ኢትዮጵያ ዕዳኣ ክትከፍል ዘይምኽኣላን ሳዕቤናቱን

ዶላር ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ሚኒስትሪ ፋይናንስ ኢትዮጵያ፡ እታ ሃገር ወለድ ልቓሕ ምኽፋል ከምዘይትኽእል ኣፍሊጡ እዩ።

ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዝሸጠቶ ሓደ ቢልዮን ዶላር ቦንድ ዝኽፈል፡ ወለዱ 33 ሚልዮን ዶላር ክትከፍል ካብ ዝተቐመጠላ ገደብ ግዜ ኣርባዕተ መዓልታት ሓሊፉ ኣሎ።

ኢትዮጵያ ኣብ ታሕሳስ 2007 [ግ]፡ 1 ቢልዮን ዶላር ቦንድ ሸይጣ ናይ ዝረኸበቶ ልቓሕ ወለዱ ክሳብ ዝሓለፈ ሰኑይ ክትከፍል ዝግባእ’ኳ እንተነበረ መንግስቲ ግን እቲ ወለድ ክኸፍል ከምዘይክእል ኣፍሊጡ’ዩ።

እቲ ልቓሕ መሸጣ ቦንድ፡ ዓመታዊ 6.625 ሚእታዊት ወለድ ዝኽፈሎ ኰይኑ፡ መስርሕ ክፍሊት ግን ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ወይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሽዱሽተ ወርሒ’ዩ ዝፍጸም።

እቲ ዳርጋ ዓሰርተ ዓመት ዝገበረ ዕዳ መሸጣ ቦንድ፡ ኣብ ዝመጽእ ታሕሳስ 2017 [ግ] ክኽፈል ከምዝግባእ ትጽቢት ይግበር።

እቲ ቀንዲ ልቓሕ ክሳብ ዝምለስ ኣብ ዘለዉ ዓሰርተ ዓመታት ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ኣለቃሕቲ ዓመታዊ ወለድ ይኸፍል። ሚኒስትሪ ፋይናንስ ኢትዮጵያ፡ እታ ሃገር እዚ ወለድ ምኽፋል ከምዘይትኽእል’ዩ ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ እቲ ወለድ ብግዚኡ ክትከፍል ከምዘይትኽእል ድሕሪ ምግላጻ፡ ምስ ወነንቲ ቦንድ ዘተ ንምክያድ ሓሙስ 4 ታሕሳስ 2016 [ግ] ቈጸራ ተታሒዙ ካልእ ኣማራጺታት ክደልዩ ከም ዝተሰማምዑ ተገሊጹ ነይሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግን፡ ኮሚተ ወነንቲ ቦንድ፡ ውሳነ መንግስቲ ኢትዮጵያ "ዘየድሊን ዘሕዝንን" ገይሩ ከምዝወሰዶ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ውሳነ እንተዘይሰሪዙ ዝለዓለ ጽልዋ ከም ዝህልዎ ምግላጹ ተሓቢሩ ኣሎ።

ኢትዮጵያ፡ ምስ ወነንቲ ቦንድ ብዝተገብረ ስምምዕ መሰረት ኣብ መወዳእታ ግዜ ክፍሊት ወለድ ዘይክትከፍል ወይ (technically default) ክትገብር ከምእትኽእል ክኢላታት ቍጠባን ፋይናንሳዊ ምሕደራን ስክፍታኦም ይገልጹ።

ክኢላ ምሕደራ ፋይናንስ ዶክተር ዓብዱልመናን መሓመድ፡ ኢትዮጵያ ወለድ ክትከፍል ናይ 14 መዓልታት ዕድል ከምዝተዋህባ ብምዝኽኻር፡ ኣብዚ ግዜ ክትከፍል እንተዘይክኢላ ውዕል ዘይምኽባር (technical default) ከምዘጋጥማ ይገልጽ።

ልቓሕ ምኽፋል ዘይምኽኣል እንታይ ማለት እዩ?

ቅድሚ ዓመታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ቦንድ ንመሸጣ ኣቕሪቡ 1 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ረኺቡ'ዩ። ሓደ ክፋል ናይዚ ውዕል፡ መጠን ወለድ ልቓሕን መስርሕ ኣከፋፍላን ይምልከት።

እቲ ልቓሕ ናይ 6.625 ሚእታዊት ዓመታዊ ወለድ ዘለዎ ኰይኑ ኣከፋፍላኡ ድማ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሽዱሽተ ወርሒ ይፍጸም። ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ነዚ ወለድ ክትከፍል’ኳ እንተጸንሐት፡ ሕጂ ግን ሚኒስትሪ ፋይናንስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ክትከፍል ከምዘይትኽእል ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ስምምዕ እቲ ልቓሕ፡ ዕዳ ዘይምኽፋል "technical default” ወይ ውዕል ዘይምኽባር ክበሃል ከምዝኽእል ክኢላታት ስነ-ቝጠባ ይዛረቡ።

