መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ምምሕያሻት ሕጊን ዝፈጠሮ ሻቕሎትን

መገዲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ካበይ ናበይ?

ሓደ ካብ መአከቢ ኣዳራሻት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝዀነ ቍጽሪ 52 ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ ሰሙን ብሰባት መሊኡ ነበረ።

ኣብቲ ኣዳራሽ ክኢላታት ሕጊን ሚድያን ከምኡ’ውን ወከልቲ ሲቪላዊ ማሕበራት ተረኺቦም ነይሮም። እዞም ሰባት ብዛዕባ ምምሕያሽ ኣዋጅ ሚድያ ህዝባዊ ዘተ ንምክያድ’ዮም ኣብቲ ኣዳራሽ ተረኺቦም።

እዚ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ ናብ ባይቶ ዝቐረበ እማመ፡ 14 ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ዘውጽእኦ ሓባራዊ መግለጺ፡ “ናይ ኣቀራርባን ትሕዝቶን ጸገም ከምዘለዎ" ኣመልኪተን።

ሓደ ካብቶም ነቲ መግለጺ ዘውጽኡ ትካላት ማእከል ልምዓት መሰላትን ዲሞክራስን [ካርድ] እቲ መግለጺ ድሕሪ ምውጽኡ ብበዓል መዚ ሲቪላዊ ማሕበራት ካብ ስርሑ ተኣጊዱ።

ድሕሪ 10 መዓልታት ካልኦት ክልተ ኣብቲ መግለጺ ዝተሳተፋ ሲቪላዊ ማሕበራት ተመሳሳሊ ዕጫ ኣጋጢምወን።

ክልቲኦም ትካላት ቅድሚ ምእጋዶም ኣብቲ ዝተኻየደ ህዝባዊ ዘተ ተሳቲፎም ነይሮም።

“መስርሕ ምምሕያሽ መሻርኽቲ ኣካላት ዘይተሳተፍሉ እዩ። ስለዚ እቲ ጠለብ፣ ትሕዝቶን ኣሰራርሓን ካብ መንግስቲ ከምዝዀነ ይሕብር። እዚ ድማ ካብ ፖለቲካዊ ምኽንያት ዝምንጩ ምዃኑ እዩ ዘርኢ” ኢሎም ነይሮም።

ኣብ መጀመርታ ሕዳር ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ "እቲ ኣብ ተግባር ዘሎ ኣዋጅ ሚድያ ንናጽነት ክድርትን ነቲ ተቘጻጻሪ ኣካል ሚድያ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ፈጻሚ ኣካል ከእትዎ’ዩ ዝብል ስክፍታ ኣለና" ኢሎም።

ኣብቲ እማመ ምምሕያሽ ካብ ዝተገብረ ለውጢ ሓደ መስርሕ ምልመላን ምሻምን ኣባላት ቦርድ በዓል መዚ ሚድያ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ነቲ ቦርድ ተዋሂቡ ዝነበረ ስልጣን ናብ በዓል መዚ መራኸቢ ብዙሃን ተሰጋጊሩ ኣሎ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ክኢላታት ሕጊ፡ እዚ ምምሕያሽ ሕጊ ሚድያ፡ ከምኡ’ውን እገዳ ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ልዕሊ’ቲ ድሮ ኣጸጋሚ ዝዀነ ዲሞክራስን ሲቪላዊ ማሕበራትን ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዘሕድር ይገልጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ሲቪላዊ ማሕበራት፡ ሚድያታትን ዲሞክራስያዊ ትካላትን ዘካየዶ ናይ ሕጊ ምምሕያሻት ከም ጽቡቕ ኣብነት ክጥቀስ ጸኒሑ’ሎ።

ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጹ ሕጊታትን ፍጻመታትን ነቲ መንግስቲ ኣብ ሓደ እዋን "ዕዉት" ኢሉ ዝገለጾ “ምምሕያሻት" ንድሕሪት ይመልስዎ ከምዘለዉ ይዛረቡ።

