ደቀንስትዮ ግዳያት ንምዝመዛ ዘቃልዕ ዘሎ ፒሲኦኤስ እንታይ'ዩ?

ደቀንስትዮ ግዳያት ንምዝመዛ ዘቃልዕ ዘሎ ፒሲኦኤስ እንታይ'ዩ?

ሶፊ፡ ን12 ዓመታት ወርሓዊ ጽግያት ክመጽኣ እንከሎ ክትቅንዞ ጸኒሓ።

ክብደት ሰብነታ ወሲኹ፤ ቀጨውጨው ይብላ፣ ይጸዓናን ድኻም ይስምዓን።

ኣብ ሕክምና፡ እቲ ካብ ዓሰርተ ደቀንስትዮ ነታ ሓንቲ ዘጥቅዕ ጸገም ሆርሞን -ፒሲኦኤስ፡ [ፖሊሲስቲክ ኦቫሪ ሲንድረም] ኣለኪ ተባሂላ።

እንተዀነ፡ ሕክምና ክትረክብ ኣይክኣለትን።

ስለዝዀነ፡ ናይ ባዕለይ ብእትብሎ መገዲ ጥዕና ክትመለስ ጻዕሪ ክትገብር ጀሚራ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኢንስታግራም፡ ኮርኒ ሲማንግ ምስ ዝተባህለት ውልቀሰብ ተላልያ።

ንሳ ድማ፡ ቃንዛኻ ከም ዝጠፍእ፡ ምሉእ ጸጋ-ጥዕናኺ ከም ዝምለስ ክገብረልኪ እየ ኢላታ።

ሳይንስ፡ ክሳብ ሕጂ ፒሲኦኤስ ዝፍውስ መድሃኒት ኣይረኸበን ዘሎ።

ኮርኒ ግን፡ ኣብ ቤተ-ፈተነ መርመራ ብምግባር በዚ ሕማም ዝተጠቕዓ ደቀንስትዮ ክምገብኦ ኣለወን እትብሎ ዓይነታት መግቢ ትእዝዝ።

ንምኽርን ተወሳኺ መድሃኒትን፡ 3600 ዶላር ተኽፍል።

ሶፊ'ውን፡ እዚ 'ኣገልግሎት' ንምርካብ ገንዘብ ክትከፍል ጀሚራ።

ክኢላ ማህጸንን ጥዕና ደቀንስትዮን ዶ/ር ጄን ገንተር፡ እቲ ካብ ከም ኮርኒ ዝኣመሰሉ ሰባት "መርመራ" ንምግባር ዘኽእል ሞያዊ ብቕዓት ከም ዘይብሎምን ነዚ ሕማም ዝግበር ሕክምና ሰፊሕ መጽናዕቲ ከም ዘይተገብረሉን ትዛረብ።

ሶፊ፡ ንኣስታት ሓደ ዓመት እቲ ኮርኒ እትህቦ ሕክምና ክትከታተል ጸኒሓ፤ ግን ኣይሰለጣን- ስለዚ እቲ ሕክምና ኣቋሪጻቶ።

ኮርኒ፡ ኣብዚ ጕዳይ ርእይቶ ክትህብ'ኳ እንተተሓተተት መልሲ ኣይሃበትን።

ማሕበራዊ ሚድያ ዘንገሶም ናይ ሓሶት 'መሲሓት'

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብዚ እዋን፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰዓብቲ ዘለውዎም ጸለዉቲ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ምስ ሕክምናን ጥዕናን ዝተሓሓዝ ምኽርን መምርሒታትን ክህቡ ብብዝሒ ኢና ንዕዘብ።

ፒሲኦኤስ ድማ፡ ክሳብ ሕጂ መድሃኒት ዘይረኽቦ ስለ ዝዀነ፡ እዞም ጸለውቲ መፍትሒ ኣለኒ እናበሉ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ይእክብሉ ኣለዉ።