ዶክተር ዓብዱልመናን፡ "ብመሰረት ውዕል፡ ወለድ ዘይምኽፋል [ወይ] ብመሰረት ውዕል እቲ ቀንዲ ልቓሕ ምኽፋል ዘይምኽኣል" ውዕል ዘይምኽባር ከምዝበሃል የብርህ። ብተወሳኺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመሰረት እቲ ኣብ ውዕል ዝተቐመጠ ገደብ ግዜ፡ ወለድ ዘይምኽፋሉ ነቲ ውዕል ከምዘየኽብር ይገብሮ ኣሎ ይብል።

ብተወሳኺ፡ “ምሉእ ዕዳ ቦንድ [ክኸፍል] ኣይክእልን ምባል” ምሉእ ዕዳ ቦንድ ምኽፋል ዘይምኽኣል ማለት ምዃኑ ክኢላታት ይዛረቡ።

ዓቕሚ ምኽፋል ዕዳ እታ ሃገር፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጐ ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ወነንቲ ቦንድን ሓሙስ ዝካየድ ዘተ ቅኑዕ መልሲ ክረክብ’ዩ።

ዶክተር ዓብዱልመናን፡ መንግስቲ ነዚ ዘተ "ስፍሕ ብዝበለ ኣምር” ከምዝወሰዶ ይዛረብ። መንግስቲ "ዕዳ ወጻኢ ንምኽፋል ስለዝተጸገመ" ምስ ካልኦት ኣለቃሕቲ ይደራደር ከምዘሎ ብምዝኽኻር፡ ከም ካልኦት ልቓሓት፡ ዕዳ ምትሕልላፍ ክግበረሉ ይደሊ እዩ ይብል።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ናይ ሓሙስ ዘተ ካብ ዘቕረቦም ነጥብታት ሓደ፡ ወለድ ልቓሕ ካብ 6.625 ሚእታዊት ናብ 5.5 ሚእታዊት ክንኪ ዝብል እዩ። ካልእ ነጥቢ ድማ እቲ ቀንዲ ልቓሕ ዝምለሰሉ ግዜ ክናዋሕ ምሕታት እዩ።

ዶክተር ዓብዱልመናን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስቶም ወነንቲ ቦንድ ኣብ ስምምዕ ክበጽሕ እዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ገሊጹ።

ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ምሁር ስነ-ቝጠባ እውን ተመሳሳሊ ግምት ከምዘለዎ ይዛረብ። ኣብ መንጐ መንግስትን ኣለቃሕትን ዝግበር ዘተ “ቀሊል ኣይክኸውንን፤ ብወገን ኢትዮጵያ ግን ተስፋ ኣለኒ፡ ዝዕወት ይመስለኒ" ክብል ኣንፊቱ።

ባጤራ ዩሮ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እቲ ዘተ እንተፈሺሉ ጽልዋኡ እንታይ ይኸውን?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ክልቲኦም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ክኢላታት፡ እቲ ዘተ ናብ ስምምዕ ክበጽሕ’ዩ እኳ እንተበሉ፡ "እቲ ዘተ እንተፈሺሉ" ዘሕድሮ ጽልዋ ቀሊል ከምዘይከውን እዮም ዝገልጹ።

እቲ ስሙ ከይግለጽ ዝሓተተ ክኢላ፡ "ኢትዮጵያ ሕጂ ዘላቶ ቍጠባዊ ኵነታት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብዚ ልቓሕ ጥራይ ዝፍጸም ድዩ? ካልኦት ልቓሓት ናይ ምኽፋል ዓቕሚኸ ኣለዋ ድዩ?" ብምባል ነዞም ዝስዕቡ ውጽኢታት ይጠቅስ።

"ነገራት እንተዘይተመዓራርዮም፡ ናይ ምኽፋል ዓቕማ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ስለዘሎ፡ ዘጋጠማ ውዕል ዘይምኽባር ናብ ዕዳ ምኽፋል ዘይምኽኣል (sovereign default) ክቕየር ይኽእል'ዩ" ብምባል ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ቍጠባ እታ ሃገርን ዓቕሚ ምምላስ ዕዳን ዝምልከት ርእይቶ ይህብ።

ዶክተር ዓብዱልመናን ብወገኑ እቲ ዘተ ብዘይ ስምምዕ እንተተዛዚሙ ኢትዮጵያ ወለድን ልቓሕን ክትከፍል እንተዘይክኢላ፤ "ምስ ካልኦት ኣለቃሕቲ ዝጀመረቶ ዝርርብ ዝጐድእ'ዩ" ይብል።