እቲ ሕጊ ንምምሕያሽ ብኸመይ እዩ ተጀሚሩ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ናብ ስልጣን ምስ መጸ፡ ኣብ ሓያሎ ጉዳያት 'ጽገና' ክገብር ቃል ኣትዩ ነይሩ፤ ሓደ ካብኡ ድማ ሕጋዊ ምምሕያሻት ምግባር'ዩ ነይሩ።

መጋቢት 24/2010 [ግእዝ] ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ክሽየም እንከሎ፡ "ኣብ ሃገርና ዲሞክራሲ ክዕምብብ፡ ናጽነትን ፍትሕን ክሰፍን፡ ልዕልና ሕጊ ክውን ክኸውን ኣድላዪ ጽገናታት ብምግባር ኣብቲ ዓውዲ ዘሎ ሃጓፍ ክንመልእ ኢና" ዝብል መደረ ኣስሚዑ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ።

መራሒ እታ ሃገር ኰይኑ ስራሕ ምስጀመረ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ትሕቲ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣማኻሪ ቤት ምኽሪ ሕጊን ፍትሕን ተመስሪቱ።

እቲ ጉባኤ ካብ ክፍሊ ትምህርቲ ሕጊ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ትካላትን ዝመጽኡ 13 ኣባላት ዝነበርዎ’ዩ።

ኣብቲ እዋን ዋና ዓቃቢ ሕጊ ፈደራል ኰይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ኣቶ ብርሃኑ ጸጋየ፡ እቲ ኣማኻሪ ጉባኤ ኣብ ስርዓት ፍትሒ ፀገም ኮይኖም ዝለዓሉ ሕግታት ብምልላይን ብምምርማርን ለውጢ ንምምፃእ ሓሳብ ብምቕራብ ከም ኣማኻሪ ኮይኑ ከምዝሰርሕ ገሊጹ።

ኣቶ ብርሃኑ ወሲኹ፡ መንግስቲ ነቲ ናይ ሰለስተ ዓመት ዕድመ ዘለዎ ኣማኻሪ ጉባኤ በጀት ከምዝምድበሉ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብ ትሕቲ እቲ ባይቶ ሕግታት ዘርቅቕ ጕጅለታት ቈይመን ዝነበራ ኰይነን ቢቢሲ ካብቶም ኣብኡ ክሰርሑ ተባሂሎም ተመዲቦም ዝነበሩ ኣርባዕተ ውልቀሰባት ኣዘራሪቡ’ሎ።

እቶም ክኢላታት ብዛዕባ ኣሰራርሓ፣ ትኹረትን ስዒቡ ዝመፅእ ውፅኢትን ብዝርዝር ተዛሪቦም።

ሓደ ካብዞም ክኢላታት ዝኾነ ሚስተር ቶልቻ*፡ እቲ ጽገናታት ሕጊ ብቐንዱ ኣብ “ሲቪካዊ ነጻነት ይድርቱ’ዮም ተባሂሎም ኣብ ዝተፈለዩ ጨቋኒ ሕግታት" ዘተኮሩ ምንባሮም ይዝክር።

ካልእ ኣባል እቲ ጉጅለ ክኢላታት ዝኾነ ኣቶ ሚዛን፤ "ምስ ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ብጥብቂ ዝተኣሳሰሩ ሕግታት ፀገም ዝነበሮም እዮም" ኢሉ።

ካብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲቲታትን ካልኦት ትካላትን ዝመፁ ምሁራት ሕጊ ነዚ ሕግታት ኣፅኒዖምን ገምጊሞምን እዮም፤ "ለውጢ ክግበር ከምዘለዎ ሓሳብ ናይ ምቕራብን ብኡ መሰረት ሓደስቲ ሕጊታት ናይ ምንዳፍን" ሓላፍነት ነይርዎ።

ኣቶ ሚዛን ኣስዒቡ "ንስርዓተ ዲሞክራሲ ኣመና ሃሲዮም" ዝተብሃሉ ሕግታት ምስ መረፃ፣ ፀረ ግብረሽበራ፣ ሚድያን ሲቪል ማሕበራትን ዝተኣሳሰሩ ሕግታት መጀመርያ ከምዝተመሓየሹ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ብቕንዕና ዝተገበረ ምስግጋር ዶ ተቐባልነት ንምርካብ?

