልእ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ዩኒቨርስቲ ባህርዳር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ መጥቃዕቲ ንዕኡ ዒላማ ዝገበረ እዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ቢቢሲ ኣቐዲሙ፡ ሰራሕተኛታት ሆስፒታል ኣብ ልዕሊኦም ብዝተፈጸመ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ፣ ዝምታን ምፍርራሕን "ውሕስነት ድሕነት" ብምሕታት ንመዓልታት ስራሕ ደው ኣቢሎም ከም ዝነበሩ ፀብፂቡ ነይሩ።

ሓላፊ ሓፈሻዊ ኣገልግሎት እቲ ሆስፒታል ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣብቲ ሆስፒታል ከም ዝተቐትለ ክኢላታት ይገልጹ።

ካልኣይ ቅትለት ዶክተር ኣንዱኣለም ድማ፡ ኣብ ማሕበረሰብ ሕክምና ዓቢ ሻቕሎትን ስንባደን ከም ዘስዓበ ክኢላታት ይገልጹ።

"ዝዀነ ዓቕሚ ዘለዎ ሰብ ጕዕዝኡ ጠቕሊሉ ካብቲ ቦታ ክወጽእ ይሓስብ ኣሎ። ዝዀነ ነገር ክገብር ከም ዝኽእል ውሕስነት የለን። ገለ ነገር ምስ ዘጋጥም ዝሕብር ሰብ የለን። ድሕሪኡ ዝምርምርን ፍትሒ ዝህብን ኣካል የለን፡" ይብል ሓደ ሓኪም።

ካልእ ሰራሕተኛ እቲ ዩኒቨርሲቲ ብወገኑ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ ሞያ ሆስፒታል ዝፍጸም ዘሎ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ብምጥቃስ፡ "ኣገልግሎት ሕክምና ከይህቡ ይኽልከሉ ኣለዉ፡" ኢሉ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ካልኣይ ዓመቱ ሒዙ ዘሎ ኣብ መንጐ ዕጡቓት ፋኖን ሓይልታት መንግስትን ዘሎ ጎንፂ ከቢድ ስግኣት ጸጥታን ድሕነትን ፈጢሩ ይርከብ።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ እቲ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቆልዑን ዶክተር ኣንዱኣለም፡ ትማሊ ሰንበት 25 ጥሪ 2017 ኣብ ከተማ ባህርዳር ተፈጺሙ።

ምስ ቅትለት እቲ ሓኪም ብዝተኣሳሰር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ወይ ዝተኸሰሰ ሰብ የለን።

ፖሊስ ከተማ ባህርዳር፡ እቲ ቅትለት "ብዘይተፈልጠ ሓይልታት" ከም ዝተፈጸመ ብምግላጽ፡ ተወሳኺ መርመራ የካይድ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።