ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ 50 ዓመታት 'ስቶክ ማርኬት' ዳግማይ ምጅማራ ስለምንታይ ኣገዳሲ ኰይኑ?

ስቶክ ማርኬት ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን'ዩ ጀሚሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኢትዮጵያ፡ ዕዳጋ ኣክስዮን ወይ'ውን 'ስቶክ ማርኬት' ብሓድሽ መልክዕ ዳግም ክጅመር ገይራ።

ስቶክ-ማርኬት ኣብ እዋን ስርዓት ደርግ ካብ ዝተርፍ ንደሓር ድሕሪ 50 ዓመታት እዩ ንፈለማ ዝጅመር ዘሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ "ታሪኻዊ" ክብል ኣብ ዝጸውዖ ዕለት ብ2 ጥሪ 2017 ዓ.ም [ኣ.ግ] 'ስቶክ ማርኬት' ብወግዒ ክኽፈት ገይሩ።

ዕዳጋ ሰነደ መዋእለ ንዋያት ኢትዮጵያ፡ ብመንግስቲ ዝውነና ትካላት ብሕታዊ ክዀና ከተባብዕን ዝያዳ ርእሰ-ማል ወጻኢ ናብታ ሃገር ከምጽእን ትጽቢት ይግበር።

ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ሓምሻይ ዝዓበየ ቍጠባ እትውንን ኢትዮጵያ ንዕዳጋ ወጻኢ ክፍትቲ ክትኸውን ናይ ምግባር መደብ ከም ዘለዎ ይፍለጥ።

ቅድሚ ሕጂ፡ ዕዳጋ እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር መንግስቲ'ዩ ጸኒሑ።

ፈጻሚ ስራሕ ፤ሴኪዩሪቲ ኤክስጄንጅ' ኢትዮጵያ ዶ/ር ጥላሁን ካሳሁን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ብመሰረት መንግስቲ ዘርኣዮ ድልየት ካብ ውሽጣዊ ምንጭታት ዕዳ ካፒታል ኣብ ምትእኽኻብ ዘላቒ መገድታትን ኣገባባትን ንምፍጣር ዝዓለመ'ዩ" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፡ ኢትዮጵያ ካብ ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብን ባንኪ ዓለምን ኣስታት 10.7 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ንምርካብ፡ ዋጋ ባጤራኣ ብተዛማዲ ኣብ ወጻኢ ዕዳጋ ምስ ዘሎ ቀረብን ጠለብን ካልኦት ባጤራታት ንኽምርኰስ ከም ዝፈቐደት ይዝከር።

እቲ ስጕምቲ፡ ብር መንግስቲ ብዝውስኖ ውሱን ሸርፊ ዘይኰነስ፡ ኣብ ዕዳጋ ብዘሎ [ብልሙድ ጸሊም ዕዳጋ ተባሂሉ ዝጽዋዕ] ክሽረፍ ዘፍቅድ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ ድማ፡ ካቢነ ሚኒስተራት፡ ባንክታት ወጻኢ ናብታ ሃገር ኣትዮም ክሰርሑን ዜጋታት ወጻእ ብርኪ [ኣክስዮን] ባንክ ክገዝኡን ዘኽእል ኣዋጅ ኣውጺኡ።

እቲ ኣዋጅ ጌና ብባይቶ ኣይጸደቐን።

ይዅን'ምበር ድሮ ባንክታት ኬንያ፡ ሞሮኮን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ናብ ዕዳጋ ኢትዮጵያ ንምእታው ድልየት ከም ዘለዎም ገሊጾም ኣለው።

ልዕሊ 100 ሚልዮን ህዝቢ ንዘለዋ ኢትዮጵያ፡ ስቶክ ማርኬት ምጅማር ዓብዪ ስጕምቲ ከም ዝዀነ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ይገልጹ።

ሓንቲ ካብተን ዓበይቲ ቁጠባታት ኣፍሪቃ እያ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን እታ ሃገር፡ ኣብ ንግዲ 'ኦቨር-ዘ-ካውንተር' እያ ትምርኮስ።

'ኦቨር-ዘ-ካውንተር' (Over-the-counter ወይ OTC) ካብ ወግዓዊ ዕድጊን ልውውጥን ወጻኢ ፋይናንሳዊ መሳርሒታትን ኣቑሑትን ምዕዳግ ከምኡ'ውን ምሻጥ ማለት እዩ።