ኣስታት ፍርቂ ልቓሕ እታ ሃገር እትሽፍን ቻይና፡ ንኢትዮጵያ ናይ ሓደ ዓመት ምንዋሕ ክፍሊት ዕዳ ሂባ’ያ። ብተወሳኺ ብመንገዲ ሓባራዊ መቓን ጕጅለ 20 ዕዳ ንምንዋሕ ዝርርብ ተካይድ ኣላ።

እንተዀነ ኢትዮጵያ ነቲ ልቓሕ ዘይምኽፋላ ኣብ ካልእ ዘተታት ጽልዋ ብምሕዳር ጥራይ ዘብቅዕ ኣይኰነን። ዶክተር ዓብዱልመናን “ካብ ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ (ኣይኤምኤፍ) ክንረኽቦ ተስፋ እንገብሮ ገንዘብ እንተሃልዩ ኣዝዩ ክደናጎይ ይኽእል እዩ። ምስ ኣውፈርቲ ዘለወን ሃገራት ዘሎ ዝምድና’ውን ብዝተወሰነ ክጕዳእ ይኽእል እዩ። ኣብቲ ዝህብዎ ሓገዝ እውን ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ።”

ዶክተር ዓብዱልመናን ወሲኹ፡ ብሰንኪ ምድንጓይ ሓገዝ፡ መንግስቲ ነቲ ሕጽረት በጀት ንምምላእ ገንዘብ ናብ ምሕታም ክኣቱ ይኽእል’ዩ ዝብል ግምት የቐምጥ። እዚ ድማ "ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ናህሪ ዋጋታት መነባብሮ ከጋድዶ ይኽእል እዩ" ይብል።

እቲ ስሙ ከይግለጽ ዝሓተተ ክኢላ ብወገኑ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ልቓሕ ክትከፍል ዘይምኽኣላ "ኣብ ንግዲ ምስዳድን ምእታውን ብዙሕ ጸቕጢ ክህሉ'ዩ" ብምባል እቲ ጽልዋ ሰፊሕ ከምዝዀነ የስምር።

ቍጠባ ኢትዮጵያ ብቐረባ ዝከታተል እቲ ክኢላ ወሲኹ፡ “ብዙሓት ናይ እምነት ሰነዳት ተቐባልነት ክስእኑ’ዮም። ኣብ መጻኢ እዚ ክንገብር ኢና፡ ክፍሊት ክንፍጽም ኢና፡ መተኣማመኒ ክንህብ ኢና፡ ኣብ መጻኢ ንዝፍጽሞ ክፍሊት ሎሚ ኣገልግሎት ክንረክብ ሎሚ ኣቕሓ ይለኣኽ ብዝብል ዝፍጸሙ ሰነዳት ክፍሊት ድማ ብሓፈሻ እምነት ክስእኑ እዮም። ስለዚ ዓቢ ክሳራ እዩ፡” ይብል።

እዚ ብኣንጻሩ ኩባንያታት ብሕቲ ዋኒነን ብግቡእ ከካይዳ ከምዘይክእላን ካብዚ ሓሊፉ ቍጽሪ ሰራሕተኛታት ክቕንሳ ከገድደን ከም ዝኽእልን እቲ ክኢላ ወሲኹ ገሊጹ።

"ኣብ ዕዳጋ ኣቑሑ ምርካብ ዘይምኽኣል" ከምኡ'ውን "ልዑል ናህሪ ዋጋ ኣቑሑ" እውን ከጋጥም ከምዝኽእል እቲ ክኢላ የመልክት።

ብመሰረት መብርሂ እቶም ክኢላታት ስነ-ቝጠባ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕዳ ብዘይምኽፋሉ ዝጽሎ ካልእ ዓውዲ ወፍሪ እታ ሃገር እዩ።

እቲ ምሁር ነዚ ክገልጽ ከሎ፡ “ኣውፈርቲ ኣብ ቍጠባ እምነት ይስእኑ፤ ስለዚ ኣብ ቀጻሊ ወፍሪ ገይረ ገንዘበይ ክረክብ እየ ዝብል ኣውፋሪ ምርካብ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ስራሕ ዝጽንሑ ኣውፈርቲ'ውን ናይ ምስፍሕፋሕ መደባቶም ክስርዙ ይኽእሉ እዮም። ኣብ መጻኢ ወፍሪ ክንገብር ኢና ኢሎም ዝሓሰቡ ሰባት እውን ፕሮጀክትታቶም ንምስራዝ ስጕምቲ ክወስዱ ይኽእሉ እዮም። ብድሕሪ'ዚ ኢትዮጵያ ከም ቍጠባ ተወዳዳሪት ክትከውን ኣይትኽእልን እያ።"