ግጕይ ማዕዳን መድሃኒትን ክኣ ይህቡ።

ገሊኦም፡ ንርእሶም ኣማኸርቲ ስርዓት ኣመጋግባ ኢሎም ይጽውዑ፤ ገሊኦም ድማ ኣማኸርቲ ጕዳይ ሆርሞን ኢና ይብሉ።

ቢቢሲ፡ ፒሲኦኤስ ዝምልከት ኣብ ቲክቶክን ኢንስታግራምን ብኣርባዕተ ቋንቋታት ሓበሬታ ዝህበቡ ገጻት ከም ዘለው ተዓዚቡ።

ፍርቈም፡ ግጕይ ሓበሬታ ዝዝርግሑ'ዮም።

እዚኦም፡ ብቋንቋታት ኪ-ስዋሂሊ፡ እንግሊዘኛ፡ ህንዲን ፓርቹጊዝን ይመሓላለፉ ኣለዉ።

እቶም ብእንግሊዘኛ ዝዝርግሑ፡ ኣብ ህንዲ፡ ናይጀሪያ፡ ኬንያን ብራዚልን ብዙሕ ሰዓቢ ኣለዎም።

ትካል ጥዕና ዓለም፡ 70 ሚእታዊት ደቀንስትዮ፡ ፒሲኦኤስ ከም ዘለወን ኣይተነግረንን ይብል።

እዚ ሕማም ከም ዘለወን ምስ ፈለጣ ኸኣ ሕክምና ንምርካብ ይጽገማ።

"እቲ ዘሎ ሃጓፍ ተበሊጾም ዝነግዱ ኸኣ ኣለዉ፡" ትብል ዶ/ር ጄን።

ፒሲኦኤስ ዝምለከት ካብ መንጐ ዝዝርግሑ ዘለዉ ግጕይ ሓበሬታታት፤

  • ፒሲኦኤስ ኣመጋግባ ብምምሕያሽ ክዕረ ዝኽእል'ዩ
  • ፒሲኦኤስ ንምፍዋስ፡ ትሑት ካርቦሃይድሬትን ዝተሓተ መጠን ስብሒ ዘለዎምን መግቢታት ምምጋብ
  • ፒሲኦኤስ ብሰንኪ መድሃኒታት መከላኸሊ ጥንሲ ስለ ዝኽሰት፡ እዞም መድሃኒታት ነቲ ሕማም እዮም ዘጋድዱ
  • ፒሲኦኤስ፡ ስሩዕ ሕክምና ብምግባር ክንኪ ዝኽእል እኳ እንተዀነ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣይጠፍእን ዝብሉ ይርክቡዎም።

ካብ እንምገቦም መግቢታት ካሎሪ ምንካይ፡ እወታዊ እጃም ከም ዘለዎ ዘመላኽት ሳይንሳዊ መጽናዕቲ የለን።

'ኪቶ' ዝተባህለ ዓይነት ኣመጋግባ ክኣ፡ እቲ ሕማም ከምዘጋድድ ሰብ ሞያ የገንዝቡ።

ፒሲኦኤስ ድማ፡ ብሰንኪ መድሃኒታት መከላኸሊ ጥንሲ ዝፍጠር ጸገም ኣይኰነን።

ገለ ደቀንስትዮ፡ ቃንዛ ንምንካይ ከም ዝሕግዘን ይዛረባ።

ወሃቢ ቃል ቲክቶክ፡ ዘጋግዩ፡ ጐዳእቲ ወይ'ውን ግጕያት ዝዀኑ ሓበሬታታት ጥዕና በቲ መድረኽ ምትሕልላፍ ከም ዘይፍቀድ ይገልጽ።

ሜታ ብወገኑ፡ ጥዕና ደቀንስትዮ ዝምልከት ሓበሬታታት ኣብቲ መድረኽ ክመሓላለፍ'ኳ እንተኣፍቀደ፡ ምስ ሳልሳይ ወገን ብምዃን ግጕይ ሓበሬታ ንምውጋድ ንሰርሕ ኢና ይብል።

ብዙሓት ጸለዉቲ ማሕበራዊ ሚዲያ፡ ብዛዕባ እቶም ዘካፍሉዎም ሓበሬታት ምንጪ ኣይጠቕሱን
መግለጺ ስእሊ, ብዙሓት ጸለዉቲ ማሕበራዊ ሚዲያ፡ ብዛዕባ እቶም ዘካፍሉዎም ሓበሬታት ምንጪ ኣይጠቕሱን

ፒሲኦኤስ እንታይ'ዩ?