ስለዚ ምጅማር ዕዳጋ ሰነደ መዋእለ ንዋይ፡ ናብ ዝያዳ ዝተዋደደን ወግዓውን ስርዓት ንግዲ ዝወስድ ርኡይ ስጕምቲ እዩ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, PMOFFICE/X

መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምኽፋት እቲ ዕዳጋ ኣብ ዘበሰረሉ ኣጋጣሚ

ኢኤስኤክስ ብኸመይ'ዩ ክሰርሕ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዕዳጋ ሰነደ መዋእለ ንዋይ (ESX) ኢትዮጵያ፡ መንግስቲን ውልቀ ኣውፈርቲን ይውንኑዎ፤ እዚ ማለት መንግስቲ 25 ሚእታዊት ብርኪ ክውንን እንከሎ፡ እቲ ዝተረፈ 75 ሚእታዊት ድማ ንውልቀ ኣውፈርቲ ተዋሂቡ ኣሎ።

38 ቢልዮን ዶላር ፈንድ ዘለዎ ኢንቨስትመንት ሆልዲንስ ኢትዮጵያ (EIH) ንመንግስቲ ወኪሉ ኣብ ዕዳጋ ሰነደ መዋእለ ንዋይ (ESX) ይንቀሳቐስ።

ኢኤስኤክስ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2023 ርእሰማል ምትእኽኻብ ክጅምር እንከሎ፡ ስርሑ ንምጅማር ካብ ኣውፈርቲ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ኣስታት 11.07 ሚልዮን ዶላር ክረክብ መደብ ሒዙ ነይሩ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2024 ኣብ ዝገበሮ ምዕጻው ምትእኽኻብ ርእሰማል ድማ፡ ልዕሊ እቲ ትጽቢት ዝገበሮ ማለት'ውን 26.6 ሚልዮን ዶላር ከተኣኻኽብ ከም ዝኽኣለ ገሊጹ።

"ኣብ ከምዚ ናትና ዝኣመሰለ ዓብዪ ዕዳጋ ዘሎ ቀንዲ መተባብዒ፡ እቲ ዓቢ ቍጠባዊ ዓቕሚን ውሑድ ተሳትፎ ኣውፈርቲ ውሽጢ ዓድን ወጻእን'ዩ" ይብል ዶክተር ጥላሁን።

ዕዳጋ ሰነደ መዋእለ ንዋይ ብበዓል መዚ ዕዳጋ ካፒታል ኢትዮጵያ (ECMA) ዝምራሕ ኰይኑ፡ ዓለምለኻዊ ደረጃታት ቍጽጽርን ግሉጽነትን ንምምላእ ብዕዳጋ ዝምራሕ ስርዓተ ዋጋ ምውሳን ተጠቒሙ ክሰርሕ እዩ።

እቲ ዝዓበየ ትካል ቴሌኮምዩኒኬሽን ዝዀነ ኢትዮ-ቴሌኮም፡ ከም ኣካል ናይቲ ብመንግስቲ ዝውነና ትካላት ናብ ውልቂ ንምቕያር ዝተሓንጸጸ መደብ፡ ኣብ ዝርዝር ዕዳጋ ሰነደ መዋእለ ንዋይ ዝተጠቐሰ ፈላማይ ኵባንያ ክኸውን'ዩ።

"130 ዓመታት ዘቝጸረ ኢትዮ-ቴሌኮም 10 ሚእታዊት ብርኪ እቲ ትካል ናብ ዕዳጋ ከቕርቦ'ዩ። እዚ ድማ ንዕዳጋ ኣክስዮን ኢትዮጵያ መሰረት ከንጽፍ'ዩ" ክብል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ጠቒሱ።

ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ባንክታት ወጻኢ ናብ ኢትዮጵያ ክኣትው ትጽቢት ይግበር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ባንክታት ወጻኢ ናብ ኢትዮጵያ ክኣትው ትጽቢት ይግበር

ኢኤስኤክስ ቅድሚ ምኽፋቱ፡ ኢትዮ-ቴሌኮም 10 ሚኢታዊት ብርኪ ንህዝቢ ክፉት ክኸውን ከም ዝገበረ ይፍለጥ።

"ሰባት ካብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍጠር ዘሎ ሃብቲ ክካፈሉ ብምኽኣሎም ሕጕሳት ክዀኑ ገይሩዎም'ዩ" ይብል ሓላፊ ናይቲ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ፌርፋክስ ኣፍሪቃ ግሎባል ፈንድ ዘመድነህ ንጋቱ።