እቲ ሕጋዊ ጽገናታት ብሓፈሻ ቅድሚ 7 ዓመት ኣብ ፖለቲካዊ ስርዓት ዝተራእየ ለውጢ ስዒቡ ዝመጽአ’ዩ። ኣባል እቲ ጉጅለ ክኢላታት ዝነበረ ሰይፉ፡ "ናብ ስርዓተ ዲሞክራሲ ናይ ምስግጋር ዕዮ’ዩ ተኻይዱ" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።

"ዲሞክራስያዊ ስግግር ማለት ሓደ ምልካዊ መንግስቲ ናብ ስርዓተ ዲሞክራሲ ክሰጋገር ምዃኑ መብጽዓ ምስኣተወ’ዩ” ዝብል ሓሳብ ዘለዎ ኣቶ ሰይፉ፡ “ብዛዕባ ምርግጋጽ ስርዓተ ዲሞክራሲ መብጽዓታት ምእታው ሓድሽ ነገር ኣይኮነን። እቲ ሓድሽ ነገር ንመጀመርታ ግዜ ብተኣማንነት ቃል ዝተኣተወሉ እዩ። መንግስቲ ቃል ክኣቱ ከሎ ምእማን፡ ብሓቂ ምስግጋር ኣሎ ዝብል ትርጕም ምሉእ ይገብሮ" ኢሉ ይትንትን።

መንግስቲ ናብ ስርዓተ ዲሞክረሲ ስግግር ይገብር ኣሎ እዩ ዝብል እምነት ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ተቐባልነትን ደገፍን ክረክብ ሓጊዝዎ እዩ።

ኣቶ ሰይፉ ወሲኹ፡ "ማሕበረሰብ ዓለም ናብ ዲሞክራሲ ለውጢ ይገብሩ ከምዘለዉ ዝኣመነሉ ምኽንያት፡ ሊሂቃን ኢትዮጵያ ስለዝደገፉዎም'ዩ፤ እዚ ድማ ምምስራት ኣማኻሪ ቤት ምኽሪ ሕግን ፍትሕን ሓዊሱ'ዩ" ኢሉ።

ብመንጽር ኣረኣእያ መንግስቲ፡ ጉባኤ ኣማኻሪ ሕግን ፍትሕን፡ ካብቲ ዝተዋህቦ ስልጣንን ሓላፍነትን ንላዕሊ ምዃኑ ብምግላጽ፡ "ገዛኢ ሰልፊ ዲሞክራስያዊ ስግግር የካይድ ኣሎ ዝብል ሓሳብ ዘቃልሕ እዩ ነይሩ" ኢሉ።

ኣብቲ እዋን እቲ ለውጢ ዝብል ቃል ኣብ መደረ ብዙሓት ሰበስልጣን መንግስቲ ብብዝሒ ዝዝውተር ቃል እዩ ነይሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኲናት ትግራይ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ባይቶን ካልኦት መድረኻትን ኣብ ዘስምዖ መደረታት ብዛዕባ ለውጢ ብፍላይ ድማ ጽገና ሕጊ ብተደጋጋሚ ይዛረብ ከምዝነበረ ዝዝከር’ዩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ብጾቱን 'ጽገና'፡ 'ለውጢ'ን 'ስግግር'ን ዝብሉ ቃላት ብተደጋጋሚ ድኣ ይዛረቡ እምበር፡ ኣብቲ መስርሕ ዝተሳተፉ ክኢላታት ግን ኣብቲ ሕጊ ምምሕያሽ ዝብል ሓሳብ ግን ሓቀኛ ተወፋይነት ከምዘይነበረ’ዮም ዝገልጹ።