ማህጸን

ፒሲኦኤስ፡ ናይ ሆርሞን ጸገም'ዩ። ትካል ጥዕና ዓለም፡ ካብ 8 ክሳብ 13 ሚእታዊት ደቀንስትዮ በዚ ከም ዝጥቅዓ ይገልጽ።

እዚ፡ ከም ቃንዛ ዝበዝሖ ወርሓዊ ጽግያት፡ ኣብ ሰብነት ጸጕሪ ምብዛሕን ክብደት ሰብነት ምውሳኽ ዝበሉ ምልክታት የርኢ።

መኻንነት ካብ ዘስዕቡ ጸገማት'ውን ሓደ'ዩ። ብዘይ ዝዀነ ሕክምናዊ ረድኤት እቲ ሕማም እናሃለወን ዝወልዳ ደቀንስትዮ ግን ኣለዋ።

ቫሽናሺ ዝተባህለት ህንዳዊት፡ ነዚ ሕማም "ተፈጥሮኣዊ" ፈዉሲ ከም እትህብ ንእትዛረብ ኣያና ሻርማ ዝተባህለት ጸላዊት ማሕበራዊ ሚድያ ትከታተል ነይራ።

ኣንያ፡ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ጸለውቲ ክብደት ሰብነት ኣብ ምንካይ ትዅረት ዝገበረ ማዕዳታት ትህብ።

ቫሽናሺ፡ ኣብ መዓልቲ ካብ ሓደ ሽሕ ክሳብ 1200 ካሎሪ ከም እትምገብ ተነጊሩዋ ነይሩ።

ምዕሩይ ስርዓት ኣመጋግባ ምልክታት ፒሲኦኤስ ኣብ ምንካይ ሓጋዚ እኳ እንተዀነ፡ ኣብ መግቢ ዘይግቡእ ገደብ ምግባር ግን ምዝባዕ ኣመጋግባ የስዕብ።

ደቀንስትዮ፡ ኣብ መዓልቲ ብማእከላይ ክልተ ሽሕ ካሎሪ ክምገባ ሰብ ሞያ ይምዕዱ።

ቫሽናሺ፡ መግቢ ምንካያ ስዒቡ ወርሓዊ ጽግያታ ንኣስታት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣቋሪጹ።

ክብደት ሰብነታ ግን ስለ ዘይነከየ፡ ክትሹቕረር ጀሚራ።

"ካልኦት ኣንያ እትመኽረን ደቀንስትዮ ሰብነተን ቀልጢፉ ነክዩ፤ እቲ ለውጢ ክብደት ሰብነተይ ምስ ዝንኪ'ዩ ዝርአ ዝብል ግምት ስለ ዝነበረኒ፡ ከይነከየ ምስ ተረፈ ክስከፍ ጀሚረ፡" ትብል።

ካልእ ማኒሻ ዝተባህለት ውልቀሰብ'ውን፡ ኣብ ሰብነታ ዝወጽእ ጸጕሪ፡ ክብደት ሰብነታ ክውስኽን ቃንዛ ወርሓዊ ጽግያት ክብርትዓን ምስ ጀመረ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ናብ እትረኽቦ ማዕዳታት እያ ከተተኵር ጀሚራ።

ብጾም፡ ኪቶን ካልእ መገድን ድማ ነዚ ከተዐርዮ ፈቲና፤ ውጽኢታዊ'ዮም ዝተባህሉ መድሃኒታት'ውን ተጠቒማ።

እዚ ዅሉ ዘምጽኦ ለውጢ ግን የለን።

"ነፍሰ ቅትለት ክፍጽም ዝሓሰብኩሉ ግዜ ነይሩ፤ ካልእ ሰብ እናተቐየረ እንከሎ ስለ ምንታይ ኣነ ዘይልወጥ ብዝብል ተጨኒቐ፡" ትብል።