"ዓውዲ ብሕቲ ድማ፡ ዕብየት ኢትዮጵያ ክቀላጠፍ ዝድርኽ ጽላት'ዩ" ኢሉ።

ዶክተር ጥላሁን ብወገኑ፡ ኣብ መጻኢ ካልኦት ብመንግስቲ ዝውነና ኵባንያታት ኣብ ዝርዝር ዕዳጋ ሰነደ መዋእለ ንዋይ ንምእታው መደብ ከም ዘሎ ይዛረብ።

"ኣስታት 10 ኵባንያታት ገምጋም ድልውነት ክገብሩ ጸኒሖም እዮም፤ ኢትዮ ቴሌኮም ሓደ ካብኦም'ዩ" ይብል።

ኢኤስኤክስ ንኢትዮጵያውያን ብምንታይ ይረብሕ?

ዕዳጋ ሰነደ መዋእለ ንዋይ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዕዳጋ ኢትዮጵያ ዓብዪ ብጽሒት ንዘለዎም ንኣሽቱን ማእከለዎትን ትካላት ልዑለ እጃም ከም ዘለዎ ይግመት።

መብዛሕትኦም ዞም ትካላት ንግዲ፡ 'ልቓሕ' ንምርካብ ይሽገሩ'ዮም።

ብባህላዊ መገዲ ካብ ባንክታትን ውልቃዊ መርበባትን ብብዝሒ ብዝግበር ስርዓት ልቓሕ እዮም ክንቀሳቐሱ ጸኒሖም።

ሕጂ ምስ ዕዳጋ ሰነደ መዋእለ ንዋይ ኢትዮጵያ፡ ኣክስዮን ብምሻጥ ገንዘብ ንምእካብ ወግዓዊ መገዲ ክረኽቡ እዮም።

እዚ ድማ ንዕብየት፡ ንምህዞን ፈጠራ ስራሕን ዘድሊ ርእሰ-ማል ንምውሓስ ኣገዳሲ እዩ።

"ብዙሓት ብስድራቤት ዝውነኑ ትካላት ንግዲ ኣለዉ፤ ሕጂ ዓቢ ርእሰ-ማል ክጥቀሙ ዝኽእሉ ብዙሓት ኣዝዮም መሰጥቲ ዝዀኑ ጀመርቲ ትካላት ኣለዉ" ይብል ኣቶ ዘመድነህ ንጋቱ።

ዕዳጋ ሰነደ መዋእለ ንዋይ ኢትዮጵያ፡ ተራ ዜጋታት'ውን ብወፍሪ ሃብቲ ከዋህልሉን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ሃብቲ ክረኽቡን ዘተባብዑ ሓደስቲ ዕድላት ክረኽቡ ክሕግዝ ይኽእል እዩ።

ኣቶ ዘመዴነህ፡ "ስቶክ ኤክስቼንጅ [ዕዳጋ መዋእለ ንዋይ] እንታይ ማለት ምዃኑ ህዝቢ ግንዛበ ንክህልዎ ይስራሕ ከም ዘሎ" ይጠቅስ።

ዝቕባበ ዋጋ ኢትዮጵያ ኣብ ዝለዓለ ብርኪ በጺሑ ይርከብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዝቕባበ ዋጋ ኢትዮጵያ ኣብ ዝለዓለ ብርኪ በጺሑ ይርከብ

ቍጠባዊ ጽገና ኢትዮጵያ እንታይ ይመስል?

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ዘካየዶም ቍጠባዊ ጽገናታት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይዅን ብደረጃ ዓለም ዝተፈላለየ ግብረ መልሲ'ዩ ረኺቡ።

ኢትዮጵያ ኣብ 2021 ንፈለማ እዋን ዕዳጋ ቴሌኮም ንኵባኒያ ቴሌኮም ኬንያ ዝዀነ ሳፋሪኮም ብ850 ሚሊዮን ዶላር ክትሸጠሉ እንከላ፡ እወንታዊ ግብረ መልሲ ረኺባ ነይራ።

ሳፋሪኮም፡ ብ2023 ኣገልግሎት ምልውዋጥ ገንዘብ ሞባይል ዝህብ ኤም-ፔሳ ኣብታ ሃገር ብምልላይ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ዓማዊል ከፍሪ ክኢሉ።

እንተከዋኦነ፡ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን እቲ ጠባዊ ጽገናታት ዝምልከት ኣሉታዊ ርኢይቶ ከም ዘለዎም ተንተንቲ ይገልጹ።