ኣቶ ቶልቻ ኣብቲ ሽዑ ግዜ “ኣብ ሕጋዊ መዳያት ምምሕያሽ ክግበር ዝተደለየሉ ምኽንያት ቅብሉነት ንምርካብ’ዩ ነይሩ። ነዚ ንምግባር ድማ ደገፍ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ የድሊ ነይሩ። [መንግስቲ] ገስጋሲ ምዃኑ ንማሕበረሰብ ዓለም ከርኢ ነይርዎ” ኢሉ።

ኣብቲ ናይ ሕጊ ምምሕያሽ ዝተሳተፈት በዓልቲ ሞያ ሕጊ ሓሊማ፡ "ኣብ ቀዳማይ ዓመት ዝተሰርሑ ንጥፈታት፡ ካብ ማሕበረሰብ ውሽጢ ዓድን ዓለምለኻውን ተኣማንነትን ተቐባልነትን ንምዕዳግ ዝተገበሩ እዮም" ኢላ።

እዞም ቢቢሲ ቃለ መሕትት ዝገበረሎም ኣርባዕተ ክኢላታት ነቲ ሓሳቦም ዘራጉደሎም መርትዖታት ኣቕሪቦም።

ኣቶ ሰይፉ፡ "ሓደ ካብቲ ቀዳማይ ተስፋ ዘቝርጽ ተግባራት፡ መንግስቲ ብዛዕባ ትሕዝቶ፡ ዓወት ወይ ውድቀት መብዛሕትኦም ተበግሶታት ጽገና ዘይምግዳሱ'ዩ" ይብል።

ንሱ ኣስዒቡ "ዋላ'ኳ እቲ ናይ ቃላት መጽብዓታት እንተሃለወ፡ መንግስቲ ስሩዕ ናይ ጽገና ስራሕቲ ንምክያድ ባጀት መዲቡ ኣይፈልጥን" ይብል።

ሓሊማ ብወገና “ብሓፈሻ እቲ ሓሳብ ካብ መንግስቲ ዝመጽእ ኮይኑ፡ ድሕሪኡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓቢ ጉዳይ ፖለቲካዊ ውሳነታት ይህበሉ" ኢላ።

እዚ ፖለቲካዊ ውሳነታት ብመንገዲ ኣብቲ እዋን ምክትል ዓቃቢ ሕጊ ዝነበረ ዶክተር ጊዴዎን ጢመትዎስ ኣቢሉ ናብቶም ነቲ ሕጊ ከመሓይሹ ገዛ ዕዮ ዝተውሃቦም ሰብ ሞያ ይንገር ከምዝነበረ’ውን ሓሊማ ወሲኻ ገሊጻ።

ካብዚ ብተወሳኺ ካብ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ተቓውሞታት ይመጽእ ከምዝነበረ እቶም ክኢላታት ይዝክሩ። ኣቶ ቶልቻ ኣብ ኣዋጅ ሲቪል ማሕበራት ዘጋጠሞም ተቓውሞ ከም መርትዖ ኣልዒሉ።

እቲ እማመ ሕጊ ምስተዳለወ፡ ኣብቲ ኣዋጅ “ስልጣንና ተገዲቡ እዩ፤ ሲቪክ ማሕበራት ኣብቲ ቦርድ ክኣትዋ ተገይሩ፤ ስለምንታይ ኢና ሲቪክ ማሕበራት ናይ ምስራዝ ሓላፍነት ተኸልኪልና?" ዝብሉ ናይ ተቓውሞ ሓሳባት ብሰበስልጣን ሲቪላዊ ማሕበራት ከም ዝቐረቡ ይዝክር።

ኣቶ ሚዛን ወሲኹ፡ "እቲ ስራሕ ካብ ዝጅምር ዓመትን ፈረቓን ምስገበረ ነቶም ዝተጀመሩ ስራሕቲ ምቕጻል ኣይተኻእለን" ኢሉ።

መንግስቲ ‘ሕቶ ህላወ ኣለኒ ኢሉ’ ትኹረቱ ምስ ቀየረ፡ ሓቢርካ ንምስራሕ ናብ ዘይከኣለሉ ኩነታት ከምዝተበጽሐ’ውን ኣቶ ሚዛን ተዛሪቡ።

ኢትዮጵያ ንድሕሪት'ዶ ትምለስ ትህሉ?

