ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ ካብ ኢትዮጵያ ብዘይስምምዕ ዝተመለሰሉ ጉዳይ

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ጸጋም - ምልክት ኣይ ኤም ኤፍ የማን

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES/REUTERS

ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ (IMF – ‘ኣይ ኤም ኤፍ’) ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ናይ ሰሙናት ፃንሒት ኣብ ስምምዕ ልቓሕ ከይበፅሐ ዛዚሙ።

ወከልቲ እቲ ትካል ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምምጻእ ኣብ ጉዳይ ልቓሕ ክዝትዩ ዝጸንሑ፡ ኢትዮጵያ ሃገር ቦቈል ቁጠባዊ ትልሚ ንምትግባር ዘኽእላ ፋይናንሳዊ ደገፍ ክትረክብ ምሕታታ ስዒቡ እዩ።

ኣይ.ኤም.ኤፍ ምዝዛም እቲ ዑደት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብበዓል ሞያ ስነ-ቑጠባ ኣልቫሮ ፒሪስ ዝምራሕ ጉጅለ ንኽልተ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝጸንሐ ኣፍሊጡ።

ፒሪስ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ኣወንታዊ ዝርርብ ከምዝተኻየደን እቲ ዘተ ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት ኣብ ዋሽንግተን ከምዝቕጽልን ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።

ሮይተርስ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣይ.ኤም.ኤፍ ኣብ ስምምዕ ልቓሕ ከይበጽሐ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ጸንሒት ምዝዛሙ እታ ሃገር ምስ ዓለምለኻውያን ኣለቃሕቲ ንዘለዋ ርክብ ከምዝጸልዎ ሓቢሩ።

ክኢላ ቁጠባን ፋይናንስን ዶክተር ዓብዱልማናን መሓመድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኢትዮጵያ ካብቲ ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ ልቓሕ እንተዘይረኺባ ንመንግስቲ እታ ሃገር ዓቢ ሕማም ርእሲ ክኾኖ እዩ ኢሉ።

“ኢትዮጵያ ዕዳኣ ንምኽፋል ምንጪ ውሽጣዊ እቶት የድልያ። ናይ ደገ ዕዳኣ ንምኽፋል ልዑል መጠን ሸርፊ ወጻኢ የድልያ። እዚ ድማ ኣብ በጀት እታ ሃገርን ሸርፊ ወፃእን ዓብዪ ፀቕጢ ክህልዎ እዩ" ክብል ኣረዲኡ።

ዶክተር ዓብዱልማናን ከምዝበሎ ኣይ.ኤም.ኤፍ ልቓሕ ዝህብ ወይ ናይ ልቓሕ ምስግጋር ክገብር ዝኽእል ንዘቐመጦም ቅድመ ኩነታት ክማላእ ከሎ እዩ።

"ንኣብነት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ልቓሕ ክትረክብ ከላ ካብ ዝተቐመጡ ቅድመ ኩነታት፡ ኣብ መንግስታዊ ትካላት ልምዓት ሪፎርም ምትእትታው ከምኡ’ውን ስርዓተ ፋይናንስ ምምሕያሽ፣ ምትዕርራይ ተመን ሸርፊ ወጻኢን ሕጽረት ባጀትን እዮም" ክብል ኣረዲኡ።

እቲ ትካል ንኢትዮጵያ ልቓሕ ንምሃብ ወይ ምስግጋር ልቓሕ ንምግባር ቀዳምነት ካብ ዝህቦም ጉዳያት እቲ ሓደ፡ ዋጋ ሸርፊ ወጻኢ ምትዕርራይ ከምዝኸውን እቲ ክኢላ ቁጠባን ፋይናንስን ይገልጽ።

“እቲ ዝዓበየ ብድሆ ዝኸውን ጉዳይ ሸርፊ ወጻኢ ምትዕርራይ እዩ። ኣብ መንጎ ባንክታትን ጸሊም ዕዳጋን ዘሎ ፍልልይ ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ። መንግስቲ ነዚ ከዐሪ እንተፈቲኑ ክመጽእ ዝኽእል ቁጠባዊ ቅልውላው ዘፍርሖ ይመስለኒ። ናህሪ ዋጋ ሸቐጣት ብሓንሳብ ክመጽእ ይኽእል'ዩ" ክብል ነቲ መንግስቲ ዝኣተወሉ መቐራቕሮ ኣብሪሁ።

ቅድሚ ሕጂ 'ፓሪስ ክለብ' ዝተባህለ ንቻይና ዘይሓውስ ጉጅለ ኣለቃሕቲ ሃገራት፡ ኢትዮጵያ ክሳብ 22 መጋቢት 2016 ኣቆፃፅራ ግእዝ ካብ ኣይ.ኤም.ኤፍ ልቓሕ ዘይትረክብ እንተኾይና፡ እቲ ክትኸፍሎ ዘለዋ ልቓሕ ደው ንምባል ዝተበጽሐ ስምምዕ ከምዝነጽጎ ምግላጹ ይዝከር።

ኢትዮጵያ ምስዚ ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ ኣብ ስምምዕ ዘይምብጻሓ ስዒቡ ኣባል ሃገራት ‘ፓሪስ ክለብ’ ነቲ ልቓሕ ናይ ምምላስ ገደብ ግዜ ከናውሓ ድየን ኣይከናውሓን ዛጊድ ዝተፈለጠ ነገር የለን።

ኢትዮጵያ ኣብ መወዳእታ 2022 ምስ ኣይ.ኤም.ኤፍ (IMF) ዝነበራ ናይ ልቓሕ ስምምዕ ካብ ዝዛዘም ንደሓር ካብቲ ፋይናንሳዊ ትካል ትረኽቦ ዝነበረት ፋይናንሳዊ ደገፍ ተቛሪጹ ምህላዉ ይፍለጥ።

ነቲ ኣብ ሕዳር 2016 ኣቆጻጽራ ግእዝ ክትከፍሎ ዝግብኣ ናይ 1 ቢልዮን ዶላር ዩሮቦንድ ክትከፍል ስለዘይከኣለት ኣብ ዝርዝር እተን ልቓሐን ኣብ ግዚኡ ክኸፍላ ዘይከኣላ ሃገራት ኣፍሪቃ ተሰሪዓላ።

ካብቲ ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ ኣብ ምሕዋይ እትርከብ እዛ ሃገር፡ ቁጠባኣ ብዝለዓለ ናህሪ ዋጋታት፡ ሕፅረት ሸርፊ ወፃእን ምውሳኽ ዕዳ ወፃእን ይፍተን ኣሎ።

ማዕከን ዜና ሮይተርስ ንኣሃዛት መንግስቲ እታ ሃገር ብምጥቃስ ከምዝፀብፀቦ፡ ክሳብ መፋርቕ መጋቢት 2016 ኣ.ግ ኣስታት 28.2 ቢልዮን ዶላር ናይ ደገ ልቓሕ ዘለዋ ኮይና፡ ካብዚ እቲ 1 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ቦንድ ኣብ ሕዳር 2017 ክኽፈል ኣለዎ።