ኢትዮጵያ፡ ሸርፊ ዶላር ዓመት ኣብ ዘይመልእ ልዕሊ 128 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ

ምስሊ ገንዘብን ብርን

ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓምለ ዝተኻየደ ዝተኻየደ 'ዕዳጋ-ምርኵስ ዝገበረ' ተመን ሸርፊ ወጻኢ፡ ዶላር ብልዕሊ 128 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ።

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ሸርፊ ዶላር ኣመሪካ ብሸውዓተ ብር ከምዘዕበዮ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብ21 ሓምለ 2016 [ግ] ሓድሽ ስርዓተ ንግዲ ዘተኣታተወ ዀይኑ፡ ሸርፊን ለውጥን ባጤራ ኣብ ዕዳጋ መሰረት ዝገበረ ክኸውን ምውሳኑ ይዝከር።

ኢትዮጵያ፡ ካብ ዓለምለኸ ትካል ገንዘብን ባንኪ ዓለምን፡ 10.7 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ንምርካብ እያ፡ ዕዳጋ መሰረት ዝገበረ ሸርፊ ወጻኢ ብምትግባር ዋጋ ባጤራኣ ከተጕድል ዝወሰነት።

ነዚ ስዒቡ፡ ኣብ ሓደ ሰሙን ጥራይ ዓቕሚ ዕድጊ ብር ብ57 ሚእታዊ ከም ዝጐደለ ይዝከር።

ኣብቲ እዋን ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርትን ነጋዶን፡ ድሕሪ እቲ ውሳነ፡ ዋጋታት ኣቑሑትን ኣገልግሎታትን ርኡይ ወሰኽ ከም ዘርኣዩ ሓቢሮም ነይሮም።

ቅድሚ እቲ ውሳነ ሸርፊ፡ ሓደ ዶላር-ኣመሪካ ብ54 ብር ይሽየጥ ነይሩ፤ ንጽባሒቱ ረቡዕ 20 ግንቦት 2016 [ግ] ሓደ ዶላር ኣመሪካ 131 ብር ሓፍ ኢሉ ነይሩ።

ቢቢሲ መዓልታዊ ሸርፊ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያን ባንኪ ዳሸንን ብምክትታል፡ ክልቲአን ባንክታት ንሓደ ዶላር ኣስታት 131 ብር ዝግመት መጠን ሸርፊ ንዕዳጋ የቕርባ ነይረን፤ ናይ ሓንቲ ሳንቲም ፍልልይ ጥራይ ነይሩ።

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ንሓያሎ ኣዋርሕ ሓደ ዶላር ኣመሪካ ብ124 ብር ገዚኡ ብ2 ብር ወሰኽ ክሸይጥ ጸኒሑ፡ ካብ መፋርቕ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ግን 4 ብር ወሲኹ ብ128 ብር ክዕድግ ጀሚሩ ኣሎ።

እቲ ባንኪ ሓደ ዶላር ኣመሪካ ብ131 ብር ገዚኡ ብ133 ብር ከም ዝሸጦን፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ብሸውዓተ ብር ከምዝውስኽን ኣፍሊጡ።

ሃገራዊ ባንኪ ባጤራ ወጻኢ ብጨረታ ናብ ካልኦት ባንክታት ይሸይጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሻድሻይ ዙር ዘቕረቦ 50 ሚልዮን ዶላር 14 ባንክታት ብማእከላይ 133 ብርን 17 ሳንቲምን ከምዝወሰዳ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሓምሻይ ዙር ጨረታ 60 ሚልዮን ዶላር ንሓራጅ ቀሪቡ ብማእከላይ ዋጋ 132 ብርን 90 ሳንቲምን ተሸይጡ ምንባሩ መረዳእታ የመልክት።

ዶላርን ጸሊም ዕዳጋን

መንግስቲ፡ ዋጋ ብር ብምጉዳል፡ እቲ ባጤራ ምስ ጸሊም ዕዳጋ ንምምዛን ይሰርሕ ከምዘሎ እኳ እንተገለጸ፡ እቲ ፍልልይ ግን እናሰፍሐ ይኸይድ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ ሸርፊ ዶላር ኣብ ስሩዕ ዕዳጋ 124 ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ድማ 154 ነይሩ።

ሃገራዊ ባንክ ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር መንግስቲ ዝጸንሐ ስርዓት ተመን፡ "ተመዓዳዊ ጸሊም ዕዳጋ" ከም ዝፈጠረን፡ እዚ ድማ ዶላር ካብቲ ስሩዕ መንግስታዊ መጠን፡ ብዕጽፊ ክሽየጥ ከም ዘገደደን ኣረዲኡ ነይሩ።

በዚ ምኽንያት ድማ እታ ሃገር ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ የጋጥማ ከምዝነበረ፣ ንዕቤት ብሕታዊ ጽላት ከም ቀንዲ ዕንቅፋት ከምዝዀነን ብምጥቃስ፡ "ውሑዳት ዘይሕጋውያን ኣካላትን ደላሎን ዘይፍትሓዊ ረብሓ" ብምምምዝሓቝ ከሲሱ ነይሩ።

ሸርፊ ወጻኢ ኣብ ዕዳጋ ዝተመርኮሰ ክኸውን ምግባር፡ ንባጤራ እታ ሃገር ብምድኻም ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ኣቑሑት ዝያዳ ከም ዝኸብር ይገብሮ።

ከም ውጽኢቱ፡ መግቢ፡ ነዳዲን መድሃኒትን ዋጋ መሰረታዊ ኣቑሑትን ዓሪጉ።

እዚ ድማ ዋጋ ናይዞም ኣቑሑት ብምውሳኽ፡ ኣብ ከም በዓል ኢትዮጵያ ዝበዝሐ ካብ ወጻኢ ዘእትዋ ሃገራትን ንግዳዊ ትካላትን ከቢድ ጾር ከም ዝፈጥር ይግመት።

መንግስቲ እቲ ወሰኽ ጸቕጢ ንምቅላስ፡ ደሞዝ ትሑት መሃያ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ክውስኽ ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኮሚተ ገንዘባዊ ፖሊሲ ሃገራዊ ባንክ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ዓመታዊ ዝቕባበ ዋጋታት እናነከየ ከም ዝመጸ ኣስተብሂሉ።