ኢትዮጵያ፡ ሓድሽ ገንዘባዊ ፖሊሲኣ እንታይ እዩ፣ ውጽኢቱ ኸ?

ገንዘብ ዝሓዘት ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, BBC/AMENSISA IFA

ኢትዮጵያ ዋጋ ባጤራኣ (ብር) ክተውርድ ምውሳና ነቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ናይ ወጻኢ ወፍሪ ከተባብዕን ቍጠባ እታ ሃገር ንምርግጋእ ክሕግዝን ተስፋ ትገብር።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ተወዳዳሪን ኣብ ዕዳጋ ዝተመስረተን ስርዓት ሸርፊ ወጻኢ ከምዘተኣታተወ ኣብዚ ቅነ’ዩ ወግዓዊ ገይሩ።

እዚ ከኣ ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ዝተረኣየ ዝዓበየ ለውጢ ፖሊሲ ፋይናንስ እታ ሃገር ዘመልክት እዩ።

እዚ ስጕምቲ፡ ብር (ባጤራ ኢትዮጵያ) ኣብ ዓለምለኸ ዕዳጋ ዋጋኡ ክወርድ ዝገብር’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር ካብ ዝተኣታተዉ ሓያሎ ቍጠባዊ ጽገናታት እቲ ናይ ቀረባ ውሳነ ኰይኑ፡ ኣቐዲሙ ጽላታት ቴሌኮም፡ ንግዲ ችርቻሮን ትካላት ፋይናንስን ንወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ክፉት ምግባሩ ይፍለጥ።

ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ፡ እቲ ሓድሽ ስትራተጂ ሸርፊ ወጻኢ፡ መጠን ምልውዋጥ ገንዘብ ብዕዳጋ ክውሰን ብምግባር ወፍሪ ወጻኢ [‘ፎረይን ኢንቨስትመንት’] ንምዕባይን ፋይናንሳዊ ምህዳር ንምርግጋእን ክሕግዝ’ዩ ዝብል ተስፋ ኣለዎ።

እዚ ስጕምቲ "ብቝዕ ምምቕራሕ ሃብቲ" ዘረጋግጽን ኣብ ሸርፊ ንግዲ "ግልጽነት ዘዕቢ"ን እዩ ይብል ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ።

እቶም ሓደስቲ ለውጥታት እንታይ እዮም?

ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከባ ባንክታት ካብ ሰኑይ 29 ሓምለ 2024 ጀሚረን ኣብ መንጐአን ከምኡ’ውን ምስ ዓማዊለን ናይ ወጻኢ ባጤራታት ብዝርርብ ክገዝኣን ክሸጣን ክኽእላ እየን።

እዚ ቅድሚ ምዃኑ ግን እተን ባንክታት ዝኽተላኦ ውሱን መበገሲ ዋጋ፡ ኣብ ነብሲ ወከፍ መዓልቲ ብሃገራዊ ባንክ ወግዓዊ ዝግበር ይኸውን።

ድሕሪ ሕጂ ንግዳዊ ባንክታት ባጤራታት ወጻኢ ክዕቅባ ተፈቒዱለን ኣሎ። እዚ ድማ ንብሕታዊ ጽላት [‘ፕራይቬት ሴክተር’] ዝኸውን ቀረብ ሸርፊ ወጻኢ ክውስኽ ዝገብር ከምዝዀነ ሃገራዊ ባንክ ይኣምን።

ቅድሚ ሕጂ እተን ባንክታት ካብ ሰሙናዊ ዕቑር ባጤራ ወጻኢ ነቲ 50 ሚእታዊት ናብ ሃገራዊ ባንክ ከረክባ ይግደዳ ነይረን።

ሰደድ ዝገብራ ኩባንያታት እውን ክሳብ ፍርቂ ናይቲ ካብ ወጻኢ ዝረኽባኦ ሸርፊ (ባጤራ) ክዕቅባ ክኽእላ እየን።

ብተወሳኺ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ንፈለማ እዋን ባንክ ዘይኰና ትካላት ሸርፊ ወጻኢ [ባጤራታት ወጽኢ ዝዕድጋን ዝሸጣን] ኣብታ ሃገር ክሰርሓ ተፈቒዱለን ኣሎ።

ውልቀ ሰባት እውን ብመሰረት እቲ ሓድሽ ስጕምቲ፡ ካብ ሓዋላን ካልኦት ምንጭታትን ንዝረኽብዎ ዶላር ይዂን ገንዘብ ካልኦት ሃገራት ዘንቀሳቕሱሉ ኣካውንት ክኸፍቱ ክኽእሉ እዮም።

ገንዘብ ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, BBC/AMENSISA IFA

ንምንታይ ለውጢ ኣድልዩ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ነቲ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዝጸንሐ ስርዓተ ፋይናንስ፡ ዶላር ኣመሪካ ብኣስታት ዕጽፊ ናይቲ ወግዓዊ መጠን ሸርፊ ዝሽየጠሉ ኵነታት ከምዝፈጠረ የመልክት።