ንኣብነት፡ ባንኪታት ወጻእ ናብ ውሽጢ ኣዲ ኣትዮም ክንቀሳቐሱ ዘፍቅድ ጌና ኣብ ግብሪ ዘይውዓለ ኣዋጅ፡ ንባንክታት ውሽጢ ዓዲ ዘስግእ እዩ ዝብል ርኢይቶታት ይቐርብ።

እቲ ኣዋጅ፡ ባንኪታት ወጻእ ክሳብ 40 ሚኢታዊት ቀጥታዊ ብጽሒት ንክህልዎም ዘፍቅድ ከዋኦይኑ፡ እዚ ድማ ብሸርፊ ወጻኢ ክኸውን የገድድ።

ኣብዚ እዋን ጽላት ባንኪ ኢትዮጵያ፡ ብመንግስቲ ብዝውነን ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዝተዓብለለ ኰይኑ፡ እተን ካልኦት 32 ባንክታት ኵለን ኣውፈርቲ ውሽጢ ዓዲ ይውንኑወን።

ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ከም ዝብሎ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ሸርፊ ወጻእ ንምምጻእ ብዝብል ሓሙሽተ ባንክታት ወጻእ ፍቓድ ክወሃቦም'ዩ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ዋጋ ብር ኣብ ሓምለ 2024 ምስ ዶላር ክወዳደር እንከሎ ዋጋኡ ብልዕሊ 50 ሚእታዊት ክንኪ ተገይሩ፤ በዚ ድማ ገለ ኢትዮጵያውያን ስግኣት ሓዲርዎም ኣሎ።

እዚ ስጕምቲ፡ ነቲ ድሮ ዝውስኽ ዘሎ ዝቕባበ ዋጋ ከጋድዶ'ዩ ብዝብል ሰባት ዶላር ክዓቝሩ ጀሚሮም ኣለው።

ነዚ ስዒቡ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ፡ ንገለ ካብቶም ስግኣታት ንምህዳእ፡ ትሑት ደሞዝ ንዝረኽቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ 300 ሚእታዊት ወሰኽ ደሞዝ ከም ዝተገበረ ኣፍሊጡ።

ዕጫ ቍጠባ ኢትዮጵያ

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ዋጋ ብር ክትሕት ገይራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ዋጋ ብር ክትሕት ገይራ

መጻኢ ዕጫ ቍጠባዊ ለውጢ ኢትዮጵያ፡ ሕጂ ኣብታ ሃገር ብዘጋጥም ዘሎ ዝቕባበ ዋጋ፡ ዕዳን ሕጽረት ሸርፊ ወጻእን ብኸመይ'ያ ክትሰግሮም ዝብል ሕቶ ኣብ ምምላስ ይምርኰስ።

"ብድሆታት ከጋጥሙ ይኽእሉ እዮም፤ ከም ናተይ ግምት ግን ቍጠባ እታ ሃገር ናብ ካልእ ደረጃ ንክሰጋገር እቶም ሕጂ ዝግበሩ ዘለው ጽገናታት ኣገደስቲ'ዮም" ኣቶ ዘመድነህ።

ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዕዳ ኣለቃሕታ ከይከፈለት [ቦንድ] ብምጽንሓ ናይ ዕዳ ስግሽግ ንምግባር ዝርርባት ከተካይድ ምጽንሓ ይፍለጥ።

ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው፡ ኣውፈርቲ ወጻእ ንምዕዳም ዓንቂፉ ይርከብ።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ድማ ነቲ ወፍሪ ወጻእ ሃስዩ እዩ።

ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ ድማ ኣብ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ዝካየዱ ዘለዉ ግጭታት "ዘጨንቑን ዘተሓሳስቡን" እዮም ከም ዝበለ ይዝከር።

ይዅን'ምበር፡ እቶም ሰብ ሞያ እታ ሃገር ትኽክለኛ ሓገዝ እንተረኺባ እቶም ቍጠባዊ ጽገናታት፡ ዝተሓላለዅ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ክሕግዙ ከም ዝኽእሉ ይኣምኑ።

"ኣብ ዝቕጽሉ ካብ ሓሙሽተ ክሳዕ ዓሰርተ ዓመታት፡ ሰፊሕ ወፍሪ ወጻኢ ክንስሕብ ኢና ኢለ ይግምት። ብቅኑዕ መገዲ እንተተጓዒዝና ቢልዮናት ዶላራት ከነምጽእ ንኽእል ኢና" ይብል ዶክተር ጥላሁን።