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብርእሰ ተኣማንነት ዘይጀመሮ መስርሕ ጽገና ሕጊ፡ ሕጂ ንድሕሪት ዝምለስ ዘሎ ይመስል ክብሉ እቶም ሰብ ሞያ ሕጊ ይገልጹ ኣለዉ።

እቲ ኣብ ሓደ እዋን ብሰበስልጣን መንግስቲ እታ ሃገር ከም ዓቢ ዓወት ዝረአ ዝነበረ ናይ ሚድያ መመሓየሺ ኣዋጅ ሓደ ኣብነት እዩ።

ብመሰረት እቲ እማመ ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባት ወይ ተቘጺሮም ዝሰርሑ ሰባት ኣባላት ቦርድ ሰብ መዚ መራኸቢ ብዙሃን ከይኰኑ ዝኽልክል ድንጋገ እቲ ኣዋጅ ተሰሪዙ።

ኣቶ ሚዛን ኣብ መስርሕ ምንዳፍ እቲ ኣዋጅ እዚ ድንጋገ ሕቶ ከም ዘልዓለ ይዝክር።

ዓበይቲ ሰበስልጣን ገዛኢ ሰልፍን ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባትን ኣብቲ ቦርድ ክኣትዉ የብሎምን ዝብል ጠለብ ምቾት ዘይሃቦም ሰባት ርእይቶኦም ገሊጾም ከምዝነበሩ ኣቶ ሚዛን ጠቒሱ።

“ካብ ፈለማ ይጸድቕ’ዩ ዝብል እምነት ኣይነበረናን። ይዅን እምበር ጸዲቑ ምስወጽአ ‘ተኣማሚኖም’ እዮም እምበኣር ኢልና ነይርና” ኢሉ።

እቲ ኣዋጅ ጸዲቑ ሓደ ዓመት ምስኣሕለፈ፡ ኣባላት ገዛኢ ሰልፍን መራሕትን ከም ኣባላት ቦርድ መዚዙ፡ እዚ ድማ ነቲ ብባይቶ እታ ሃገር ዝጸደቐ ኣዋጅ ዝጻረር’ዩ።

ኣቶ ሚዛን ኣብቲ እዋን ተቓውሞኡ ኣስሚዑ ከምዝነበረ ብምግላጽ፡ ካብ ተወካሊ መንግስቲ "መንግስቲ ኣብ ጸገም ኣትዩ እንከሎ ኩላተን ሚድያ ንመንግስቲ ይኸሳ ኣብ ዘለዋሉ ኵነታት መንግስቲ ዘይቈጻጸሮም ሰባት ከም ኣባላት ቦርድ ክሸይም’ዩ ኢልኩም ከመይ ትኣምኑ?” ዝብል መልሲ ከምዝተውሃቦ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቲ ኣማኻሪ ባይቶ ዘውጽኦም ሕጊታት ካብ ምጥሓስን ምምሕያሽን ሓሊፉ፡ ገለ ዘርቀቘም ሕግታት ጨና ማይ ኰይኖም ከምዝተረፉ ወሲኹ ተዛሪቡ።

ኣቶ ሚዛን ኣስዒቡ፡ "ኣብቲ እዋን እቲ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ኢደይ ሓያሎ ረቂቕ ሕግታት ኣለዉ፤ ሕጂ ግን ቀዳምነት ዝወሃቦም ኣይኮኑን ክብል ጀሚሩ" ክብል ነቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ኵነታት ይዝክር።

ካብቲ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ብተወሳኺ ረቂቕ ኣዋጅ ክቐርበሉ ከሎ ብቕልጡፍ ዝውስን ዝነበረ ባይቶ፡ ሕጂ ውሳነ ንዘይምሃብ ዝተፈላለየ ምኽንያታት እናፈጠረ ንኣዋርሕ ምድንጓያት ይገብር ከምዘሎ ትዕዝብቱ ገሊጹ።