ጓል 29 ዓመት ምስ ኰነት፡ ሕማም ሽኮር ከም ዘለዋ ተነጊሩዋ።

ፒሲኦኤስ ዘለወን ደቀንስትዮ፡ ሽኮር ዘለዎም መግቢታት ምብላዕ ይጽገማ።

ንሕማም ሽኮር'ውን ተቓላዕቲ'የን፤ ስለ ዝዀነ ድማ፡ ኣቐዲምካ ሕማም ሽኮር ንምክልኻል ዝወሃቡ መድሃኒታት ክወስዳ ይመዓድ።

ማኒሻ፡ ብዛዕባ ፒሲኦኤስ ሕክምና ክትረክብ ናብ ሆስፒታል ክትከይድ እንከላ፡ ብዙሕ ሓገዝ ኣይረኸበትን።

ክትጠንስ ክትደሊ እንከላ ናብቲ ሆስፒታል ክትምለስ ተነጊሩዋ።

ክኢላ ሕክምና ማህጸንን ጥዕና ደቀንስትዮን ዶ/ር ጄን ገንተር፡ ሕክምናዊ ሓገዝ ዘይምርካብ ስነ-ልቦናዊ ጸቕጢ ከም ዝፈጥር ተረድእ።

ናይ ሓሶት ሓበሬታ ድማ፡ደቀንስትዮ ኣድላዪ ሓገዝ ከይረኽባ ምኽንያት ይኸውን።

ንሕማም ሽኮር ክሳብ ዝቃልዓ'ውን ዝዀነ ዓይነት ሕክምናዊ ረድኤት እንከይረኸባ ክጸንሓ ይኽእላ።

መድሊን፡ ኣብ ናይጀሪያ ተምሃሪት ሕክምና ኰይና፡ ብዛዕባ ፒሲኦኤስ ዘሎ ግጕይ ርድኢት ንምፍታሕ ጻዕሪ ትገብር።

ሜድሊን

ኣመጋግባ ብምምሕያሽን መድሃኒት ብምውሳድን ውጽኢት ዘይረኸባ ደቀንስትዮ፡ ንሰብ ሞያ ሕክምና ከማኽራ ከም ዘለወን ተገንዝብ።

"ፒሲኦኤስ ከም ዘለኒ ምስ ተነገረኒ ተነጽሎ ገጢሙኒ ነይሩ፤ ንነብሰይ ስለ ዘየልዓልኩ ዝመጽአ ሕማም መሲሉ ተሰሚዑኒ ነይሩ። ክትወልድ ኣይትኽእልን ተባሂሉ ስለ ዝሕሰብ ከኣ ሓዳር ክገብር ኣይደልን፡" ትብል።

ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ግን፡ ነቲ ኵነታት ክትቅበሎ ጀሚራ፤ ኣብ ጸጕራን ሰብነታን ዝተራእየ ለውጢ ብጸጋ ተቐቢላቶ።

ሰራሕተኛ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዙርያ ፒሲኦኤስ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል ዝዀነት ሳሻ ኦቲ፡ ፒሲኦኤስ ዘለወን ደቀንስትዮ ብሕክምና ተሓጊዘን ክወልዳ ከም ዝኽእላ ትዛረብ።

ዶ/ር ጄን'ውን፡ ሰብ ሞያ ሕክምና ምምኻር ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ተገንዝብ።

ማኒሻ፡ ሕማም ሽኮር ከም ዘለዋ ምስ ተነግራ፡ ሜታፎርሚን ክትወስድ ጀሚራ፤ በዚ ለውጢ ክትርኢ ጀሚራ ኣላ።

ቫሽናቪ ድማ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ብምግባር ለውጢ ክትርኢ ጻዕሪ ትገብር ኣላ።

ሶፊ፡ ምስ ኣማኸርቲ ኣመጋግባ ብምዃን ጥዕናዊ ክትትል ትገብር ከም ዘላ ትዛረብ፤ ሰብነታ'ውን እናነከየ ለውጢ ክትርኢ ጀሚራ።

ኵለን ግን፡ ንፒሲኦኤስ ዝኸውን መድሃኒት ዝርከበሉ መዓልቲ ይጽበያ።