ብሰንኪ እዚ ከኣ "ውሑዳት ዘይሕጋውያን ተዋሳእትን ደላሎን" ዘይግባኦም ረብሓታት ከስተማቐሩ ከለዉ ብሓፈሻ እታ ሃገር ብፍላይ ከኣ ብሕታዊ ጽላት ብኸቢድ ሕጽረት ባጤራ ወጻኢ ክህሰዩ ከምዝጸንሑ ሓቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሕጽረት ባጤራ ወጻኢ፡ እታ ንነዊሕ እዋን ብዝቐጸለ ግጭታት ትደቅቅ ዘላ ሃገር፡ ዓለምለኻዊ ወፍርታት ክትስሕብ ብዘይምኽኣላ ዝተኣሳሰረ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ንዝሸጠቶ ናይ ሓደ ቢልዮን ቦንድ ክትከፍሎ ዝግባኣ 33 ሚልዮን ዶላር ወለድ ከይከፈለት ገደብ ግዜ ከምዝሓለፋ ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ከኣ ነዚ ልቓሕ ክትከፍል ኣብ እትኽእለሉ መገዲታት ምስ ዓለምለኻውያን ኣለቃሕታ ክትዘራረበሉ ጸኒሓ እያ።

እዚ’ውን 10.7 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ሓድሽ ልቓሕ እትረክበሉ ስምምዕ ምስ ኣይኤምኤፍን ባንኪ ዓለምን ምፍጻም የካትት።

ኢትዮጵያ ዓቕሚ ባጤራኣ ምድኻም ሓዊሱ ሰፊሕ ማክሮ ኢኮኖሚያዊ ጽገናታት ምትእትታው፡ ስምምዓት ሓድሽ ልቓሕን ዳግመ ምሽግሻግ ዕዳን ክትገብር ወሳኒ ጉዳይ ምዃኑ ተንተንቲ ይኣምኑ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንዓቕሚ ብር ምድኻም፡ እታ ሃገር ምስ ዘለዋ 120 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ተደሚሩ ንወፍሪ ወጻኢ ተመራጺት ከምዝገብራ እዩ ዝገልጽ።

ይዅን እምበር እቲ ቀንዲ ስሕበት ወፍሪ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዘሎ ሰላምን ምርግጋእን ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣውፈርቲ ምስቶም ኣብ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ዝረኣዩ ግጭታት ብዝተሓሓዝ ካብቲ ሰብመዚ እታ ሃገር ዝብልዎ ብዝሓሸ ዘተኣማምን መረጋገጺ ድሕነት ክረኽቡ ግድን’ዩ።

ገንዘብ ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, BBC/AMENSISA IFA

እቲ ለውጢ እንታይ ጸገም ይህልዎ?

ሓድሽ ስርዓተ ንግዲ ሸርፊ ወጻኢ ወግዓዊ ድሕሪ ምዃኑ ብር ኢትዮጵያ ምስ ዶላር ክነጻጸር እንከሎ ካብ ዝነበሮ ዋጋ ዳርጋ ብሲሶ ዓቕሙ ወሪዱ’ሎ።

ቅድሚ ሕጂ ዓቕሚ ብር ክዳኸም ከሎ ብፍላይ ኣብቶም ካብ ወጻኢ ኣብ ዝኣትዉ ኣቝሑ ልዑል ወሰኽ ዋጋ ከስዕብ’ዩ ተራእዩ።

ኢትዮጵያውያን ሕጂ'ውን ዝቕባበ ዋጋ ኣቝሑ ከየጋጥም ሰጊኦም ኣለዉ።

ሃገራዊ ባንክ፡ ነቲ ምድኻም ዓቕሚ ብር "ኣዝዩ ኣገዳሲ" ክብል'ኳ እንተገለጾ፡ እቲ እዋን ምስግጋር ዋጋ ግን "በዳሂ" ከምዝኸውን ኣሚኑ’ሎ።

ብሰንኪ’ቲ ዝተገበረ ለውጢ ስርዓት ንግዲ ሸርፊ ወጻኢ ንዝመጽእ ጸቕጢ ተቓላዕቲ ዝዀኑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ደሞዞም "ምምሕያሽ ከምዝግበር" ቃል ዝተኣተወ ኰይኑ፡ እዚ ድማ "ሕጽረት ባጀት ብዘየጋድድ ኵነታት" ከም ዝፍጸም እዩ ተገሊጹ።

ይዅን እምበር እዚ ብኸመይ ክዕወት ከም ዝኽእል ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተወሃበሉን።

እቲ ለውጢ ኣብ መላእ ሃገር ወሰኽ ዋጋታት ከምዘስዕብ ዝሕብሩ ተንተንቲ ቍጠባ ብፍላይ ትሑት እቶት ዘለዎም ነበርቲ ከተማታት ብዝያዳ ክህሰዩ ከምዝኽእሉ ስግኣቶም የቐምጡ።