"ናጽነት ሓበሬታን ኮምፒተርን ዘተኮሩ ኣዋጃት ንውሳነ ኣቕሪብና ነይርና" ዝበለት በዓልቲ ሞያ ሕጊ ሓሊማ “ሕጊ ናጽነት ሓበሬታ ዘይምጽዳቑ ኣብ ስግግር ስርዓተ ዲሞክራሲ ዓቢ ክሳራ ኣስዒቡ’ዩ” ክትብል ብጣዕሳ ትዛረብ።

ንሳ “ሕጊ ናጽነት ሓበሬታ ስቕ ኢሉ ኣይኮነን ተገዲፉ፤ መንግስቲ ስለዘይደለዮ እዩ። ኣብዚ ዝነጸረለይ ነገር እንተሃለወ መንግስቲ ተገዳስነት ከምዘይብሉ’ዩ” ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ሓሊማ እዚ ድኣ ትበል እምበር፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ መበል ሓሙሻይ ዓመት ምምስራት ውድቡ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብመንጽር ዲሞክራስን ሲቪካዊ ትካላትን ከምኡ'ውን ናጽነትን ልምዓትን ሚድያ ዝተገብረ ስራሕ “ውጽኢት ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ” ከምዝኾነ ጠቒሱ።

ፖለቲካዊ ውድብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝተመስረተሉ መበል ሓሙሻይ ዓመት ኣብ ዘብዕለሉ ዘሎ ሰሙን፡ ሰለስተ ሲቪላዊ ማሕበራት ተኣጊደን ኣለዋ።

እቲ ናይ ሚድያ ኣዋጅ’ውን እንተኾነ ንጭዋዳታት ፈጻሚ ኣካል ንምጉልባት ብዘኽእል መገዲ ተመሓይሹ ቀሪቡ’ሎ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት፡ ስልጣን ኣብያተ ፍርዲ ዝጻረር መሰል ዜጋታት ዝድርትን እማመታት ናብ ባይቶ ቀሪቡ’ሎ።

እዞም ፍጻመታት እዚኦም ንሃዋህው ዲሞክራስን ሲቪካዊ ምንቅስቓሳትን ከዳኽሙ እዮም ዝብል ስክፍታ ኣሎ። ኣቶ ሰይፉ "ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ስርዓተ ዲሞክራሲ ዝግበር ዝነበረ ስግግር ኣብ መፋርቕ 2020 እዩ ተኾሊፉ” ይብል።

እቲ በዓል ሞያ ወሲኹ "ኲናት ትግራይ ምስ ተጀመረ ብዛዕባ ዲሞክራታይዜሽን ምዝራብ ሕንቃቐ እዩ ነይሩ። ኣብ ኢትዮጵያ ዲሞክራታይዜሽን ክህሉ ይኽእል እዩ ኢልካ ዝሕሰብ ስነ-መጎታዊ፡ ክልሰ-ሓሳባዊ ወይ ተግባራዊ መሰረት ኣይነበረን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣቶ ቶልቻ ብወገኑ "ብደረጃ ፈደራል ምልኪ ውልቀ ሰብ ይግሃድ ኣሎ" ብምባል፡ ንቐጻሊ ካልኦት ካብቲ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ዝገደደ ተርእዮታት ክስዕቡ ከምዝኽእሉ ተዛሪቡ።

ኣቶ ሰይፉን ሓሊማን ብግደኦም ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ዝተርኣዩ ፍጻመታት "መግለጺ ምልካውነት" ምዃኖም ይሰማምዑ።

*ኣብዚ ጸብጻብ ዝተጠቕሱ ሰብ ሞያ ሕግን ወሃብቲ ርእይቶን ንድሕነቶም ተባሂሉ ስሞም ከይግለጽ ስለዝሓተቱ፡ ንኣንባቢ ክምቹ ኢልና ኣስማቶም ተቐይሩ ኣሎ።